‹‹ግብፂ ግድብ ህዳሰ ንምስንኻል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዓመፅ ዝንቐሳቐሱ ኣካላት እናደገፈት እያ ትርከብ›› ወይዘሮ መካ ኣደም

ወይዘሮ መካ ኣደም ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ሑመራ ተወሊዳ። ወለዳ ብህፃና ናብ ሱዳን ሒዞማ ስለዝኸዱ ኣብ ሃገረ ሱዳን እያ ዓብያ። ከምኡ ‘ውን ትምህርታ ክሳብ ቐዳማይ ዲግሪ ኣብ ሱዳን ዝወደአት እንትትኸውን ካልኣይ ድግሪ ግና ብማይክሮ ቫዮሎጂ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ እያ ተማሂራ፤ ኣብ ክልል ሲዳማ ከተማ ይርጋለም ኣብ ሜ ዲካል ኮሌጅ መምህርት እንትትኸውን ሕዚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፒ.ኤች.ዲ እናተማሃረት ትርከብ። ወይዘሮ መካ ኣብ ሱዳን ዝዓበየት ምስ ምዃና ተተሓሒዙ ቋንቋ ዓረብኛ ብዝግባእ እያ ትዛረብ። ወይዘሮ መካ ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ ብወገን ግብፂን ሱዳንን ብቋንቋ ዓረብኛ ዝመሓላለፉ መልእኽቲታት ብዝምልከት ሓበሬታን ርኢቶን ከትህበና ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋሻና ገይርናያ ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘሎ ተሳትፎ ህዝቢ ከምኡ ‘ውን እቲ ግድብ ንኢትዮጵያውያን ዘለዎ ረብሓ ከመይ ትገልፅዮ?

ወይዘሮ መካ፡- ማይ ኣባይ ክሳብ ሕዚ ኢትዮጵያ ተጠቒማትሉ ኣይትፈልጥን፤ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት እዩ ዝፈስስ ነይሩ። ሩባ ኣባይ ማይ ጥራሕ እንተይኮነስ ሓመድ ‘ውን ሒዙ ይጓዓዝ ስለ ዝነበረ ንብዙሕ ዘመናት ንኢትዮጵያውያን ዘሕዘነ እዩ ነይሩ። ነዚ ፕሮጀክት ንምጅማር ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ እምነ ኩርናዕ ኣንቢሮም ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንብዙሕ ዘመናት ዝነበሮ ጣዕሳ መልሲ ስለ ዝረኸበ ብዓብዪ ታሕጓስ እዩ ተቐቢልዎ። በዚ ዝተላዕለ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ማለት ሃፍታም ምስድኻ ካብታ ዘለቶ ንእሽተይ እቶቱ እናቐነሰ ፅባሕ ክሓልፈለይ እዩ ብዝብል ተስፋ ክሳብ ሕዚ ብዘይምቑራፅ ተሳትፍኡ እናቐፀለ እዩ ዘሎ።

ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያውያን ገና ካብ ድኽነት ዘይወፃእና ህዝቢታት ኢና። እዚ ፕሮጀክት እዚ እንትጅመር ኢትዮጵያውያን ብሓደ ልቢ ደጊፎሞ ከምዝነበሩን ሕዚ ‘ውን ዝኾነ ዓይነት ደጋዊ ይኹን ውሽጣዊ ፅዕንቶ ሓቢሩ እናመከተ ኣብ ምርብራብ እዩ ዝርከብ። 65ሚኢታዊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ግልጋሎት ኤሌክትሪክ መብራህቲ ኣይረክብን። ከምዝፍለጥ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ገጠር እዩ ዝነብር። እዚ ህዝቢ እዚ ግልጋሎት የድልዮ እዩ። ግልጋሎት ንምርካብ ድማ ብቐዳምነት መብራሕቲ ወሳኒ እዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ክሳብ ሕዚ ካብ ፀልማት ኣይወፀን ዘሎ። ነዚ ድማ እዩ ካብዚ ኩነታት እዚ ንኽወፀእ ድኻ ምስ ሃፍታም ተስፋ ሰኒቑ ዝሳተፍ ዘሎ።

ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዘይምቑራፅ ቦንድ ኣብ ምግዛእ ይኹን ኣብ ምውፋይ ይሳተፍ እዩ ዘሎ። ህዝቢ መፈፀምትኡ ንኽርኢ ክሳብ መወዳእታ ተሳትፍኡ ኣሐይሉ ክቕፅል እዩ ዝግባእ። ኣብ ግድብ ህዳሰ ኩሉ ተተሓባቢሩ ዝኸብድ ነገር ኣይህሉን። እቲ ግድብ ንዕቤት ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ወሳኒ እዩ። ኣብ ወሳኒ ብርኪ ‘ውን በፂሑ ኣሎ እዩ። ህዝቢ ክሳብ መወዳእታ ተሓባቢርና ክንውድኦ ኢና ኢሉ እዩ ብሕራነ ጀሚርዎ፤ ከምቲ ዝጀመሮ ‘ውን ተጠናኺሩ ይኸድ ኣሎ።

አትዮጵያ ነዚ ፕሮጀክት እዚ ክትጅምሮ እንተላ ብወገን ግብፃውያን ኢትዮጵያ 5 ቢልዮን ዶላር ስለ ዘይትረክብ ክትግድቦ ኣይትኽእልን ዝብል ሓሳብ እዩ ነይርዎም። ድሓረ ግና ጥንካረ ኢትዮጵያውያን ተረዲኦም ብተፈላለዩ መራኸቢ ሓፋሻት ተጠቂሞም ነዚ ግድብ እዚ ንምስንኻል መርዚ ምንዛሕ ጀሚሮም እዮም።

ወጋሕታ፡- ቕዋም ግብፅን ሱዳንን ንምምካት ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሊ?

ወይዘሮ መካ፡- ብዛዕባ ኣባይ ኩሉ ግዜ ብቋንቋ ኣምሓርኛ መልእኽቲ ምምሕልላፍ ንውሽጢ ሃገር እዩ ዝጠቕም። ንሃገራት ዓረብ ኣይጠቕምን። ኢትዮጵያ ብሃገራት ዓዕራብ ዝተኸበበት ሃገር ከም ምዃና መጠን ብዝሰምዕዎ ብቋንቋ ዓረብኛ ገይራ እቲ ሓቂ ንማሕበረሰብ ዓለም ክተርድእ ኣለዋ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝከኣሎ ኣስተዋፅኦ ክገብር ኣለዎ።

ግብፅን ሱዳንን ኣብ ግድብ ህዳሰ ዝገብርዎ ፅዕንቶ ንምምካት መንግሰቲ ኢትዮጵያ ጠንኪሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ብሰልስቲኦም ሚኒስትራት ማይን መስኖን ዝግበር ልዝብ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ኢትዮጵያ ንቕድሚት ብዙሕ ርሕቐት ከይዳ እያ። ይኹን’ምበር ሓደ ዓብዪ ፀገም ግና ኣለዋ። ንሱ ‘ውን ነንባዕሉ ኣብ ምስምዕማዕ ጉድለታት ኣለዉ እዮም። እዚኦም ቐልጢፎም ክእረሙ ኣለዎም። ብሄራዊ ምስምዕማዕን ሓድነት ሕዝብታትን ደካማ ብምዃኑ እዩ ፀገም ዝፍጠር ዘሎ። ነዚ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም ንምምካት ሓድነት ብጣዕሚ ኣድላይ እዩ። ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓድነት ጠንካራ እንተዘይኮይኑ ንናይ ደገ ሓደጋ ዘቓልዕ ስለ ዝኾነ ስምምዕን ሓድነትን ክህልወና በርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና። ግዝያዊ ውሽጣዊ ፀገም ከጋጥመና ይኽእል እዩ፤ እዚ ብልዝብ እናፈታሕና ትኹረትና ንናይ ደገ ፀላኢ ሓደ ኮይና ኣብ ምምካት ክኸውን ኣለዎ። ሱዳን 9 ዓመታት ዝኣክል ንግድብ ህዳሰ ከትድግፍ ፀኒሓ ሕዚ ሓሳባ ክትቕይር ዝኸኣለት ናይ ውሽጥና ናይ ዘይምርግጋዕ ኩነታት ተረዲኣ እያ።

ካሊእ ሱዳን ቕዋማ ክትቕይር ዝገበራ ናይ ግብፂ ፅዕንቶ እዩ። ክሳብ ቐረባ ግዜ ግድብ ኣባይ ንህዝቢ ሱዳን ጠቓሚ ከምዝኾነ ናይ ባዕልቶም ሰበ ስልጣናት ይገልፁ ነይሮም እዮም። እዚ ግድብ እዚ ንህዝቢ ሱዳን ዝጠቕም ምዃኑ ህዝቢ ሱዳን ይፈልጥ እዩ። እቲ ፀገም ፖለቲከኛታት ሱዳን እዮም ዝፈጥርዎ ዘለዉ። ሱዳናውያን ኢትዮጵያ ብናይ ውሽጣ ኵናት ተዳኺማ እያ። ሕዚ ኢና ክነጥቕዓ ንኽእል ብዝብል እዮም ኣብ ዶብ ይኹን ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ፀገም እናፈጠሩ ዝርከቡ። ናይ 1959 ዓ.ም.ፈ ምምቓል ማይ ሩባ ኣባይ ሱዳንን ግብፅን ጥራሕ ንኽጥቐማሉ ተሰማዕሚኣን ምንባረን ይፍለጥ እዩ።

ኮይኑ ግና ዋላ ክልቲአን ሃገራት ይስማዕማዓ ኢትዮጵያ ዘይተሳተፈትሉን ዘይፈረመትሉን ስለ ዝኾነ ንኢትዮጵያ ከግድዳ አይክእልን እዩ። ግብፅን ሱዳንን ግና ነዚ ተግባራዊ ክገብራ እዩ ድሌተን። ብዛዕባ እዚ ክልቲአን ሃገራት ክስማዕማዓ ከለዋ ኣብቲ እዋን ንሱ ሃፀይ ሃይለ ስለሴ ንሱዳንን ግብፅን ከምኡ ‘ውን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም እዮም። ክልቲአን ዝተስማዕማዓሉ ሚዛናዊን ፍትሓዊን ስለዘይነበረ ሕዚ ክሰርሕ ኣይኽእልን እዩ። ኣብቲ ግዜ ንሱ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ብምንባረን ናይ እንግሊዝ ፅዕንቶ ‘ውን ነይርዎ እዩ። ብሓፂሩ ግና ነዚ ኩነታት ንምምካት ውሽጣዊ ሓድነትን ጥንካረ ኢትዮጵያውያንን ኣድላይ እዩ።

ወጋሕታ፡- ሱዳን “ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ” ናተይ እዩ ዝብል ሓሳብ ተቕርብ እያ ኣብዚ ዘለኪ ርኢቶ ተትገልፅልና?

ወይዘሮ መካ፡– ብኣይ ወገን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሱዳን እተልዕሎ ዘላ ሓሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ፀገም ንምፍጣር እዩ ዝመስለኒ። ሱዳናውያን ከም መከራኸሪ ዘቕርብዎ ሓሳብ ብ1902 ዓ.ም.ፈ ሱዳን ቤንሻንጉል ጉምዝ ንኢትዮጵያ ከምዝሃበታ ኢትዮጵያ ድማ ሩባ ኣባይ ከይትጥቀም ከምተስማዕመዐት ገይራ እያ ክተቕርብ እትስማዕ። ኮይኑ ግና እዚ ሓሳብ ትኽክል ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ እዩ ዘለኒ። ንምንታይ እንተይልና 5 ሽሕ ዝኾኑ ሰራዊት ቤንሻንጉል ጉምዝ ኣብ ዘመነ ምንሊክ ኣብ ኵናት ዓድዋ ወፊሮም እዮም። ስለዚ እዚ ዘሪአካ ቕድሚ 1902 ዓ.ም.ፈ ክልል ቤንሻንጉል ኣካል ኢትዮጵያ ምንባራ እዩ። እዚ ዘልዕልዎ ዘለዉ ሓሳብ ትርጉም ዘለዎ ኣይመስለንን። ፀገም ንምፍጣር እዩ ኢለ እየ ዝኣምን።

ኣብ ቤንሻንጉል ከባቢ መተከል ዝሞት ዘሎ ህዝቢ ምስዚ ዝተተሓሓዘ ይመስለኒ። ነዚ ብዳሓር ኮይኖም ዘላዓዕልዎ ዘለዉ ድማ ግብፂ ይመስለኒ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ግብፃውያን ንተመዛበልቲ ቤንሻንጉል ጉምዝ ገንዘብ ኣውፅኢና ንሓግዞ እናበሉ ምንቕስቓሳት ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ድማ ምእንቲ ክግንፀል እዩ። ግብፃውያን ክሳብ ክንዲዚ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ። ኢትዮጵያ ነዚ ኩነታት እዚ ብቕልጡፍ ተኸታቲላ መፍትሒ ክተቕምጠሉ ኣለዋ። ኣብ ቤንሻንጉል ዘሎ ናይ ፀጥታ ኣካል ክጠናኸር ኣለዎ። ሱዳን ከምእትብሎ ዶብ ብናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ መሰረት ዝገበረ ክኾን የብሉን። በዚ እንተኾይኑ ንቡዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ፀገም ዘአቱ እዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዓለም ብዙሓት ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ኣለዉ እዮም። ኣብዚኦም ታሕተዎት ተፋሰስቲ ሃገራት እዙይ ዝባሃል ፅዕንቶ ከሕድሩ ኣይረአይን። ኣብ ሩባ ኣባይ ግና ካብተን ተፋሰስቲ ሃገራት ዝኾና ብፍላይ ግብፅን ሱዳንን ፅዕንቶ ከሕድራ እየን ዝረአያ ዘለዋ። እዚ ንምንታይ እዩ ከምዚ ኮይኑ?

ወይዘሮ መካ፡– ኣነ ከምዝመስለኒ ከምዚ ዓይነት ፅዕንቶ ክፈጥሩ ዝኸኣሉ ብናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ውዕል ምኽንያት እዩ። ኣብቲ እዋን ንሱ ዝነበረ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ውዕል ኢትዮጵያ ኣይተሳተፈትን። ኣብ 1959 ዓ.ም.ፈ ግብፅን ሱዳንን ኣብ ዝገበረኦ ውዕል ‘ውን ንኢትዮጵያ ኣግሊለንኣ እየን። ኢትዮጵያ ኣብቲ ግዜ ንሱ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣይነበረትን። ኢትዮጵያ ናፃ ሃገር እያ ነይራ፤ መንግስቲ ነይርዋ እዩ፤ ክልቲአን ክፋራረማ እንተለዋ ከሳትፍኣ ነይርዎን። ኣብዚ ኢትዮጵያ ኣይተሳተፈትን። ኣብቲ እዋን ንሱ ከምዚ ዝገበራ ኢትዮጵያ ምንም ኣይትገብርን ብዝብል ንዕቐት ይመስለኒ፤ ኮይኑ ግና ሃፀይ ሃይለ ስላሴ ንሱዳንን ግብፅን ከምኡ ‘ውን ንቤት ምኽሪ ፀጥታ ተቓውሞኦም ኣቕሪቦም እዮም። ክልቲን ሃገራት ብእንግሊዝ ይግዝኣ ስለዝነበራ ፀብለልታ ሒዘን ፀኒሐን እየን። በዚ ዝተላዕለ እዩ ክሳብ ሕዚ ፅዕንቶ ንምሕዳር ዝንቐሳቐሳ ዘለዋ። ክልቲአን ሃገራት ማዕረ ክንጥቀም ኣይደልያን እየን።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ማይ ምምላእ ኣብ ተካይደሉ እዋን ፅዕንቶ ግብፅን ሱዳንን እንታይ ክኸውን እዩ ኢልኪ ትግምቲ? ኢትዮጵያ ኸ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እንታይ ዓይነት ምድላው ከትገብር ኣለዋ?

ወይዘሮ መካ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ግብፂ ንእሽተይ ዝሕል ኢላ ኣላ። ምምልኡ ከምዘይቐሪ እናኣመነት ዝመፀት ይመስለኒ። እዚ ግድብ እዚ ሚኒስትር ማይን መስኖን ግብፂ ብዙሕ ፅዕንቶ ከምዘየሐድር ተዛሪቦም ነይሮም። ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ማይ እንተመሊኣ ኣብ ጂኦ ፖለቲካል ሓይሊ እናረኸበት ክትኸይድ እያ። ናይ ኣባይ ጂኦ ፖለቲካል ክቕየር እዩ ኢለ እየ ዝግምት። ስለዚ ኢትዮጵያ ተሰማዕነታ ልዕል እናበለ ክኸይድ እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ፀገማት ተፃዊራ ማይ ምምላእ ከትቕፅል ኣለዋ እየ ዝብል። ኣብዚ ኩነታት እዚ ክልቲአን ሃገራት ፅዕንቶ ክገብራ ይኽእላ እየን።

ነዚ ፅዕንቶ ምምካት ዝካኣል ድማ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ሃገርና ኣብ ጉዳይ ሃገር ብሓደ ጠጠው ክብሉ ኣለዎም። እዚ ግድብ እዚ ካብ ፖለቲካ ወፃኢ እዩ፤ ጉዳይ ሃገር እዩ። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት እዚ ኩሉ ፖለቲካዊ ፓርቲ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓደ ልቢ ደው ክብል ኣለዎ እየ ዝብል። ፖለቲካዊ ውድባት ንረብሓ ህዝቢ ኢና ንሰርሕ ዝብሉ እንተኾይኖም ድማ እዚ ግድብ እዚ ናይ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኖም ክድግፉ ኣለዎም። እንተኒእሱ መግለፂ ከውፅኡ ኣለዎም። ንግብፂ ዘሐጉሶም ዘሎ ናይ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሓደ ዘይምዃን እዩ ዝመስለኒ። ብሓፈሻ ክንሪኦ እንተለና ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ እንተገይራ ካብኡ እቲ ኩነታት እናተስተኻኸለ ክኸይድ እዩ ዝብል እምነት እዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ዝግበር ዘተ ግብፂ አሜሪካን ባይቶ ኣባላት ፀጥታ ሕቡራት መንግስትታት ኣብቲ ዘተ ንኽኣትዉ ዘለዋ ድሌት ካብ ምንታይ ዝነቐለ እዩ ትብሊ?

ወይዘሮ መካ፡- ግብፃውያን ድሌቶም ሓንቲን ሓንቲን እያ። እዚኦም ክኣትዉ ሕብረት ኣፍሪካ ድማ ክግለል እዩ ድሌታ። ንዕኦም ዝህግዝዎም ትካላት ጥራሕ’ምበር ንሓበራዊ ረብሓ ኣይሓስቡን እዮም። በዞም ሓይልታት እዚኦም ተጠቒሞም ኣብ ርእሲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምፍጣር እዩ ድሌቶም። ኣሜሪካ ብግልፂ ምስ ግብፂ ምዃና ብግልፂ ኣፍሊጣ እያ። ንኣብነት ፕሬዚዳንት ትራምፕ ‹‹ኢትዮጵያ ንሕና ብዝበልናዮ ሓሳብ እንተዘይተስማዕሚዓ ኣዝዩ ሓደጋ እዩ፤ ግብፂ ክተፍንደኦ እትኽእል እያ›› ኢሎም ኣብ ኣዳባባይ ተዛሪቦም እዮም።

ግብፃውያን ድማ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ነቲ ግድብ ጠጠው ከብለሎምን ንኢትዮጵያ ዝጎድእ ስምምዕ ክህሉ እዩ ድሌቶም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ነዚ ዝሽከም ዓቕሊ ኣይህልዎን፤ ብሄራዊ ጥቕሙ ኣሕሊፉ ዝህብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ሃገርና ኣብ ድኽነት እያ ዘላ። እዚ ብሕብረት ኣፍሪካ እዩ ክውዳእ ዘለዎ። ምኽንያቱ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ኣፍሪካ ፀገም ብዝግባእ ይፈለጥ እዩ። ከምዝፍለጥ ሩባ ኣባይ ናይ ኣፍሪካ ሩባ እዩ። ኣብ ትሕቲኡ 11 ሃገራት ናይ ተፋሰስ ኣለዋ። ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ብሕብረት ብኣፍሪካ እዩ ክፍታሕ ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሱዳን መግለፂ ሂቡ ነይሩ። እቲ መግለፂ ድማ ኣብ ሰለስቲኦም ዝግበር ዘተ ብሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ዝብል እዩ። ስለዚ እዚ ጉዳይ እዚ ብሕብረት ኣፍሪካ ክካየድ ኢትዮጵያ ልዑል ፃዕሪ ክትገብር ኣለዋ እየ ዝብል።

 ወጋሕታ፡- ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ሰለስቲአን ዝግበር ዘተ ብስምምዕ እንተዘይተዛዚሙ ግብፂ ኣብ ርእሲ ኢትዮጵያ ኵናት ክትኸፍት ትኽእል ዶ? ወይ ኣብቲ ግድብ ጉድኣት ክተብፅሕ ትኽእል ዶ?

ወይዘሮ መካ፡– ግብፃውያን ግንባር ንግምባር ክገጥሙ ኣይኽእሉን። ነቲ ግድብ ክወቕዕዎ ዝኽእልሉ ምኽንያት ‘ውን ኣይህሉን። እዚ ብዓለም ለኸ ዝተኸልከለ እዩ። ግብፂ ከምዚ እንተገይራ ‘ውን ማዕቐብ ክግበረላ ይኽእል እዩ። ቐጥታ ኵናት እትኸፍተሉ ኩነታት ኣይህሉን። ኣብ 19 ክፍለ ዘመን ፈቲኖም ብኢትዮጵያ ተሳዒሮም እዮም። ሕዚ ንሱዳን ተጠቂሞም ይሙኩሩ ኣለዉ እዮም፤ ነዚ ደሞ ኢትዮጵያ ብትዕግስትን ንቕሓትን እያ እትከታተሎ ዘላ። ነቲ ግድብን ዶብን ብምትሕሓዝ ይመስለኒ ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ጥሒሳ ክትኣቱ እንተላ ግብፂ ኣብ ጎኒ ሱዳን እየ ዝበለት። ኮይኑ ግና ሱዳናውያን ባዕሎም ከምዝብልዎ ግብፂ ንባዕላ ሰፊሕ መሬት ሱዳን ሒዛ ኣላ እያ። ሱዳን ምስ ግብፂ ዘለዋ ዶብ ዘይፈትሐት ምስ ግብፂ ተመሻጢራ ከም ዝፍለጥ ዶብ ኢትዮጵያ ብምጥሓስ ከምኡ ‘ውን ሓረስቶት ብምፍንቓል ሰፊሕ መሬት ሒዛ እያ።

ካሊእ ግብፂ እትገብሮ ዘላ ኣብ ውሽጢ ጉዳይና ብምእታው ግብፂ ግድብ ህዳሰ ንምስንኻል ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዓመፅ ዝንቐሳቐሱ ኣካላት ብገንዘብን ብሞራልን እናደገፈት እያ ትርከብ። ሓደ ሓደ ኣካላት ብፍላይ ብገንዘብ ተገዚኦም ኢትዮጵያ ንምጉዳእ ዝሓስቡ ተወለድቲ ኢትዮጵያውያን ክዕሸው ኣይግበኦምን፤ ብግዝያዊ ረብሓ እንተይተታለሉ ብዛዕባ ሃገሮምን ህዝቦምን ከቕድሙ ኣለዎም። ህዝቢ ኢትዮጵያ መስተውዐሊ እዩ፤ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ቕርሕንቲ ምትፍናንን ንጎኒ ብምግዳፍ ትኹረቱ ኣብ ናይ ደገ ፀላኢ ክኸውን ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ብጣዕሚ እየ ዘመስግን።

ወይዘሮ መካ፡- ኣነ ‘ውን ብጣዕሚ እየ ዘመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You