‹‹መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ትግራይ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣሚኑ እናሰርሐ ‘ዩ››-ኣይተ ገብረፃዲቕ ገብረመድህን

ኣይተ ገብረፃዲቕ ገብረመድህን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ኣዋዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ‘ዮም። ህወሓት ዝኽተሎ ዘሎ ኣካይዳ ሃገር ዘፍርስ ኣካይዳ እዩ ኢሎም ብምሕሳብ እናተቓለሱ ‘ዮም ይርከቡ። ብፍላይ ማዕበል ህዝቢ ስዒቡ ኣብ ሃገርና ለውጢ ምስ መፀ ናብ ብልፅግና ፓርቲ ብምእታው ኣንፃር ራዕዳዊ ህወሓት እናተቓለሱ ካብ ዝርከቡ ሓደ ‘ዮም:: ኣይተ ገብረፃዲቕ ቅድሚ ለውጢ ጀሚሮም ኣብ ትግራይ ኣብ ተፋላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝሰርሑ ኮይኖም ከምኡ ‘ውን ድሕሪ ለውጢ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ኣዋዳድባ ህዝቢ ከተማ ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። ብምዃኑ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋዜጣ ወጋሕታ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ኣመልኪትና ምስ ኣይተ ገብረፃድቕ ዝገበርናዮ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣሰናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ወጋሕታ፡- ህወሓት ህዝቢ፣ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀበባ እናሃለወ ካብ ማይክሮ ፋይናንስ ደደቢት ብመልክዕ ልቓሕ ዝወሰዶ ገንዘብ ንኽምልስ እናገበረ ምዃኑ እናተገለፀ ‘ዩ ዝርከብ:: ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ገጢምዎ ዘሎ ቅልውላው ብምብጋስ እዚ ከመይ ይሪእዎ? ኣይተ ገብረፃዲቕ፡- ከምዝፍለጥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዘሎ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ:: ዝበልዖን ዝሰትዮን ስኢኑ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ‘ዩ ዘሎ:: በዚ ምኽንያት ‘ውን ገሊኡ ተፈናቒሉ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ይኸድ ኣሎ ‘ዩ:: ብሰንኪ እቲ ሕሱም መከራን ጥሜትን ዝመውት ሰብ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና እዚ ከምዚ እናሃለወ ህወሓት ብመልክዕ ልቓሕ ዝወሰድክምዎ መልሱ ምባሉ ዓብዪ ጌጋ ‘ዩ:: ህዝቢ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኮይኑ ካበይ ኣምፂኡ ክምልስ ይኽእል? ልቓሕ ምለሱ ምባል እዚ ኢ-ሰብኣዊ ተግባር ‘ዩ:: ክጅመር እንተሎ ዕላማ ደደቢት ሓራስታይ ትግራይ ልቓሕ ብቀረባ ረኺቡ ክጥቐመሉ ‘ዩ ተመስሪቱ ነይሩ:: ቐንዲ ዕላማ ኣመሳራርትኡ ሓረስታይ ልቓሕ ብምውሳድ መነባብርኡ ንኽቕይር ‘ዩ ነይሩ፤ ኮይኑ ግና ሕዚ ብተግባር እንተሪእናዮ፣ ንሓረስታይ ትግራይ ብዝግባእ እናጠቐመ ኣይኮነን ዘሎ:: ወለድ እንተሪእና ‘ውን ብጣዕሚ ልዑል ‘ዩ፤ ፍትሓዊ ኣይኮነን:: ስለዚ ሓረስታይ እናተደገፈ ኣይኮነን ዘሎ:: ካብዚ ሓሊፉ ህወሓት እዚ ትካል እዚ ንመሳርሒ ፖለቲካ ‘ዩ ዝጥቐመሉ ነይሩ:: ንኣብነት ኣባል ህወሓትን ማሕበራትን ዝኾነ ‘ምበር ብፍትሓውነት ንኹሉ ኣየገልግል ነይሩ፣ ኣዋህብኡ ብዙሕ ፀገም ዘለዎ ትካል ‘ዩ:: ንህዝቢ ትግራይ ተሸካሚ ዕዳ ‘ዩ ጌርዎ ‘ምበር ኣይጠቐሞን:: ምኽንያቱ በቲ ዝተጣየሸሉ ዕላማ መሰረት ኣይኮነን ልቓሕ ዝህብ ዘሎ::

እቶም ልቓሕ ዝወስዱ’ውን መጀመርያ እኹል ግንዛበ ኣይወሃቦምን:: እኹል ትምህርቲ ብምሃብ ኣብቒዕኻ ስለ ዘይወስዱ ናብ ክሳራ ‘ዮም እናተሳጥሑ ዝርከቡ:: በዚ ምኽንያት ህዝቢ ነቲ ልቓሕ ወሲዱ ንመርዓ ወይ ንተስካር ‘ዩ ዝጥቐመሉ:: ኩሉ ተለቒሑ ዝወስድ ሓረስታይ ብዛዕባ ቢዝነስ እኹል ፍልጠት ኣለዎ ‘ዩ ከትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ስለዚ መብዛሕትኡ ግዘ እቲ ሓረስታይ ነቲ ልቓሕ ወሲዱ ብትኽክል ንኽጥቐመሉ እኹል ትምህርቲ ስለ ዘይግበር ካብ ክሳራ ሓሊፉ ትርጉም ዘለዎ ሂወት ኣየምፀአሉን:: ብሓፈሻ እዚ ዘሪአካ ህወሓት ንህዝቢ ደው ዝበለ ውድብ ከም ዘይኮነ ‘ዩ፤ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ልቓሕ መልሱ ኢልካ ኣይጥየቕን:: እኳዳኣስ ህዝቢ ትግራይ ሕዚ ሓገዝ ‘ዩ ዘድልዮ:: ህወሓት ዕላምኡ ዋላ ካሊእ ይኹን ብዘየግድስ ንህዝቢ ትግራይ ‘የ ዝቓለስ ዘለኹ እናበለ ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ልቓሕ ምለስ ማለት ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ:: ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ባንኪ ዝነበሮ ገንዘብ ከየውፅእ ባንኪ የለን፤ ስራሕ ‘ውን ጠጠው ኣቢሉ ‘ዩ ዘሎ:: ኣብ ከምዚ ኩነታት እናሃለወ ኣብ ክንዲ ምሕጋዝ ልቓሕ መልስ ዝብል ኣካይዳ ፍፁም ጌጋ ‘ዩ:: ስለዚ ህወሓት ዝኸዶ ዘሎ ኣካይዳ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ‘ዩ ‘ምበር ንህዝቢ ኣይሓስብን ዘሎ:: ህዝቢ ከየፍረየ ካበይ ኣምፂኡ ‘ዩ ክኸፍል ዝኽእል? እዚ ኣካይዳ እዚ ፀረ ዲሞክራሲ ኣካይዳ ‘ዩ:: ህወሓት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህዝቢ ካብ ማይክሮፋይናንስ ደደቢት ዝተለቐሖ ልቓሕ መልስ ማለት ሕዚ’ውን ንህዝቢ ዘይሓሊ ምዃኑ ‘ዩ ዘሪአካ:: ወጋሕታ፡- ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ህወሓት ኣብ ክንዲ ንተፀገመ ህዝቢ ምክፍፋል ንነጋዶ እናሸጦ ከምዝኾነን ከምኡ ‘ውን ንሰራዊት እናውዐሎ ምዃኑ ካብ ትግራይ ናብ ኣምሓራ ተመዛቢሎም ዝመፁ ተጋሩ እናገለፁ ‘ዮም ዝርከቡ:: እዚ ከመይ ይሪእዎ? እዚ ንምስትኽኻል ከ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ ገብረፃዲቕ፡- ንምንታይ ‘ዩ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ እንተይልና ትኽክለኛ ስርዓት ስለ ዘይተተኸለ ‘ዩ:: መንግስቲ ይኹን ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዓለም፣ ንህዝቢ ትግራይ ዝሰደድዎ ሓገዝ ንነጋዶ ምሻጥ ማለት ሰብኣውነት ዝጎደሎ ኣካይዳ ምህላዉ ‘ዩ ዘሪአካ:: በቲ ሓደ ወገን እዚ ኣካይዳ እዚ ህወሓት ገንዘብ መአከቢ ‘ዩ ዝጥቐመሉ ዘሎ:: እቲ ህዝቢ እናገዝአ ክጥቀም ብምግባር ብነጋዶ ገይሩ ገንዘብ ንምእካብ ዝጥቐመሉ ዘሎ ሜላ ‘ዩ:: እቲ ሓገዝ ‘ውን ነቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ክበፅሕ ኣይገብርን ዘሎ:: ንቐደም ክወሃብ ዝግበኦ ሰብ ክወሃብ ነይርዎ:: ደቖም ንዘጋደሉ ወይ ምስቲ ውድብ ምትእስሳር ንዘለዎም ኣካላት ‘ዩ ዝህቦም ዘሎ:: ህወሓት ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ መጀመርያ ንተፀገመ ህዝቢ ብትኽክል ከከፋፍል ኣለዎ:: ህወሓት ትኽክለኛ ስርዓት ስለ ዘይብሉ ነንባዕሉ ‘ውን እናተስማዕመዐ ኣይኮነን:: ዝተዓጠቐ ኣካል ‘ውን ጠበንጃ ስለ ዘለዎ እናዘረፈ ‘ዩ ዝበልዕ ዘሎ:: ስርዓት ዝበሃል የለን:: ምኽንያቱ ህወሓት ዝተኸተሎ ፖለቲካዊ ስብከት መዕነዊ ‘ዩ:: ኣብ መንጎ ህዝቢታት ፅልእን ኣፋላላይን ንኽሰፍን ‘ዩ ዝሰብኽ ነይሩ:: ህወሓት ሕቶ ህዝቢ ዝጭቑን ዝነበረ ውድብ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን በዚ ኣካይዳ እዚ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ:: ስለዚ ትኽክለኛ ስርዓት ስለ ዘይተተኸለ ናብ ትግራይ ዝኸደ ሰብኣዊ ሓገዝ ብትኽክል ክከፋፈል ኣይኽእልን ‘ዩ::

ብኣግባቡ ዘማሕድር ኣካል ስለ ዘየለ እቲ ሓገዝ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ብትኽክል ክበፅሕ ኣይኽእልን ‘ዩ:: ናይዚ መግለፂ ድማ ናይቲ ስርዓት ፀገም ‘ዩ:: ስርዓት ዝተበላሸወ እንተኾይኑ ኩሉ ነገር ዝተበላሸወ ‘ዩ ዝኸውን:: ህወሓት ትልሚ ሒዙ ምስ ህዝቢ ኢሂን ምሂን ኢሉ ዝኸይድ ኣይኮነን:: ፖለቲካዊ መሪሕነት ህወሓት ብትዕቢት ዝተወጠረ ስለ ዝኾነ ንህዝቢ ዝጠቕም ውድብ ኣይኮነን:: ከምዚ ስለ ዝኾነ ‘ዩ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣእትይዎ ዘሎ:: ህወሓት ዓርሱ ብምፍታሽ ናይ ሰላም ዕድል ክጥቀም ይግባእ፤ በዚ ኩናት እዚ ዝጥቀም ህዝቢ የለን፤ ባዕሉ ንባዕሉ ‘ዩ ዝዋጋእ ዘሎ:: እዚ ድማ ንሃገር ዓብዪ ጉድኣት’ዩ:: ስለዚ መንግስቲ ዘቕርቦም ዘለዉ ሃዋህው ሰላም፣ ህወሓት ንህዝቢ ዝሓስብ እንተኾይኑ ክጥቀመሉ ኣለዎ:: መንእሰይ ትግራይ ሕዚ ኣይኮነን ስደት ጀሚሩ ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ባሕሪ ተሳጊሩ ፎቖድኡ ስዑድ ዓረብ ይስደድ ነይሩ ‘ዩ:: ስለዚ ህዝቢ ከይፈልስ እንድሕር ተደልዩ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ክበፅሕ ኣለዎ፤ ንፁር ስርዓት ክህሉ ኣለዎ:: ህዝቢ ‘ውን ኣብዚ ኩነታት እዚ ነቒሑ ንመሰሉ ክከታተልን ክቓለስን ኣለዎ:: ፌዴራል መንግስቲ ንህዝቢ ትግራይ ሓገዝ ኣይኸልአን:: ካብ ትግራይ ክወፅእ እንተሎ ‘ውን እኽሊ፣ ነዳዲ ወዘተ ገዲፉ ‘ዩ ወፂኡ:: ህወሓት ከምዝብሎ ኣይኮነን:: ብልፅግና ፓርቲ ንህዝቢ ትግራይ ናይ ምጉዳእ ድሌት የብሉን:: ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ምፍንቓል ጀሚሩ ‘ዩ:: እዚ ምፍንቓል ድማ ንሃገር ይኹን ንህዝቢ ከቢድ ቕልውላው ‘ዩ:: ህዝቢ ከይተፈናቐለ ኣብዘለዎ ኮይኑ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽረክብ መንግስቲ ሕዚ ቖራፅ ስጉምቲ እናወሰደ ‘ዩ ዘሎ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ስድርኡን ከባቢኡን ከይፋናቐል እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ:: መንግስታት ዓለም ‘ውን ነዚ ብኣወንታ ዓይኒ ይሪአኦ ኣለዋ ‘የን:: ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ዝኣተወ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበፅሖ መሰሉ ስለ ዝኾነ ክቃለስ ኣለዎ:: እቶም መቕረብቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ‘ውን እቲ ዝኣቱ ዘሎ ረድኤት ብትኽክል ናብ ህዝቢ ዝበፅሕ ምህላዉ ክከታተሉ ኣለዎም:: በርግፅ ህወሓት ንቐለብ ፍሉይ ሓይሊ ኣይወስድን ኢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን:: እዚ ኣካል እዚ ብዝተሰሓሓተ ዕላማ ‘ዩ ናብቲ ውትድርና ኣትዩ ‘ምበር ካሊእ ኣይኮነን፤ መንእሰይ ሃገር ‘ዩ፤ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ‘ዩ:: እዚ መንእሰይ እዚ ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ተሰሓሒቱ ብስምዒት ተላዒሉ ዋላ ናብዚ ይእቶ ፅባሕ ክምለስ ይኽእል ‘ዩ:: እዚ መንእሰይ እዚ ኢትዮጵያዊ ዜጋ ስለ ዝኾነ

 ሂወቱ ብኸንቱ ከይጠፍእ ‘ዩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ዝብል ዘሎ:: ኣብዚ መንእሰይ ትግራይ ‘ምበር መራሕቲ ህወሓት ኣይኮኑን ዝዋግኡ ዘለዉ::

ብሓፂሩ እቲ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ እኽሊ ብትኽክል ናብቲ ዝተፀገመ ህዝቢ ዘይበፅሕ እንተሃልዩ ሕዚ ‘ውን ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ህወሓት እዩ:: እዚ ድማ ንህወሓት ‘ውን ዝጠቕሞ ኣይኮነን:: ስልጣኑ ‘ውን ክነቓነቕ ይኽእል ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንምቕራብ ብምሕሳብ ጎንፂ ጠጠው ምባሉን ዲፕሎማስያዊ ጥቕሙን ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ምዕራባውያን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ እናሐደሩ ምዃኖም ዝፍለጥ ‘ዩ:: እዚ ፀቕጢ እዚ ዝብገስ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ እትገብሮ ዘላ ኣወንታዊ ምትሕብባር ‘ዩ:: ምስ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ፅቡቕ ምሕዝነት እናገበረት ምዃና ምዕራባውያን እዚ ዘሐጉሶም ኣይኮነን:: ምኽንያቱ ቐርኒ ኣፍሪካ እናተሓመሰት ከትነብር ‘ዩ ድሌቶም:: ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ክትዓቢ ኣይደልዩን ‘ዮም:: ኢትዮጵያ እተርእዮ ዘላ ሓይሊ ሚዛንን ዕቤትን ንምዕራባውያን ምቾት ዝህቦም ኣይኮነን:: ነዚ ንምስንኻል ድማ ብቐጥታ ኢዶም እናእተዉ ‘ዮም ዘለዉ:: ብሽም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ምስ ዕስለ ሚድያታቶም ‘ዮም ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ዝፈጥሩ ዘለዉ::

መንግስቲ ብፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ማሕበራዊን ዝበልፀገት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ንኣብነት ዝተረጋገዐትን ፖለቲካዊ ቕቡልነት ዘለዋ ሃገር ምፍጣር ‘ዩ:: ብኢኮኖሚ ‘ውን ዝጠንከረት ሃገር ንምምስራት ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ብማሕበራዊ እንተሪእና ‘ውን ንሕብረተሰብ ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ብምስፍሕፋሕ ብቑዕ ዜጋ ምፍጣር ‘ዩ:: መንግስቲ ካብ ፈለማ ጀሚሩ ድሌት ኩናት የብሉን:: ‹‹ብልፅግና›› ዝብል ቃል ፅንሰ ሓሳቡ ምስ ኩናት ዝኸይድ ኣይኮነን:: ኣይሽንኳይዶ ምስቲ መሰረት ስልጣነ ኢትዮጵያ ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ምስ ሱዳን ‘ውን ባህጊ ኩናት የብሉን:: ፓርቲ ብልፅግና ኩሉ ነገር ብሰላም ምፍታሕ ‘ዩ ዝደሊ:: መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ንኸይኣቱ ከም ዘይከልከለ የረጋግፅ ኣሎ ‘ዩ:: ጎንፂ ጠጠው ምባሉ እዚ ቐሊል ነገር ኣይኮነን:: መንግስቲ ንሰላም ዘለዎ ቁሩብነት ‘ዩ ዘሪአካ:: ህዝቢ ትግራይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀላኢኡ ከም ዘይኮነ ክፈልጥ ኣለዎ::

ካሊእ ብሽም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝንቐሳቐሱ ሓይልታት ‘ውን መንግስቲ ወሲድዎ ዘሎ ስጉምቲ ጠጠው ምባል ጎንፂ፣ ኣፎም መትሐዚ ‘ዩ ዝኸውን:: ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ ተኸልኪልና ዝብሉ ኣካላት ‘ውን ሕዚ ኣብኡ እኒሀዎም ከም ድሌቶም ክኣትዉ ይኽሉ’ዮም:: ዘረባ ጥራሕ ‘ምበር ተግባር የለን:: ስለዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ዓፂኻ ናይ ምጥማይ ድሌት የብሉን:: ኮይኑ ግና ህወሓት ይኹን ካልኦት ናይ ደገ ሓይልታት ንመንግስቲ ኣብ ምኽሳስ ‘ዮም ዝርከቡ:: ኣብ ዝሓለፉ ጉባኤታት ‘ውን መዘራረቢ ኮይኑ ዝነበረ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ:: ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብኸመይ ይፈታሕ ዝብል ‘ዩ:: ስለዚ ብልፅግና ብዛዕባ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ከይተጨነቐ ቐርዩ ኣይኮነን::

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ:: መብራህቲ፣ ባንኪ፣ ሕክምናን ካልኦት መሰረታዊ ግልጋሎታትን ዝመሳሰሉ ካብ ዘይረክብ ልዕሊ ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ:: እዚ ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ:: ኣብዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ህዝቢ ዘይቲ ከቢሩኒ ኢሉ እኳ ከመይ ይጭነቕ ከምዘሎ ንሪኦ ኣለና ኢና:: ስለዚ መንግስቲ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ‘ዩ ዘተሓሳስቦ ዘሎ::

በርግፅ ዝተወሰኑ ሰባት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ሕማቕ ኣመላኻኽታ ዘለዎም ሰባት ኣለዉ ‘ዮም:: እዚኦም ውሑዳት ‘ዮም:: ዝሰምዖም ሰብ ‘ውን የለን:: ምኽንያቱ እዚኦም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕም ሓሳብ ኣይኮኑን ዘንፃባርቑ ዘለዉ:: ሓድነትን ሕውነትን ህዝቢታት ዝፈላሊ ‘ዩ:: መንግስቲ ንናይዚኦም ሓሳብ ዋጋ ዝህቦ ኣይኮነን:: መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ትግራይ ክሕገዝ ከምዘለዎ ኣሚኑ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ:: ስለዚ ጥቕልል ኣቢልካ ክረአ እንተሎ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኣቱ ብምሕሳብ ግጭት ጠጠው ምባሉ ብጣዕሚ ጠቓሚ ‘ዩ:: ምኽንያቱ ካብ ግጭት ክሳራ እምበር ጥቕሚ የለን::

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ቕልውላው ብበዝሒ ናብ ክልላት ዓፋርን ዓምሓራን እናተመዛበለ ‘ዩ ዘሎ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ ኸ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣብዚ ክልተ ነገር ምዝራብ ይከኣል ‘ዩ:: ሓደ ህዝቢ ካብ መረበቱ ከይተፋናቐል ሰብኣዊ ሓገዝ ብበዝሒ ክኣቱ ኣለዎ:: ሰብኣዊ ሓገዝ ጥራሕ ኣይኮነን ዘድልዮ፤ እዚ ግዝያዊ መፍትሒ ‘ምበር ዘላቕነት የብሉን:: ህዝቢ ከይተፈናቐለ ሓገዝ ብምቕራብ ኣብ ሕርሽኡ ክዋፈር ኣለዎ:: ከምዚ ክኸውን ድማ ሙሩፅ ዘርኢ፣ መዳበርያ ዝመሳሰሉ ነገራ ክኣቱ ኣለዎ:: ሓረስታይ እንተዘይሓሪሱ ንቐፃሊ ዓመት ‘ውን ብጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ:: ከም ብልፅግና፣ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ሓገዝ እኽሊ ቐሪብሉ ንቐፃሊ ዝበኣሰ ከየጋጥሞ ከይተፈናቐለ ክሓርስ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ::

እቲ ካልኣይ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ይፈናቀል ኣሎ እንተይልና ግና ህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ከም ዘይኮነ ‘ዩ ዘሪአካ:: ብመሰረቱ ‘ውን ህዝብን ፓርትን ሓደ ዝገብሮ ነገር የለን:: ህወሓት ግና ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ‘ዮም እናበለ ፀኒሑ እዩ::

ካሊእ ህዝቢ ኣምሓራ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘይኮነ ወይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ፅልኢ ከም ዘየለ ‘ዩ ዘሪአካ:: ከም ዝፍለጥ ክልቲኦም ህዝቢታት ተመሳሳሊ ባህልን ታሪኽን ዘለዎም ህዝቢት ‘ዮም:: ንዘመናት ብሓባር እናተሓጋገዙ ዝመፁ ህዝቢታት ‘ዮም፤ ሕዚ ‘ውን በዚ ዝቕፅሉ ‘ዮም ዝኾኑ:: ከም መንግስቲ እንተሪእና ፀረ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ የለን፤ ብተግባር ‘ውን ንሪኦ ኣለና ኢና:: ናብ ክልል ኣምሓራ ተመዛቢሎም ንዝመፁ ተጋሩ ኣብ ወሎ ከመይ ከምዝቕበልዎም ዘለዉ ንርኢ ኣለና ኢና:: ፅቡቕ ኣቓባብላ ብምግባር ዝኸኣልዎ ኩሉ ይገብርሎም ኣለዉ ‘ዮም:: ጳጳሳት እንተይቀረዩ ‘ዮም ዝቕበልዎም ዘለዉ:: እዚ ኣብ ክልቲኦም ህዝቢታት ዘሎ ሕውነትን ሓድነትን ስጡም ምዃኑ ዘረጋግፅ ‘ዩ:: ኣብ ፅቡቕን ሕማቕን ዘይፈላለዩ ህዝቢታት ‘ዮም:: ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኣምሓራ ባእሲ ስለ ዘይብሉ ‘ዩ ናብ ክልል ኣምሓራ መፂኡ:: ህዝቢ ትግራይ ምስ ዝኾነ ጎረቤት ህዝቢታት ናይ ምብኣስ ድሌት የብሉን:: ድሌት ህዝቢ ትግራይ ምስ ጎረባብቱ ህዝቢታት ብሰላም ሓቢርካ ምንባር ‘ዩ ::

ኮይኑ ግና ካብ ኩሉ ብሄር ዝወፁ ፖለቲከኛታት ቕድሚ ሕዚ ካብ እገለ ብሄር ዝወፀ መራሒ ጨቚኑካ ነይሩ ‘ዩ እናበሉ ‘ዮም ዘባእስዎ ዘለዉ:: ማንም ፖለቲካኛ ናይ ባዕሉ ድኽመት ንምሽፋን እገለ ብሄር በዲሉካ እናበለ ‘ዩ ህዝቢ ንህዝቢ ንምግጫው ዝሰርሕ ዘሎ:: እዚ ክእረም ‘ዩ ዝግበኦ:: ዝኾነ መንግስቲ ሕማቕን ፅቡቕን ገይሩ ሓሊፉ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ናይ ዝሓለፈ ነገር እናልዐልካ ምዝራብ እዚ ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን:: ሐሕማቑ ገዲፍና ፀፅብቑ ከንወስዶ ኣለና:: ናይ ቕድሚ ሕዚ ጎደሎታት እናኣረና ኣብዚ ትኹረት ንገብር እንተኾይና ንቕድሚት ዘስጉም ኣይኮነን:: ንናይ ሐዝን ቐፃልን ግዘ ብምሕሳብ ወለዶታት ኣዋሃሂድና ማእኸላይ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ወለዶ ክንሃንፅ ኣለና፤ ዘሐሸ እዚ ‘ዩ፤ ‹‹ንሳቶም ወይ ንሕና›› ዝብል ኣተሓሳስባ ዝጠቕም ኣይኮነን:: ሓደ ኮይንካ ንዕቤ ት ሃገር ምሕሳብ ‘ዩ ዘዋፅእ፡

ህዝቢ ዓፋር ይኹን ህዝቢ ኣምሓራ ፈታዊ ህዝቢ ትግራይ እምበር ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን፤ እዚ ከንብል እንተለና ግና ካብ ኩሉ ብሄር ሓደ ሓደ ሕማቓት ሰባት የለዉን ማለት ኣይኮነን:: ፖለቲከኛታት ብቕንዕና ንባዕርሶም ተዋሃሂዶም ህዝቢ ከዋሃህዱ ኣለዎም:: ህዝቢ ብሰላም ብምንባር ሰሪሑ ክልወጥ ‘ዩ ድሌቱ፤ ካሊእ ድሌት የብሉን፤ ስለዚ ህዝቢ ኣምሓራ ነቶም ካብ ትግራይ ተመዛቢሎም ናብ ወሎ ዝመፁ ተጋሩ፣ ተቐቢሉ ብሰላም የተኣናግዶም ኣሎ ‘ዩ:: ኣብዚ ብሽም ፓርቲ ብልፅግና ንህዝቢ ኣምሓራ ከምስግን ይፈቱ::

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣብ መወዳእታ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፣ ኣብ ሃገርና ናይ ኩናት ኣተሓሳስባ ክህሉ የብሉን:: ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ሰላም ክሓስብ ኣለዎ:: ንሰላም ክቓለስ ኣዎ:: ብፍላይ ፖለቲከኛታት ጥቕሚ ውልቆም ካብ ምቕዳም ሓሊፎም ጥቕሚ ህዝቦም ከቕድሙ ኣለዎም፤ ሰላም ንምንጋስ ክሰርሑ ኣለዎም:: ኣብ ዕግርግርን ኩናትን ኮይንካ ከትልወጥ ኣይትኽእልን ኢኻ:: ምልዋጥ ይቕረ ብሰላም ወፂኻ ብሰላም ክትኣቱ ኣይትኽእልን::

ካሊእ ህዝቢ ትግራይ፣ ፓርቲ ብልፅግና ፀረ ህዝቢ ትግራይ ከምዘይኮነ ክርዳእ ኣለዎ:: ብልፅግና ዝመርሖ ፓርቲ ፀረ ህዝቢ ትግራይ ኮይኑ ኣይፈልጥን ንቐፃሊ ‘ውን ክኸውን ኣይኽእልን:: መራሕቲ ህወሓት ‘ውን ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ዘቓራርብ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም::

ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ፀላኢኡ መምዩ ክፈልጥ ኣለዎ፤ ካብ ስምዒት ወፂኡ ናብዚ ኹሉ ፀገም ዘአተወኒ መን ‘ዩ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ:: በዚ ኩናት እዚ ዝተረኽበ ረብሓ እንታይ ‘ዩ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ:: ካሊእ መራሕቲ ጉጅለ ህወሓት ካብ ናይ ዕሙት ኣተሓሳስባ ወፂኦም ናይ ሰላም መንገዲ ክኽተሉ ኣለዎም:: ምኽንያቱ ንኹሉ ነገር መፍትሒኡ ምርድዳእ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ኩናት እዚ ክሳብ ሕዚ ዝገበሮ ሂወት ይኣኽሎ ‘ዩ:: ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፓርቲታት ‘ውን ኣብ ናይ ህወሓት ኣተሓሳስባ ተሸንኪሮም ክነብሩ የብሎምን፤ ክፍለዩ ኣለዎም፤ ናይ ባዕሎም ቕዋም ብምሓዝ ዝህዝቢ ዝጠቕም ሓሳብ ከፍልፍሉ ኣለዎም:: ህወሓት ናብ ናይ ሰላም መንገዲ ንኽመፅእ ክሰርሑ ይግባእ:: መትከሎም ግልፂ ክግብሩ ይግባእ፤ ወይ ህወሓት እንተኾይኖም ናብ ህወሓት ክሕወሱ ኣለዎም:: ህወሓት ካብ ናይ ኩናት ኣተሓሳስባ ክወፅእ ኣለዎ:: ዋላ ስልጣን የኣኽለኒ ክብል ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ይኣኽለካ ክብሎ ይግባእ:: እዚ ውድብ እዚ ኣርባዓ ዓመት ኣብ ስልጣን ፀኒሑ ንህዝቢ ትግራይ ዘምፀአሉ ለውጢ የለን:: ስለዚ ስልጣኑ ንህዝቢ ከርክብ ይግባእ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና:

 ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::
ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 29 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You