‘’ህዝቢ ትግራይ ይኣኽለና፣ ደቅና ወዲእና፣ ምንባዕ ይኣኽልና ክብል ኣለዎ’’ – ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል

 ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል ይባሃሉ። ኣብ ትግራይ ፍሉይ ሽሙ ዓዲ ኣሕፈሮም ዝተወለዱ እንትኾኑ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ዞባ ማእኸል ወረዳታት እንትጮን ዓድዋን ’ዮም ተማሂሮም። ካብኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ብስራሕ ኣመራርሓ፣ ብቢዝነስ ማኔጅመንት፣ ብማርኬቲንግ ማኔጅመንት ብመጀመሪያ ዲግሪ ዝተማሃሩ’ዮም። ኣብ ዝተፈላለየ ቢሮታት ብሓላፍነት ዝሰርሑ እንትኾኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝርከብ ወረዳ ቤት ምኽሪ ክትትልን ቁፅፅርን ሓላፊ ኾይኖም እናገልገሉ ይርከቡ። ኣይተ ሃይለ ለውጢ ደላይ ’የ ይብሉ። ኩነታት ኣብ ዘለዎ ጠጠው ክብሉ የብሎምን ተቐይሩ ንካልእ ወለዶ ድማ ክሕልፍ ይግባእ፤ ብትማሊ ክንነብር የብልናን ይብሉ። ትማሊ ዝነበረ ጌጋ ፅባሕ ክድገም የብሉን እዚ ንክመፅእ ድማ ሎማዓንቲ ብምጥቃም ለውጢ ምቕባል ግድን ’ዩ ይብሉ። እዚን ካልኦት ሓሳባትን ምስ ኣይተ ሃይለ ገብረሚካኤል ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፤

 ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ፀገም ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ሃይለ፡- ሓደ ነገር ክልወጥ ኣለዎ ፤ ለውጢ ዝደሊ ሰብ ካብ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሮ ኣተሓሳስባን ኣሰራራሓን ንምውፃእ ግድን ለውጢ ዝባሃል ክህሉ ኣለዎ።እንድሕር ለውጢ ዘይሃልዩ ዓዲ ኣይዓብን ህዝቢ ‘ውን ኣይዓብን። ለውጢ ዝደልዩ ሰባት ክፍጠሩ ኣለዎም። እዞም ለውጢ ደለይቲ ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባን ካልኦት ዝፀንሑ ፀገማትን ንምልዋጥ ድልየት ይህልዎም ማለት ‘ዩ። ለውጢ ምቕባል ዘመናውነት ‘ዩ። ለውጢ ዝደልዩ ሰባት ኩናትን ዕንወትን ኣይደልዩን። ለውጢ ዝደልዩ ሰባት ንባዕሎም ቀይሮም ሕብረተሰቦምን ሃገሮምን ዝቕይሩ ‘ዮም። ዓዲ ካብ ፀገም ኣውፂኦም ብፖለቲካን ኢኮኖሚን ማሕበራውን ዝዓበየት ሃገር ንምግባር ‘ዮም ዝፅዕሩ፤ እንድሕር ለዉጢ ዘይደሊኻ ንድሕሪት ምምላስካ ዘይተርፍ ‘ዩ።

ሓደ ሓደ ትሑት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣካላት ንሕና ኢና ንፈልጥ ‘ዮም ዝብሉ።ብዘይካ ንሕና ዓዲ ዝመርሕ የለን ዝብሉ ጉጅለታት ኣለዉ ‘ዮም። እዚኦም ድሑር ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ኣብቲ ዘለዉዎ ደው ኢሎም ዝተርፉ ‘ዮም። እዚኦም ድማ ዕንቅፋት ዓዲ ‘ዮም። ለውጢ ዝባሃል ስለ ዘይደልዩ ለውጢ እንትመፅእ ዓዶም ገዲፎም ዝሃደሙ ኣለዉ ‘ዮም። ኣማራርሓ ህወሓት ናብ ክልል ትግራይ ሃዲሞም ‘ዮም፤ ኣብ ክልል ከይዶም ድማ መንግስቲ ብምባል ንሕና ኢና መንግስቲ ኢሎም መረፃ ኣካይዶም ‘ዮም። ምስ ጎረቤትና እንታይ ክኾን ከምዘለና ዘይፈልጡ ንባዕሎም ጥራሕ ዝሓስቡ’ዮም።ንህዝቢ ትግራይ ናብ ፀገም፣ናብዚ ኹሉ ንከይኣትዉ’ውን መንግስቲ ብመራሕቲ ሃይማኖት ፣ሙሁራን፣ ዓበይቲ ዓዲ ተለሚኖም ‘ዮም። ንሳቶም ግና ምስ ገበነኛታት ዕርቂ የለን ኢሎም ‘ዮም ኣቕቢፆም። እዚ ሕማም ከልቢ ‘ዩ ዝመስል፤ ሓደ ኸልቢ እንድሕር ሓሚሙ ንመዕበይኡ ‘ዩ ዝነክስ። ስዒቡ ድማ ናብ ጎረባብቲ ይኸይድ። ምስ ኹሉ ጎረባብቲ ክልላት ብምብኣስ በይኖም ተሪፎም ንህዝቢ ትግራይ ‘ውን በይኑ ኣትሪፎምዎ ‘ዮም።

ካብ መፈለምትኡ ኣማራርሓ ህወሓት ለውጢ ዝደልዩ ኣይነበሩን። ለውጢ ዝደሊ ኩናት ኣይመርፅን። ፀገማት ‘ውን እንተሃልዮም ብምይይጥ ብምዝርራብ ኣብ መድረኽ ክፍትሑ ነይርዎም። ዘየረዳድኡ እንተሃልዮም በቲ ዘረዳዳኡና እናኸድና በቲ ዘየረዳድኡና ንጎኒ እናገደፍና ንኸይድ፤ ኩሉ ግዘ እናቐየሮ ‘ዩ ዝኸይድ። ኩናት ናይ ኣመራርሓ ድኽመት ‘ዩ፤ንድሕሪት ‘ዩ ዝወስድ።ሓደ ሰብ ኣነ’የ ዝፈልጥ እንድሕር ድኣ ዝብል ኾይኑ ኣይፈልጥን።ፈላጥ ዝበሃል ህዝቢ’ዩ ዝምስክረሉ።እዚኦም ህዝቢ ስለዘይመረፆም ዓዲ ናብ ኹናት ኣእትዮምዋ። ንብዙሕ ዓመታት ንክለምዕ ግዘ ዝወሰደ ኣዕንዮምዎ ‘ዮም። ትግራይ ከም ትግራይ መቓብር ገይሮምዋ ‘ዮም። ሓንቲ ሽምዓ ኣብ ገንኢ እንድሕር ተወሊዓ ነታ ገንኢ ጥራሕ ‘ያ እተብርህ። እዚኦም ድማ ንባዕሎም ጥራሕ ዝሓስቡን ንስልጣኖም ጥራሕ ዝጭነቑን’ምበር ነቲ ህዝቢ ኣይጠቕምዎን።እዚ ፀገም ባዕልና ምፍታሕ እናኻኣልና ንፀላኢ ቦታ ብምሃብ ኣብ መንጎና ኣትዮም ንክውስኑ በሪ ኸፊቶምልና ‘ዮም። እዚ ድማ ፀገማት ትግራይን ሃገርናን ባዕልና ብዘተ ምፍታሕ ክንኽእል ኣለና ይብል።እንተ ጉጅለ ህወሓት ግና ንህዝቢ ትግራይ ኣይጠቐሞን ተዛሪብካ ዘይውዳ ፀገም ኣብፂሕሉ’ዩ።

 ወጋሕታ፡- ሃገራዊ ምኽክር ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ’ዩ? ካብ ምሁራን፣ ፖለቲከኛታትን፣ተጋሩን እንታይ ትፅቢት ይግበር ?

ኣይተ ሃይለ፡- ብዝበለፀ ምሁራን ትግራይን ከምኡ ድማ ምሁራት ኢትዮጵያ ነዚ መድረኸ ዕውት ንክኾን ዓብይ ግደ ኣለዎም። ሓደ ህዝቢ ትግራይ ዝተጋገየ እንተሃልዩ ንክምለሱ ምግባር፣ ሰላም ንክምለስ ከምዘለዎ እቲ ዝተፈጠረ ጎንፅን ዝዓነወ መሰረተ ልምዓት መሊስኻ ንምልማዕ ግድን ምምኽኻር የድሊ ‘ዩ። እዚ ስምምዕነት ኩሉ ትግራዋይ ክድግፎ ከምዘለዎ ግልፂ ‘ዩ። ህወሓት ንተጋሩ ካብ ኢትዮጵያውያን ፈልዮምና ‘ዮም። ንክንፅላእ ገይሮምና ‘ዮም። ኩሉ ትግራዋይ ህወሓት ‘ዩ ተባሂልና ኢና። ግና እዚ ውልቃዊ ኣተሓሳስባ ‘ዩ ኢልና ኢና ንወስዶ። ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ዓመት በኽዩ ‘ዩ፤ ብዙሕ ዓመት ደቁ ገቢሩ ‘ዩ፣ እዚ ድማ ይኣኽሎ ኢሎም ናብ መገዲ ሰላም ክመርሕዎም ዘለዉ ግዱሳትን ምሁራንን ተጋሩ ዓብይ ግደ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ድማ ክሕግዞ ኣለዎ፤ ይኣኽለና፣ ደቅና ወዲእና ኣለና እናበለ ክሕግዝ ኣለዎ። እዚ ኩሉ መስዋእትነት ኸፊሉ ንህዝቢ ትግራይ ዝተረብሐ የለን። ነዚኦም ነፂጉ ብምውፃእ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ዝኾነት ሃገር ክሃንፅ ኣለዎ። እዚ ኹናት ጠጠው እንድሕር ዘይሉ ኩልግዜ ጥፍኣት ‘ዩ። እቲ ዝተፈጠረ ጥፍኣት ተኣሪሙ ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኢሉ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ግደ ክፃወት ኣለዎ።

ሐዚ ‘ውን ኣይረፈደን ንምንታይ ከምዚ ኾይኑ ኣይባሃልን፤ ኾይኑ ‘ዩ በቃ ፤ህወሓት ጥራሕ እንተይኾነ ፀገም ሰላም ዘለዎም ከምኒ ሸኔ ዝኣመሰሉ ‘ውን መፂኦም ኣብዚ መድረኽ ሰላም ተሳተፍቲ ክኾኑ ኣለዎም። ካብ ዝሓለፈ ‘ውን ክማሃሩ ኣለዎም። ኹናት ኣማራፂ ገይርና እንታይ ፈጢርና፣ እንታይ ዓይነት ለውጢ ኢና ኣምፂእና ኢሎም ክሓቱ ኣለዎም።ናይ ኹናት ፅቡቕ የለን። ውፅኢቱ ንብረት ምብራስ፣ ህይወት ሰብ ምጥፋእ ‘ዩ። ኣብ ኢኮኖሚ ድማ ዓብይ ፅዕንቶ ኣለዎ ‘ዩ ፤ እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ ናብ ሰላም መፂኦም ተዘራሪቦም ክክሕሱ ኣለዎም ዝብል ኣተሓሳስባ ኣለኒ። ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ ምትሕግጋዝ ኩሉ ኢትጵያዊ የድሊ። ውፅኢት ክህልዎ ድማ ትፅቢት ንገብር።

 ወጋሕታ፡- ምእንቲ ሓገዝ ንህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ክበፅሖ ብዝብል መንግስቲ ጎንፂ ጠጠው ከምዘበለ ምግላፁ ዝዝከር ’ዩ ኣብዚ ዘለዎም ሪኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሃይለ፡- እዚ ፅቡቕ ውሳነ ‘ዩ ካብ ኩናት ጥፍኣት ‘ምበር ልምዓት የለን። እቲ ዝሓለፈ ይኣክል ብምባል ተኹሲ ጠጠው ኣቢልካ ሰላም ይምፅእ ምባል ንዓለም ዓብይ ትምህርቲ ዝኾን ‘ዩ ፤ እዚ ተኹሲ ጠጠው ምባል ህዝብና ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንክወፅእን፣ ብሰላም ወፂኡ ንክኣቱን፣ ኣብ ስግኣት ዝነበረ ህዝቢ ናብ ሰላም ምምፃእ ማለት ዓብይ ተስፋ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኹናት ጠጠው ይበል ኢልካ ናብ ሰለማዊ ምምፃእ ማለት ካብ ድልየት ‘ዩ ዝብገስ። እዚ ዲሞክራሲ ካብ ዝደሊን መንግስቲ ውፅኢት ‘ዩ። ፀገም ህዝቢ ዘይርደኦ መንግስቲ ተዝኸውን ነይሩ እዚ ሓሳብ ኣይመፀሉን ነይሩ። ስለዚ መንግስቲ እዚ ተኹሲ ጠጠው ምባል ዝገበሮ ውሳነ ብጣዕሚ ዝድገፍ ‘ዩ ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ውዕለታ ከምዝዋዓለሉ ዝቑፀር ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ሓሳብን ጭንቕን ምልቓቕ ማለት ቀሊል ኣይኮነን።ህዝቢ ‘ውን እዚ ብምስምዑ ደስትኡ እናገለፀ ‘ዩ ዝርከብ። ምንም ‘ኳ ወፂኡ ኣይግለፅ ‘ምበር ብውሽጡ ተስፋ ሰኒቑ ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ጎረባብቲን ምምዝባል ጀሚሩ ኣሎ፤ ካብዚ ስደትን ካልኦት ፀገማትን ንምውፃእ መፍትሒኡ እንታይ ’ዩ ይብሉ?

ኣይተ ሃይለ፡- ናይዚ ኩሉ ፍታሕ ሰላም ‘ዩ። ምእንቲ ህዝቢ ክባሃል ተሸናፊ ምኳን ‘ዩ። ሓገዛት እናመፀ ናብ ትግራይ እናኣተወ ‘ዩ። ግና ንሳቶም ኣይመፀአልናን ‘ዮም ዝብሉ ዘለዉ። ኾይኑ ግና እቲ ህዝቢ መድሓኒትን ምግብን ንክረክብ ምግባር ናይ ሰላም ውፅኢት ‘ዩ ይብል። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ተስፋ ሒዙ ‘ዩ ትፅቢት ዝገብር ዘሎ። እዚ ተስፋ ሰላም መዓዝ ይኾን ተግባራዊት እትኸውን እናበለ ‘ዩ። ምኽንያቱም ሰላም ፀሚእዎ፣ ዝብላዕ ስኢኑ ‘ዩ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናተመዛበለ ዘሎ። ፈቐድኡ ‘ዩ እናተበተነ ዘሎ። ህዝቢ ንከይመዛበል ግድን ዕርቂ ሰላም ምቕባል ኣድላይ እዩ። እዚ ድማ እዚ ሰላም እዚኦም ጉጅለ ይቕበሉ ‘ዶ ዝብል’ዩ።

 ኣብዝሓ ይቕበሉ ‘ዮም። ሓደ ሓዲኦም እንድሕር ዘይተቐቢሎም ግና ተሓፂብካ ናብ ጭቃ ‘ዩ። እዚ ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ‘ዩ እናተመዛበለ ዘሎ ‘ምበር እንድሕር ዓዱ ሰላም ኾይኑ ፤ እንድሕር ምግብን መድሓኒትን ረኺቡ ንምንታይ ይመዛበል፤ ስለዚ እዚ ንከይኸውን ናብ መስመር ሰላም ምምፃእ ግድን ‘ዩ፤ እቲ ህዝቢ እናተመዛበለ ብዝመፀ ቁፅሪ ፀገም ትግራይ እንተይኾነስ ንኢትዮጵያ ‘ውን ፅቡቕ ኣይኮነን። ህዝቢ ካብ መረበቱ ከይተመዛበለ ኣብ ዘለዎ ‘ዩ ሓገዝ ክዋሃብ ዘለዎ።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢኻ ’ዩ እናበለ ፕሮፖጋንዳ እናሰርሐ ፀኒሑ ’ዩ፤ ኸዚ ግና ህዝቢ ትግራይ ተመዛቢሉ እንትመፅእ እናተቐበሎ ይርከብ፣ ኣብቲ ህዝቢ ንህዝቢ ዘሎ ርክብ ፀገም ከምዘየለ ዘሪአና ዶ ይኸውን ይብሉ?

ኣይተ ሃይለ፡- ህዝቢ ምስ ህዝቢ ፀገም የለን። ፀገም መራሕቲ ‘ዩ። መራሕቲ ብዝፈጠርዎ ፀገም ህዝቢ ንህዝቢ ጎንፂ እንትኣቱ ንርኢ ኣለና። ትግራዋይ ኣምሓራይ ክወረካ ‘ዩ፤ ኣምሓራይ ትግራዋይ ክወረካ ‘ዩ ብዝብል ዝፈጠርዎ ፕሮፖጋንዳ ‘ዩ ናይዚ ኹሉ ፀገም ዘእተዎ። ሰበ ስልጣን ብዝፈጠርዎ ናብ ኹናት ተኣትዩ ኣብ ህዝቢ ብዙሕ መከራ ፈጢሩ ‘ዩ። ብመሬት ንክጓነፁ ገይሮም ‘ዮም። እዚ ናይ ሕማቓት መራሕቲ ውፅኢት ‘ዩ። ንባዕሎም ንክፀንሑ ኹናት ዘይምርግጋዕ ‘ዮም ዝፈጥሩ። እንበር ህዝቢ ሐዚ ‘ውን ናብ ክልል ኣምሓራ እናመፀ እናተቐበሎ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ዘርኤና ኣብ ኽልቲኦም ህዝብታት ምንም ፀገም ከምዘየለ ‘ዩ። ካብዚ ኹሉ ፀገም ንምውፃእ ፍታሕ ናብ ሰላም ምምፃእ ‘ዩ። ምዝርራብ ‘ዩ። ብምዝርራብ ዘይፍታሕ ነገር የለን። ኣብ በረኻ ዝነበረ ኣካይዳ ኣብኡ ክግደፍ ኣለዎ፤ ሐዚ ግዘ ተቐይሩ ‘ዩ፤ ፀገማት ብምይይጥ ‘ዩ ዝፍታሕ። ስለዚ ናብ ሰላም ክመፁ ተስፋ ይግብር።

ወጋሕታ ፡- መንግስቲ ዝልእኾ ሓገዝ ረድኤት ንዕጡቓት እናካፋፈለ ’ዩ ዝብል ሓበሬታ ኣሎ፤ ካብ ታሪኽ ህወሓት ተበጊስና እዚ ረድኤት ናብ ህዝቢ ክበፅሕ ኣይኽእልን ኢልና ዶ ክንድምድም ንኽእል?

ኣይተ ሃይለ፡- ስራሕ ህወሓት ተንኮል ‘ዩ፤ ሽም ናይ ምጥፋእ ባህሪ ኣለዎም፤ ንፕሮፖጋንዳ ኢዶም ነዊሕ ‘ዩ። ህወሓት ፅቡቕ እንተተገበረሉ ‘ውን ሽም ‘ዩ ዘጥፍእ ‘ምበር ኣየመስግንን። ካብ ፀላኢ መርዚ ‘ምበር ጠስሚ ኣይርከብን። እዚ ሓገዝ ምስ ኣተወ ምክፍፋል ግና ናታቶም ስራሕ ‘ዩ። ንህዝቦም ክብሉ ከከፋፍሉ ኣለዎም። ቅድሚ ሐዚ ፍፁም ተኸልኪልና እናበሉ ነይሮም ሐዚ ድማ ኣይኣተዎን ይብሉ ኣለዉ። ባዕሎም ‘ዮም ተመሊሶም ዝሰርቕዎ። ጉጅለ ፈጢሮም፣ ኹናት ፈጢሮም ከም ካልኦት ሰባት ኾይኖም ‘ዮም ዝሰርቕዎ። ባዕሎም ሰሪቖም ‘ዮም ካልእ ሰረቑና ዝብሉ። እዚ እንትገብሩ ኣብ ምንም ዘየለዉ መሲሎም’ዮም። ኩሉ ነገሮም ቐይሮም ‘ዮም ባዕሎም ወሲዶም ተወሲዱና ዝብሉ፤ ስለዚ እዚ ኹሉ ነገር ተሓተትቲ ባዕሎም ‘ዮም። ህዝቢ ትግራይ መን እናበደሎ ከምዝኾነ ይፈልጥ ‘ዩ። እዚ ፖለቲካዊ ከስቢ ‘ዩ እቲ ህዝቢ ብጥምየት እናተሳቐየ ንሳቶም ኣብ ወንበሮም ክፀንሑ ‘ዮም ዝደልዩ። ስለዚ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ሓገዝ ምእንተ ህዝቢ ኢሎም ከከፋፍልዎ ኣለዎም። እቲ ህዝቢ ‘ውን ሕድሕድ ዝኣቱ ሓገዝ ብንቅሓት ክከታተልን ናበይ ከምዝኣቱን ንመን ከምዝዋሃብን ክቖፃፀሮ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

 ኣይተ ሃይለ፡- ሰላም ንኹሉ ፍታሕ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ኣቲይዎ ዘሎ ፀገም ንክወፅእ መጀመርያ ዝቕረበ መማረፂ ሰላም ክጥቀመሉ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ይኣኽለና፣ ደቅና ወዲእና፣ ምንባዕ ይኣኽልና ክብል ኣለዎ። ሰላም መሰረት ኩሉ ‘ዩ። ህዝቢ ምስ ህዝቢ፣ መራሒ ምስ መራሒ ዘቀራርብ ‘ዩ፤ እናተራዳዳእኻ እናተሓጋገዝካ ትነብር፤ እንድሕር ሓደ ግዘ ተናኺስካ ግና ንዘመናት እናተናኸስካ ኢኻ ትነብር ነቲ ህዝቢ ድማ ናብ መከራ ተእትዎ። ዝመፀ ለዉጢ ንኩሉ ኣካል ማዕረ ክኾን ኣለዎ። ክሳብ ታሕቲ ብምውራድ ማዕርነት ከረጋጋፅ ኣለዎ። ፀገም ፈጠርቲ መራሕቲ ‘ዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ዘረግቲ ዝኾኑ ሰባት ‘ዮም ፀገም እናፈጠሩ ዘለዉ፤ ህዝቢ ፁሩይ ኣየር ከይትንፍስ ዕንቅፋት ዝኾኑ ዘለዉ ካብ ስሮም ክንቀሉ ኣለዎም። ህዝቢ ‘ውን ሰላም ከኽብር ኣለዎ። ዋጋ ሰላም ኸቢድ ‘ዩ፤ ብቀሊሉ ኣይርከብን። ስለዚ ናብ ሰላም ብምምፃእ ዓድና ክነልምዕ ከንሰርሕ ዕድል ክንህብ ኣለና። መንግስቲ ዲሞክራሲ ዝኣምን ምዃኑ ንሰላም ኢዱ ዘርጊሑ ኣሎ፤ እዚ ዕድል ድማ ህወሓት ክጥቀመሉ ኣለዎ። ካብ መንግስቲ ትፅቢት ዝግበር እዚ ‘ዩ። እዚ ሰላም ምቕባል ድማ ቀንዲ ዝጠቕም ንህዝቢ ትግራይ ስለ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ፅዕንቶ ብምፍጣር ክጥቐመሉ ይግባእ ዝብል መልእኽቲ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ሃይለ፡- ኣነ ’ውን የመስግን።

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 6 ሚያዝያ 2014 ዓ.ም

Recommended For You