‹‹ህወሓት ህዝቡ ናይ ምድሓን ዓቕሚ የብሉን›› ወይዘሮ ኣበባ በርሀ

‹‹ጓል ኣንስተይቲ ናብ ቅድሚት ወፂኣ ኣብ መሪሕነት ክትርከብ ኣለዋ ዝብል ቅዋም ካብ ዝሓዛን ፅዕንቶ ፈንቂለን ካብ ዝወፃ ሓንቲ ‘ያ። ብፍላይ ድማ ኣብ ተሳትፎ ፖለቲካ ዓርሳ ንዓርሳ እትቃለስ እትኽእል ጓል ኣስተይቲ ባዕላ ጥራሕ ‘ያ። ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ትግራይ ፀገም እንትበፅሕ መዓንጠአን ሸጥ ኣቢለን ኣብ ስንቂ ምቕራብ ፣ ሕልፍ ኢሉ ‘ውን ብረት ኣልዒለን ክሳብ ምትኳስ ብምብፃሕ ማዕርነትን ናይ ምርግጋፅ ኽእለት ዘለዎን ከምዝኾነ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻት ሰፊሩ ይርከብ። እዚ ዝኸፈለኦ መስዋእትነት ግና ብዉሑዳት ስልጣን ደለይቲ ኣካላት እንትምንዛዕ ተራእዩ ‘ዩ ፤ ተሳትፎ ጓል ኣንስተይቲ ትግራይ ብሰንኪ ስርዓት ህወሓት ትሑት ‘ዩ›› ትብል ሓላፊት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ወይዘሮ ኣበባ በርሀ።ወይዘሮ ኣበባ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ዝገበረቶ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ እንሆ!!ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡-ካብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር እንታይ ትፅቢት ይግበር ?ንህዝቢ ትግራይ ኸ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ይመስል?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኹሉ ጊዜ ኣወንታ ምሕሳብ ፅቡቕ ‘ዩ። መንግስቲ እዚ ኮምሽን ምጥያሹ ጥራሕ ብፅቡቕ ነገር ዝረአን ክንደይ ዝኣክል ንሰላም ቕሩብ ከምዝኾነን ዘርኤና ‘ዩ። ክሳብ ዝኸደ ‘ውን ይኸይድ ‘ዩ። እዚ ስራሕ ከይዲ ስለዝኾነ። ግና ቅድም ከምዝበልኽዎ ህወሓት ናይ ሰላም ልምዲ ስለዘይብሉ ክቕበልዎ ‘ዮም ዝብል ግምት የብለይን፣ መንግስቲ ዝጀመሮ ተስፋ ሰላም ምኻዱ ኣይተርፍን ውፅኢቱ ‘ውን ክንሪኦ ኢና። ግና ንሳቶም ተዓበለልቲ ኾይኖም ክራኣዩ ኣይደልዩን ፤ ኩሉ ጊዜ ሰብ እናፀቐጥካ ንትግራዋይ ሆ እናበል ብስምዒት እናላዓዓልካ ንሳቶም ኣብ ወንበሮም ኮፍ ኢሎም ከም ደስተኦም እናበልዑ እናሰተዩ ‘ዮም ለሚዶም፣ ስለዚ እዚ ኮምሽን ተመሪፁ ዘሎ ፅቡቕ ሓሳብ ‘ዩ ፤ ግና ከንደየናይ ከይዱ ‘ዩ ውፅኢታዊ ዝኾን ብሓባር እንርኦ ኢና ንኸውን።

እዚ ኮምሽን ህወሓት ክቕበሎ ድዩ ኣይቕበሎን ኣብ ሕቶ ኣእቲናዮ’ምበር ንህዝቢ ትግራይ ግና ብጣዕሚ ዝጠቅም ‘ዩ ፤ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ከምዝበልዎ ዝኾነ መገዲ ተጠቂምና ንህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም ክነውፀኦ ኢና ከምዝበልዎ፣ እዚ ሓሳብን ዓቕምን ሒዞም ‘ዮም ክወፁ ዝኽእሉ ካብዚ ንላዕሊ ክኾን ኣይኽእልን ፤ እዚ ሓሳብ ኣብ ተግባር እንድሕር ውዒሉ በቃ ህዝቢ ትግራይ ይድሕን ኣሎ ማለት ‘ዩ። እዚ ክግበር ከሎ ግና ህወሓት ቅድሚ ኸዚ ዝሰርሖ ክርሳዕ የብሉን።

ቕድሚ ኹናት ምጅማሩ ንሰላም ዕርቕን ካብዚ ዝተልኣኹ ኣካላት ክንርስዕ የብልናን። ኽልተ ሰለስተ ‘ዋን ‘ዩ ተለሚኑ ፣ኣብኡ ነይርና ኢና። ግና ዓለም ኣብ ኢዶም ዝጭበጥዋ ይመስል እዚ ኹሉ ጥምየት ክመፅእ::

 ወጋሕታ፡- ኸዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታትን ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ ጉድኣትን ከመይ ትገልፅዮ ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ኸዚ ኣብ ኣፍ ሞት ‘ዩ ዝርከብ።ብቐሊል ኣብነት እንተሪአና ቆልዓ ውላድኻ እንድሕር ረቢሽኪ ብዝተኽኣለ መጠን ክትቐፅዕዮ ኢኺ፣ካብ ዓቐን ንላዕሊ አንድሕር ተቐፂዑ ግና እዚ ቆልዓ ናብ ዘይተደለየ መገዲ ‘ዩ ዘምርሕ። ክሳብ ውላድኪ ምስኣን ‘ውን ክትበፅሒ ትኽእሊ ኢኺ ፤ ብሰንኪ ዝተፈጠረ ፖለቲካ ቕልውላው ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ኣብ ሓደ ገዛ ዝተዓፀየ ‘ዩ ኾይኑ ዘሎ። ልነበሮ ይኹን ዘይነበሮ ይኹን ፤ ዝተምሃረ ይኹን ዘይተምሃረ ኩሉ ካብ ዝነበሮ ደረጃ ኣትሒቶም ኣውሪዶምዎ ‘ዮም።

እዚ ከምዝመፅእ ባዕሉ ህወሓት ‘ውን ይፈልጥ ‘ዩ፣ እዚ ኹሉ ዝኸውን ዘሎ ንሶም ዘለዉ ኣብታ ወንበር ንምፅናሕ ኢሎም እናሰርሕዎ ዘለዉ ስራሕ ‘ዩ። ኣብ ፖለቲካ ዓለም ንዝፀንሐ ሰብ ኣካይዳ ፖለቲካ ስለ ዝፍለጥ ንሳቶም ‘ውን ካብቲ ዝፀንሕዎ ዘለዎም ልምዲ ፖለቲካ እዚ ከምዝመፅእ ኣፀቢቖም ይፈልጡ ‘ዮም። ኣብዚ ኸዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ትሕቲ ብርኪ ድሕነት ‘ዩ ዝርከብ።

ብልፅግና ኸዚ ዝተወለደ ዕሸል ዝኾነ ፓርቲ ‘ዩ። ኢህወዴግ ዝባሃል ፓርቲ ድማ ብኹሉ ነገር ዝዓበየ ብዕድመ ብልምዲ ዝዓበየ ፓርቲ ‘ዩ። ኣብዚ ውሸጢ ዘለዉ ሰባት ነዚ ኸዚ ተወሊዱ ዘሎ ፓርቲ ይዓብይዎ ‘ዮም። ኣብዚ መገዲ ዝሓለፉ ስለዝኾኑ እዞም ሰባት እዚ መገዲ ከምዝመፅእ ይፈልጡ ‘ዮም። እናፈለጡ ‘ዮም ንህዝቢ ትግራይ ናብዚ ፀገም ኣእትዮምዎ ዘለዉ። ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብዚ ፀገም ኾይኑ ህወሓት ንምቅዋም ይኸብዶ ‘ዩ። ኣንሕና እኳ ኣብዚ ኾይና ክንደይ ፀገማት እናተጋፈጥና ኢና እንቃለስ ዘለና። እዚ ህዝቢ ክጠፍእ ‘ዩ ተደልዩ ፤ እንድሕር ሓገዝ ተዘይተዋሂብዎም ብጥምየት ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ናብዚ ዝመፃና ኣባላት ብልፅግና ኣብ ቤተሰብና ዝበፅሕ ዘሎ ፀገም ቀሊል ኣይኮነን። ቤተሰብኩም ብልፅግና ‘ዩ እናተብሃሉ ሓገዝ እናተኸልከሉ ‘ዮም። እዚ ዝገብር ጉጅለ እንድሕር እቲ ህዝቢ ተላዒሉ ኣብ ልዕሊ ጥምየቱ ብጥይት ‘ዮም ዝውድእዎ። ስለዚ እቲ ሕብረተሰብ ንህይወቱ ስለዝፈርሕ ዓቕሚ ረኺቡ ተላዒሉ ክቃወም ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን፤ ኣብዚ ዘለና ግና ጠንኪርና ቃልስና ክንቕፅል ኣለና። ንሕና ጥራሕ እንተይኾነስ መላእ ኣብ ዓለም ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይኹን ትግራዋይ ክቃወዎም ክኽእል ኣለዎ። ምኽያንቱ ትግራዋይ ኢትጵያዊ ‘ዩ ።

እቶም ጉጅለ ህወሓት’ዮም ተጋሩ ኢና ኢሎም ፈልዮም ንጥቕሞም ክብሉ ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ ትማሊ ሎሚ ‘ውን ፅባሕ ኢትጵያዊ ‘ዩ ምንም ዝተፈለየ ነገር የለን። ስለዚ እዚ ህዝቢ ካብ ዝኣተዎ ፀገም ንምውፃእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንድሕር ዘይሓጊዚዎ ክድሕን ኣይኽእልን ኹሉ ህዝቢ ‘ዩ ክዳኸም። እዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ከምዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይፈልጥ ‘ዩ ፤ ካብ ትግራይ ጀሚሮም ክሳብ ኣብዚ ቀረባ ኸባቢ ዝመፅሉ ዘብፅሕዎ ግፍዕታት ኹሉ ሓዚኑ ‘ዩ። እዚ ኾይኑ ግና ኣንሕና ኣብ ሰላም እናነበርና ኢና።

ስለዚ ኣብዚ ዘለና ምእንተ ነፃነት ትግራይ እንቃለስ ዘለና ኣካላት ኣብ ጎንና ኾይኑ ክሕግዝ ኣለዎ ፤ ህዝቢ ክድሕን ኣለዎ። እቲ ሓቂ ዝፍለጥ ‘ዩ። ግልፂ እናኾነ ኸይዱ ‘ዩ።

እዞም ሰባት(ጉጅለ ህወሓት) ጠበንጃ ተኣማሚኖም ዝሓዝዎ መሳርሒ ተኣማሚኖም ‘ዮም ተኹሲ ጀሚሮም ‘ምበር ካልእ ዝተኣማመንሉ ነገር የለን። ካልእ ተኣምር ሃልይዎም ኣይኮነን። ኣተሓሳስበኦም ብዛዕባ ኹናት፣ ዝሓዝዎ ኣፅዋር ኹናት ስለዝኾነ ‘ዮም ናብ ኹናት ዝኣተዉ ፤ ስለዚ እቲ ሓቂ ንሪኦ ኣለና ህዝቢ እናሞተ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብ ሚድዮኦም እናጋወሕዎ ዘለዎ እንድሕር ህፁፅ ሓገዝ ተዘይገይሩ ኣብዚ ውሑዳት ኣዋርሕ ብዙሕ ሰብ ከምዝሃልቅ እናገለፁ ‘ዮም ዘለዉ ፤ እዚኦም ድማ ምዝራብ ‘ዮም ዝኽእሉ ‘ምበር ምድሓን ህዝቦም ኣይኽእሉን። ዓቕሚ ስለዘይብሎም ኣብ ተግባር ከሰርሑ ኣይኽእሉን። ስለዚ እዞም ሰባት እንኳን ሃገር ክልል ‘ውን ናይ ምምሕዳር ዓቕሚ ስለዘይብሎም ክውገዱ ኣለዎም። ብዝኾነ መገዲ እንተ ህዝቢ ተላዒሉ እንተስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ብምእታው ብዝኾነ መገዲ እዞም ሰባት ክላዓሉ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡-መንግስቲ ህወሓት ቀልቡ እንድሕር ተመሊሱ ንሰላም ቅሩብ ‘የ ይብል ኣሎ፣ ካብ ባህሪ ህወሓት ተበጊስና ብኸመይ ‘ዩ ከዐውቶ ዝኽእል?

ወይዘሮ ኣበባ፡– ኣመራርሓ ህወሓት ካብ ቅድም ጀሚሩ ኩሉ ከምዝፈልጦ ኣመራርሕኡ ውልቀመላኺ’ዩ። ናይ ውሑዳት ሰባት እኩብ ‘ዩ። እዞም እኹባት ድማ ኣንፃር ትግራዋይ ‘ዮም። እቶም ናታቶም ቤተሰብ ጥራሕ ‘ዩ ብፅቡቕ ዝነብር ዝነበረ፤ ካልእ ትግራዋይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ነዚ ህዝቢ ኣይነበሩን። እዚ ጉጅለ ድሕሪ ኸዚ ንህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ክሰርሕ ‘ዩ ምባል ዘይሕሰብ ነገር ‘ዩ ፤ ናብ ዝገደደ ፀገም ‘ዩ ዝኣቱ፤ኣይኾንን፤ኣብቂዑ ‘ዩ። ምርድዳእ ብዘተን ዝመፅሉ ባህሊ ስለዘይኾነ ንዕኡ ዝኸብዶ ይመስለኒ።

ሰላም ንምፍጣር መሰረታዊ ዝባሃሉ ኣለዉ፤ምስ ጎረባብቲ ከመይ ከምትነብር ፣ ምስ እትሰርሖ ኣመራርሓ ምዝታይ ዝኣመሰሉን እዚ ንምግባር ዘይፈጠረሉ እዚ ጉጅለ ብኹናት ጥራሕ ፀገማት ዝፍትሑ ስለዝመስሎም ንግዚኡ ደልይቲ ሰላም ኮይኖም ክኣትዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ፀኒሖም ግና ናብ ዝባኣሰ ፀገም ‘ዮም ዘእትይዎ ነቲ ህዝቢ፣ ስለዚ መንግስቲ እንድሕር ብሓቂ ንሰላም ዝሓስብ ኾይኑ ንህዝቢ ትግራይ ውዕለታ ክውዕለሉ ኣለዎ ፤ ኸዚ ካብዚ ፀገም ኣውፂእዎ ማለት ንዘለኣለም  ውዕለታ ከምዝዋዓለሉ ‘ዩ ክቑፀር ዘለዎ። ካብ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ስሒቡ ከውፅኦ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡-ካብ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር እንታይ ትፅቢት ይግበር ?ንህዝቢ ትግራይ ኸ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ይመስል?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኹሉ ጊዜ ኣወንታ ምሕሳብ ፅቡቕ ‘ዩ። መንግስቲ እዚ ኮምሽን ምጥያሹ ጥራሕ ብፅቡቕ ነገር ዝረአን ክንደይ ዝኣክል ንሰላም ቕሩብ ከምዝኾነን ዘርኤና ‘ዩ። ክሳብ ዝኸደ ‘ውን ይኸይድ ‘ዩ። እዚ ስራሕ ከይዲ ስለዝኾነ። ግና ቅድም ከምዝበልኽዎ ህወሓት ናይ ሰላም ልምዲ ስለዘይብሉ ክቕበልዎ ‘ዮም ዝብል ግምት የብለይን፣ መንግስቲ ዝጀመሮ ተስፋ ሰላም ምኻዱ ኣይተርፍን ውፅኢቱ ‘ውን ክንሪኦ ኢና። ግና ንሳቶም ተዓበለልቲ ኾይኖም ክራኣዩ ኣይደልዩን ፤ ኩሉ ጊዜ ሰብ እናፀቐጥካ ንትግራዋይ ሆ እናበል ብስምዒት እናላዓዓልካ ንሳቶም ኣብ ወንበሮም ኮፍ ኢሎም ከም ደስተኦም እናበልዑ እናሰተዩ ‘ዮም ለሚዶም፣ ስለዚ እዚ ኮምሽን ተመሪፁ ዘሎ ፅቡቕ ሓሳብ ‘ዩ ፤ ግና ከንደየናይ ከይዱ ‘ዩ ውፅኢታዊ ዝኾን ብሓባር እንርኦ ኢና ንኸውን።

እዚ ኮምሽን ህወሓት ክቕበሎ ድዩ ኣይቕበሎን ኣብ ሕቶ ኣእቲናዮ’ምበር ንህዝቢ ትግራይ ግና ብጣዕሚ ዝጠቅም ‘ዩ ፤ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ከምዝበልዎ ዝኾነ መገዲ ተጠቂምና ንህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም ክነውፀኦ ኢና ከምዝበልዎ፣ እዚ ሓሳብን ዓቕምን ሒዞም ‘ዮም ክወፁ ዝኽእሉ ካብዚ ንላዕሊ ክኾን ኣይኽእልን ፤ እዚ ሓሳብ ኣብ ተግባር እንድሕር ውዒሉ በቃ ህዝቢ ትግራይ ይድሕን ኣሎ ማለት ‘ዩ። እዚ ክግበር ከሎ ግና ህወሓት ቅድሚ ኸዚ ዝሰርሖ ክርሳዕ የብሉን።

ቕድሚ ኹናት ምጅማሩ ንሰላም ዕርቕን ካብዚ ዝተልኣኹ ኣካላት ክንርስዕ የብልናን። ኽልተ ሰለስተ ‘ዋን ‘ዩ ተለሚኑ ፣ኣብኡ ነይርና ኢና። ግና ዓለም ኣብ ኢዶም ዝጭበጥዋ ይመስል እዚ ኹሉ ጥምየት ክመፅእ መከራ ነዚ ህዝቢ ዘምፀእሉ እቲ ዝተውሃቦም ናብ ሰላም መገዲ ብዘይምቕባሎም ‘ዩ። ንሳቶም ከምቲ እንሰምዖም ዘለና ኩልሻዕ ንሕና ኢና ጀጋኑ ፣ ኩልሻዕ ትግራይ ትስዕር እናበሉ ‘ዮም ኣብዚ ብርኪ ተበፂሑ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ናብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ስደት ጀሚሩ ኣሎ፣ ካብዚ ስደትን ካልኦት ፀገማትን ንምውፃእ እንታይ ዓይነት ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኸዚ እዚ ህዝቢ ናብ ካልኦት ንከይኸይድ መገዲ ‘ውን እናዓፀውሉ ‘ዮም ዝብል ሓበሬታ ‘ዩ ዘሎ። ብዝኾነ ኣጋጣሚ ግና እቲ ህዝቢ ክወፅእ ኣለዎ። እንተናስ ናብ ኤርትራ ይኹን ናብ ሱዳን ክወፅእ ክኽእል ኣለዎ። ወፂኡ ህይወቱ ከድሕን ኣለዎ። ሓደ እቲ ህዝቢ ዝብላዕ የብሉን ፣ ኸዚ ድማ እቲ ዝገርም ኣብዚ ፀገም እናሃለወ ዕዳ ማረት ክትኸፍሉ ኣለኩም እናበሉ በየቦትኡ ‘ዩ ተለጢፉ ዘሎ። እዚ ህዝቢ ኣሽንኳይዶ ዕዳ ክኸፍል ቆሎ ቖልዩ ዝበልዕ እኳ የብሉን። ስለዚ በዚ ዓይነት ሽብር የጨንቕዎ ስለዘለዉ እቲ ህዝቢ ነብሱ ከድሕን ኣለዎ ። ዝረኸቦ መማረፂ ክጥቀም ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ እዚ መዓት ወሪድዎ ዘሎ ዝሰርሖ ግፍዒ የለን፤ ብናታቶም ሕማቕ ኣተሓሳስባ ‘ዩ እዚ ኹሉ ዝተበላሸወ ፤ ስርዓት ዘይብሉ ኣመራርሓ ፖለቲካ ‘ዩ ኣበዚ ብርኪ ኣብፂሕዎ ዘሎ። እዚ ንምምላስ ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ብሰለማዊ ሰልፊ ይኹን ብካልኦት መገድታት ብምፍጣር ፀገማት ንክቕንሱ ክረባረብ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡-ከይድን ውሳነታት ቐዳማይ ጉባኤ ብልፅግና ዘለኪ ሪኢቶ እንታይ ይመስል?

ወይዘሮ ኣበባ፡- እቲ ዝተውሃበ ውሳነ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝጠቕም ሓሳባት ዝተመሓላፍሉ ‘ዩ ነይሩ። መሰረት ህዝቢ ድልየት ማእኸል ዝገበረ ፣ ማዕርነት ዘረጋገፀ ፣ ሕድሕዶም ብስምምዕነት ንክህሉ ዝገበረን ‘ዩ። ካብዚ ንላዕሊ ድማ ኣብቲ ጉባኤ ዝተውሃቡ ውሳነታት ናብ መሬት ኣብ ዝወርድሉ እዋን ተግባራውነቱ ክረጋገፅ ኣለዎ። ውሳነታት ኣብ ዝውሰነሉ እዋን ኣብ ተግባር እንድሕር ዘይተፈፂሞም ዋጋ የብሉን ፤ እዚ ንምግባር ድማ ሕድ ሕድ ኣብ ዝምልከቶ ዘፈር ዘሎ ኣካል ክረባረብ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልፅግና ትግራይ እንታይ ዕላማ ሒዙ እናንቀሳቀሰ ይርከብ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- እዚ ካብ ባዕለይ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብነፃነት ንከይዛረብን ካብ ፓርቲ ህወሓት ወፃኢ ንከይቃለቐለን ዝበፅሐኒ ፀገም ኣሎ፤ ኣነ ጥራሕ እንተይኾነስ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ መሰለን ክኽበርን ኣብ ሓላፍነት ወፃአን ዝተሰመዐን ናይ ምዝራብ ባህሊ ንከይረኽባ ኾይነን ‘የን። ኸዚ ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ኾይና እናተቓለስና ንርከብ። ብኣጋጣሚ ካብ ገዛ ወፂና ኢና ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመፃና። ንሕና ብዙሕ ፀገማት ኣሕሊፍና ኣብዚ በፂሕና ኢና። ምብፃሕ ጥራሕ እንተይኾነስ ንካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ‘ውን ድምፂ ክንኾን ይግባእ፤ ተዘይኾይኑ ቃልስና ዋጋ የብሉን። ፅባሕ ኣሳጊርና እንሪኣ ትግራይን ነፃነታን ዝተሓለወ ጓል ኣንስተይትን ካብቲ ፀገማ ክነውፅኣ ይግባእ።

ብፍላይ ጓል ኣንስተይቲ ድማ ኣብ ኣመራርሓ ተቐሚጣ ፣ ካብ ነባር ኣተሓሳስባ ተላዒላ ብኣዶነት መንፈስ ሃገራት ክትመርሕን ህዝቢ ንክተረጋግዕ ናይ ምግባር ተግባር ክሰርሓ ኣለዎን። ኣብዚ ሐዚ በይንና ኾና እንገብሮ ስራሕ ዕውት ክኸውን ኣይኽእልን፣ ኣብዚ ምስዘሎ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ብምዃን ትግራወይቲ ኣደ ንቕድሚት ናብ መሪሕነት ንክትወፅእ ፀገማ ንክፍለጥ ፣ ኣፍ ክንኾና ኢልና እዚ ዕላማ ሒዝና ኢና ንቕድሚት እናተጉዓዝና ዘለና። ኣብዚ ክንመፅእ ብዙሓት ፀገማት በፂሖምና ‘ዮም። ናይ ህወሓት ኣመሓድራ ሕማም ንዓና ‘ውን ተሪፉ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ተወለድቲ ትግራይ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ‘ዩ ፤ ግና ድማ እዚ ፀገም ከም ፈተና ብምሕላፍ ፅባሕ ዝረአ ሓድሽ ተስፋን ሓዳሽ ትግራይን ጥራሕ ብምርኣይ ኣጠንኪርና እናሓለፍና ንርከብ ፤ እዚ ንምርካብ ድማ ትዕግስቲ ወሳኒ ‘ዩ፣ ትዕግስቲ ክሳብ ዝወግሕ ከም ክዳን ክንኽደን ኣለና።

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳታ እተሕልፍዮ መልእኽቲ እንተሃልዩ?

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኣብዚ ሐዚ ብፍላይ ደቂ ኣንሰትዮ ኣብ ፀገም ስለዘለዋ መንግስቲ ቆላሕታ ተዝገብር ዝብል ሓሳብ ኣለኒ፤ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ‘ውን ኣካልና ‘የን መሳድድትና ‘የን ብምባል ዝተኣሰሩን ኣብ ፀገም ውሽጢ ዘለዉ ተጋሩን ክተሓጋገዙ ኣለዎም ። እዚ ግፍዒ ተመሊሱ ዋጋ ከኽፍል ይኽእል ‘ዩ። እቲ ዝሓለፈ ዓሌታውነት ሕማቕ ስርዓትና ኸዚ ንህዝቢ ዋጋ እናኽፈሎ ‘ዩ ዝርከብ ኸዚ እንሰርሖ ዘለና ስራሕ ድማ ተመሊሱ ዋጋ ከኽፍለና ስለዝኽል፣ ክንጥቀቕ ኣለና። ናይ ግዜ ‘ምበር ናይ ሰብ ጀግና ስለዘየለ ማለት ‘ዩ። ኣብቲ ዝሓለፉ ዘመናት ክንርኢ ንኽእል ኢና ታሪኽ ምርኣይ ይካኣል ንሕና ‘ውን ኣብዚ ዝነበርናያ ዘመን እንተርኢና ግዜ ‘ዩ ‘ምበር ሰብ ሓያል የለን። ስለዚ ኣብ ፀገም ዘሎ ትግራዋይ ምልስ ኢልካ ምርኣይ ኣድላይ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የቐንየለይ።

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኣነ እውን የቐነየለይ።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 22 መጋቢት 2014

Recommended For You