ብኪነ ጥበባውያን ዝደመቐ መበል 8ይ ሽልማት ኣዋርድ ጉማ

 ኪነ ጥበባዊ ተጨኒቑ ዝወለዶ ኪናዊ ስራሕ ናብ ዕዱም እንትበፅሐሉ ፈላማይ ታሕጓሱ ‘ዩ፡፡ እቲ ብብዙሕ ፃዕሪ ከሺኑ ዘቕረቦ ውፅኢት ኪነት ብተደራሲ ፅቡቓት ርኢቶታት እንትውሃብዎ ኢሉ ድማ ስራሕኻ ፅቡቕ ጌርካ ሰሪሕኻለኻ ምስጋና ሽልማትን ተቐበል እንትብሃል ታሕዃሱ ፍሉይ ‘ዩ፡፡ ብርግፅ ድማ ብዝሰርሕዎ ስራሕ ምሽላምን ምስጋና ምርካብን ንፅቡቕ ለውጢ ምኽንያት ከም ዝኸውን መብዛሕትኦም ዝኣምኑሉ ‘ዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ንሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ምብርትታዕ ተባሂሎም በብዓመቱ ዝካየዱ ዘለዉ ሞያዊ ሽልማታት ንዕብየት ኪነጥበብ ኣወንታዊ ተራ እናፃወቱ ምዃኖም ካብ ዕብየትን ለውጥን ምርዳእ ይከኣል፡፡ ‹‹ሽልማት ጉማ›› ኣብ ውሽጢ ዓዲ ብዘፈር ኪነ ጥበብ በብዓመቱ ካብ መንጎ ዝዳለዉ ዓይነታት ሽልማት ሓደ ‘ዩ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዙራት እቶም ፊልምታት ብበዓል ሞያ ኣወዳዲሮም ስራሕቶም መሪፁ ብበዓል ሞያ ፊልም ኣቢሉ ሽልማት እናሃበ ዝፀንሐ ሽልማት ኣዋርድ ጉማ ሎም ዘበን ‘ውን ንሻምናይ ግዘ 22 ምሩፃት ፊልምታት ኣወዳዲሩ ብ14 ዝተፈላለዩ ጥበባት ፊልምን ዓውድን ሕፁያት ገይሩ ብምቕራብ ናይ ኣፍልጦ ሽልማት ኣበርኪቱ ‘ዩ፡፡

ቕድም ክብል ኣብ ዘፈር ሽልማት ዘይነበረን ብመብዛሕትኡ ፈታዊ ኪነ ጥበብ ንምንታይ ዘይካተት ዝብል ሕቶ ዘልዕል ዝነበረ ተኸታታሊ ናይ ቴሌቪዢን ድራማ ሓደ ‘ዩ፡፡ኣብ ሽልማት ጉማ ተሓፅዮም ዝቐረቡ ፊልምታት ዝተፈላለየ ብርቱዕ ንሕንሕ ዝገበሩ እንትኸውን ብፍላይ ድማ ሓደ ኾይኖም ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ሕፁያት ዝኾኑ

 ፊልምታት ነይሮም፡፡ ብሓደ ዘፈር ዝተሓፀዩ ‹‹ገናዥ፣ ስለመና፣ ሲሳይ›› ዝተብሃሉ 3 ፊልምታት እንትኾኑ ብሓሙሽተ ዘፈር ዝተሓፀዩ 4 ፊልምታት ተኻቲቶም ‘ዮም፡፡ ‹‹የፍቅር ጥግ›› ዝተብሃለ ፊልም ድማ ብዓሰርተ ሓደ ዘፈር ብምሕፃይ ኣፍቲ መድረኽ ደሚቑ ኣምስዩ ‘ዩ፡፡

ተዓወቲ 8ይ ኣዋርድ ሽልማት ጉማናይዚ ድሙቕ መድረኽ ናይ ኽብሪ ተሸለምቲ ዝኾኑ ተዓወቲ ኣፍቲ መድረኽ ብዘደንቕ ምርኢት ተዓጂቦም ሽልማቶም ተቐቢሎም ‘ዮም፡፡ ናይ ህይወት ዘበን ተሸላሚ ፕሮፌሰር ሰሌማ መኩሪያ እንትኾኑ፤ ተሸላሚ ሓፂር ፊልም ድማ (መባ) ብኣብርሃም ከበረ ተሸላሚ ኾይኑ፡፡ ብምሩፅ ሓፂር ፊልም ኣብ ኢቢሲ ዝተሰርሐ ‹‹የውበት ሻማ›› ዝተብሃለ ናይ ፍቃዱ ከምባታ ፊልም ድማ ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ፡፡

ዘፈር ተኸታታሊ ድራማ ዝተመረፀ ፅሑፍ ተኸታታሊ ድራማ (እረኛዬ)፣ ቤዛ፣ ኣዜብ፣ ቅድስትን ብምዃን ተዓወቲ እንትኾና፤ ካብ ምሩፃት ተዋሳቲ ተኸታታሊ ድራማ ድማ ተዋሳኢት ሳያት ደምሴ ካብ ድራማ እረኛዬ ተመሪፃ ‘ያ፤ ሰዓሪት ናይዚ ዘፈር ሳያት ደምሴ እቲ ሽልማት ብናይ ውልቃ ምኽንያት ከም ዘይትቕበል ብምግላፃ ድማ ፍሉይ ተጓንፎ ጉማ ኣዋርድ ኾይኑ ሓሊፉ ‘ዩ፡፡

ምሩፅ ተዋሳኣይ ተኸታታሊ ድራማ ብርሃኑ ድጋፌ ካብ ድራማ ‹‹የእግር እሳት›› ሽልማት ዝተቐበለ እንትኸውን፤ ብሉፅ ሴትኮም ድራማ 9ኛው ሺ ድማ ተመሪፁ ‘ዩ፡፡ብዘፈር ፊልም ኣብዚ ዘፈር ብርቱዕ ዝኾነ ንሕንሕ ዝተገበረሉ እንትኸውን ኣብ መወድእታ ድማ ኣፍቲ መድረኽ ብሉፃት ናይዚ ዓመት ተዓወቲ ሽልማት ተጎናፂፎም ‘ዮም፡፡ ኣብዚ ብሉፅ ፊልም ማንያዘዋል፣ብብሉፅ ዳይሬክተርን ተዋሳኣይ ድማ እንግዳሰው ሃብቴ (ቴዲ) ‘ዮም፡፡

ኣፍቲ መድረኽ ካብ መንጎ ዝተረኸቡ ሰብ ሞያ ፊልምን ኣርቲስታትን ሓደ ሰራዊት ፍቅሬ ፤ጉማ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብ ዝራኸቡሉ መድረኽ ካብ ምዃን ሓሊፉ እቲ ሰራሒ ፊልም ውፅኢት ስራሕቱን ፃዕሩን ዝረኽበሉ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ፡፡

ኣፍቲ ሽልማት ሕፅይቲ ዝነበረት ተዋሳኢት ሃና መርሃፅድቅ ብወገና፤ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሽልማት መድረኽ ምህላዉ ኣፍቲ ሞያ ዝሳተፉ ሰብ ሞያ ፊልምን ተዋሳእትን ኣዝዩ ዘበረታትዕን ብሞይኦም ንኽብርትዑ ዘተባብዕ ከምዝኾነ ተዛሪባ ‘ያ፡፡ብፍላይ ድማ እቲ በዓል ሞያ ብሞይኡ ትኹረት ገይሩ ንኽሰርሕን ሞይኡ ንምዕባይ ኢሉ ድማ ዝሐሹ ስራሕቲ ንምስራሕ እቲ ሽልማት ይሕግዞ ‘ዩ ኢላ፡፡

እዚ ኣዝዩ ዘበረታትዕ መድረኽ ሽልማት ጉማ ንዝሓለፉ ቑሩብ ዓመታት ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተዘሓሒሉ ከም ዝፀንሐ ዝዛረቡ እቶም ሰብ ሞያታት፤ በዚ ዝዳለዉ ተመሳሰልቲ ሽልማታትን ምብርትታዕን ዕዙዝ ግደ ከም ዘለዎ የረድኡ፡፡ትኹረት ተዋሂብሉ እንተተሰሪሑ ማሕበረሰብን ሃገርን ብኣተሓሳስባን ብኢኮኖምን ብሉፅ ለውጢ ዘምፅእ ዘፈር ፊልም ንምብርትታዕ ተጠናኺሩ ከም ዝቕፅል ድማ ይእመን፡፡

 ሄርሞን ፍቃዱ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ  25 ጉንበት 2014 ዓ.ም

Recommended For You