ጥሙር ሽልማት ለዛ

ብዕብየት ኪነጥበብ በሊፀን ዝኸዳ ሃገራት ንማሕበራዊ ለውጠን ዓብዪ ለውጢ ዘበርከተ ኪነጥበብ፤ ብዝተፈላለየ መልክዑ ይግልገሉሉ ‘ዮም። ማሕበረሰቦም ንምቕራፅን ዝተፈላለዩ ፅቡቓት ፅዕንቶታት ንምፍጣር እናተጠቐሙሉ ይርከቡ። እዛ ሃገር ማሕበራዊ ፍልስፍንኦምን ሃገራዊ ኣተሓሳስብኦም ካብ ማሕበረሰቦም ሓሊፉ ናብ ኻሊእ ብምንፅብራቕ ኢሉ ‘ውን ብምስራፅ ነቲ ዝደለይዎ ዕላማ ንምስኻዕ ኽኢሎም ‘ዮም። በዚ ድማ ሃገራዊ ጥቕሞም ከኽብሩ ኽኢሎም ‘ዮም። ኪነ ጥበብ ናይ ለውጢ ኣተሓሳስባ ሓደ መገዲ ከም ዝኾነ ተረዲእዎምን ንዕብየት ኪነ ጥበብ ኣድላዪ ‘ዩ ዝብልዎ ኹሉ ይገብሩ። ካብ መንጎ እዞም መርኣያታ ብብርኪ ዓለምለኸ ኣዝዮም ዝተፈለጡ ኪነ ጥበባዊ ሽልማታትን መበረታትዕታ ካብ ዝጅምር ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ብመዳላዋይነት ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ሃገርና ስራሕቲ ኪነ ጥበብ ንክበራኸቱ ንሰብ ሞያ ኪነጥበብ ዝብርከቱ ሽልማታት እናወሰኹ’ዮም።

ሰብ ሞያ ኪነጥበብ ምድናቕ ኢሉ ‘ውን ኣፍቲ ዘፈር ዘሎ ኪናዊ ኣተሓሳስባ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምዕባይ ብምሕሳብ ኣብ 2003 ዓ.ም ብሓሙሽተ ዘፈራት ስርሑ ዝጀመረ ሽልማት ኣዋርድ ለዛ እስካዕ ሐዚ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ንትሽዓተ ተኸታታሊ ዓመታት ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ እናሸለመ ኣብዚ በፂሑ ‘ዩ። ብርግፅ ካብ እዋን ናብ እዋን ዘፈር ሽልማታቱ እናስፈሐ ንተሸለምቲ በቢመድረኹ እናቕረበ እናሸለመ ዝፀንሐ ኣዋርድ ለዛ ንዕብየት ፊልምን ሙዚቃን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ ‘ዩ።ኣፍቲ ምድላው ዝተረኸቡ ሰብ ሞያ ሙዚቃን ፊልምን ርኢትኦም ዝሃቡ እንትኸውን፤ በብዓመቱ ምሩፅን ተፈታዊ ስራሕ ንዝሰርሑን ከምኡ ‘ውን ብሰብ ሞያ ተመሪፆም በዚ መልክዑ ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ከም ይግባእ ዝሕብር ‘ዩ። እዚ ብምባል ርኢትኡ ዝሃበ ኣርቲስት ይገረም ደጀኔ፤ እቲ ሽልማት ኣርቲስታት ንዝሐሸ ስራሕ የለዓዕል ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ገሊፁ።

ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ዝዳለዉ ሽልማታት ብፍላይ ድማ ብስራሕቲ ፊልም ናይ ባዕሉ ግደ ኣበርኪቱ ኣሎ ኢሉ’ዩ ከምዝኣምን ብምግላፅ ፤ እቲ በዓል ሞያ ድማ ስራሕቱ ብህዝቢ ተፈትዩሉ ናይ ኽብሪ ሽልማት ምርካቡ ንዝሐሸ ስራሕ ከምዘለዓዕሎ ዝጥቁም ‘ዩ። ድምፃዊ ጆኒ ራጋ ብወገኑ ሽልማታት ኪነ ጥበብ ብፍላይ ንምንቕቓሕ ሙዚቃ ኣወንታዊ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎን በብእዋኑ እናተውሃቡ ዘለዉ ሽልማታት ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ሙዚቃ ብፅሬት ተሰሪሖም ንተመልካቲ ንኽበፅሑ ከም ዝሓገዘ ኣረዲኡ። ኣብ ሽልማት ለዛ ብርክት ዝበለ እዋን ከም ዝተዓደመ ዝገለፀ ድምፃዊ ጆኒ ቕድም ክብል ዝነበሩ ሽልማታት ብፅቡቕ መልክዕ ከም ዝርኣዮ ርኢትኡ ሂቡ። ተዓወቲ ናይዚ ዓመት ሽልማት ለዛ ኣዝዩ ብዝማዕረገን ብዝፀበቐን መድረኽ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ሽልማት ኣብ ስራሕቲ ሙዚቃን ፊልምን ዝተሓፀዩ ኣርቲስታ ናይዚ ዓመት ሕሩያት ተባሂሎም ዝተመረፁ ሰብ ሞያ ሽልማቶም ብኽብሪ ተቐቢሎም ‘ዮም። ኣብዚ ኣዝዩ ብርቱዕ ንሕንሕ ተገይሩሉ ‘ዩ ዝተብሃለ ስራሕቲ ሰብ ሞያ መሪፆም ንተሸለምቲ ሂቦምን ተሸለምቲ ድማ ናብ መድረኽ ወፂኦም ተቐቢሎም ኣመስጊኖም ‘ዮም።ብኻልእ መዳይ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝተገበሮ ምሩፅ ተዋሳኣይ ተኸታታሊ ፊልም ‹‹ዘጠነኛው ሺ›› ተዋሳኣይ ሚሊዮን ብርሃነ ዝተዓወተ እንትኸውን፤ ናይዚ ዓመት ምሩፅ ፊልም ድማ ኣንሰሮ ብምዃን ናይዚ ዓመት ሕሩያት ተባሂሎም ሽልማት ተጎናፂፎም ‘ዮም።

ናይዚ ዓመት ሕርይቲ ደራፊት መሰሉ ፋንታሁን ‹‹ወይ ልምጣ›› ሰዓሪት ብምኻን ሽልማታ ወሲዳ ‘ያ፡፤ናይዚ ዓመት ምሩፅ ናይ ሙዚቃ ቪዲዮ ጥላሁን ገሰሰ ‹‹ቆሜ ልመርቅሽ›› ተሓርዩ ንሽልማት በቒዑ ‘ዩ።ናይዚ ዓመት ምሩፅ ነፀላ ዜማ ሙዚቃ ብሮፍናን ዝተደረፈ (ሶስት) ተሸላሚ ኾይኑ ‘ዩ። ብኻልእ ዘፈር ናይዚ ዓመት ምሩፅ ሓዱሽ ደራፋይ ድምፃዊ ዳዊት ፅጌ ብምዃን እንትምረፅ ፤ናይዚ ዘፈር ስያመ ድማ በቲ ስሙይ በዓል ሞያ ሙዚቃ ኤልያስ መልካ ተሰይሙ ‘ዩ።ናይዚ ሽልማት ስያመ ድማ ‹‹ኤልያስ መልካ ሽልማት›› ተባሂሉ ከም ዝተሰየመ ተገሊፁ። ኣብ ምድላው ሽልማት ለዛ ጥራሕ ዘአይኮነስ ኣብ ኻልኦት ተመሳሰልቲ ሽልማታት ኣብ ኸይዲ መረፃ ክፀርይ ይግባእ፤ኣመራርፅኡ ድማ ልክዕ አይኮነን ዝብል ርኢቶን፤ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣሉታዊ ርኢቶ እናተሰምዑ ነይሮም።ነዚ ንምእራምን ናይ ኣሰራርሓ ግልፅነት ንምስፋን ሸለምቲ ኣካላት ፃዕሪ ክገብሩ ከም ዝግባእ ተነጊሩ። ዕብየት ኪነ ጥበብ ማሕበረሰባዊ ለውጢ ዘቀላጥፍ ‘ዩ።ብኪነ ጥበብ ምምሃርን ምግራሕን ኹለመዳያዊ ለውጢ ኣተሓሳስባ ምምፃእ ይከኣል ‘ዩ።ንማህበረሰባዊ ምትእስሳር ርክብ ንምጥንኻርን ፤ንማሕበረሰባዊ ንቕሓት ኹለመዳያዊ ለውጢ መሰረት ዝኾነ ዕብየት ኪነ ጥበብ ብቑርፀኝነት ክስራሕ ዝግበኦ ነዚ ‘ዩ።

ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 2 ሰነ 2014 ዓ.ም

Recommended For You