‹‹ነቲ መረፃ ንምትዕንቓፍ ድልየት ዘለዎም ኣካላት እንተሃለዉ ‘ ውን ኣይሳኸዐሎምን›› ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው

ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ሃገራዊ መረፃ ንምግባር ኣብ ምድላው ትርከብ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ትኹረት ዝሃቦ፣ብዙሕ ቖራፅነት ዘርኣየሉ ህዝብን ሓይልታት ፖለቲካን ብሃንቀውታ ዝፅበይዎ ወሳኒ ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ኣዘራራቢ ኾይኑ ኣሎ።ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ሃገርና ዝተኸሰቱ ጎንፅታትን ምምዝባላትን እቲ መረፃ ብዘተኣማምን ፀጥታ ንምፍፃምን ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ንምግባር ክንደየናይ ዕድል ኣለዎ ዝብል ቑልፊ ሕቶ እዩ።እዚ መበገሲ ብምግባር መብርሂ ንምርካብ ንዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ኣካል ምዝርራብ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምእማን ንኣማኻሪ ጉዳያት ደሕንነት ቐዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ጋሻ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ እትሕተም መፅሄት ዘመን ናይ ወርሒ ሚያዝያ ሕታማ ጋሻ ገይራቶም ኣላ።እታ መፅሄት ንኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ቕድመን ድሕረን መረፃ ዝህልዉ ፀገማት ፀጥታ ብምቁፅፃር መንግስቲ ኣወንታዊ ትርጉም ዘለዎ መረፃ ንምክያድ ኣብ ዘሎ ኹነታት ቓለ መሕትት ገይራ ኣላ።ጋዜጣ ወጋሕታ’ውን ናብ ትግርኛ ብምትርጓም ከምዝስዕብ ኣቕሪባቶ ኣላ።ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ 2013 ዓ/ም በቲ ዝድለይ መልክዑ ንምፍፃም፤ወድዓዊ ኹነታት ፀጥታ ሃገርና መንግስቲ ዝገምገመሉ ርኢቶ እንታይ እዩ?

ኣይተ ገዱ፡– መንግስቲ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ 2013 ዓ/ም ሰላማዊ ንክኸውን መላእ ህዝቢ ብዘይ ሓንቲ ስግኣትን ሰኸፈትን ዝደልዮ ዝመርፀሉ ምቹው ኹነታት ንምፍጣር እናሰርሐ እዩ።ኣብዚ ድማ መረፃ ምክያድ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ እቲ መረፃ ምክያዱ እምነት ህዝቢ ዝረኸበ መረፃ ንክኸውን ቕድሚ ኣዋርሕ ዘለናሉ ኹነታት ንምግምጋም ፈተነ ተገይሩ እዩ።እቲ ናይ ሎሚ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ኸይዲ ስግግር ዝካየድ መረፃ ብምዃኑ ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ፀጥታ ከጋጥምዎ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ብምእታው ምድላዋት ክግበሩ ፀኒሖም እዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ፀገማት ፀጥታ ከጋጥሙ ይኽእሉ እዮም።ቕድም ኢልና ዝገምገምናዮ ኣብ መብዛሕትኡ ኸባቢ ዘሎ ህዝቢ እቲ መረፃ ሰላማዊ ኾይኑ ንኽካየድ ልዑል ድሌት ስለዘለዎ ኸይዲ እቲ መረፃ ዝሐሸ ክኸውን እዩ ንብል። ሐዚ ዘለናሉ ኹነታት እንትንርኢ ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ሃገርና ምችው ኹነታት እንተሃለወ ‘ውን፤ኣብ ከባቢ ቤንሻንጉል መተከል እቲ ፀገም እናተቓለለ እንተመፀ’ውን መረፃ ንምክያድ ኣፀጋሚ እዩ።ኣብ ምዕራብ ወለጋ ዘለዉ ዞባታት ኣብ ኹሉ መደዳ ተዘይኮነ’ውን ትርጉም ብዝህብ መልክዑ ፀገማት ፀጥታ ዘለዎም ከባብታት እዮም።ኣብ ክልል ኣምሓራን ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ዘለዉ ዝተወሰኑ ወረዳታት ፀገማት ፀጥታ ይርኣዩ እዮም።ኣብ ኣዋሰንቲ ቦታታት ደቡብን ኦሮምያን ፀገም ፀጥታ ዝርኣይሎም ከባብታት ኣለዉ።ነዚኦም ፈሊኻ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ።

ኣብ መብዛሕትኡ ከባብታት ሃገርና እንትንርኢ ንመረፃ ዕንቅፋት ይኸውን እዩ እንብሎ ፀገም የለን።እዚ ድማ ህዝቢ እቲ መረፃ ሰላማዊ ኾይኑ ንኽፍፀም ብዘለዎ ፅኑዕ ድሌት እዩ።እቶም ኣካላት ፀጥታ’ውን ፀገም ኣብ ዘለዎም ኸባብታት ነቲ ፀገም ንምፍታሕ እናተንቀሳቐሱ ስለዝርከቡ እቲ መረፃ ንምክያድ ብመንፅር ሰላም ዝተወሰኑ ፀገማት እንተሃለዉ’ውን ሓፈሻዊ መረፃ ግና ክተዓናቐፍ እዩ ዝብል እምነት የብልናን።

ወጋሕታ፡-ፀገም ኣለዎም ተባሂሎም ዝተፈለዩ ቦታታት ፀጥታ ንምኽባር እናተወሰዱ ዘለዉ ስጉምትታት ንሃገራዊ መረፃ ተሳተፍቲ ዝኾኑሉ ዕድል ንኽህሉ እንታይ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ገዱ፡- እዞም ከባብታት ብዝምልከት ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር፣ፌደራል ፖሊስ፣ምስ ሓይልታት ፀጥታ ክልል ብምቅንጃው ሰፋሕቲ ስራሕቲ እናተሰርሑ እዮም።ከም ዝፍለጥ ኣብ ከባቢ መተከል ብመከላኸሊ ሃገር ዝምራሕ ኮማንድ ፖስት ኣለዎ፤ኣብዚ ኸባቢ እቲ ኮማንድ ፖስት እስካብ ሐዚ ዝሰርሖ ስራሕቲ፤እቲ ዝበፅሐ ፀገም ከምዘሎ ኾይኑ እቲ ፀገም ከይጋፋሕን እቲ ኸባቢ ናብ ዝነበሮ ሰላም ንኽምለስ ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ።ዝተረኸቡ ውፅኢታት’ውን ኣለዉ እዮም።ኣፍቲ ስራሕ ግና ስግኣት ፀጥታ ዝኾነ ሓይሊ ሙሉእ ንሙሉእ ኣይተወገደን፤ሐዚ’ውን ሓሊፉ ሓሊፉ ህይወት ሰብን ንብረትን ይጠፍእ እዩ።እዞም ፀገማት ሙሉእ ንሙሉእ እስካዕ ዝውገዱ ዝተቐናጀወ ስራሕ እናቐፀለ እዩ።

ኣብ ካልኦት ከባብታት ንኣብነት ጉራፈርዳ፣ከባቢ ኦሞ፣ ከባቢ ኣማሮ ጎንፅታት ነይሮም እዮም።እቶም ጎንፅታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድንጋፅን ምምዝባልን ዘስዐብሉ ኹነታት ኣሎ።እዚ ኹነታት ንምቕያር ድማ ዝተሰርሑ ስራሕታት ኣለዉ እዮም።ብተመሳሳሊ ኣብ መዋሰንቲ ቦታታት ዓፋርን ሱማሌን ፀገም ፀጥታ ኣሎ እዩ። እዞም ኹሎም ፀገማት ደሚርና እንትንዕዘብ ምስቲ ሃገራዊ መረፃ ተተሓሒዙ እቶም ዕንቅፋታት ከምዘለዉ ኾይኖም ሃገራዊ ፅዕንተኦም ግና ትሑት እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።ኣብዞም ከባብታት’ውን እቶም ፀገማት ንምፍታሕ እናተሰርሐ ይርከብ።ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ መዋሰንቲ ከባቢ ዞባ ብሄረሰብ ኦሮሞን መንገዲ ኣዲስ ኣበባ እስካብ ደሴ ኣብ ዘለዉ ቦታታት ዝስትውዓል ፀገማት ፀጥታ ኣለዉ።ኣብዞም ከባብታት እንታይ ክግበሩ ከም ዘለዎም ዝተቐመጡ ኣንፈታት ኣለዉ።በዚ መገዲ ድማ እናተሰርሐ እዩ።

ወጋሕታ፡-ብሕጋዊ ኸይድታትን ብዓርሰ ፍቓድን ካፍቲ መረፃ ዓርሶም ዘግለሉን ዝተፈላለየ ድሌት ዘለዎም ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝንቀሳቐሱ ሓይልታት ፖለቲካ ኣፍቲ መረፃ ዘሕድርዎ ፅዕንቶ ተገምጊሙ ድዩ?

ኣይተ ገዱ፡– ብሓፈሻ ዘለና ባህሊ ፖለቲካ ክንርኢ ኸለና ኣዝዩ ድሑር እዩ፤ ሐዚ ድማ ኣተሓሳስባ ፅንፈኝነት ብልዑል ኹነታት ዝርኣየሉ ኹነታት እዩ ዘሎ።ሰላማዊ መገዲ ዝመረፁ ብርክት ዝበሉ ፓርትታት እንተሃለዉ ‘ውን ሓደ ሓዲኦም ኣብ መገዲ ዓመፅን ምዝራግ ሰላምን ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ፈላማይ ቕድመ መረፃ፣እዋን መረፃን ድሕረ መረፃን ኣብ ዝህሉ ኹነታት ፀጥታ እቲ ሕብረተሰብ ካብ መጀመርታ እስካብ መወዳእታ ብናፅነት ኣፍቲ መረፃ ንኽሳተፍ ብምግባር እዩ።‹‹እዚ መረፃ ንዓይ እዩ፣ሓሳበይ ብዘይ ሓንቲ ፅዕንቶ ብናፅነት ገሊፀሉ እየ››ኢሉ እስካዕ ዝኣመነ እቲ ሕብረተሰብ መረፅኡ ብካርዱ ብዘተኣማምን ኹነታት ንኽገልፅ እንተተገይሩ ድሌት ዓመፅ ዘለዎም ኣካላት እንተሃለዉ’ውን ዝሳኻዕ ኣይኮነን።

በቲ ኻሊእ መዳይ ሓላፍነት ምኽባር ሕጊ መንግስቲ ኣሎ።ሓይልታት ፀጥታ መንግስቲ ይትረፍዶ ኣብ እዋን ፀጥታስ ማለት ‘ውን ኣብ ከም ሃገርና ዝበላ ዝተፈላለየ ፀገማት ፀጥታ ዘለወንን ኣብ ዝተረጋገአ ኹነታት ዝግበር መረፃ ‘ውን ብባህሪኡ ዝተወሰኑ ፀገማት ኽፍጠሩ ይኽእሉ እዮም።ብመንፅር እዚ፤ እቲ ሕብረተሰብ እቲ ዝደልዮ ብናፅነት ንኽመርፅ ካብ መጀመርታ እስካብ መወዳእታ ሐሳቡ ብናፅነት ዝገልፀሉ ኹነታት እንድሕር ተፈጢርሉ ካብ ቑፅፅር ኣይወፅእን።እቲ ዋና በዓል ቤት ሕብረተሰብ እንትኸውን ቐፂሉ ኣካላት ኣኽበርቲ ሕጊ ፌደራልን ሓይልታት ፀጥታ ክልልን ኣብ ዝሰርሕዎ ኸይዲ ምኽባር ሕጊ ሕልሚ ሓይልታት ዓመፅ ክሳኻዕ ኣይኽእልን።ነዚ ድማ ብፍሉይ ትኹረት ክስራሕ ኣለዎ ማለት እዩ።

ምኽባር ሕገ መንግስቲ ብዝምልከት ካብ ላዕሊ እስካብ ታሕቲ ስልጠናታት ተዋሂቦም እዮም፤እቲ ዝተውሃበ ስልጠናን መምርሕን መበገሲ ገይሩ እስካብ ታሕቲ ውዳበታት ኣዳልዮም እዮም።እቲ ውዳበ ብዝተኽኣለ መጠን ፀገም ምፍታሕ ብዘኽእል መገዲ ድልው ንምግባር ፃዕርታት ተገይሩ እዩ።ነቲ መረፃ ስዒቡ ዝተፈላለየ ድሌት ዘለዎም ሓይልታት፤ ምንቅስቓስ እንተሃለወ ‘ውን እቲ ማሕበረሰብ ፈታዊ ሰላምን ፈታዊ ዓዱን ስለዝኾነ እዚ ዓብዪ ዓቕሚ እዩ።

እቶም ኻልኦት ተወዳደርቲ ዝኾኑ መብዛሕትኦም ፓርትታት እዚ መረፃ ብሰላም ንኽዛዘም ይደልዩ እዮም።እቲ መረፃ ሰላማዊ ኸይዲ ንኽህልዎ ግደኦም እናበርከቱ እዮም።ቕንዕና ፓርትታት ምስ መንግስቲ ብሓባር ኾይኖም ዝተሳኸዐ መረፃ ንምግባር ዘለዎም ድሌት ዓብዪ ዓቕሚ ኾይኑ የገልግል።እዚኣቶም ብሓፈሻ እንትንሪኦም ፀገማት ዘጋጥሙሉ ኹነታት እንተሃለዩ ‘ውን እቲ መረፃ ሰላማዊ ኾይኑ ንኽዛዘም ድሌት ዘለዎም ሓይልታት ብሚዛን ዝሐሸ ስለዝኾነ እቲ መረፃ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ክዛዘም እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝኽሰቱ ፀገማት ፀጥታ ቕድመን ድህረ መረፃ፤ ንምቁፅፃር ምድላውን ምውዳድን ሓይሊ ፀጥታ ክንደየናይ ዘተኣማምን እዩ?

ኣይተ ገዱ፡- ብመንፅር ምድላው ምኽባር ሓላፍነት ናይቲ ፀጥታ ሓይሊ ከምዝኾነን፤እዚ ማለት ድማ ፓርትታት ፖለቲካ ብናፅነት ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ኣብ ኣደባባይ ሓሳቦም ዝገልፁሉ፣ሕፁያት ብዘይ ሓንቲ ሰኸፈት፣ኣብ ስግኣት ከይኣተዉ ዝተወከሉሉ ፓርቲ ወኪሎም ተወዳዲሮም ንምስዓር ዝገብርዎ ፃዕሪ ብዘይ ሓንቲ መሰናኽል ንኽፍፀም ምግባር፤ፈፀምቲ አካላት መረፃ ‘ውን ብዝተፈለየ መገዲ ፅዕንቶ ንኸይግበሮም ወይ ድማ ኣብ ምንቅስቓሶም ዕንቅፋ ዝኾነ ሓይሊ ንኸይህሉ ኣብ ምግባር ግደ ናይቲ ሓይሊ ፀጥታ ዓብዪ ከምዝኾነ ክግንዘብን፤ ከምኡ ‘ውን እቲ ሕብረተሰብ ኣብ እዋን ምዝገባ መረፃ ይኹን ፓርትታት ኣብ ዝገብርዎም ናይ መድረኻት ፃውዒት ተረኺቦም ኣብ ምድማፅ ወይ ድማ ምስ ዝድግፎ ፓርቲ ኣብ ኣደባባይ ሰልፊ ምግባር ክኸውን ይኽእል፤ብዝተፈላለየ መገዲ ሓሳቡ ዘንፀባርቐሉን ዝደልዮ ፓርቲ ንምምራፅ ዝገብሮ ፃዕሪ ዘዐንቅፍ ነገር ንኸይህሉ ሕጊ መሰረት ብምግባር ገለልተኛ ኾይኖም፤ዝሰርሑ ኣካላት ንኸተኣናግዱ መምርሒ ተዋሂብዎም እዩ።

ስርሖም እንትሰርሑ‘ውን ብሽም ምክባር ሕጊ ኻሊእ ፅዕንቶ ከየሕድሩ ናይ ስነ ምግባር ኮድ በብትካላት ተዳሊዉ ዘተ ተገይሮም እዮም።እስካዕ ጣብያ መምርሒ ዝተውሃበሉ ኹነታት ‘ውን ኣሎ እዩ።ብፍላይ ፖሊስ ፌደራል ዓብዪ ግደ ስለዘለዎ፤ናውቲ መረፃ ብምዕጃብ እስካብ ኣፍቲ ቦታ ናይ ምብፃሕ ስራሕ ፖሊስ ዓብዪ ግደ ስለዘለዎ፤ናውቲ መረፃ ዓጂቡ ናይ ምብፃሕ ስራሕ እናሰርሐ ሓላፍነቱ ንኽዋፃእ ዘድልዩ ምድላዋት ተገይሮም እዮም።

እዚ ብኣተሓሳስባን ብግንዛበን ዝተሰርሐ ስራሕ እንትኸውን፤እቲ ስራሕ ግን በብኸባቢኡ ብተናፀል እንተተሰሪሑ ዝመፅእ ውፅኢት የለን ።ስለዝኾነ ሓይልታት ፀጥታ ፌደራልን ክልልን በቢኸባቢኡ ብዝተዋደደ መልክዕ ተናቢቦም ንኽሰርሑ ኣድላዪ እዩ።በብርኪ ሃገርለኸ ‘ውን ኮሚቴ እቲ ፀጥታ እንትዋቐር ዝተዋቐረ ካብ ፌደራል ጥራሕ ኣይኮነን።ካብ ክልል ‘ውን ሓለፍቲ ፀጥታ (ኮምሽነራት)ዓቀብቲ ሕጊ፣ዝኣመሰሉ ብሓባር ክውደቡ ተገይሩ እዩ።ኣባል ናይቲ ሓይሊ ፀጥታ እዮም ማለት እዩ።

ወጋሕታ፡-ናይቲ ፀጥታ ሓይሊ ብዘይ ኣግባብ ዝወስዶም ስጉምትታት እንተሃልዮም ብመንፅር ተሓታታይነት ኽንደየናይ ምድላው ቖራፅነት ኣሎ?

ኣይተ ገዱ፡– እቲ መረፃ ናፃ ክኸውን ኣለዎ እንትበሃል ካብ መን እዩ ናፃ ዝኸውን፤ካብ ኣካላት መንግስቲ ናፃ ክኸውን ኣለዎ፤ሓይልታት ፀጥታ ንዘይደልይዎ ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ብምፍርራሕ ይኹን ፍልይ ብዝበለ መግለፂ ካብ ዘሕድርዎ ፅዕንቶ ናፃ ይኸውን ማለት እዩ። ስለዝኾነ ነዚ ጥሒሱ እቲ መረፃ ሰላማውን ሕጋውን ንኸይኸውን ዝግበር ኣካይዳ ሃገርን ህዝብን ዝጎድእ ስለዝኾነ ክሕተት ይግባእ።ንኣብነት ኣባላት ፖሊስ ፌደራል ትፅቢት ዝግበረሎም ሓላፍነት ብግልፂ ብመምርሒ ዝተቐመጠሉ ኹነታት ኣሎ። ኸይዲ ናይቲ መረፃ ‘ውን ኣካላት ፀጥታ ክገብርዎ ዝግባእን ዘይግባእን ነገራት ፈልዮም ዝተቐመጡሉ ኹነታት ኣሎ። ነዚኦም ዝጥሕስ ኣካል ብዘይ ሓንቲ ምውልዋል ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ።

እዚ መረፃ ካብ ልቢ ዝነቐለ ልምምድ ዲሞክራሲ እንገብረሉ መረፃ እዩ።ሕጋውን ፍትሓውን ኾይኑ እንተዘይተኻይዱ ፈለማ ናይ ህዝብና ኣመኔታ ኣይህልዎን።ተኣማንነት ዘይብሉ መረፃ ድማ ንኻልእ ፀገም ዝዳርግ እዩ።እቲ ኻልኣይ ብናፅነት ዘይካየድ መረፃ ገፅታ ሃገርና ንኽበላሾ ማዕፆ ዝኸፍት እዩ።ብብዙሕ ምኽንያታት እቲ መረፃ ናፃ ኾይኑ ብዘይ ሓደ ፅዕንቶ ክፍፀም ኣለዎ እንትበሃል ኣካላት ፀጥታ’ውን እቲ ሕጊ ብዝፈጥረሎም ኹነታት ጥራሕ ተደሪኾም ልእኽቶኦም ክዋፅኡ ኣለዎም።ካብዚ ሓሊፉ ሕጊ ዝጥሓሰ ስራሕ እንተሰሪሖም ካብ ተሓታትነት ኣየምልጡን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ኸይዲ መረፃ ይኹን ኣብ ኣቀባብላ እቲ ውፅኢት ሕብረተሰብ ኣወንታዊ ግደ ንኽህልዎ መንግስቲ እንታይ እናገበረ እዩ?

ኣይተ ገዱ፡- እቲ ሕብረተሰብ ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ክህልዎ ይደሊ።ስለዝኾነ ኣካላት ፀጥታ ‘ውን ብመንፅር ምኽባር ሰላም ህዝቢ ንኽሳተፍ ክሰርሑ ኣለዎም።ልዕሊ ኹሉ ኣብ ሰላማውነት እዚ መረፃ እቲ ህዝቢ ንኽሳተፍ ክሰርሑ ይግባእ።ልዕሊ ኹሉ ኣብ ሰላማውነት እዚ መረፃ ህዝቢ፣ፓርትታት ፖለቲካ፣ሕፁያት ተወዳደርቲ፣ሰብ ሞያ ሚድያ፤ ልዑል ተራ ክፃወቱ ኣለዎም ኢለ ይኣምን።ምኽንያቱ ሰላማዊ መረፃ እንተተገይሩ ልዕሊ ኹሉ ተጠቃሚ እቲ ሕብረተሰብ እዩ።ሓባራዊ ጉዳይን ኣጀንዳን እዩ።ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኹሉ ዝምለከቶ ኣካል ተሳትፎ ክገብር ይግበኦ።ስለዝኾነ ድማ ኣካላት ፀጥታ በብብርኩ ምስቲ ማሕበረሰብ ስራሕቲ ንምስራሕ ፃዕሪ እናገበሩ እዮም።

ወጋሕታ፡-ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሰሜን ዝተገበረ ኸይዲ ምኽባር ሕጊ፤ዝነበሮ ድንግዝግዝታ ንምፅራይ ብዙሕ ዋጋ እናኸፈለ ከምዝኾነ ይፍለጥ፤ምስ መረፃ 2013 ተተሓሒዙ ተመሳሳሊ ነገር ንኸይፍጠር መንግስቲ ኣቐዲሙ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ?

ኣይተ ገዱ፡¬- እቲ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ብዝኾነ መገዲ ምክያድ ማሕበረሰብ ዓለም ግንዛበ ንኽህልዎ ምግባር ፈላማይ ጉዳይ እዩ።እቲ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ንምግባር ወሳኒ ግደ ዘለዎ እቲ ማሕበረሰብ እዩ።እዚ ድማ በዞም ዝስዕቡ ሕቶታት እዩ ዝውሰን፤ሰባት ብናፅነት ዝደልይዎ ንምምራፅ ዝግድቦም ነገር ኣሎዶ?ልዕልነት ሕጊ ተረጋጊፁ ዶ?ፓርትታት ፖለቲካ ብዘይ ሓደ ፅዕንቶ ኣብ ዝደለይዎ ቦታን ግዘን ሕጊ መሰረት ገይሮም ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ብዘይ ገለ ገደብ እናተፈፀመ ድዩ?።

እዚ ከምዘሎ ኾይኑ ማሕበረሰብ ዓለም ብዝተፈለየ መገዲ እዚ መረፃ ናፃን ዲሞክራሲያውን ኾይኑ ንኽካየድ ካብ ዓቕሚ ህንፀት ቦርዲ መረፃ ዝተፈላለዩ ድጋፋት እናገበረ ፀኒሑ እዩ።ዓቕሚ ህንፀት ጥራሕ ዘይኮነስ ኸይዲ እቲ መረፃ ንኽግንዘቡ ካብ መፈለምትኡ እስካብ እቲ ውፅኢት ዘሎ ኸይዲ ንኽዕዘቡ ብወገን መንግስቲ ኽፉት እዩ።ከምኡ’ውን መንግስቲ መረፃ ቦርድ ሓዊሱ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ስራሕቲ ግንዛበ እናሰርሐ እዩ።ካብዚ ተበጊሱ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ሓቂ ተደሪኹ፤ ኣብ እንገብሮ ኸይዲ መረፃ ውፅኢትን ኣወንታዊ ርኢቶ ንኽህልዎ ዝገብር እዩ ኢለ ይኣምን።

ወጋሕታ፡-በዚ ኣጋጣሚ ንመዳርግቲ ኣካላት መረፃ 2013 ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ገዱ፡– እዚ መረፃ ብዙሓት ተወዳደርቲ ፓርትታት ዝወዳደሩሉ መረፃ እዩ።ፖለቲካና ድሑር እዩ፣እቲ ስርዓት ዲሞክራሲያውን ዝተርፎ ነገር እንተሃለወ’ውን ጥንክር ዝበሉ ተወዳደርቲ ፓርትታት ንቕድሚት እናመፁ እዮም።እቲ መረፃ ኣብ ውድድር ዝተመስረተ ስለዝኾነ እቲ ሕብረተሰብ ብዙሓት መማረፅታት ስለዝቐረበሉ ዝመሰሎ ናይ ምምራፅ መሰል ተመቻችዩሉ እዩ፡፤ስለዝኾነ እቲ ሕብረተሰብ ዋና ባዓል ቤት ናይቲ መረፃ እዩ።ብምዃኑ ድማ እቲ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኾይኑ ዝዛዘመሉ ኹነታት ንምፍጣር ተርኡ ክዋፃእ ኣለዎ።እዚ ተፈጥራዊ መሰል ናይቲ ሕብረተሰብ እዩ።ሕገ መንግስታዊ መሰሉ እዩ።እዚ መሰሉ ተግባራዊ ንምግባር ኣብዚ መረፃ ብብቕዓት ክሳተፍ ኣለዎ።ሰላማዊ ኾይኑ ንኽዛዘም ግድኡ ክዋፃእ ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኻልኣይ ፓርትታት ፖለቲካ ብንቕሓት እናተሳተፉሉ ዝርከብ መረፃ እዩ።እዚ መረፃ ሃገር ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ‹‹ኣነ ይሓይሽ፣ኣነባ ይሓይሽ›› ተበሃሂሎም ፓርትታት ዝወዳደሩሉ እዩ።ሃገር ናብ ዝሐሸ ብርኪ እትሳገረሉ ድማ ሰላማዊ ኹነታት እንትፍጠር እዩ።ፓርትታት ሰላማዊ ዝኾነ መረፃ ንኽካየድ ንኣባላቶምን ንደገፍቶምን ከምኡ’ውን በብብርኩ ንዝርከብ መዋቕሮም ኣድላይነት ሰላማዊ መረፃ ምግንዛብን ምምሃርን ከምኡ‘ውን ንሰላም ጠጠው ክብሉን ይግበኦም።

ሳልሳይ ኣካላት መኽበርቲ ሕጊ፤ ልዕልና ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ኣብ ማእገሮም ዝዓለበ ጉዳይ እዩ።እዚ ድማ ሓላፍነቶም ናይ ምውፃእ ጉዳይ እዩ። ካብ ኻልእ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ኾይኑ እዩ።ተልእኾኦም ንምውፃእ ብንቕሓትን ብምውዳድን ክንቐሳቐሱ ይግባእ።እዚ መረፃ ሰላማውን ሕጋውን ብዝኾነ መገዲ ንኽውዳእ ምግባር ንዓኣቶም’ውን ኽብሪ እዩ።ካብዚ ዝሓለፈ ድማ እቲ መረፃ ብልዕልነት ዘመሓድሮ ቦርዲ መረፃ ብገለልተኛ ንኽስራሕን ልዕልነት ሕጊ ዝተረጋገፀሉ ንኽኸውን ንምግባር ግድኦም ክዋፅኡ ይኽእሉ እዮም።ብድምሩ መላእ ኢትዮጵያውያን እዚ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራሲያውን ኾይኑ ንኽዛዘም ግድኦም ንምውፃእ ክንቀሳቐሱ ይግባእ፤ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ብጣዕሚ እየ ዘመስግን

ኣይተ ገዱ፡- ኣነ’ውን ብጣዕሚ እየ ዘመስግን

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 5 ጉንበት 2013

Recommended For You