ማእኸል ፅንዓትን ምርምርን ሎሬት ፀጋዬ ገብረመድህን

ብብርዑ ገይሩ መፃኢ ዝትንብይ፤ዝሓለፈ ከም ሓዱሽ መሊሱ ዘርእይ፤ እቲ ዝነበረ ዘድምቕን ኣዝዩ ዝድነቕ ሰብ ‘ዩ። ግጥምታቱ ምስሊ ፈጢሮም ዝርኣዩ ጣዕሚ ፈጢሮም ብዝተፈለየ ዜማ ንእዝኒ ዝጥዕሙ ኣብ ዓብዪ ብርኪ ጥበብ ፅባቐ ዝቕመጥ ‘ዩ። ናይ ትያትርን ግጥምን ድርሰታቱ እስካዕ ሎሚ ብመብዛሕትኦም ፈተውቲ ኪነ ጥበብ ዝፍለጡ ‘ዮም። ስራሕቱ ንብዙሓት ሰባት መምሃሪ ህይወትን ጥበብን ኾይኖም ‘ዮም። ንስነ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ዘበርከቶ ኣስተዋፅኦ ኣብ ስነፅሑፍ ኢትዮጵያ ዘለዎ ቦታ ንፈተውቲ ኪነ ጥበብ ምንጋር ፤እቲ ዝፈልጥዎ ከም ምድጋም ‘ዩ ዝቑፀር። ፋና ኪነ ጥበብ ኢትዮጵያ ሎሬት ፀጋዬ ገብረመድህን።

 እዚ ዓብዪ ሙሁር ቅኔ የካቲት 1998 ዓ/ም ኣብ ኒውዮርክ ህይወቱ እንተሓለፈኳ ንወለዶ ዝሓደጎም ሓያለ ስራሕቱ ሽሙ ዘፀውዑ ‘ዮም። ስራሕቱ ዘበናት ተሳጊሮም ትማሊ ሎምን ፅባሕን ዝገልፁ ‘ዮም። ኣፍታ ውቕብቲ ከተማ ኣምቦን ዙርያኣን ዘለዉ መናእሰይ ዓምዲ ስነ ፅሑፍ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ንዝተጣየሸ ትካል ተኣኻኺቦም ጥበባዊ ቃሕትኦም እናስተማቐሩ ይርከቡ።

ኪናዊ ፍቕሪ ዝሓደሮም ኣፍላታት ጥበብ ተፀዊዖም ፤ሰብ ሞያ ጥበብ ካፍቲ መኣዲ ምቁዳስ ካብ ዝጅምሩ ቐንዮም ‘ዮም። ‹‹ሎሬት ፀጋዬ ገብረምድህን›› ተባሂሉ ድማ ተሰይሙ። ኣብዚ ዓብዪ ማእኸል ምርምርን ፅንዓትን ብፍላይ ብስነ ፅሑፍ፣ብተዋስኦ፣ብሙዚቃ፣ትያትርን ሳዕስዒትን ንመናእሰይ ስልጠና ኣብ ምሃብ ይርከብ።

ኣፍቲ ማእኸል ኪነ ጥበብ ሓላፊ ዘፈር ኪነ ጥበብ ዝኾነ መንእሰይ ዘርኣይ ከበደ እቲ ማእኸል ኣፍቲ ከባቢ ድሌት ኪነ ጥበብ ዘለዎም መናእሰይ እቲ ከባቢ ብምትእኽኻብ ብሽዱሽተ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስልጠና ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብ ብምሕባር በቲ ዝወሃብ ስልጠና ድማ እቶም መናእሰይ ድሌቶም ብምርካቦም ምንቕቓሕ ከም ዝፈጠረሎም ይገልፁ። ቕድም ክብል ኣፍታ ከተማ ዝርከቡ መናእሰይ ኣብ ዘፈር ኪነ ጥበብ ናይ ምስታፍ ድሌት እንተሃለዎምኳ ዝተመቻቸወ ኹነታት ስለ ዘይነበረ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዘይነበሮም ዝገልፅ መንእሰይ ዘርኣይ ፤ማእኸል ፅንዓትን ምርምርን ሎሬት ፀጋዬ ገብረመድህን ምምስራቱ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ከምዘኽኣለ የብራህርህ።

ቕድሚ ሐዚ መናእሰይ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ንምስታፍ ብወለዶም ብዙሕ ፍቓድ ከም ዘይረኽቡ ብምዝኽኻር ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝሐሸ ግንዛበ ምፍጣር ስለ ዝተኽኣለ ወለዲ ንደቆም ምብርትታዕ ከም ዝጀመሩ ይዛረብ። ብስእሊ፣ብሙዚቃን ብትያትርን ስልጠና ዝወስዱ መናእሰይ ስራሕቶም ብዝተፈላለየ መልክዕ ንሕብረተሰብ ምቕራብ ጀሚሮም ‘ዮም። ኣፍታ ከተማ ብዙሕ ዝምቹው ኪነ ጥበብ ዝዳለወሉ ኣዳራሻት ተዘይሃለዉኳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣዳራሻት ስራሕቶም ንማሕበረ ሰብ እናቕረቡ ይርከቡ።

 እቶም ሰልጠንቲ ዝገርም ፍቕሪ ኪነ ጥበብን ተሰጥኦን ከም ዘለዎ ዝገልፅ መንእሰይ ዘርኣይ፤ኣፍቲ ከባቢ ንትያትርን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ዝኸውን መድረኻት ተዳሊዎም ምቹዋት ኣዳራሻት ተዝህልዉ ኣፍቲ ዘፈር ተኣምር ክስራሕ ከም ዝኽእል ይምስክሩ። ኣብ ከተማ ኣምቦ ቕድም ክብል ተመሳሳሊ ስልጠና ዝህብ ትካል ብዘይ ምንባሩ ተሰጥኦኦም ንምውፃእ ዝተፀገሙ ከም ዝነበሩ እቲ ማእኸል ምምስራቱ ግና ንብዙሓት መናእሰይ ፅቡቕ ዕድል ከምዝፈጠረን ስራሕቲ ጥበብ ብሓንሳብ ንሕብረተሰብ ክነቕርብን ዓርስና በቲ ሞያ ክነዕቢ ገይሩና ‘ዩ ዝብል ሪኢቶ ሂቦም።

ኣፍቲ ማእኸል ብስእልን ቕርፃቕርፅን ዝሰልጠኑ መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ መድረኻት ናይ ምስታፍ ዕድል ገጢምዎም ከም ዝነበረ ዘዘኻኸረ መንእሰይ ጌትነት፤ቕድሚ ሐዚ ብኣዳላውነት ባህልን ቱሪዝምን ብመናእሰይ እቲ ኸባቢ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንምርኢት ከም ዝቐረቡ ይዛረብ። ዕድመኦም ልዕሊ 8 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ዘለዎም ተሰጥኦ ንምድባር ናፍቲ ማእኸል እናመፁ ስልጠናታት እናወሰዱን ኪነ ጥበባዊ ፍቕሮም እናዓገቡ ይርከቡ። በብእዋኑ ኣፍቲ ማእኸል ብሰልጠንቲ ዝስርሑ ስእልታትን ቅርፃ ቅርፅታትን ንዕዱማት ዝቐርብ እንትኸውን ሰልጠንቲ ድማ ስራሕቶም ብናፃ ብምቕራብ ርኢቶ ተመልከቲ ብምቕባል ዓርሶም እናመሓየሹ ይርከቡ።

 ብፍላይ ድማ ናይ ውልቀ ትካላትን ሆቴላትን ፤ ኪነ ጥበብ ንማሕበረሰብ ዘበርክቶ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ብምርዳእ ሰብ ብሞያ ኪነ ጥበብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ተዳልዮም ስራሕቶም ከቕርቡ ዕድል ተዝህቡ ፅቡቕ ‘ዩ ክብሉ ኣረዲኦም። እዚ ዓምዲ ኪነ ጥበብ ዘድመቐ መረበት ጥበብ ተስፋ ዝህብን ዘበረታትዕን ስለዝኾነ ኣብ ውሽጢ እቲ ማእኸል ንዕብየት ኪነ ጥበብ እናሰርሑ ዘለዉ ኣካላትን ፤ካብዛ ውቅብቲ ከባቢ ንዕብየት ኪነ ጥበብ እናሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ምብርትታዕ ይግባእ። ኣብዛ ፅብቕቲ ከባቢ ዝተረኸቡ ሎሬት ፀጋዬ ገብረመድህን ትማልን ሎሚ ዘለዉ ጋህዳዊ ሓቅታት ተራእዩዎም እቲ ዘለናሉ ኹሉ ብኣእምርኦም ዝገለፁሉን ዝፀሓፉሉን ‹‹ሀ ሁ፣እናታለም ጠኑ›› ዝተብሃለ ግጥማዊ ተውኔት ኣብ 1967 ዓ/ም ዝተፅሓፈ እንትኸውን፤ዘበን ዘይስዕሮ ሓያል ኪናዊ ስራሕ ኾይኑ እስካዕ ሐዚ እናቐፀለ ይርከብ።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 16 ሰነ 2014 .

Recommended For You