‹‹ካብ በዓል ዓወት ዓድዋ ሓድነትን ፍቕሪ ሃገርን ክንመሃር ይግባእ››

በዓል መዓልቲ ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ብድምቐት ካብ ዝኽበሩ ዓበይቲ ህዝባዊ በዓላት ሓደ ‘ዩ። ነዚ ኣመልኪትና ጋሻ ሒዝናልኩም ቐሪብና ኣለና። እዞም ጋሻ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ ይባሃሉ። ብ1936ዓ.ም ኣብ ጎሬ ኢሉባቡር ተወሊዶም።

ሐዚ ፕሬዚደንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ‘ዮም። ልጅ ዳንኤል ካብ ራእሲ መስፍን ስለሺ ዝተወልዱ እንትኾኑ፣ ራእሲ መስፍን ስለሺ ምእንተ ሃገሮም ሓርበኛታት እናመርሑ ዝዋግኡን ዘዋግኡን ዝነበሩ ‘ዮም። ራእሲ መስፍን ምእንተሃገሮም ዝሰርሑ ዝነበሩን ንሃገሮም ዝተሰውኡን ግኑን ሽም ዝነበሮም ‘ዮም። ራእሲ መስፍን ስለሺ ኣብ ሸውዓተ ግዝኣታት ኣብ ሽዋ፣ ማይጨው፣ ወሎ፣ትግራይ፣ ወለጋ ሆሮ ጉድሩ፣ጎንደርን ጎጃምን ተዋጊኦም ‘ዮም።

ብሓፂሩ ኣብ ዝተዋግእዎ ኩሉ ተዓዋቲ ምንባሮም ታሪኾም ይሕብር። እምባኣርከስ መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ለብዘበን ንመበል 126 መዓልቲ ዓወት ዓድዋ ኣድሂብና ምስ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ዓወት ዓድዋ ከመይ ይገልፅዎ? ኣብቲ ዓወት ጅግንነት ኢትዮጵያውያን እንታይ ይመስል ነይሩ?

ልጅ ዳንኤል፡– ከም ዝፈለጥ ቐዳሞት ወለድና ብ1888 ዓ.ም ኣብ ዓድዋ ምስ ጣልያን ተዋጊኦም ዓብዪ ዓወት ሓፊሶም ‘ዮም። ወለድና ከምዚ ዓይነት ዓወት ተዘይጎናፀፉ ነይሮም ኢትዮጵያ ሐዚ ረኺባቶ ዝኒሃ ክብሪ ኣይምረኸበትን ነይራ። ነዚ ዓወት እዚ ከምዝግቡ ዝኸኣሉ ድማ ብዝነበሮም ሓድነትን ፅንዓትን ‘ዩ። በርግፅ ጣልያን ኣብ ዓድዋ ጥራሕ ኣይኮነን ተሳዒሩ።

ኣብ ከም እኒ ደጉዓሊ ‘ውን ቕድሚኡ ተሳዒሩ ‘ዩ። በዓል ዓድዋ ብዝግባእ ክፍለጥን ክኽበርን ዝኸኣለ ድማ ጣልያን ድሕሪ 40 ዓመት ተመሊሱ መፂኡ ፋሺሽት መንግስቲ መሶሎኒ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ እዋን ወለድና 5 ዓመት ሙሉእ መከራን ስቓይን ተፃዊሮም ከሽንፉ ክኢሎም ‘ዮም። ፎቖድኡ በረኻ ምስ ኣራዊት እናነበሩ፣ ኣሕዋቶም ፈቐድኡ በረኻ እናቐበሩ ብሓፈሻ ብዙሕ ፀገማት እናተፃወሩ፣ ብምሽናፎም በዓል ዓድዋ ብድምቐት ንክኽበር ኣኽኢሉ ‘ዩ።

ኣብዚ ወለድና ተሸኒፎም ተዝኾኑ ነይሮም በዓል ዓድዋ በቲ ሐዚ ዝኽበር ዘሎ መልክዕ ኣይምተኸበረን ነይሩ። ኣብዚ ቕብብል ጅግንንት ከምዝነበረ ‘ዩ ዘሪአካ። ብዛዕባ ኩናት ዓድዋ ከንዛረብ እንተለና መብዛሕትኡ ብዛዕባ ሃፀይ ሚኒሊክ፣ እኒባዓል እቴጌ ጣይቱ፣ወይ ብዛዕባ ሓደ ሓደ ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ‘ዩ ዝዝረብ። ካልኦት ብዙሓት ካብ መራሒኦም ትእዛዝ ብምቕባል መስዋእቲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ‘ውን ሓሊፎም ‘ዮም። ኩናት ዓድዋ ክንዝክር እንተለና ግደ ደቒ ኣንስትዮ ‘ውን ከንዝክር ኣለና።

ምግቢ ካብ ምቕራብ ጀሚረን፣ ብኩናት ዝወደቑ ኣብ ምልዓል ይኹን ካልኦት መስተንክራት ሰሪሐን ‘የን። እቴጌ ጣይቱ እንተሪእና ብፖለቲካ ኣተሓሳስበአን ልዑል ግደ ዝነበረን ‘የን። በዚ ምኽንያት ኩናት ኣድዋ ብዓወት ኢትዮጵያውያን ንኽዛዘም ገይረን ‘የን። ኣብ ዓድዋ፣ ማይጨው ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየዱ ኩናት እንትዝረብ ደቒ ኣንስትዮ ብዙሕ ግዜ ሹመን ኣይለዓልን።ግና ዓብይ ግደ ነይርዎን’ዩ። ሃፀይ ሚኒሊክ ናይ ክተት ኣዋጅ እንመሓላልፉ ኢትዮጵያውያን ሃገራዊ ስምዒት ሒዞም ብጥራሕ እግሮም ‘ዮም ዘሚቶም።

ህዝቢ ካብ ኣርባዕቲኡ ኣንፈት ኢትዮጵያ ብሄርተኝነት እንተይተሰመዖ ሃገራዊ ስምዒት ጥራሕ ሒዙ ብዝላዕለ ሕራነ ‘ዩ ዘሚቱ። ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ክዘምቱ እንተለዉ ዘራኽቦም ሓደ ዓይነት ቋንቋ እንተይኮነስ ሃገራዊነት ‘ዩ ነይሩ። ኩሉ ዘማቲ ኣምሓርኛ ቋንቋ ይኽእል ነይሩ ‘ዩ ምባል ኣይከኣልን፤ ይኹን ‘ምበር ብምልክት እናተረዳድኡ ዘሚቶም ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። ብሓፈሻ ዘራኸቦምን ሓደ ዝገበሮምን ሃገራዊ ስምዒት ኮይኑ ኣብቲ እዋን ሃፀይ ንጉስ ሚኒሊክ ናይ -ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ ክተት ትእዛዝ እንተመሓላልፉ፤ ሃፀይ ምኒሊክ ብጣዕሚ ህዝቢ ይፈትዎም ስለ ዝነበረን ከምኡ ‘ውን ብሃገር ጉዳይ ንድሕሪት ዝበሃል ነገር ስለ ዘይነበረ ህዝቢ ኣይንዘምትን ኣይበለን።

እኳደኣስ ህዝቢ ‹‹ሆ›› ኢሉ ‘ዩ ብሓደ መንፈስ ተላዒሉ። በዚ መሰረት ብልዑል ወነ ክነሽንፍ ኣለና ኢሉ ከይዱ ከሽንፍ ‘ውን ክኢሉ ‘ዩ። ዝተፈላለየ ቋንቋ ዋላ ይዛረቡ ብምልክት ብምርድዳእ ከሽንፉ ክኢሎም ‘ዮም። ስለዚ ዓወት ዓድዋ ልዕሊ 80 ብሄር ብሄረሰብ ሓቚፋ እትርከብ ሃገርና ሓድነታ ሓልያ ንቕድሚት ክትስጉም ዓብዪ ትርጉም ሂቡ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ግደ ንጉስ ሃፀይ ምኒሊክ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ከምእኒ እኒ ባሻይ ኣውዓሎምን ራዕሲ አሉላ ኣባነጋን ዝበሉ ከመይ ነይሩ?

ልጅ ዳንኤል ፡– ኣብቲ አዋን ንሱ ከም ናይ ሕዚ ግዜ ብብሄር ምክፍፋል ኣይነበረን፤ ግደ ንጉስ ምኒሊክ ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ መራሒ ሃገር ከም ምዃኖም መጠን ህዝቢ ኣተሓባቢሮም ብቖራፅነት ኩልኻ ዝመት ብምባል ክዘምቱ ክኢሎም ‘ዮም። ልዑል ጅግንነት ፈፂሞም ‘ዮም። እኒ ባዓል ባሻይ ኣውዓሎም፣ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋን ካልኦትን ‘ውን ዝላዕለ ጅግንነት ፈፂሞም ‘ዮም። ባሻይ ኣውዓሎም እንተሪእና ትእዛዝ ካብ ንጉስ ሚኒሊክ እናተቐበለ ብዝግባእ ኣብ ስለያ ብመውፋር እቲ ኩናት ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ብኢትዮጵያውያን ሰዓራይነት ክውዳእ ዝገበረ ‘ዩ።

ራዕሲ ኣሉላ ኣባነጋ ድማ ብናይ ውግእ ጅግንነት ዝፍለጥ ጅግና ‘ዩ። ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ልዑል ክእለት ውግእ ዝነበሮ ጅግና ብምዃኑ ዝላዕለ ግደ ተፃዊቱ ‘ዩ። ፍቕሪ ሃገርን ሓድነትን ዝነበሮም ጀጋኑ ‘ዮም ነይሮም። እዞም ጀጋኑ እዚኦም ሓንቲ ኢትዮጵያ ‘ዮም ዝፈልጡ ነይሮም፤ ኣብቲ ግዜ ንሱ ኣምሓራይ፣ ኦሮሞ፣ ትግራዋይ፣ ሱማሌ ወዘተ ዝብል ኣተሓሳስባ ኣይነበረን።

ስለዚ እኒ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ ኣብ ትግራይ እንትዋግኡ ንትግራይ ኢሎም ኣይኮኑን ተዋጊኦም፤ ባሻይ ኣውዓሎም ንጣልያን ዘይኮነ ሓበሬታ እናሃበ ኢትዮጵያውያን ክዕወቱ እንትገብር ንትግራይ ኢሉ ኣይኮነን ተዋጊኡ። እቲ ሐዚ ዘሎ ብሄርተኝነት ኣተሓሳስባ ኣብቲ ግዜ ንሱ ኣይነበረን። ልዑል ኢትዮጵያውነት መንፈስን ፍቕርን ነይሩ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ሃገራዊ ስምዒት እናቐነሰ መፂኡ ብሄርተኝነት ገኒኑ ኣብ ዝወፀሉ እዋን ኢና ዘለና።

ከምዚ ክኾነሉ ዝኸኣለ ድማ ንሕና ምሁራት ኢና ንብል ካብ ባህልና ወፃኢ ብምኻድና ‘ዩ። ወለድና ከምዚ ኣየውረሱናን። ካብ ደገ ብነምፀኦ ዘለና ባህሊ ‘ዩ ሓድነትናን ባህልናን እናተባላሸወ ዝመፅእ ዘሎ። ወጋሕታ፡- ናይ ሐዚ ወለዶ ካብ ባዓል ዓወት ዓድዋ እንታይ ክመሃር ይኽእል? ብፍላይ ሓድነቱን ክብሪ ሃገሩን ኣብ ምሕላው፤

ልጅ ዳንኤል፡– ናይ ሐዚ ወለዶ ካብ ጀጋኑ ወለድና ብዙሕ ክመሃር ይኽእል ‘ዩ። ካብ ዓወት ዓድዋ ናይ ሐዚ ወለዶ ሃገሩ ናይ ምፍታው ባህሊ ክመሃር ይኽእል። ሃገር እንትትፈቱ ንባዕልኻን ሃገርካን ትጠቕም፤ ከምኡ ‘ውን ከምቶም ጀጋኑ ወለድና ሓብሒቦም ዘረከቡና ንመፃኢ ወለዶ ምምሕላፍ’ዩ። ሃገር ምፍታው እንትብሃል ንይምሰል ክኸውን የብሉን።

ብምሉእ ልቢ ሃገርካ ምፍታው የድሊ፤ ብኸምዚ ዓይነት ስምዒት ክኸውን ኣለዎ። ፍርቒ ጎንኻ ንሃገርካ እናሓሰብካ ፍርቒ ጎንኻ ድማ ንሃገር ዘይጠቕም ነገር እትሓስብ እንተኾይንካ ትርጉም የብሉን። ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገርና ዘለቶ ኩነታት ፅቡቕ ኣይኮነን።

እዚ ዝመፀ ድማ ካብ ጅግንነት ሰሪሖም ዝሓለፉ ወለድና ብዝግባእ ከንመሃር ዘይምኽኣልና ‘ዩ። ታሪኽ ወለድና ብዝግባእ ተረዲእና ኣሰር ወለድና ዘይምኽታልና ‘ዩ። እዚ ወለዶ እዚ ንሃገር ዘይጠቕም ኣጉል ኣተሓሳስባ ብምውጋድ ታሪኽ ቐዳሞት ወለዱ ክፈልጥ ኣለዎ። ናይ ትማሊ ታሪኽ ብምርዳእ ዝበለፀት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ክሰርሕ ኣለዎ።

ሃገሩ ንቕድሚት ትስጉመሉ ባይታ ክሓስብን ክሰርሕን ኣለዎ፤ ሃገር ንውልቐ ጥቕሚ ኢሉ ብገንዘብ ንምሻጥ ዝሓስብ ትውልዲ ክህሉ የብሉን። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ካብ ሓንጎሉ ክፍሑቕ ኣለዎ። ሃገር ሸይጥካ እትረኸቦ ገንዘብ ዘላቕነት የብሉን።

ዘላቕነት ዘለዎ ሃገር ምፍታው ጥራሕ ‘ዩ። ብግዝያዊ ጥቕሚ ዝዕሾ ወለዶ ክህሉ የብሉን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝተፀምደ ወለዶ ንሃገር ክጠቕም ስለ ዘይኽእል ካብ ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ክወፅእ ኣለዎ። ንሱ ንግዚኡ ክጥቐም ይኽእል ‘ዩ፤ ፅባሕ ግና ንደቑ ዘውርሶም ነገር የብሉን። ብዛዕባ መፃኢት ሃገሩ ክሓስብ ኣለዎ። ሕማቕ ነገር ቕድሚ ምስርሑ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ‘ዩ ዝግበኦ።

እንተዘይኮይኑ ብግዝያዊ ጥቅሚ ተታሊሉ ሃገሩ ዘጥፍእ እንተኾይኑ እዚ ሰብ እዚ ንባዕሉን ሃገሩን ‘ዩ ዝጎድእ። ወለዶ ብዘመናዊ ብርቕርቕ ክዕሾ የብሉን። ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ስለ ዘሎ ኣብ ጎኑ ብምዃን ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ክሓስብ ኣለዎ። ወለድና ኣብ ጎኒ ትእዛዝ ሃፀይ ንጉስ ሚኒሊክ ኮይኖም ‘ዮም ታሪኻዊ ዓወት ከምዝግቡ ክኢሎም።

ከምዚ ክብል እንተለኹ ሐዚ ሓድነትን ፍቕሪ ሃገርን የለን ማለተይ ኣይኮነን። ዋላ ውሽጣዊ ፀገም ይሃሉ ሃገሩ ኣሕሊፉ ዝህብ ትውልዲ የለን። ከምዚ ስለ ዝኾነ ‘ዩ ሃገርና ከም እኒ በዓል ግብፂ ብዝበሉ ደጋዊ ሓይልታት እንተይተደፈረት ትነብር ዘላ። ብዝተፈላለየ ፕሮፖጋንዳ ከፈራርሑና እንተለዉ ሓድነት ስለ ዘሎ ከሽንፉና ኣይከኣሉን። እዞም ሓይልታት እዚኦም ድኽምቲ ኢትዮጵያ ‘ዮም ዝደልዩ።

ሓይልታት ወፃኢ፣ ንሕና ብሄር ብሄረሰባት ሕብረት እንተሃልዩና ክንፈጥሮ ንኽእል ሓይሊ ብዝግባእ ይፈልጡ ‘ዮም። ሓድነት እንተሃልዩ ዝህሉ ሓይሊ ግልፂ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን እኳ እንተሪእና ብዝተፈላለየ ፕሮፖጋንዳ ከፋራርሑና ዝደልዩ ከም እኒ ኣሜሪካ ዝበሉ ሓይልታት ክሳኸዐሎም ኣይከኣለን።

ናይ ውሽጢ ፀገም ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኣሎ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ውሽጣዊ ፀገምና ኣብ ውሽጥና ሒዝና ካብ ናይ ኩናት ዓድዋ ብምምሃር ንናይ ደገ ፀላኢ ብሓባር ከንምክት ‘ዩ ዝግባእ። ብፍላይ ሓይልታት ወፃኢ ድኹም መንግስቲ ‘ዮም ዝደልዩ። ከም ድሌቶም ዝእዝዝዎ መንግስቲ ክህሉ ‘ዮም ዝደልዩ። ኮይኑ ግና ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት የለን። ንኣብነት ኣብ እኒ ሃፀይ ቴድሮስ፣ ሃፀይ ዮሃንስ፣ ሃፀይ ምኒሊክ ፀዓዱ ክሓፍሩ ክኢሎም ‘ዮም። ብፍላይ ጣልያን ክልተ ግዜ ክሓፍር ክኢሉ ‘ዩ። ፀዓዱ ብፀለምቲ ክሰዓሩ ከምዝኽእሉ ንፀለምቲ ህዝቢታት ኣብነት ኮይና ኢና።

እዚ ብመሰረት ሓድነትን ፅንዓትን ዝመፀ ዓወት ‘ዩ። ንሕና ኢትዮጵያውያን ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሃፍቲ ሸለል ክብሎ የብሉን። ካብ ቐዳሞት ወለዱ ረኺብዎ ዘሎ ታሪኽ ብኣግባቡ ክጥቐመሉ ኣለዎ። ጠንካራ ሕሉፍ ታሪኽ በዚ ወለዶ እዚ ብዝበለፀ ክጠናኸር ‘ዩ ዘለዎ። ጥንካረ ድማ ስኽ ኢሉ ዝመፅ ኣይኮነን። ካብ ኢኮኖሚ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ብኢኮኖሚ እንተዘይጠንኪርካ ዝተፈላለዩ ፀገም ክበፅሑና ይኽእሉ ‘ዮም። ብጥቕማ ጥቕሚ ተዓሺኻ ሃገርካ ከትጎድእ ትኽእል ኢኻ። ዕቤት ኢኮኖሚ ክመፅእ ዝኽእል ድማ ሰላም ክህሉ እንተሎ ‘ዩ። ብሓድነት ዝረኸብናዮ ዓወት ኣብ ሰላምን ኢኮኖሚን ‘ውን ከንደግሞ ኣለና።

ወጋሕታ፡- ንመበል 126 ግዜ ዝኽበረሉ በዓል ምስ ወድዓዊ ኩነታት ሃገርና ተተሓሒዙ ከመይ’ዩ ይገልፅዎ?

ልጅ ዳንኤል፡- ዓለም ከኽብረና ዝኽእል ታሪኽና ብዝግባእ ክነኽብርን ከንጥቐመሉን እንተለና ‘ዩ። ነዚ በዓል ብድምቀት ንኸይኽበር ዝገብሩ ኣካላት እንተልዮም መንግስቲ ቖላሕታ ገይሩ ክከታተሎም ‘ዩ። ምኽንያቱ እዚ በዓል እዚ ክብሪ ሃገርና ‘ዩ። ጥንቓቐ ብዝተመልኦ ንምኽባር ምስ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት እናሰራሕና ኢና ንርከብ። ህዝቢ ዝላዕለ ቖላሕታ ምእንቲ ክህቦ ናይ ሚድያ ኣካላት ብዝግባእ ኣቐዲሞም ክሰርሑ ይግባእ።

መንእሰይ ወለዶ ብዛዕባ ትርጉም እዚ በዓል እዚ ብዝግባእ ክፈልጥ ኣለዎ። ክብሪ ሃገርና ክነቕፅል ንኽእል ታሪኽና ናብ ናይ መፃኢ ወለዶ ብዝግባእ ክነመሓላልፍ እንተለና ስለ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ፅቡቕ ነገር ከመሃር ብምግባር ታሪኽ ክዕቐብ ኣብ ምግባር ክስራሕ ‘ዩ። ኣብ መንእሰይ ወለዶ በሰላ እንፈጥር እንተኾይና ኩሉ ግዜ ነቲ ሕማቕ ነገር ‘ዩ እናስታወሰ ንነብር። ኣብ እዋን ደርጊ ብዙሕ ሕማቕ ነገር ተሰሪሑ ‘ዩ። እዚ ክድገም የብሉን።

ስለዚ ምኽባር እዚ ባዓል እዚ ድምቐቱ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እናወሰኸ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ዓቕሚ ብዘገናዘበ መልክዕ ክሳብ ጣብያ ንኽወርድ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ። ናይ ክልላት መንግስቲ ‘ውን ህዝቦም ብምትሕባባር ብዝደመቐ መልክዕ ከኽብሩ ተነጊርዎም ‘ዩ። ግቡእ ክብሪ ብምሃብ ንከኽብሩ ምዝርራረብ ተገይሩ መምርሒ ተዋሂብዎም’ዩ። ነዚ በዓል እዚ ህዝቢ ብሃንቐውታ ‘ዩ ዝፅበዮ።

ወጋሕታ፡- ክሳብ ሐዚ እናተኸበረ ዘሎ ዓወት ዓድዋ ኣበርክቶ ናይዚ ማሕበር እንታይ ይመስል?

ልጅ ዳንኤል፡- ብዘይ ምግናን ንኸምዚ ዓይነት በዓል ቴስዓ ካብ ምኢቲ ዝኸውን ኣበርክቶ ዝገብር ዘሎ ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ‘ዩ። ናይዚ ማሕበር እዚ እጃም ብጣዕሚ ልዑል ‘ዩ። ኣነ ናብዚ ሓላፍነት እዚ ምስ መፃኹ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ በዓላት እንትነኽብር ዕቕፋታት ይገጥሙና ነይሮም ‘ዮም። ኩሉ ሰብ ፅቡቕ ግንዛበ ነይርዎ ማለት ኣይከኣልን።

መንእሰይ ቀስ እናበልና ብምምሃር እቲ በዓል ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝሓሸ ትኹረት እናረኸበ ክመፅእ ገይርና ኢና። ኣብ ተፈላላዩ ቦታታት ዘለዉ ሓርበኛታት ኣቦታት ብምትእኽኻብ፣ ብምጥንኻር፣ ምስ ሓላፍቲ ክልላት ብምዝርራብ ክራኸቡ ኣብ ምግባር ብዙሕ ስራሕቲ ሰሪሕና ኢና። በርግፅ ሐዚ ዘለዉ ኣቦታት ደቒ ሓርበኛታት ‘ዮም ‘ምበር እቶም ሓርበኛታት ሐዚ ብሂወት ዳርጋ የለዉን።

ይኹን ‘ምበር ጅግንነት፣ ሓቦን፣ ትምህርትን ናብ ደቖም ኣሕሊፎም ‘ዮም። እዚ ማሕበር ተዘይጣየሽ ነይሩ ሐዚ ዝንገረና ዘሎ ታሪኽ ኣብቲ ሐዚ ዝኒሀዎ ብርኪ ከንረኽቦ ኣይንኸኣልናን ነይርና። ብጌጋ ዝዝረብ ዝነበረ ታሪኽ ኣብ ምስትኽኻል እዚ ማሕበር እዚ ናይ ባዕሉ ግደ ተፃዊቱ ‘ዩ። ንኣብነት ንጉስ ሃፀይ ምኒሊክ ኣብ ኩናት ኣድዋ ባህላዊ መዋግኢ ሒዞም ‘ዮም ምስ ጣልያን ተዋጊኦም ዝብሉ ኣለዉ።

እዚ ጌጋ ‘ዩ። ንጉስ ሚኒሊክ ጣልያን ዘመናዊ መሳርሒ ኩናት ሒዙ ይመፅእ ምንባሩ ስለ ዝፈለጡ፣ ካብ እኒ ሩስያ ዘመናዊ ኣፀዋር ብምምፃእ ሒዞም ‘ዮም ተዋጊኦም። ምስቲ ታሪኽ ብዘለና ቅርበት ከምዚ ዓይነት ግጉይ ታሪኽ ክስተኻኸል ጌርና ኢና። ከምኡ’’ውን ኣብ ተፈላለዩ መድረኻት ትምህርቲ ንህብ ኢና።

ዝረኣናዮ፣ ዝተማሃርናዮን ኣቦታትና ዝነገሩናን ናብዚ ሓዱሽ ወለዶ እዚ ኣብ ምምሕልላፍ ልዑል ግደ እናተፃወትና ኢና ንርከብ። ታሪኽ ኣብ ምጥንኻር ንሰርሕ ኣለና ኢና። ብፍላይ በቢ ዓመቱ ኣብ ዝኽበር ግዜ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ታሪኽ ኣብ ምምሕልላፍ ንሰርሕ ኣለና ኢና።

ተምሃሮ እቲ ትኽክለኛ ታሪኽ ዓዶም ንኽመሃሩ ክግበር ወይ ክፈልጡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተዛራረብና ኢና። ብዘለና ዓቕሚ ታሪኽ ንምጥንኻር ብተፈላለየ መገዲ ዝረኸብናዮ ገንዘብ ‘ውን ንሕግዝ ኢና።

ወጋሕታ፡- ዓወት ዓድዋን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ከመይ የነፃፅርዎ? ብፍላይ ሓይሊ ኤሌክትሪ ምፍልፋል ምስ ምጅማሩ፤

ልጅ ዳንኤል፡- እዚኦም ክልቲኦም ዓበይቲ ዓወታት ‘ዮም። እዚኦም ዘተሓሕዞም ብፍላይ ኣብ ወርሒ ለካቲት ዝተፈፀሙ ምዃኖም ‘ዩ። ወርሒ ለካቲት ናይ ዓወት ዜና ዝሰማዕናላ ወርሒ ‘ያ። ኢትዮጵያ ንማንም ሓይሊ ከትንብርከኽ ከምዘይትኽእል ዝሰማዕናሉ ወርሒ ‘ዩ። ናይ ዓወትን ሰላምን ወርሒ ምዃና፤ መንግስቲ ክንድዝከኣል ፈተና ዋላ ይግጠሞ ፅንዓትን ሓቦን ሰኒቑ ዝተሳገረሉ፤ ሃገርና ብዲፕሎማሲ ክተሸንፍ ምኽኣላ። ብፍላይ ድማ ሓድነት እንተሃልዩ ፈተና ምስጋር ከምዝከኣል ከንመሃር ክኢልና ኢና።

ነበር ቐዳማይ ሚኒስትር መለስ ዜናዊ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብድፍረት ብምጅማር ትምኒት ንጉስ ሃፀይ ሃይለ ስለሴ ክሳኻዕ ገይሩዎ ‘ዩ። ንጉስ ሃይለ ስላሴ ሓደ መዓልቲ ክግደብ ‘ዩ ይብሉ ከም ዝነበሩ እዚ ክትግበር ምኽኣሉ ዝረኣናሉ እዋን ‘ዩ። ብቕብብል እናተሰርሐ ይርከብ። ሐዚ ድማ ሓይሊ ኤሌክትትክ ንምፍልፋል በቒዑ ኣሎ እዚ ካልኣይ ዓወት ዓድዋ ‘ዩ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ህዝቢ ኢትዮጵያ ልክዕ ከም ኩናት ዓድዋ ብሓደ መንፈስ ጠጠው ስለ ዝበለ ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ መንእሰይ ሓደ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ዓወት ንምሕፋስ ኣብ ውሽጥና ዋላ ፀገም ይሃልወና ኩሉ ግዜ ብመንፈስ ሓደ ዓይነት ከንኸውን ኣለና። ተኸባቢርና እንተኸይድና ዝኾነ ሓይሊ ከጥቐዐና ኣይኽእልን። ስለዚ ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ታሪኻት ዘመሳስሎም ውፅኢት ሓድነትን ጥንካረን ምዃኑ ‘ዩ። ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ። ልጅ ዳንኤል፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 24 ለካቲት 2014 ዓ.ም

Recommended For You