‹‹ህወሓት እናሃለወ ሰላም ክህሉ ስለ ዘይኽእል መንግስቲ ብዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ክፈትሖ ኣለዎ››-ኣይተ ተሻለ ንጉሰ

ኣይተ ተሻለ ንጉሰ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ)’ዮም:: ኣይተ ተሻለ ካብ እዋን ደርጊ ጀሚሮም ኣንፃር ደርጊ እናተቓለሱ ዝመፁ እንትኾኑ፤ ደርጊ ንምውዳቕ ዓብይ እጃም ተፃዊቶም ‘ዮም:: ይኹን ‘ምበር ድሕሪ ምውዳቕ ደርጊ ‘ውን እንተኾነ ኣካይዳ ስርዓት ህወሓት ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን፤ ዝተበገስናሉ ዕላማ መስመሩ ስሒቱ ‘ዩ ብምባል እናተቓለሱ ዝመፁ እንትኾኑ ሐዚ ‘ውን ኣብ ውድብ ፓርቲ ትዴፓ ኮይኖም ንሃገሮም ብፍላይ ምእንተ ህዝቢ ትግራይ እናተቓለሱ ‘ዮም ዝርከቡ:: ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣይተ ተሻለ ዘለዎም ነዊሕ ፖለቲካዊ ተሞክሮን ልምድን ንኸካፍሉና ኣብ ቐንዲ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ምስ ትግራይ ዝተተሓሓዘ ኣድሂብና ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ንዝሃቡና መብርሂን ርኢቶን ከም ዝስዕብ ብምስንዳእ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ። ወጋሕታ፡-ቦርድ መረፃ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘየካየዱ ፓርቲታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጉባኤ ብምክያድ ዝተማሕየሸ ሰነድ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ከእትዉ ምትሕስሳቡ ዝፍለጥ ‘ዩ:: በዚ መሰረት ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ዝኸዶ ክያዶ እንታይ ይመስል? ኣይተ ተሻለ፡- ፖለቲካዊ ፓርትታት ጉባኤአን ከካይዳ ብቦርዲ መረፃ ተነጊርዎን ‘ዩ:: ኣቐዲመን ጉባኤ ምክያድ ግቡአን ዋላ እንተነበረ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከየካየደ ፀኒሐን ‘የን:: ክዝንግዓ ዝኸኣላሉ ምኽንያት ዝተፈላለዩ ዕንቕፋታት ስለ ዝነበሩ ‘ዮም:: ምንዋሕ መረፃ፣ ኮቪድ-19፣ ቐፂሉ ‘ውን በቲ ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ዝተፈጥረ ኩናትን ካልኦት በብብርኩ ዝፈጠርዎ ኣሉታዊ ፅእንቶታትን ስዒቡ ‘ዩ:: ኣብዚ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ጉባኤ ዘካይዳን ዘየካይዳን ፓርትታት ኣለዋ:: ጉባኤ ዘካይዳ ፖለቲካዊ ፓርቲታት በቲ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ብዙሕ ፅዕንቶ ዘይዓረፈን ‘የን:: እተን ከካይዳ ዘይኽእላ ፖለቲካዊ ፓርትታት ድማ ቐጥታዊ ፅዕንቶ ዝዓረፈን ‘የን:: በዚ መሰረት ምስቲ ጭቡጥ ኩነታት ሃገርና ተተሓሒዙ ሐዚ ጉባኤ ከካይዳ ካብ ዘይኽእላ ፓርቲታት ከም ዓረናን ትዴፓን ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ::

ብዛዕባ ትዴፓ ክገልፅ እንተለኹ ኣብዚ ሐዚ እዋን ጉባኤ ንምክያድ ከቢድ ‘ዩ:: ብፍላይ ብምኽንያት እቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም:: ኣባላትና ኣብ ትግራይ ብዙሕ ፀገም በፂህዎም ‘ዩ፤ መሓውራትና ንምርካብ ንፅገም ኢና፣ ምምዝባል፣ ሞትን ዘይምርግጋዕን ከም ዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ:: መሰረትና ኣብ ትግራይ ስለ ዝኾነ ጉባኤ ንምክያድ የፅግመልና ‘ዩ:: ኣብ ናይ ቕድሚ ሐዚ ጉባኤ ዝተሳተፈ ኣባልን መሓውርን ሐዚ የለን:: ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘሎ ‘ውን ሪፖርት ምቕራብ ኣይከኣልን:: ጉባኤ ንምክያድ ምድላው ከትገብር እንተለኻ ሪፖርት ሒዝካ ከትቐርብ ኣለካ:: ናይ ዝሓለፈ ጉባኤ ገምጊምካ ናብ ዝሓሸ ፕላን ከትሰጋገር እንተኾይናካ ምስ መሓውራትካን ኣባላትካን ምርኻብን ስራሕትኻ ምግምጋምን ኣድላይ ‘ዩ:: ናይ ዝሓለፈ ፅፉፍ ገምጋም ሒዝካ ምቕራብ የድሊ:: ካሊእ ይቕረ ሐዚ ኣባላትና ብሂወት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ፅፉፍ ሪፖርት ሒዝካ ምቕራብ ኣይከኣልን:: ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኣባላትና ገሊኦም ተቐቲሎም ገሊኦም ተኣሲሮምን ተሰዲዶምን ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም:: ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣባላትና ብሂወት ተሃልዮም ‘ውን ከም ዝፍለጥ ኮሙኒኬሽን የለን:: ፀዊዕኻ ክተምፀኦም ኣይትኽእልን:: እቲ ኣባል ናይ ገንዘብ ፍልፍል ‘ውን ‘ዩ ነይሩ፤ሐዚ ግና ፓርትና ተጎሳቚሉ ‘ዩ ዘሎ:: ስለዚ ናይ ሕሉፍ ስራሕትና ብፅፈት ገምጊምና ናብ ዝላዕለ ስራሕ ኣብ ዘሰጋግረና ኩነታት ኣይኮናን ዘለና:: እቲ ካሊእ ምኽንያት ድማ ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘለዉ ኣባላትና መንነት መሰረት ብምግባር ተኣሲሮም ስለ ዝነበሩ ናይ ስነ ልቦና መጉዳእቲ በፂሕዎም ‘ዩ:: ቕድሚ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ምስራሕ ናይ ስነ ልቦና ሕክምና የድሊ ‘ዩ፤ ስነ ልቦና ንምፅጋን ግዜ የድልዮ ‘ዩ:: ብኣካል ይኹን ብስነ ኣእምሮ ናብ ስሩዕ ወይ ኖርማን ንምምፃእ ኣቐዲምካ ክስራሕ ይግባእ:: ከምኡ ‘ውን ዘይተፈትሑ ኣባላት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም ዝብል ሓሳብ ኣሎ ‘ዩ:: ልዕሊ ኩሉ ግና ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩናት ‘ዩ ዝውስኖ:: ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኩናት ‘ዩ ዘሎ:: ስለዚ ካብ ትግራይ ወፃኢ ‘ውን እንተኾነ ይዕበ ይንኣስ ዘይምርግጋዕ ስለ ዘሎ ሃላዋት ኣባላትና ንምርግጋፅ ከቢድ ብምዃኑ ትዴፓ ጉባኤ ከካይድ ኣይኽእልን::

ወጋሕታ፡- በዞም ምኽንያታት እዚኦም በቲ ዝወፀ ፕሮግራም ክተካይዱ ዘይትኽእሉ ምዃንኩም ንቦርድ መረፃ ኣፍሊጥኩም ዶ? እንታይ መልሲ ኸ ተዋሂብኩም?

ኣይተ ተሻለ፡- እወ፤ ጉባኤ ምክያድ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ብዝርዝር ኣቕሪብና ኣፍሊጥና ኢና፤ ከምኡ ‘ውን ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኢና:: ኣብ ትግራይን ኩናት ዘለዎ ከባቢታት ዓፋርን ዘለዉ ውድባት ጉባኤ ከካይዱ ስለ ዘይኽእሉ ቦርድ መረፃ ብዝተፈለየ መገዲ ሒዝዎ ኣሎ ‘ዩ፤ እቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታውን ሐዚ ክነካይድ ከምዘይንኽእል ዝተደምደመ እንትኸውን፣ ኮይኑ ግና ቐፂሉ ዝመፅእ ለውጢ ስለ ዘይፍለጥ ኩነታት እናረኣኻ ምዝርራብ ከም ዝከኣል ኣብ ምርድዳእ በፂሕና ኢና::

 ወጋሕታ፡- ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ 15 ለካቲት 2014 ዓ.ም 3ይ ህፁፅ ኣኼባ ኣብ ዘካየደሉ እዋን ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል? ብፍላይ ብዛዕባ ምፍታሕ እሱራት፣ እቲ ፓርላማ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ዘይምሕታትን ዘተ ምስ ህወሓትን?

ኣይተ ተሻለ፡- እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ብሓፈሻ ኣብ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ዝሃብዎ ሓሳብ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘ዩ ነይሩ ምባል ይከኣል:: እቲ ፓርላማ ቕድሚኡ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባታት ኣትሒዙ ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ክሓትት ይግበኦ ነይሩ:: ከም ዝፍለጥ በቲ ዘሎ ኩነታት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፓርላማ ድምፁ ከስመዐሉ ዝኽእል ወኪል የብሉን:: በርግፅ እቲ ፓርላማ ኣዋዳድብኡ ብሄር መሰረት ዝገበረ ‘ዩ:: እዚ ክሳብ ኩነታት ተስተኻኺሉ ህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ዘቐምጥ ኢመደበኛ ‘ውን እንተኾነ ንግዚኡ ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ከስምዕ ዝኽእል ወኪል የድሊ ነይሩ:: ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ዘይትዛረቡ ኢሎም ዘልዐልዎ ሓሳብ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ግዝያዊ ውክልና ክቕመጠሉ ይግባእ ነይሩ:: ዘተ ምስ ህወሓት ኣመልኪቶም ዝሃብዎ ሓሳብ፣ መንግስቲ ዘዋፀኦ ኩነታት ክገብር ይኽእል ‘ዩ:: እዚ ናይ መንግስቲ ስልጣን ‘ዩ:: ንሃገር ዝጠቕም እንተኾይኑ ‹‹ዘተ›› ኣይፅላእን::ኣብዚ ከም ኣወንታዊ ጎኒ ‘የ ዝወስዶ:: እቶመ ቐዳማይ ሚኒስትር ከምዝበልዎ፣ ዘተ ይኹን ኩናት ሃገር ንምጥቓም ክሳብ ዝኾነ ምስ ህወሓት ምዝርራብ ዝጎድእ ከምዘይኮነ ‘ዮም ተዛሪቦም:: ስለዚ እዚ ዝድገፍ ሓሳብ ‘ዩ:: ብዛዕባ እሱራት ምፍታሕ ብፍላይ ኣቦይ ስብሓት ግና ትኽክል ኣይኮነን ዝብል ቕዋም ‘ዩ ዘለኒ:: ኣቦይ ስብሓት ነጋ ብዙሕ ጉድኣት ዘብፅሑ ‘ዮም:: ኣነ ምስ ስርዓት ህወሓት ‘ምበር ምስ ውልቐ ሰብ ባእሲ የብለይን፤ ይኹን ‘ምበር ውልቀ ሰብ ኣብ ስርዓት ውሽጢ ኮይኑ ገበን እንተፈፂሙ ክጥየቕ ክኽእል ኣለዎ:: ዝላዕለ ገበን ዝፈፀመ ኣካል ከምህር ዝኽእል ፍርዲ ከይተቐበለ ክፍታሕ ምግባር ትኽክል ኣይኮነን ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ:: ቐሊል ገበን ዝፈፀመ ኣካል ፍርዱ ወዲኡ እናወፀ፣ ከም እኒ ኣቦይ ስብሓት ዝበሉ ከቢድ ገበን ዝፈፀሙ ሰባት ግና ዝምጥኖም ቕፅዓት እንተይወሰዱ ክፍትሑ ምግባር ጌጋ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ህወሓት ብወገን ዓፋር ኩናት ብምኽፋት ሓገዝ እኽሊ ናብ ትግራይ ከይኣቱ ዕንቕፋት ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ኣብ ህዝብን ንብረትን ብዙሕ ጉድኣት ከም ዘብፀሐ ‘ዩ ዝሕበር:: ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም?

ኣይተ ተሻለ፡- ህወሓት ኣብ ህዝቢ ዝፍፅሞም ዘለዉ ፀረ ህዝቢ ተግባራት ብዙሓት ‘ዮም:: ሓገዝ እኽሊ ፅዒነን ዝኣተዋ ተመሊሰን ከይወፃ፣ ከምኡ ‘ውን ዝፀዓና ከይኣትዋ ምግባር ማለት ኮነ ኢልካ ኣብ ህዝቢ ፀገም ንምፍጣር ‘ዩ:: እዚ ተግባር እዚ ንህዝቢ ዘይምሕሳብ ‘ዩ:: ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ከይንቐሳቀስ ዓጊቱ ሒዝዎ ‘ዩ ዝኒሀ:: መንግስቲ ‘ውን እንተኾነ፣ ህዝቢ ኣብ ባንኪ ዘቐመጦ ገንዘብ ከየንቐሳቕስ ምሓዝ ማለት ፅቡቕ ኣይኮነን:: እዚ ንህዝቢ ዝጎድእ ‘ዩ፤ ኮይኑ ግና ህወሓት ህዝቢ ከይንቐሳቀስ ዓፊኑ ሒዝዎ ካብ ዘሎ ተግባር ዝገድድ ኣይኮነን:: ህወሓት ኣብ ዓፋር ይዋጋእ ኣሎ ‘ዩ፤ ኣየቋረፀን:: እዚ ድማ ባህርያት ህወሓት ‘ዩ፤ ካብ ህወሓት ሰላም ከትፅበ ኣይትኽእልን ኢኻ:: ዝኾነ ይኹን ሕማቕ ተግባር ህወሓት ካብ ባህሪኡ እዩ ዝፍልፍል:: ጎንፂ ምፍጣር ባህሪኡ ስለ ዝኾነ ክገርመና ኣይግባእን:: ህወሓት እናሃለወ ሰላም ክህሉ ኣይኽእልን ‘ዩ:: ኣብ ሰላማዊ ኩነታት እንተይኮነስ ኣብ ዘይሰላማዊ ኩነታት ‘ዩ ክነብር ዝኽእል:: ናይ ህወሓት ስራሕ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ኣይኮናን ትኹረት ከንህቦ ዝግበአና:: መንግስቲ ኣብ መፍትሒ ጥራሕ ‘ዩ ቆላሕታ ገይሩ ክሰርሕ ዘለዎ:: ባህሪ ህወሓት ከንርኢ እንተለና ፀረ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ‘ዩ:: ህወሓት ከምዚ ዓይነት ፀገም ፈጠረ እናበልካ ብተደጋጋሚ ምዝራብ ካብ ዜና ሓሊፉ ጥቕሚ የብሉን:: እዚ ጉጅለ እዚ ፀረ ሓድነት ህዝቢታት ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ህዝቢ ትግራይ መንቐሳቐሲ ንኸይረክብ ምስ ጎረባብቲ ህዝቢታት ‘ዩ ዘፃለኦ ዘሎ:: ምኽንያቱ ሓረስታይ ኣብ ዘለዎ ከፍ ኢሉ ሓሪሱ ገንዘብ ከቕብሎ እንተዘይ ክኢሉ ህወሓት ትርጉም የብሉን:: ነዚ ‘ዩ ከይወፅእ ዓፅይዎ ዘሎ:: ህዝቢ ትግራይ ምንቕስቓስ እንተጀሚሩ መማረፅታት ክርኢ ‘ዩ ብምባል ከይንቐሳቐስ ብምሕፃር ንብረቱን ደቑን ክግብር ‘ዩ ዝገብር ዘሎ:: ስለዚ መንግስቲ ነዚ ውድብ እዚ ስርዓት ከትሕዞ ይግባእ:: ካሊእ ጎረቤት ትግራይ ዝኾና ክልላትን ኤርትራን ሓዊሱ ንህወሓት ሓፁር ከም ዝኾኑ ገይሩ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ህዝቢ ትግራይ ምስ እዚኦም ብምፅላእ መህደሚ ክስእን ብምግባር ከም ሓፁር ኮይኑ ከግልግሎ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ ሕዚ ‘ውን ከምዚ ‘ዩ ዝሰርሕ ዘሎ:: ምስ ኩሉ ጎረባብቲ ህዝቢታት ኣፃሊእዎ ‘ዩ:: ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ኣሚኑ ዝሃድመሉ ክልል የብሉን:: ብምኽንያት ሽርሒ ህወሓት ዝፈጠሮ ናይ ስግኣት መንፈስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ህዝቢ ትግራይ ዝሰግለን ኮይነን ኣለዋ:: ሓደ ሓደ ኣካላት ህዝቢ ትግራይ ህወሓት ሓደ ገይሮም ዝሓስቡ ኣለዉ:: እዚ ፍፁም ጌጋ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሐዚ ‘ውን ተፈላልዮም ‘ዮም ዘለዉ:: ሓደ ልቢ ኣይኮኑን:: ህዝቢ ትግራይ ተዓፊኑ ስለ ዝተተሓዘ ‘ዩ ‘ምበር ልቡ ምስ ህወሓት ኣይኮነን ዘሎ:: ብፅንሰ ሓሳብ ዝዝረብ ዘረባ ትኽክል ኣይኮነን:: ኣብቲ ባይታ ዘሎ ሓቒ ካሊእ ‘ዩ:: እዚ ብኽትትል ዝበፃህናዮ ነገር ‘ዩ::ስለዚ ህወሓት ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ፀረ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ድጋፍ ህዝቢ የብሉን::

ወጋሕታ፡- ትዴፓ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ኣብ ከመይ ዓይነት ምንቕስቓስ ይርከብ? ኣይተ ተሻለ፡- ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ብቕልፅም ህዝቢ ‘ዩ፤ ህዝቢ ተወዲቡ ክንቐሳቐስ ኣለዎ:: ተወዲቡ ንኽንቐሳቐስ ግና ከትሕግዞ ኣለካ:: ህዝቢ ተወዲቡ ንኽቃለስ ንንቐሳቀስ ኣለና ኢና:: ዋጋ ‘ውን ንኸፍል ኣለና ኢና:: ብዙሓት ተቐቲሎምናን ተኣሲሮምናን ‘ዮም:: ህዝቢ ትግራይ ሓራ ንምውፃእ ሐዚ ዝሓሸ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ:: ኮይኑ ግና ብዙሓት ዕንቕፋታት ኣለዉ ‘ዮም:: ንኣብነት ንምቕላስ ህዝቢ መውዳብ የድልየካ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ህዝቢ ከንረኽቦ ኣይኸኣልናን:: ከንረኽቦ ኣይኸኣልናን ኢልና ግና ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ስኽ ኣይበልናን:: ንኸንረኽቦ ዝኸኣልናዮ ኩሉ ንሰርሕ ኣለና ኢና:: ዓቕምና ድሩት ‘ዩ:: እቲ ዘለና ዓቕሚ ድማ ከይንጥቐመሉ ዝዳፍኡና ሓይልታት ኣለዉ:: ብልፅግና ንባዕርሱ ይዳፈአና ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር ተስፋ እንተይቖረፅና ንቓለስ ኣለና ኢና

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ሸኔ ብወገን ወለጋ ሰፋሕቲ ምንቕስቓስ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ:: በዚምኽንያት ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ሞትን ምምዝባልን ክኾኑ እናገበረ ይርከብ:: ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ተሻለ፡- ሓቂ ‘ዩ፤ ሸኔ ብዙሕ ፀገም ይፈጥር ኣሎ ‘ዩ:: ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናበርተዐ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ:: ካብ ናይ ሰሜን ንላዕሊ ናይ ሸኔ ብጣዕሚ ዘፍርሕ ‘ዩ:: እዚ ሓይሊ እዚ ቐሊል ሓይሊ ኣይኮነን፤ ብዝግባእ ዘይተረኣየን እናዓበየን ዝኸይድ ዘሎ ሓይሊ’ዩ:: መንግስቲ ኣብ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ትኹረት ክገብር ኣለዎ:: ኣብ ወታደራዊ ፀጥታ ስራሕቲ ቆላሕታ ገይሩ ኣይሰርሐን:: ነዚ ሸለል ብምባል ‘ዩ እቶም ፀገማት ከም ድሌቶም ዝዕንድሩ ዘለዉ:: እዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ተቐባልነት ዘይብሉ ሓይሊ ‘ዩ:: ንፁር ዕላማ ዘይብሉ፣ ጥራሕ ሰላማውያን ሰባት ምምዝባል፣ ምቕታልን ንብረት ምዝራፍን ‘ዩ:: እዚ ሓይሊ እዚ ናይ ህዝቢ ፖለቲካዊ መረረት እናተጠቐመ ፀገም ዝፈጥር እንተልዩ መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ዘለዉ ፀገማት ክሪኦም ኣለዎ:: እዚ ሓይሊ እዚ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ውሽጢ እቲ ህዝቢ ዝነብር እንተሃልዩ፤ እቲ መፍትሒ ምስ ህዝቢ ተቐራሪብካ ምስራሕ ‘ዩ:: እዚ ዝባሃል ዝረብሕ ፕሮግራም ዘይብሉ ሓይሊ ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን:: እዚ ህዝቢ ካብ ምጉስቓል ሓሊፉ ካሊእ ትርጉም የብሉን:: መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናይ ኦሮሚያ ፖለቲካዊ ሓይልታት ከምኡ ‘ውን ይምልከተና ‘ዩ ዝብሉ ኩሎም ሓይልታት ምስ ህዝቢ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ኣለዎም:: ሸኔ ንህዝቢ ዘይጠቕም ምዃኑ ንህዝቢ ከርድእዎ ይግባእ:: እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ከምዚ ክብሉ ተዛሪቦም ‘ዮም:: ሸኔ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ስለ ዘሎ ምስ ህዝቢ ብምምኽኻር ከንፈትሖ ኢና ኢሎም ነይሮም:: እዚ ብጣዕሚ ደስ ዝብል ሓሳብ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ሃገራዊ ምኽክር መድረኽ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ዝህልዎ ግደ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ተሻለ፡- ሃገራዊ ምኽክር ሰላም መድረኽ ካብ ቐደም ጀሚሩ እናተሰርሐሉ ዝመፀ ተዝኾን ነይሩ እቲ ሐዚ ገጢሙና ዝኒሀ ፀገም ዘይክገጥመና ክኽእል ይነብር ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ:: መንግስቲ ብሄራዊ ምኽክር ንምክያድ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ ‘ዩ:: ዓብዪ ተስፋ ‘ውን ኣለዎ:: ሰኣን ብሄራዊ ምኽክር ብዙሕ ዋጋ እናኸፈልና መፂእና ኢና:: በርግፅ እቶም ፀገማት ሱር እናሰደዱ ስለ ዝመፁ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክፈትሖም ‘ዮም ዝብል እምነት የብለይን:: ኣብ ሃገርና ሃገራዊ ምኽክር እንተናእሰ ቕድሚ ሚኢቲ ዓመት ‘ዩ ክጅመር ነይርዎ:: ቕድሚ ሐዚ እናጋጠሙና ዝመፁ ፀገማት ብምኽክር እናፈታሕናዮም ተንመፅእ ነይርና ሃገርና ብዙሕ ኩናት ኣይመሐለፈትን ነይራ:: ስለዚ ከምዚ ብዘይ ምዃኑ ብዙሕ ዋጋ እናኸፈልና ከንመፅእ ገይሩና ‘ዩ:: ዘላቒ ምዕባለ ክህሉ ዘላቒ ሰላም ኣድላይ ‘ዩ:: እዚ ብዝግባእ እንተተሰሪሕሉ ለውጢ ክመፅእ ‘ዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ:: ናይ ምይይጥ ባህልና እናዓበየ ኣብ ዝኸደ ቑፅሪ እናተረዳዳኣኻ ንምኻድ ኣየፅግምን::

ወጋሕታ፡- ኣመራርፃ ኣባላት እቶም ኮምሽነራት ከመይ ሪኦሞ? ኣይተ ተሻለ፡- ዘይሻራዊ ዝብል ዋና ነገር ‘ዩ:: ግልፅነትን ወገንተኝነትን እንተሃልዩ ካብቲ ፀገም ከንወፅእ ኣይንኽእልን ኢና:: ካብ ዘይሻራዊነት ሙሉእ ብሙሉእ ናፃ ‘ዩ ምባል የፀግም ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ናይ ምይይጥ ባህልና እናዓበየ ብዝኸደ ቑፅሪ እናተረዳዳእኻ ንምኻድ ብዙሕ የፀግም ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን:: ኣብዚ ግና መንግስቲ ኣብ ምምራፅ ኣባላት እቶም ኮምሽነራት በይኑ ምስራሕ ስለ ዝጀመረ ብዙሓት ሓይልታት ከይተሳተፉ ቐርዮም ‘ዮም:: በዚ መሰረት ፀገም ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ ዝብል ጥርጣረ ኣለኒ ‘ዩ:: ገዛኢ ፓርቲ ጥራሕ ‘ምበር ካልኦት ፖለቲካዊ ፓርቲታት ይኹና ሲቪክ ማሕበራት ተሳትፎ ኣይገበራን:: በርግፅ ንምንታይ ከምዚ ከምዝኾነ መንግስቲ መልሲ ከም ዝህብ ሓበሬታ ኣሎ ‘ዩ:: ብሓፈሻ ብኣግባቡ እንተተሰሪሑ ሃገርና ገጢምዋ ዘሎ ፀገም ክፍታሕ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ፓርቲ ብልፅግና ካብ 02-04 መጋቢ 2014 ዓ.ም ከሳልጦ ዝፀንሐ ሓፈሻዊ ጉባኤ ስዒቡ 6 ነጥቢታት ዝሓዘ ቕዋም መግለፂ ቅዋም ምውፅኡ ይዝከር ‘ዩ:: ኣብዚ ብፍላይ ኣብ ከይዲ እቲ ጉባኤ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ተሻለ፡- ፓርቲ ብልፅግና ዘካየዶ ጉባኤ ንቐፃሊ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ዘሰጋግር ስጉምቲ ‘ዩ፤ ፓርቲ ብልፅግና ብህዝቢ ዝተመረፀ ከም ምዃኑ መጠን ካብዚ ጉባኤ እዚ ካብ ዘቐመጦም ሓሳባት ተደሪኹ ሃገርና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጢምዋ ዘሎ ፖለቲካውን ኢኮኖሚያውን ቕልውላው ንኽፈትሕ ትፅቢት እገብር:: ኣብ ሃገርና ኢኮኖሚያዊ ኩነታት ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በፂሑ ‘ዩ:: እዚ ድማ ነቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ከበኣእሶ ይኽእል ‘ዩ:: እዚ ብቕልጡፍ እንድሕር ዘይተፈቲሑ ከቢድ ‘ዩ:: ምኽባር ናብራ፣ ሃገርና ምስ ዘለትሉ ፖለቲካዊ ፀገም ተወሳኺ መረረት ከስዕብ ይኽእል ‘ዩ:: ህዝቢ ብምኽንያት ምኽባር ናብራ ተጎሳቚሉ ‘ዩ ዘሎ:: ስለዚ ልዕሊ ኩሉ ህዝቢ ትፅቢት ዝገብር እዚ ፖለቲካዊ ሓይሊ እዚ ኣብ ኢኮኖሚ በቢግዚኡ ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ለውጢ ንኸምፅእ ‘ዩ:: ካሊእ ፅእንቶ ሓይልታት ደገ ኣብ ናይ ውሽጢ ኩነታትና ስለ ዝምስረት ምስ እዚ ተኣሳሲሩ መፍተሒ ክረክብ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ:: ሰላምን ሓድነት እንተሃልዩ ናይ ደገ ፅዕቶ ቐሊል ‘ዩ:: እዚ ንኽህሊ ድማ ኢኮኖሚያዊ ምርግጋዕ፣ ሰላምን ሓደነትን ኣድላይ ‘ዩ::

ብፍላይ ናህሪ ዋጋ ክፍታሕ እንድሕር ዘይኽኢሉ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ክወስደና ይኽእል ‘ዩ:: ኣጋጢሙ ዘሎ ምኽባር ናብራ ሰብ ስራሕ ‘ዩ፤ ኣብዚ መንግስቲ ቖላሕታ ሂቡ እንተሰሪሑ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ:: እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ቐረብ ስለ ዝዋሓደ ወይ ምህርቲ ስለ ዝናኣሰ እንተይኮነስ ሓደ ሓደ ኣካላት ናይ ባዕሎም ጥቕሚ ጥራሕ ንምሕላው ኢሎም ዝፈጠርዎ ፀገም ‘ዩ:: ክሳብ ሐዚ ኣብ ግዕዝይና ብምጥሓል ኣብ ኣፈፃፅማ ፀገም ዘለዎምም ኣካላት መንግስቲ ናብ ተሓታትነት ክመፁ ክገብር ኣለዎ:: ኣብቲ ጉባኤ ተቐሚጡ ብዘሎ ሓሳብ መሰረት ኣብ ኢኮኖሚ ፀገም ዝፈጥሩ ኣካላት ኣሪምካ ዝሓሸ ስራሕ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር:: ካሊእ ሐዚ ‘ውን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ቐልጢፉ መፍትሒ እንድሕር ዘይረኺቡ ኣብ ሃገር ዘሕድሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ቐሊል ስለ ዘይኮነ መዕለቢ ክረክብ ኣለዎ:: እዚ ብዝተናውሐ ቑፅሪ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ይጉዳእ፣ ድሕንነትን ሓድነትን ህዝቢ ናብ ዝሓመቐ ኩነታት የምርሕ:: ብሓፂሩ ንሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ መዕለቢ ክግበረሉ ‘የ ተስፋ ዝገብር:: ብሓፈሻ ከይዲ እቲ ጉባኤ ፅቡቕ ‘ዩ ነይሩ፤ ዘውፀኦም ቕዋም ነጥቢታት ‘ውን ምስ ጭቡጥ ነባራዊ ኩነታት ሃገርና ዝኸዱ ‘ዮም:: ከም መጠን መንግስቲ ፀገም ህዝቢ ዝፈትሕ ፕሮግራም ሓንፂፁ ብተግባር ከርኢ ኣለዎ:: ኣብ ሂወት ህዝቢ ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ፤ ኣብቲ ጉባኤ ዘቐመጦም ሓሳባት ናብ ተግባር ክሽረፉ ኣለዎም::

ወጋሕታ፡- ፓርቲ ብልፅግና ካብቲ ዘካየዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ ፓርቲ ትዴፓ እንታይ ትምህርቲ ወሲዱ? ኣይተ ተሻለ፡- ብልፅግና ካብ ዘካየዶ ጉባኤ ሓዱሽ ነገር ስለ ዘይብሉ ትዴፓ ሓዱሽ ነገር ኣይተምሃረን፤ ሓደ ጉባኤ ክገብሮም ዝግበኦም ኣካይዳ ‘ዩ ገይሩ፤ ትዴፓ ካብዚ ዝረኸቦ ሓዱሽ ነገር የለን:: ብዝኣንፈቶ መሰረት ናብ ተግባር እንተቐይርዎ ኣብ ኣተገባብርኡ ምናልባሽ ዝወስዶ ነገር ክህሉ ‘ዩ ዝብል ተስፋ ኣሎ:: ከይዲ እቲ ጉባኤ ብዙሕ ትመሃረሉ ነገር የብሉን:: ትራንስፎርም እንተገይሩ ግና ትዴፓ እቲ ዝኸደሉ መገዲ ሪኡ ክስዕቦን ክመሃረሉን ዝኽእል ኩነታት ክህሉ ተስፋ ይገብር::

ወጋሕታ፡- ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ትግራይ ከትግንፀል የብላን እናበልና ህዝቢ ከንጎድእ የብልናን:: ዝግበኦ ነገር ክረክብ ኣለዎ ኢሎም ነይሮም:: ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም ኣይተ ተሻለ፡- ኣብ ወሳኒ ቦታ ዝተቐመጡ ሰባት እንተይቐረየ ንሓድነትን ሰላምን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዘይጠቕም ነገር ክዛረቡ ንሰምዕ ዒና:: ብሓደ ገፅ ሓድነትን ድሕንነትን ኢትዮጵያውያን ክጭራሕ ትሰምዕ ብተግባር ድማ መፍረሲ ዝኾኑ ነገራት ይስርሑ ‘ዮም:: ህዝቢ ትግራይ ከም ህወሓት ገይርካ ምውሳድ ኣሎ ‘ዩ:: ኣብዚ ተደሪኽካ ስጉምቲታት ‘ውን ክውሰዱ ይረአዩ ‘ዮም:: ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ዝተፈላለዩ ‘ዮም እናበልካ ደሚርካ ስጉምቲ ትወስድ እንድሕር ኮይንካ ንሃገር ዝጎድእ ተግባር ‘ዩ:: እዚ ዝዋቓዕ ሓሳብ ‘ዩ:: ህዝቢ እንድሕር ጎዲእኻዮ እቲ ዝድለ ሰላምን ሓድነትን ዝበሃል ክመፅእ ኣይኽእልን:: ህዝቢ ትግራይ ከም ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ዝደሊ ህዝቢ ‘ዩ፤ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ዝበልዎ ሓሳብ ትኽክል ‘ዩ፤ ህዝቢ ትግራይ ክረኽቦ ዝግበኦ ነገር ክረክብ ‘ዩ ዘለዎ::

ወጋሕታ፡-ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም:: ኣይተ ተሻለ፡- ኢድናን እግርናን ሓሊኹ ሒዙና ዝኒሀ ፀገም እንድሕር ዘይተፈቲሑ ንቕድሚት ከንስጉም ኣይኽእልን፤ መግለፂ እቲ ፀገምና እቲ ዝኒሀ ኩናት ‘ዩ:: ብፍላይ ምስ ህወሓት ዘሎ ኩናት፣ እዚ ቐንዲ ፀገም ስለ ዝኾነ ክፍታሕ ክኽእል ኣለዎ:: ንሕና ከም ትዴፓ፣ መንግስቲ ንሰላም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝወስዶም ስጉምትታ ኣብ ጎኑ ኢና:: እንተደልዩ ብልዝብ ወይ ብኩናት ክፈትሖ ክኽእል ኣለዎ፤ ጥራሕ ሰላም ዘምፅእ ይኹን:: መንግስቲ ንዘላቒ ሰላም ኣብ ዝገብሮም ምንቕስቓሳት ሓገዝቲ ኢና:: ዘላቒ ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ድማ ምስ ህወሓት ዘሎ ፀገም ክፍታሕ ኣለዎ:: እዚ ግዜ ክወስድ የብሉን:: ግዜ ብዝወሰደ ቑፅሪ ፀረ ሰላም ሓይልታት ነዚ ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ክጥቐምሉ ይኽእሉ ‘ዮም:: ብዝተናውሐ ቑፅሪ ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ዕድል ዝህብ ‘ዩ:: ስለዚ ኣነ ንመንግስቲ ክብሎ ዝኽእል ቐልጢፉ ክፈትሖ ኣለዎ:: ህወሓት ክሳብ ዝሃለወ ሰላም ዝበሃል ምሕሳብ ከቢድ’ዩ:: ስለዚ ህወሓት እናሃለወ ረብሓ ህዝቢ ምርግጋፅ ይቕረ፣ ሰላም ክህሉ ስለ ዘይኽእል መንግስቲ ብዝኾነ ዓይነት ስጉምቲ ክፈትሖ ኣለዎ:: ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ። ኣይተ ተሻለ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 8 መጋቢት 2014 ዓ.ም

Recommended For You