ውሩይ ከያኒ ዳዊት ነጋ

ኣዲስ ኣበባ ፡- ስርዓተ ቀብሪ ውሩይ ከያኒ ዳዊት ነጋ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቤተ ክርስትያን ካቴድራል ቅድስተ ስላሴ ስድራኡን ኣድነቕቱን ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈፂሙ። ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስድራቤትን ኣድነቕቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ፀሎተ ፍትሓትን ታሪኽ ሂወቱን ቀሪቡ። ከያኒ ዳዊት ነጋ ካብ ኣብኡ ኣይተ ነጋ ተስፋይን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ፅገ ተስፋይን ሚያዝያ 1980 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተምሃረን እንትኸውን፥ ገና ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ወለዱ ብሞት ከምዝተፈልይዎን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝቕረበ ሂወት ታሪኹ ተገሊፁ።

ከያኒ ዳዊት ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ እንትኸውን ነቲ ንሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪን ሕልምን ናብ ተግባር ንምቕያር ናብቲ ብምርኢታት ሰርከስ፣ ሙዚቃን ተዋስኦን ዝነጥፍ ዝነበረ ጕጅለ ሰርከስ ትግራይ ከም ድምፃዊ ክፅምበር ሕቶ ኣቕሪቡ። እቲ ሕቶኡ ብእዋኑ ኣወታዊ መልሲ ክረክብ’ኳ እንተዘይከኣለ፣ ሽዑ “ማርሽ ባንድ” ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ክፍሊ ክፅምበርን ድራም (ከበሮ) ክሕዝን ዕድል ረኸበ። ኣብ ውሽጡ ግን ድምፃዊ ናይ ምዃን ባህግን ሕልምና ስለዝነበሮ ደርፊ ምፍታን ኣየቋረፀን።

ስለዝኾነ ከያኒ ዳዊት ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ፈተና ብፅንዓትን ብፃዕርን እናሰዓረ ብምምፃእ ናብቲ ዝደልዮ ሞያ ድምፃዊ ክሕወስ ከሎ፣ ብፍሉይነት ድምፁን ቃናኡን ብቐሊሉ ንብዙሓት ክስሕብ ክኢሉ ‘ዩ። ንብዙሓት ስነ-ጥበባውያን ትግርኛ ኣርኣያ ክኸውን ከምዝኸኣለን ንስነ-ጥበብ ትግርኛ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ምብፃሕ ዓብዪ እጃም ከምዝተፃወተን ‘ውን ኣብቲ ስነ[1]ስርዓት ቀብሪ ተገሊፁ “ዳኣመና”፣ “ባባ ኢለን”፣ “ሕድያት መቐለ”፣ “ወዛመይ”፣ “ዘዊደሮ”፣ “ብነፀላይ”፣ “ቅዱስ ፀባያ”፣ “ቸቸኮላታ” ዝብሉ ደርፍታቱ ካብቶም ኣብ እዝኒ ኣድነቕቱ በፂሖም ዝለዓለ ተቐባልነትን ናእዳን ዝረኸቡ ስራሓውቱ ‘ዮም።

ዳዊት ነጋ ንዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ስዒቡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ኣትዩ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ከምዝፀንሐ እቲ ህይወት ታሪኹ ይሕብር። ውሩይ ከያኒ ዳዊት ነጋ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ከም ሰዓል ኣቢሉ ዝጀመሮ ሕማም እናኸበዶ ምስከደ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወስደን ክሳብ ሰንበት ኣብ ስሩዕ ክፍሊ ክትትል ሕክምና ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብፍላይ ሰንበት ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሕማሙ ስለዝፀንዖ ናብ ክፍሊ ፅዑቕ ክንክን ከምዝኣተወን ምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡00 ኣቢሉ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየን ዝዝከር ‘ዩ። 5 ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ መበል 34 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየን እንትኾን 7 ሰነ 2014 ዓ.ም ስርዓተ ቐብሩ ተፈፂሙ። ፍሉጥ መንእሰይ ድምፃዊ ዳዊት ነጋ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቆልዓን ነይሩ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ  9 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You