‹‹ህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ጥራሕ ዘላግብ ታሪኽ የብሉን››

– ኣይተ ማስረሻ ፍስሃ

ኣይተ ማስረሻ ፍስሃ ካብቶም ብኢትዮጵያውነቶም ዘይደራደሩ ተጋሩ ሓደ’ዮም። ዕብየቶምን ናብርኦምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ’ዩ። ብአመራርሓ ትምህርቲ ዲፕሎማ፣ በትምህርቲ ትልምን ምምህዳርን ድማ ዲግሪ ዘፅንዑ እንትኸውን ኣብዚ ኸዚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ንጡፍ ተሳትፎ እናገበሩ ይርከቡ። ኢትዮጵያዊነት ንምዃን ግድን ኢትዮጵያዊ ምዃን’ዩ ዘድሊ፤ ሓድነት ሃገር ንክጠናኸር ካብ ዝፀበበ ብሄርተኝነት ወፂእና ኢትዮጵያዊ ዝብል መንነት ምትሓዝ መማረፂ ዘይብሉ መገዲ ‘ዩ ይብሉ። ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ትግራይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ዝበፅሕ ዘሎ ፈተናን እዚ ፀገም ንክፍታሕ እንታይ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ኣለዎ ብዝብል መልዓሊ ሓሳብ ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ፤ ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ዘሎ ወድዓዊ ኩነታትን ራዕዳዊ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ ፀገም ብኸመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ማስረሻ፡- ህዝቢ ትግራይ ከም ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናፃ ኾይኑ ናይ ምግላፅ መሰል ኣለዎ እዩ። ግና እዚ እናተጠቐመሉ ኣይኮነን። እዚ ድማ ካልእ ህዝቢ ከምዝደለዮ ወይም ሕጊ ከምዝፈቐደሉ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኣፈላላይ ከምዘሎ ኾይኑ ካሊእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ሰራሕ ‘ዩ ዝርከብ። ሓረስታይ ይሓርስ ፣ ነጋዳይ ይነግድ ተምሃራይ ይማሃር ኣሎ። እዚ ኹሉ ግና ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ኣብ ትግራይ የለን። ምስ ካልእ ህዝቢ ኢትዮጵያ እናተራኸበ ኣይኮነን። ስለዚ ከም ኢትዮጵያዊ ኣብ ትግራይ ዘለዎ ትግራዋይ ዘይረኸበሉን ዝተፈልየሉን ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ህዝቢ ብሰላም እንተርኢና ኣብ ሰላም ኣይኮነን ዘሎ ፣ ልምዓት እንተይልና ኣብ ልምዓት ኣይኮነን ዘሎ ፣ ዲሞክራሲ እንድሕር ተባሂሉ ድማ ዲሞክራሲ የብሉን። ስለዚ ዓዲ ከም ዓዲ ዝረኽቦ ኸስቢ እናረኸበ ኣይኮነን። በይኑ ‘ዩ ዝነብር ዘሎ፤ ምስ ህዝቢ እናነበረ ኣይኮነን። በዚ ኩነታት ተዓፊኑ ‘ዩ ዝነብር ዘሎ። ህወሓት ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ጉድኣት ዝፍለጥ ‘ዩ። ብፖለቲካን ማሕበራውን ቕልውላው ዝበፅሐ ፀገም ቀሊል ኣይኮነን።

ተምሃሮ እናተምሃሩ ኣይኮኑን ፤መምህራን እናምሃሩ ኣይኮኑን፤ ወለዲ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ እናሰደዱ ኣይኮኑን፤ ግልጋሎት ጥዕና ድማ እናረኸበ ኣይኮነን፤ ነፃነት ሚድያ የብሉን፤ ኸዚ ዓለም ኣበይ ኣላ ዝብል ክፈልጥን ከገናዝብን ዕድል ኣይተውሃቦን። እዚ ኹሉ ዝመፀ ድማ ብናይ ህወሓት ኣመራርሓ ‘ዩ ። እንዳ ህወሓት ኹሉ ነገር ንሕና ኢና ንኽእል ንሕና ጥራሕ ኢና ንፈልጥ ብምባል እናመርሕዎ ፀኒሖም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ከም ኢትዮጵያ ቀያሕትን ፀለምትን ተጋሩ ካብ ሃፀይ ዮሃንስ ጀሚሩ ካብ ኣሉላ ኣባ ነጋ ክንደይ ኣቦታትን ኣደታትን ንኽብሪ ኢትዮጵያ ክባሃል ብዙሓት ኹናት መስዋእትነት ተኸፊሉ ‘ዩ። እዚ ዘሪአና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ንድሕሪት ዘይብሉ ኣቦታትን ኣደታትን ነይሮምና። ኸዚ ናታቶም ግልባጥ ‘ዩ እናኾነ ዘሎ። ህዝቢ ከም ህዝቢ ትማሊ፣ሎሚ ኾነ ፅባሕ ብዛዕባ ኢትዮጵያውነቱ ንድሕሪት ዝብል መንነት የብሉን። ግና ቁፅሮም ውሑዳ ዝኾኑ ብፖለቲካ ኣባል ዝውሰኑ ኣብ ጉጅለ ዘለዉ ኣመራርሓታት ብዝፈጥርዎ ዘይግባእ ስራሕቲ ብፖለቲካ ኾነ ብማሕበራዊ እቲ ህዝቢ ምስ መላእ ህዝቢ ኣፈላልዮምዎ ኣለዉ። እዚ ድማ ንዓድን ንትግራይ’ውን ኣይጠቅምን። ንግዚኡ እዞም ዉሑዳት ጉጅለታት ዝተጠቐሙ ይመስሎም። ግዜ ይወስድ ‘ምበር ካብ ተሓታትነት ምትራፍ ኣይካኣልን። ህወሓት ዝመስረቱ ካብ እኒ ኣቦይ ስብሃት ትምህርቲ ክውሰድ ኣለዎ። ክሳብ ናብ ሕጊ ዝቀርቡ ግና እቲ ህዝቢ መፃወቲ ገይረምዎ ኣለዉ። ብሰንኪ እዚ ጉጅለ ኣብ ህዝቢ ዓብይ ቕልውላው በፂሑ እዩ። እዚ ኾይኑ ግና ትግራዋይነት ትሕት ኣይትብልን። ብዋዛ ፈዛዛ ሓፍ ኮፍ እነብሎ ኣይኮነን። ግና እዚኦም ጉጅለ ካብ ትግራይ ምፍጣሮም እዩ ዘሕዝን። ብናታቶም ጥፍኣትን ውልቃዊ ድልየትን ህርፈትን ክምችዎም ክባሃል ህዝቢ እናተሳቐየ ይርከብ።

 ወጋሕታ፡- መንግስቲ ‹‹ህወሓት ናብ ቀልቡ እንድሕር ተመሊሱ ንሰላም ቅሩብ ‘የ›› ይብል ኣሎ፤ ህወሓት ድማ ንሰላም ቁሩብ ‘የ እንተበለ ‘ውን ካብ ዝሰርሖም ስርሐትን ባህሪኡን ተበጊስና ብኸመይ ‘ዩ ከዐውቶ ዝኽእል?

ኣይተ ማስረሻ ፡- ጉጅለ ህወሓት እዚ ዘረባ ከም ዘረባ ተዛሪቦም ኣለዉ፤ ግና ከምቲ ናታቶም ኣተሓሳስባ ንህዝቦም ሰላም ይሃቡ ፤ ናትና ህዝቢ ዝብልዎ ህዝቢ ትግራይ እንድዩ እስኪ ነቲ ህዝቢ ሰላምን ቅሳነትን ይሃብዎ፤ ሰብ ዘይኣመነሉ ናብ ኩናት ኣየእትውዎ፤ ዝጠመየ ምእንቲ ክበልዕ ሰላም ይፍጠሩ። ነኒባዕሎም ኣመራርሓ ይረዳድኡ፤ ሓደ ኣብ ምዃን እስኪ መጀመርያ ዘተ ይግበሩ። ሰላም እንድሕር ደልዮም ንምንታይ ኣብ ዓፋር ኣትዮም ፀገም ዝፈጥሩ? ናብ ኣምሓራ እናኸዱ ዝትንክፉ? ስለዚ እዚ ኣይመስልን። ኣይኾንን ማለት ግን ኣይኮነን ። እዚ ዝበልክሉ ምኽንያት ኸዚ ‘ውን ኣይዓረፉን። ካልእ ድማ ክሳብ ሐዚ ነቲ ህዝቢ ቅሳነት ኣይሃብዎን። እንተናአሰ እኮ ሐዚ ትግራይ ኣብ ኢዶም እያ ዘላ ንምንታይ ሰላም ዘይህብዎ? ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምንታይ ዘየራኽብዎ ? ቅድሚ ሐዚ እናተዛረቡ ነይሮም ‘ዮም፤ ናይ ህዝቢ ጥፍኣት የለን ይብሉ ነይሮም ‘ዮም። ሐዚ ግና ዓፋር ከምዚ ገይሩ ኣምሓራ ከምዚ ገይሩ እናበልካ ፀላኢ እናፈጠርካ ክሳብ መዓዝ ‘ዩ ዝንበር? ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፀላእትነት እናፈጠርካ መናእሰይ እናሞቱ ኣደታት ኣብዚ ፀገም ኣትየን ከመይ ገይርካ ‘ዩ ሰላም ይደሊ ‘የ ዝብል ? እዚ ጠጠው ኢሎም ይሕሰብሉ። ሓደ ደቒቓ ‘ውን ንድሕሪት ኣይበሉ ምሉእ ነብሶም ንሰላም ይሃቡ፤ ንሰላም ቅሩባት እንተኾይኖም ድማ በቲ ባዕሎም ዝሰርሕዎ ጥፍኣት ተሓታትነት ልዕልነት ሕጊ ኣብ ባዕሎም ተግባራዊ ይግበሩ፤ ክሳብ ኸዚ በዚ ምኽንያት ዝሞተ ህዝቢ መን ‘ዩ ተሓታቲ ? ባዕሎም ‘ዮም። ናብ ሰላም ንክመፁ ናይ ኩላትና ድልየት ‘ዩ ፤ ሓቆም ድዮም ንዝብል ድማ ንባዕሎም ይፈትሹ። ግና ሐዚ ‘ውን ጠጠው ዘይበለ ኹናት ኣሎ። እዚ ኹናት ጠጠው የብልዎ ፤ ቐፂሉ ብተግባር ይረአ፤ ግና ብኣፍካ ካልእ ብተግባር ካልእ ድማ ኣየኺድን። እዚ ንትግራዋይ ኣይምጥኖን። ብኹሉ መዳይ ድልዋት ድዮም ዝብል ድማ ባዓልካ ምፍታን ኣድላይ ‘ዩ። ወጋሕታ ፡- ህወሓት ሐዚ ‘ውን ኣብ ክልል ዓፋር ኹናት ብምግባሩ ምኽንያት ረድኤት ንኸይኣቱ ገይሩ ኣሎ እዚ ህዝቢ ትግራይ ንጥምየትን መሳርሒ ኹናት ምግባሩ ዘለዎ ርኢቶ እንታይ’ዩ? ኣይተ ማስረሻ፡- እዚ ሓደ ‘ዩ መልሱ፤ እንድሕር ሓገዝ ንክኣቱ ፈቒዶም ንህዝቢ እናሓሰቡ ‘ዮም ኢልካ ትሓስብ፤ ክሳብ ሐዚ ግና ሓገዝ ዝፃዓና መኻይን ንከይኣትዎ እናተገበራ ነይረን ‘የን፤ እተን ዝኣተዋ ድማ ንኹናት መከፋፈሊ ኾይነን ኣለዋ። ብምንታይ መለክዒ ‘ዩ ድኣ ንህዝቢ ጥምየት ንምቕናስ ንሰርሕ ኣለና እንተይሎም ንምንታይ እተን ዝኣትዋ መኻይን ዘይኣትዋ? ንምንታይ እቲ መንገዲ ክፍቲ ዘይኾን? እዚ ንባዕሉ ኣብ ሕቶ ዝእቱ ‘ዩ ፤ ንህዝቢ ዝሓልዩ እንድሕር ኾይኖም ነቲ ህዝቢ ክፈቕድሉ ይግባእ። እንተናአሰ ኢንተርናሽናል ሓገዛት ዝህቡ ኣለዉ፤ እዚኣቶም ንክኣትዉ ምግባር ኣድላይ ‘ዩ። ፖለቲካን ኹናትን ናይ ባዕሉ መገዲ ኣለዎ ‘ዩ። ሰብ ብጥምየት እናተወደአ እኽሊ ንከይኣቱ ምኽልካል ኣፀጋሚ ‘ዩ ፤ ስለዚ ሕጊ ኢንተርናሽናል ምኽባር ኣድላይ ‘ዩ። ንህዝቢ እንድሕር ተሓሲቡ ክፍቲ ገይርካ መድሓኒት ንክኣቱ እኽሊ ንክኣቱ ክግበር ይግባእ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ወጋሕታ፡- መንግስቲ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ንምክያድ ኣብ ምድላው ይርከብ፤ ካብቲ ኮምሽን እንታይ ትፅቢት ይግበር ? ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ እንታይ ‘ዩ ? ኣይተ ማስረሻ፡- ካብቲ ኮምሽን ትፅቢት ዝግበር ንትግራይ ጥራሕ እንተይኾነስ ከም ዓዲ ካብ ፀግዒ ክሳብ ፀግዒ ምእንቲ ሰላም ክኸውን ንሰላም ዝጎድኡ ስራሕቲ እንታይ ‘ዩም? ኣብ ኣካይዳ ፖለቲካ ክማሓየሽ ዝግባእ፣ ህዝቢ ኣብዚ እንታይ እጃም ኣለዎ ? መንግስትስ እዛ ዓዲ ከም ዓዲ ንክትቕፅል እንታይ እጃም ከወፍይ ኣለዎ? ብምባል፣ ናትካ እጃም ብምውሳድ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ሕብረተሰብ ዝበፅሕ ምይይጥ ብምግባር ሰላም ቅሳነትን ልምዓትን ምምፃእ ‘ዩ። እዚ ድማ ካብቲ ሕገ መንግስቲን ካብ እንግልገለሉ ባንዴራ ጀሚርካ ዘድሊ ኣሎ፤ ዘየድሊ ኣሎ። ዝደልን ዘይደልን ብምንታይ መገዲ ‘ዩ ብዝብል ህዝቢ ከም ህዝቢ፤ፖለቲከኛ ከም ፖለቲካኛ ብምዝታይ ናይ ኣብዝሓ ብምውሳድ ነቶም ዉሑዳት ድማ ይኽበረሎም። እቲ ዋና ግና ዓዲ ከም ዓዲ ብሰላም ብምርግጋዕን ዝቕፅለሉ ፤እዚ ድማ ናይቲ ኮምሽን ምውሃድ ካብ ኹሉ ብሄር ዝተወፃፅአን ብትምህርትን ካልኦትን ልምዲ ዘለዎም ስለዝኾኑ፤ ስለዚ ውፅኢቱ ዝሓሸ ከምዝኾን ትፅቢት ይገብር። ኾይኑ ግና እዚ ኮምሽን ዝኽእሎ ‘ዩ ክሰርሕ ዝኽእል ፣ ካብ መንግስቲ ጀሚርካ ካብ ፖሊቲካ ተናሓናሕትን ውድባትን ክሳብ ህዝቢ ንዓኣቶም ዝሕግዝን ዝተሓባበርን ክኸውን ይግባእ። እዛ ዓዲ ድማ ከም ዓዲ ኾይና ንክትቕፅል ናይ ኩሉ ድልየት ክኽውን ይግባእ። ሂብካ ናይ ምቕባል ፖለቲካዊ ክኾን ኣለዎ ። ኣብዚ ድማ ብዋናነት ህዝቢ ትግራይ ተረበሒ ክኾን ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ንምንታይ እንድሕር ተባሂሉ ህዝቢ ትግራይ ምስ ህወሓት ጥራሕ ዘላግብ ታሪኽ የብሉን። መበቆል ዲሞክራሲ ‘ዩ። ብዙሕ ዝኸፈለ ህዝቢ ስለዝኾነ ነዚ ህዝቢ ዝውክሎ ተወካሊ ዓርሱ ኪኢሉ ክኣቱ ‘ዩ፤ ክመያየጥ ‘ዩ። ትግራይ ከመይ እንተኾይና ‘ዩ ኸስቢ ዝህልዋ?ኢትዮጵያ ኸስቢ ክህልዋ ከላ ድማ ትግራይ ከመይ ‘ያ ትርባሕ ንካልኦት ክልላት ድማ ብኸመይ ‘ዩ ክርባሓ ዝኽእል ዝብል ? ንቲ ህዝቢ ዝውክል ክህልይ ‘ዩ። ኣብዚ ኸዚ ብዋናነት ተጠቃሚ ዝኾን ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ቅድሚ ኸዚ ብሹሙ እናተሸቐጠሉ’ምበር ዝረኸቦ ረብሓ የለን። እዚ ህዝቢ ብዘይሽሙ ብዘይመዐቀኒኡ እናተዓቐነ ‘ዩ ዘሎ ። ናይቲ ህዝቢ ስነ ልቦናውን ባህልን ኽብርን ዝሕሉ እዋን ክመፅእ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። እዚ ኮምሽን ንኹሉ ብሄር ብሄረሰባት ዝውክል ክሳብ ዝኾነ ውፅኢትዊ ክኾን ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝሓስብ። ትግራይ ብዝምልከት ኣብዚ ሰዓት ኹሉ ናብ ውንኡ እናተመለሰ ‘ዩ ። ኣብዚ ኸዚ ናብ ክልል ኣምሓራ ዝኣቱዉ ብዙሓት ተጋሩ ኣለዉ። ብጥምየትን ብስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ቅሳነት ብምስኣን ዓደይ ናብ ዝበሎ እናመፀ ይርከብ። ካበዚ ኹሉ ናፃ ዘውፅኦ ድማ እዚ ኮምሽን ምኽክር ‘ዩ ኢለ ይሓስብ። ወጋሕታ፡- ኣብዚ መድረኽ ምኽከር ካብ ምሁራት ፣ፖለቲከኛታት ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ተጋሩን እንታይ ትፅቢት ይግበር ?ተሳትፎ ምሁራን ተጋሩ እንታይ ክኸውን ይግባእ ይብሉ? ኣይተ ማስረሻ፡- እዚ ኮምሽን ምኽክር ውፅኢት ንክህልዎ ሽትኡ ምእንታን ክወቅዕ ኹሉ ውዳበ ፖለቲካ ብዘዕባ ኢትዮጵያን ንዝውክልን ህዝቢ ካብ ልቢ እንድሕር ተላዒሉ ከምታ ዝዛረብዎ ኮይንካ ምርካብ ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ማለት ኣብ ሓደ ሓደ ዝረአ ኣብ ሚድያ ዝዛረቦ ካልእ ኣብ ተግባር ካልእ ኾይኖም ስለ ዝርከብ ‘ዩ ፤ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ኢልካ ምዝማር እንተይኾነስ ካብ ልብኻ መንነትኻ ሒዝካ ምልዓል ኣድላይ ‘ዩ። ስለዚ ክምእዘዙን ብእምነት ድማ ክስርሑ ይግባእ። እዞም ፖለቲካ ውድባት ትሕቲ ኢትጵያዊ ክኾኑ ይግባእ ፤ ፖለቲካ ትሕቲ ኢትዮጵያ ‘ዩ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝኸውን ፖለቲካ የለን። ዕድል ክረኽቡ ከለዉ ድማ ንሃገሮም ባርያ ንክኾኑ ድማ ድልዋት ክኾኑ ይግባእ። ዓዲ ምምሕዳር ባርነት ‘ዩ ፤ ባርነት ድማ ተመሪፅካ’ምበር ተበርጢጥኻ ኣይመፅእን። ነዚ ኮምሽን ድማ ስነልቦናዊ ኽብሪ ክህቡ ይግባእ። ንዓኣቶም ኽብሪ ምሃብ ማለት ንህዝቢ ኽብሪ ምሃብ ማለት ‘ዩ። ካብ ምሁራን ናይ ወረቀት ምሁራን ክኾኑ ኣይግባእን፤ ምሁር ማለት ጉዳይ ዲግሪ ፣ ዲፕሎማ ማስተርስ ኣይኮነን፤ ምሁር ዝባሃል ኣመለኻኽታ ዘለዎ ንኹሉ ሰብ ኢትዮጵያዊ ከም ኢትዮጵያዊ ናተይ እንተይኾነስ ናትና ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎ ምሁር ‘ዩ ዝደሊ። ስለዚ ናታቶም ምሁር ምኻንን ፈላጥ ምኻንን ዓዲ ዘቕንዕ ህዝቢ ዝጠቕም’ምበር ኣነ ምሁር ‘የ ስለዝበሉ ፈላጣት ኣይኮኑን። ናታቶም ፍልጠት ብተግባር ኣብ ህዝቢ ለውጢ ዘምፅእ ኣተሓሳስባ ብምምፃእ ናይዛ ዓዲ ምቕፃልን ዘይምቕፃልን ናይዛ ዓዲ ፖለቲካ ኣብ ምቅናዕ ኣብ ኢድና ‘ዩ ኢሎም ብኣወንታ ክቕበሉ ይግባእ። ስለ ዝፈለጡን እዚ ድኻ ህዝቢ ስለዘምሀሮም ኣብዚ ስለዘብፀሖምን እሞ ድማ ኣብዚ ድኻ ህዝብን ዓድን ኣብ ፀገም ዘሎን ኣነ ምሁር ‘የ ፣ኣነ ሃፍታም ‘የ ጉልበት ኣለኒ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይሰርሕን ፤ ኢትዮጵያ በቲ እትዕቀነሉ ልክዕ ‘ዩ ዝዕቀን። እዚ ምሁር ‘የ ዝብል ቅልውላው እንድሕር ዘይፈቲሑ ኣይተምሃረን። ስለዚ እዚ ተረዲኦም እቲ ዝተምሃርዎ ዓዲ ንምቕናዕን ፀገማት ዝፈትሕሉ ፍልጠት ክኸውን ይግባእ። ብብሄር ዝተዓገተ እንተይኾነስ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንድሕር ተሓሲቡ ንኹሉ ‘ዩ ዝኾን። ተማሂርና ኢልና ብዛዕባ ናይ ባዕሉ ዝተፈጠረሉ ዘርኢ ኣልዒልካ ብምውዳስ ምሁርነት ኣይግለፅን።

 ካልእ ጀግና ኣይኮነን ድዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ስለዘምፅእ ማለት ‘ዩ ። ንኣብነት ካብ ትግራይ ዝወፅእ ምስ ካልኦት ብሄራት ‘ውን ማዕረ ዝዕቀን ምሁር ኣድላይ ‘ዩ። ብብሄር እንድሕር ንሓስብ ኾይና ምምሃር ጥቕሚ የብሉን። ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓለም ኸዚ ሓደ ኾይና ኣላ ፤ ኢትዮጵያዊ ኣብዚ ኾይኑ ብዛዕባ ሱዳንን ካልኦት ዓለማትን ዝጭነቐሉ እዋን ኮፍ ኢልካ ኣብዚ ኾይንካ ኣነ ካብቲ ብሄር ‘የ ካብዚ ብሄር ‘የ ብምባል ምሁር ‘የ እንተይልካ ካብ መጀመርኡ ምሁር ኣይኮነን ኢለ ‘የ ኣነ ዝድምድም። ህዝቢ ብማዕረ ዘይርኢ ምሁር ምሁር ኣይኮንን። ማዕርነት ክመፅእ ዝደክምን ዝፅዕርን ዘገልግል ምሁር የድሊ ። ሃገር ንቕድሚትን ንድሕሪትን ኣብ ምባል ናይ ምሁራን ግደ ዓብይ ‘ዩ። ስለዚ ብማዕረነት ዝኣምን ምሁር ኣድላይ ‘ዩ። እዚ ድማ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ ኮምሽን ሽትኡ ይወቅዕ ማለት ‘ዩ። ፀገማትና ንነባዕልና ኢና ክንፈትሕ እንኽእል ፤ እጃሞም ሰፊሕ ‘ዩ።

 ወጋሕታ፡-ኣብ ከይዲን ውሳነታትን ቐዳማይ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ዘለኩም ሪኢቶ እንታይ ‘ዩ?

ኣይተ ማስረሻ፡- ጉባኤ ብልፅግና ተኸታቲሎዮ ‘የ። ፍሉይ ‘ዩ ። ፍሉይ ዘብሎ ነገር እንታይ ‘ዩ ኹሉ ዝነበረ ጉዳይ መረፃ ብቀጥታ እናተኸታልና ነይርና ኢና ፣ሰብ ንዝመሰሎ ይድግፍ ይቃወምን ነይሩ ‘ዩ ፤ ብሓፈሻ ዲሞክራሲያዊ ‘ዩ ነይሩ። ቅድሚ ሐዚ ኣከያይዳ ኢህወደግ ኣብ ኣርባዕተ ውድባት ዝነበረ እንትኾን ካልኦት ኣጋራት እናተብሃሉ ‘ዮም ዝፅውዑ ዝነበሩ፤ ሐዚ ግና ዓሰርተ ሓደ ክልላት ተሳተፍቲ ኾይኖም ‘ዮም።

 እዚ ካብ ኢህወዴግ ፍልይ ዘብሉ ባዓል ዋናታት ምዃኖም ‘ዩ ፤ ብመልክዑን ብኣካያይዱኡን ዲሞክራሲያዊን ፅቡቕን ‘ዩ። ካልእ ፅቡቕ ዘብሎ እዛ ዓዲ ዘላቶ ቅልውላው ዝፍለጥ ‘ዩ እቲ ጉባኤ ዝተኻየደሉ ኣካይዳ ድማ ዲሞክራሲ ዝተመልኦን ተስፋ ዘለዎን ‘ዩ። ዝተወሰኑ ውሳነታት ድማ ብፍላይ ኣብ ኢኮኖሚ ፣ ኣብ ግዕዝይና ፣ኣብ ቐፃሊ ድማ ሃገራዊ ቅሳነት ኣብ ጉዳይ ሰላምን ትግራይን ብተወሳኺ ድማ ምስ ወፃኢ ዓድታት ዘለና ርክብ እዚ ኹሉ ዝተርኣየሉ መገዲ ዝረአየ ‘ዩ። ስለዚ ብመልክዑን ዲሞክራሲ ኣካይዳን መዐቐኒ ፍሉይ ዝኾነ ጉባኤ ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ጅምር ዘሎ እሞ ድማ ኣብ ፖለቲካ ዝተበላሸወ ዝነበረ ሃገር ዝተገበረ ጉባኤ ስለዝኾነ እዚ ብዙሕ ተስፋ ዘለዎ ካብ ፀግዒ ክሳብ ፀግዒ ዝኾኑ ኢትጵያውያን ናይ ባዕሎም ተወከልቲ ኣለዎም ፣ ብዙሕ ዘገልገሉ ዝተተክእሉ፤ ኣብ ብልሽው ኣሰራርሓ ዝነበሩ ድማ ናብ ባዕሎም ንክምለሱ፤ ዝሓሸ ዝኾኑ ድማ ናብ ቅድሚት ዝመፅሉ ‘ዩ ፤ ናይ ኣምሓራ ኦሮሞ …ዝባሃል ብልፅግና የለን ፤ ቅርንጫፍ ብዝብል ‘ዩ ዘሎ። እዚ ዘርኤና ናብ ሓድነት ናብ ኢትዮጵያውነት ዘምፀአሉ ዝተስርሐሉ ከምዝነበረ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብ ግዕዝይና ዝተድሓዘ ቅዋም ዓብይ ቅዋም ‘ዩ።

ሰሪቕካ ኣብ ሓደ ብሄር እትሕበአሉ መገዲ የለን። ሓደ ሰብ እንድሕር ኣጥፊኡ ዝውክሎ ባዕሉ ጥራሕ ‘ዩ ‘ምበር ብሄሩ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ብዙሕ ኣወንታ ዘለዉዎን ንቐፃሊ ድማ ዓብይ ተስፋ ዝግበረሉን እዛ ዓዲ ናበይ ከምትኸይድ መርኣያ ‘ዩ። እዚ ውሳነ ዝሓሸ ንክኸውንን ሽትኡ ንክወቅዕን ሕድ ሕድ ፖለቲካ ውድበ ይኹን ኹሉ እጃሙ እንድሕር ኣወፍዩ ዓዲ ክትብልፅግ ናይ ኩሉ ምርብራብ ስለዘድሊ መንግስቲ ናይ ምትሕብባርን መሪሕነት ተግባር ስለዝወስድ’ምበር እዚ ተግባር ናይ ኩላትና ‘ዩ። ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ኣይተ ማስረሻ፡- ኹሉ ኢትዮጵያዊ ኾነ ትግራዋይ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክሰርሕ ይግባእ ። ኢትዮጵያዊ ንምዃን ናይ ግድን ኢትዮጵያዊ ምዃን ‘ያ እትደሊ። ኢትዮጵያዊ ምዃን ማለት ኣምሓራይ ኾይንካ ብዛዕባ ትግራይ ዝሕመካ ናይ ካሊእ ብሄር ከም ናይ ባዓልካ ሕማም ዝስመዐካ’ምበር (ካሊእ’ውን ከምኡ) ኣብ ሓደ ብሄር ተሓቢእኻ ኢትዮጵያ ምዕባይ ኣይከኣልን ፤ ስለዚ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ክባሃል ውሽጡ ፅሩይ ኾይኑ ፖለቲከኛ ይኹን ምሁር ፣ ነጋዳይ ይኹን ተምሃራይ ንሕሊንኡን ንሃገሩን ተኣማኒ ኾይኑ ክሰርሕ ይግባእ። ፖለቲከኛታት ድማ እታ ዓዲ ሓፍ ንክትብል ይስርሑ’ምበር ብገንዘብን ምስ ማንም ዓዲ ዝሸይጥ ፀላኢ ተሓባቢርካ ዓዲ ንድሕሪት ምግባር ዝርከብ ቅርሽን ኸስብን የለን። እቲ ቅርሺ መጥፍኢኻ ‘ዩ ስለዚ ምእንታን ዓዲ ክባሃል እሙን ምዃን የድሊ። ካብ ዘረባ ንላዕሊ ድማ ኾይንካ ምንባር ስለዘድሊ ኩላትና ሻማ ሻማ ኢልና ክንሰርሕ ኣለና። ወጋሕታ ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ማስረሻ፡-ኣነ’ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 15 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You