‹‹ህዝቢ ትግራይ ካብ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ህወሓት ዝሓሸ ፖለቲካዊ ውድብ የድልዮ ››- ወይዘሪት ትርሓስ እስጢፋኖስ

ወይዘሪት ትርሓስ እስጢፋኖስ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ መቐለ ዝተወልደት እንትትኸውን ብሲቪል ኢንጂነሪንግ ቐዳማይ ዲግሪ ካብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ያ ተመሪቓ።

ኣብ ነበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ከተማ መቐለ ኣብ ሰሜን ክፍለ ከተማ እናሰርሐ ዝነበረት እንትትኸውን ሐዚ ኣባል ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኮይና ለውጢ ብምድጋፍ ኣንፃር ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እናነጠፈት ትርከብ።ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት ኣመልኪታ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝነበራ ቓለ መሕትት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ሓፈሻዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ከመይ ትገልፅዮ?

ወ/ት ትርሓስ፡– ኩልና ከምእንፈልጦ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ብጣዕሚ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። በዚ ዝተላዕለ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ይርከብ።ዳርጋ ኩሉ መንግስታዊ ግልጋሎት የለን። ከምዚ ዝኾነሉ እቲ ፖለቲካ ኣብ ኢድ ውሑዳት ኣካላት ኣመራርሓ ህወሓት ብምዃኑ’ዩ። ህወሓት ወታደራዊ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ሕቶ ህዝቢ ዝምልስ ኣይኮነን። ካብ ድሌት ህዝቢ ብተፃራሪ ዝጓዓዝ ውድብ ‘ዩ።

ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ንምምላስ እንተይኮነስ ኣብ ስልጣን ዝኒሀ ናይ ባዕሉ ጥቕምን ስልጣንን ንምቕፃል ‘ዩ።ተናሕናሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት እናረገፀ ዝነብር ሓይሊ ‘ዩ።ብዘይ ተናሕናሕቲ ፓርቲ በይኑ ክነብር ዝደሊ ውድብ ‘ዩ።ሐዚ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ‘ውን ንህወሓት ምቕዋም ጀሚሮም ኣለዉ ‘ዮም።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ውድባት ኣብቲ ዘይሕጋዊ መረፃ ትግራይ ከም ዓጀብቲ ኮይኖም ተሳቲፎም ‘ዮም።ሐዚ ግና ኣብ ሞንጎኦም እዚ ‘ዩ ዝበሃል ስምምዕ የብሎምን።ኣንፃር ህወሓት ምንቕስቓስ ጀሚሮም ኣለዉ ‘ዮም።ምኽንያቱ ህወሓት ብተንኮልን ውልቀ መላኽነት ዝተሃነፀ ሓይሊ ምስ ምዃኑ ፖለቲካዊ ፅዕንቶ እናሐደረሎም ስለዝኾነ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ኩሉ ስልጣን ኣብ ናይ ውልቑ ክገብር ‘ዩ ዝደሊ። ከሳትፍ ኣይደልን።

እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ መማረፂ ፖለቲካዊ ሓይሊ የድልዮ ‘ዩ። ምኽንያቱ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ህወሓት ዝሓሸ ፖለቲካዊ ሓይሊ የድልዮ ‘ዩ። ፍታሕ ከምፅእ ዝኽእል ፓርቲ የድልዮ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ረብሓ ህዝቢ ንፀጋም ብምግዳፍ ናይ ባዕሉ ረብሓን ስልጣንን ማእኸል ገይሩ ዝኸይድ ዘሎ ውድብ ‘ዩ።መራሕቲ ህወሓት ሓደ ግዜ ትግራይ ሃገር ንምግባር ኢና ንዋጋእ ዘለና ይብሉ፣ ካሊእ ግዜ ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምኻድ ኢና እናበሉ መናእሰይ ተጋሩ ‘ዮም ዘውድኡ ዘለዉ።እዞም ሓሳባት እዚኦም ነንርእሶም ዝስማዕምዑ ኣይኮኑን።

እዚ ኮነ ኢሎም መናእሰይ ብምድንጋር ናብ ኵናት ብምድጓን ስልጣኖም ንምንዋሕ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ምጥቓም ተዝደልይ ነይሩ፣ መንግስቲ ካብ ትግራይ ብምውፃእ ኵናት ጠጠው ከብል እንተሎ ኣብ ትግራይ ኮይኑ ‘ዩ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ክሰርሕ ነይሩ።ኮይኑ ግና ድሌቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊስካ ስልጣን ንምሓዝ ስለ ዝኾነ ክሳብ ደብረ ሲና ብምምፃእ ብዙሕ መንእሰይ ክረግፍ ገይሩ ‘ዩ።እዚ ዘሪአካ ድማ ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ ቕልውላው ንኽወፅእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሊ?

ወ/ት ትርሓስ፡– ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ – ወይዘሪት ትርሓስ እስጢፋኖስ መኣርግ ገ/ሄር ዘሎ ፀገም ክወፅእ እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ኣንፃር ህወሓት ክቓለስ ኣለዎ፤ እዚ ፓርቲ እዚ ከምዘይጠቕሞ ክፈልጥ ኣለዎ።ህዝቢ ትግራይ ካብ ኩሉ ነገር ተዓፅዩ ‘ዩ ዝኒሀ።እዚ ድማ ብሰንኪ ራዕዳዊ ህወሓት ‘ዩ።ራዕዳዊ ህወሓት ብተንኮል ዝተመልአ ሓይሊ ‘ዩ።ንህዝቢ ትግራይ እናታለሎ ‘ዩ ዘሎ።ብናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ፣ መንግስቲ ፌዴራል ‘ዩ ዓፅዩካ ብምባል እናታለሎ ‘ዩ ዘሎ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ካብ ትግራይ ወፃኢ ንርከብ ተጋሩ ብዝግባእ ብዝተወደበ መልክዕ ከንንቐሳቀስ ኣለና። ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት ሃገርናን ንርከብ ተጋሩ ዝተቐናጀወ ምንቅስቓስ ከንገብር ኣለና። ብሰላማዊ ሰልፊ ሓሳብና ከንገልፅ ኣለና። ካሊእ ዲያስፖራ ተጋሩ ኣንፃር ህወሓት ክንቐሳቐሱ ኣለዎም።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም እም ዘጣቕዑ ዘለዉ። ከምዚ ክኸውን የብሉን፤ ህዝቢ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ‘ዮም ክሰርሑ ዘለዎም።መጀመርያ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዕፅዋ ብኸመይ ይውፃእ ክኸው ኣለዎ።እዚ ክኽፈት ኣለዎ።ነዚ ንምኽፋት ድማ ዝተናበበ ስራሕ የድሊ ‘ዩ።ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ኣይኮኑን። ስለዚ እቲ ዕፅዋ ክኽፈት ክኽእል ኣለዎ። እዚ ስራሕ ድማ ናይ ተጋሩ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ዩ።ምኽንያቱ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ያ። ህዝቢ ትግራይ ተፀጊሙ ማለት ህዝቢ ኢትዮጵያ ተፀጊሙ ማለት ‘ዩ።

ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ሃገር ክሳብ ዘለኻ ጉድኣት ህዝቢ ትግራይ ጉድኣት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ማለት ‘ዩ።ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ክኸውን ዝግበኦ። ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ገይሮም ዝወስድዎ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም።እዚ ፍፁም ክኸውን ዘይኽእል ‘ዩ።ኣብዚ ኣድሂብና ከንንቀሳቐስ ኣለና።መንግስቲ ‘ውን ሓገዝ ክገብር ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ እጃም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ከ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ትብሊ?

ወ/ት ትርሓስ፡– ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀበባ ንምውፃእ መድረኻት ብምድላው ክሰርሑ ኣለዎም።

ህዝቢ እናሰብሰቡ፣ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብምድላው ኣብቲ ዘሎ ፀገም ኩነታት ትግራይ ቖላሕታ ገይሮም ክንቐሳቐሱ ኣለዎም። ህዝቢ ክዛተ ምግባር፤ ምስ መንግስቲ ድልድል ኮይኖም ከቐራርብዎ ይግባእ፤ ህዝቢ ክሳብ ዝወከልካ ግዜ ምስ ህዝቢ ቐሪብካ ምስራሕ የድሊ። ንሕና እንታይ ከንሕግዝ ብምባል ምስ መንግስቲ ብምቕርራብ ህዝቢ ካብቲ ዕፅዋ ዝወፀሉ ኩነታት ክሰርሑ ኣለዎም።ኣብዚ እዞም ፓርቲታት ዓብዪ ግደ ክፃወቱ ክኽእሉ ኣለዎም።

ኣብ ትግራይ ዘለዉ ተናሕታሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት እንተሪእና ካብ ህወሓት ብዙሕ ዝተፈለየ ሓሳብ የብሎምን።ኣብቲ መረፃ ‘ውን ተሓባበርቲ ‘ዮም ነይሮም።መንእሰይ ናብ ኵናት ኣብ ምልዕዓል ዓብዪ ግደ ነይርዎም ‘ዩ።በዚ ኩነታት እዚ ተሓተትቲ ‘ዮም። ዝተወሰኑ ኣባላት ግና ህዝብና ካብዚ መከራ እዚ ከመይ ገይርና ነድሕኖ ዝብሉ ኣለዉ ‘ዮም።ስለዚ እዚኦም ንህወሓት በርቲዖም ክቓለስዎ ኣለዎም።

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከም ዘየድሊ ብምእማን ምስ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ምውጋድ ናይ ባዕሎም ግደ ክፃወቱ ኣለዎም።ፍልልይ ፖለቲካ ከምዘለዎ ኮይኑ ህዝቢ ትግራይ ዝድሕነሉ ኩነታት ክሰርሑ ኣለዎም። ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንኽወፅእ ምንቕስቓስ ውድባት ፖለቲካዊ ትግራይ ወሳኒ ዋላ ይኹን ብዝግባእ ክንቀሳቐሱ ኣይረአዩን፤ እዚ ሓደ ድኽመት ‘ዩ።ከም ድሌትና ከይንቀሳቐስ ኮማንድ ፖስት ስለ ዝኾነ ‘ዩ ዝብል ከም ምኽንያት ከቅርቡ ይስምዑ ‘ዮም።

ይኹን ‘ምበር እዚ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን።ከይንቀሳቐሱ ካሊእ ዝዓግቶም ነገር እንተልዩ ካሊእ ጉዳይ ‘ዩ ዝኸውን፡፡ ወጋሕታ፡- ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ተናቢብካ ኣብ ምስራሕ እንታይ ይመስል? ኣብዚ ዘለኪ ርኢቶ፤ ወ/ት ትርሓስ፡- ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ተናቢብካ ኣብ ምኻድ ብጣዕሚ ፀግም ኣሎ ‘ዩ።

ነንበይኖም ‘ዮም ዝኸዱ።ነንበይንኻ ምኻድ ድማ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ዘኽእል ኣይኮነን።ከምዚ እንተኾይኑ ናይ ባዕሉ ፀገም ኣለዎ ‘ዩ።ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ተቐራሪብካ ምስራሕ ዋላ ወሳኒ ይኹን ኣብዚ ኩነታት እዚ ተቐራሪብካ ምስራሕ ብጣዕሚ ዝተሓተ ‘ዩ። ኣብዚ ወሳኒ ሰዓት እዚ ትግራይ ንምድሓን ምትሕብባርን ምንባብን ኣድላይ ዋላ ይኹን ተሓባቢካ ምስራሕ የለን። ትግራይ ንምድሓን ንተሓባበር ዝብል ሓሳብ ኣለዎም ኢለ ኣይሓስብን።

ምኽንያቱ ተቐራሪቦም ክሰርሑ ኣይርኣዩን። ከም ሓደ ብሄር ብምሕሳብ ህዝብና እናወደብና ከመይ ከነንቕሖ ንኽእል ዝብል ኣተሓሳስባ ክህልዎምን ክንቐሳቐሱን ይግባእ ነይሩ። እዞም ውድባት እዚኦም ንህዝቢ ትግራይ ዝውድቡ ስለ ዝኾኑ ህዝቢ ናይ ምንቓሕን ምውዳብን ሓላፍነት ኣለዎም።ተቐናጂዮምን ምስ ህዝቢ ተቓሪቦምን ክሰርሑ፣ መግለፅታት ከውፅኡ ይግበኦም፤ ኮይኑ ግና ዋላ በበይንቶም ክንድ እቲ ዝድለ ኣይሰርሑን ዘለዉ።ከምዚ እንተኾይኑ ድማ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሑ ኣይኽእሉን። ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ህዝቢ ትግራይን ተቐራሪቦም ክሰርሑ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ንሰላም ቕሩብ ምዃኑ ገሊፁ ‘ዩ፤ እዚ ካብ ናይ ባህሪ ራዕዳዊ ህወሓት ብምብጋስ ብኸመይ ክሳኻዕ ይኽእል ትብሊ?

ወ/ት ትርሓስ፡- መንግስቲ ንሰላም ቕሩብ ምኻኑ ብተደጋጋሚ ገሊፁ ‘ዩ። ፤ ኮይኑ ግና ዝሳኻዕ ኣይመስለንን፤ ምኽንያቱ ራዕዳዊ ህወሓት ንሰላም ዝምቹ ውድብ ኣይኮነን። ህወሓት ካብ ቐደም ኣትሒዙ ንሰላም ቕሩብ ኮይኑ ኣይፈልጥን። ዝፈታተኖ ውድብ ብሓይሊ እናወገደ ዝመፀ ውድብ ‘ዩ። ብፍላይ ብስልጣኑ ዝመፆ ኣካል ንድሕሪት ዝብል ውድብ ኣይኮነን።ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ናይ ምልዛብ ባህሊ የብሉን።ነዚ ‘የ ክሳኻዕ ዝኽእል ኣይመስለንን ዝብል ዘለኹ።

ቕድሚ ኵናት ምጅማሩ ፍሉጣት ሰባትን፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ንምትዕራቕ ኢሎም ብዙሕ ግዜ ናብ ትግራይ ተመላሊሶም ‘ዮም።ኮይኑ ግና ፀባይ ራዕዳዊ ህወሓት ኣፀጋሚ ብምዃኑ ንዕርቒ ቕሩብ ስለ ዘይነበረ መንግስቲ እንተይፈተወ ናብ ኵናት ኣትዩ ‘ዩ።ስለዚ ፀባይ ህወሓት በቲ ዘለዎ ኣካይዳ እንድሕር ቐፂሉ ሰላም ንምምፃእ ከቢድ ‘ዩ።

ራዕዳዊ ህወሓት በሩ ዓፅዩ ትግራይ ሃገር ከንገብራ ኢና ዝብል ሓሳብ ‘ዩ ዘለዎ።ራዕዳዊ ህወሓት ብልዝብ ናብ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክመፅእ ‘ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ የብለይን። ምኽንያቱ ምዝርራብ እንተሃልዩ፣ ዕጥቕኻ ፍታሕ ዝብል ሓሳብ ክመፅእ ‘ዩ። ራዕዳዊ ህወሓት ድማ ነዚ ዝቕበሎ ኣይመስለንን። ስለዚ ናይ መንግስቲ ሓሳብ ዋላ ድጉፍ ይኹን ህወሓት ናብ ዕርቒ ንኽመፅእ ኣፀጋሚ ‘ዩ።

ባህሪኡ ከቢድ ‘ዩ። ኣማፃፅኡ ዝፈቕደሉ ኣይኮነን።ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ቕድሚ ሐዚ ንምትዕራቕ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝላኣኹ ዝነበሩ ኣካላት ብዘይ ምንም ፍረ ክምለሱ ገይሩ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ባህሪኡ ቐይሩ ናብ ልዝብ እንተመፂኡ ፅቡቕ ‘ዩ። ዕርቒ ንሃገር ክሳብ ዝጠቐመ ዝፅላእ ኣይኮነን።ኵናት ብዙሕ ክሳራ ‘ዩ ዘስዕብ።

ፖለቲካዊ ፀገም ብሰላም ምፍታሕ ዝመስልዎ ነገር የለን። ራዕዳዊ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ምእንቲ ከይጠፍእ ንሰለም ቕሩብ ኮይኑ ሰላም ተፈጢሩ ህዝቢ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ መከራ ሓራ እንተዝወፅእ ዓብዪ ዓወት ‘ዩ።ስለዚ ራዕዳዊ ህወሓት ፀላእተይ ‘ዮም ዝበሎም ብሓይሊ እናወገደ ስለ ዝመፀን ብእኡ ስለዝኣምንን ንዕርቒ ባህሪኡ ዝፈቕደሉ ኣይመስለንን።ታሪኻዊ ኣማፃፅእኡ ከምዚ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ባህሪኡ ንሰላም ዘይፈቕድ እንድሕር ኮይኑ እቲ ፀገም ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል ትብሊ?

ወ/ት ትርሓስ፡- ክፍታሕ ዝኽእል ብኽልተ መገዲ ‘ዩ።ሓደ እንድሕር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ራዕዳዊ ህወሓት ፀቕጢ ብምፍጣር ናብ ልዝብ ክመፅእ እንተገይሩ።ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይን ተቐናጂዮም ፅዕንቶ እንተሐዲሮምሉ።በዚ ናብ ዕርቒ/ሰላም ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ።

ህዝቢ ነቒሑ እንተዘይተቓሊስዎ ግና ናብ ልዝብ ዘይክመፅእ ይኽእል ‘ዩ።ህዝቢ ክነቕሕ እንተኺኢሉ ‘ዩ ተገዲዱ ናብ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል። ካሊእ መንግስቲ ፌዴራል ብሓይሊ ከውግዶ እንተኺእሉ ‘ዩ።ሓይሊ ምጥቓም ማለት መንግስቲ መማረፂ እንትስእን እንተሎ ዝኸዶ ክያዶ ‘ዩ ዝኸውን።ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኵናት ብጣዕሚ መዕነዊ ‘ዩ።መማረፂ ከትስእን እንተለኻ እትኣትዎ ጉዳይ ‘ዩ።

እንተተኻኢሉ ብሰላም እንተዝፍታሕ ፅቡቕ ነይሩ።ብዙሕ ሂወት ምድሓነ ነይሩ።እንተዘይኮይኑ ግና ብወታደራዊ ዓቅምን ፖለቲካውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን እዚ ውድብ እዚ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክጠፍእ ኣለዎ።ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ጠቕሊሉ ንኽጠፍእ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ህዝቢ ኣብ ምንቓሕ በርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም።

ብፍላይ ብወታደራዊ ዓቕምን ፖለቲካን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኖም ክሰርሑ ኣለዎም።ህዝቢ ‘ውን ብተመሳሳሊ።ምኽንያቱ እዚ ውድብ እዚ ፀረ ህዝቢ ትግራይን ሃገርናን ስለ ዝኾነ ነዚ ብሓይሊ ብምጥፋእ ሰላም ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ንምፍታሕ ካብቲ ኮምሽን ምኽክር እንታይ ትፅቢት ይግበር ትብሊ?

ወ/ት ትርሓስ፡– መንግስቲ ሃገራዊ ምኽክር ንምክያድ ኣብ ምድላው ምህላዉ ብጣዕሚ ፅቡቕ ‘ዩ።ይኹን ‘ምበር እዚኦም ካብ ኣድልዎ ናፃ ክኾኑ ኣለዎም፤ ንሕሊነኦም ዝግዝኡ ‘ምበር ንመንግስቲ ወይ ንፓርቲ ክኾኑ የብሎምን። መንግስቲ ጥራሕ ደጊፎም ዝኸዱ እንተኾይኖም እቲ ፀገም ክፍታሕ ኣይኽእልን።ንሃገር ዝጠቕም ስራሕ ጥራሕ ‘ዮም ክሰርሑ ዘለዎም።

ሃገር ከም ሃገር ከትቕፅል ንኽሰርሑ ዝላዕለ ትፅቢት ይግበረሎም።ንመንግስቲ ወጊንካ እትሰርሖ ስራሕ ዘሳግር ስለ ዘይኮነ ንሃገር ጥራሕ ሓሲቦም ክሰርሑ ኣለዎም።ንህዝብን ሃገርን ብቕንዕና ከገልግሉ ትፅቢት ይግበር።ንሃገር ኣብ ዝጠቕም ኣጀንዳ ተፀሚዶም ክሰርሑ ኣለዎም።ኩሉ ግዜ ንዝመፀ ፓርቲ ምድጋፍ እንድሕር ኮይኑ ዘላቒ መፍትሒ ክህሉ ኣይኽእልን።

ሙሁራት ብዘሳተፈ ብዕምቖት ተራእዩ ክስረሐሉ ቨዩ ዘለዎ።ፀገም ዘይፈትሕ እንድሕር ኮይኑ ትርፉ ድኻም ‘ምበር ካብቲ ገጢሙና ዘሎ ፀገም ኣየውፅእን። ናይዛ ሃገር እዚኣ ፀገም ብጣዕሚ ከቢድ ስለ ዝኾነ ኩሉ ፀገም ብዕምቖት ብምፍታሽ ዘየዳግም መፍትሒ ክናደየሉ ኣለዎ።ብባንዴራ፣ ወሰን፣ ባህልን መንነትን ዝመሳሰሉ ነገራት ብስፍሓት ይለዓሉ ‘ዮም።ከም እዚኦም ዝበሉን ካልኦትን ካሊእ ግዜ ከም ሕቶ ከይለዓሉ ገይርካ መፍትሒ ክወሃቦም ኣለዎ።

ብሄር ብሄረሰብ ዘቀራርብን ጥርጣረ ዘውግድን ክኸውን ኣለዎ።ስለዚ ዝተዋሃብዎ ሓላፍነት ከቢድ ምዃኑ ብምርዳእ ብጥንቓቐ ብምስራሕ ፀገም መሊኡ ብምፍታሕ ሓድነት ዘጠናኽር ክኸውን ተስፋ እገብር።ኣብዚ ኩነታት እዚ ፀቒጦም ክሰርሑ ይግበኦም።

ወጋሕታ፡- ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ናይ ገበን ኵናት ምፍፃሙ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዕላው ገይሩ ‘ዩ።ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለኪ?

ወ/ት ትርሓስ፡– ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ዓምሓራ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ከም ዝፈፀመ ብተፈላለዩ ሚድያታት እናሰማዕናዮ ነይርና ኢና፤ ብፍላይ ድማ ምዕማፅ ደቒ ኣንስትዮ፣ዝምታ ንብረት ውልቀ ሰባትን መንግሰትን፣ ከምኡ ‘ውን ምቕታል ንፁሃት ዜጋታት።ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ነዚ ኣይፈፀምክዎን እናበለ ፀኒሑ ‘ዩ።ይኹን ‘ምበር ብፀብፃብ ኣምንሲቲ ኢንተርናሽናል እቲ ድርጊት ከምዝተፈፀመን እዚ ድማ ገበን ከምዝኾነ ተረጋጊፁ ‘ዩ።ዋላ ከይደ ብኣካል እንተዘይ ኣረጋገፅኩ ካብ ባህርይ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብምብጋስ ነዚ ገበን እዚ ኣይፍፅሞን ዝብል እምነት የብለይን።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ነዚ ገበን እዚ ናብቲ ቦታ ብምኻድ ስለ ዘረጋገፆ ህወሓት ኣይፈፀምኩን እንተበለ ተቐባልነት ክህልዎ ኣይኽእልን ‘ዩ።ቕድሚኡ ብሚድያ ንከታተሎ ዝነበርና ገበን ‘ዩ ኣምንሲቲ ኢንተርናሽናል ኣረጋገጊፁ። እዚ ጉጅለ እዚ ኣብ ትግራይ ‘ውን ከምዚ ኣይነት ተግባር እናፈፀመ ዝመፀ ሓይሊ ‘ዩ።ስለዚ ኣብ ትግራይ ከምዚ ኣይነት ናይ ገበን ኹናት እናፈፀመ ዝመፀ ሓይሊ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣይፍፅሞን ኢልካ ምሕሳብ ከቢድ ‘ዩ።

ዋላ ከይደ ብዓይነይ ኣይንርኣዮ ካብ ባህሪ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ብምብጋስ ክፍፅሞ ከምዝኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።እዚ ተግባር እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝን ተግባር ብምዃኑ ንኻልኣይ ግዜ ከይፍፀም ዝላዕለ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቕልውላው ቐልጢፉ መዕለቢ ክገብረሉ ኣለዎ።ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ።ክሳብ መዓዘ ተዓፅዩ ክነብር። እንተኽኢሉ ብሰላም እንተዘይኮይኑ ድማ ብሓይሊ ክፈትሖ ክኽእል ኣለዎ።

እቲ ኩነታት ብዝተናውሐ ቑፅሪ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስቓይ ‘ዩ ዝወድቕ ዘሎ።ስቓይ ጥራሕ ‘ውን ኣይኮነን በቲ ቑልውላው ዝተላዕለ ብዙሕ ሰብ ይመውት ኣሎ እዩ። ካሊእ ህዝቢ ትግራይን ህወሓትን ሓደ ‘ዮም ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ኣብ ሕብረተሰብ ኣሎ ‘ዩ።

እዚ ፈፂሙ ስሕተት ስለ ዝኾነ ክስተኻኸል ‘ዩ ዘለዎ።ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ብምህላዉ ትግራዋይ ዝተፈላለዩ ግፍዕታት ይበፅሕዎ ኣለዉ ‘ዮም።ከምዚ እንተኾኑ ድማ ምቕርራብ ስለ ዘይህሉ ሓድነት ዝበሃል ኣይህሉን።ሓድነት እንድሕር ዘይሃልዩ ድማ ንሃገር ከቢድ ክሳራ ‘ዩ።ትግራዋይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ክህሉ እንተሎ ዝእሰር እቲ ኣዋጅ ክለዓል እንተሎ ድማ ዝፍታሕ ኣካይዳ ክህሉ የብሉን።

ገበነኛ ክተሓዝ የብሉን ማለተይ ኣይኮንኩን።ገበነኛ ብሕጊ ይተሓተት፤ ትግራዋይ ብምዃኑ ግና ክእሰር የብሉን።ኩሉ ህዝቢ ብማዕርነትን ዝነብረላ ሃገር ከትኸውን ኣለዋ። ውድባት ትግራይ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምውዳብን ምንቓሕን ፀቒጠን ክሰርሓ ኣለወን።ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ህዝቢ እናወደብካ ኣብ ምንቕስቓስ ድኽመት ኣለዎም ‘ዩ።

ዘይነቕሐን ዘይተወደበን ህዝቢ መሰሉ ኣብ ምሕታትን ምቕላስን ናይ ባዕሉ ፀገማት ኣለውዎ ‘ዮም። ትግራዋይ ኢትዮጵያ ኣብ ምምስራት ካብ ማንም ንላዕሊ ኣስተዋፅኦ ገይሩ ‘ዩ።ኣብ ናይ ደርጊ ዘመን ን17 ዓመታት መሪር ተጋድሎ ኣሕሊፉ።ብዙሕ ናይ ሂወትን ኣካልን ዋጋ ከፊሉ።ስለዚ ሐዚ ‘ውን ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ኣወንታዊ ስምዒት ኣጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።ካብ ሃገር ተነፂሉ ክነብር ኣይኽእልን።ብማዕርነት ዝነብረላ ሃገር ከትኸውን ሐዚ ‘ውን ከም ናይ ትማሊ ክቓለስ ኣለዎ።

ዘለዉ ፀገማት ምስ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባት ብሓባር ኮይኑ ክፈትሕ ‘ዩ ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኢና ዘለና ኢሉ ስኽን ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ።ብፍላይ ህወሓት ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ እንታይ ረኺበ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ።ከም በዓል 11 ለካቲት ብዝመፀ ቑፅሪ ባንዴራ ሒዝካ ምኽባር ጥራሕ እንተይኮነስ ካብዚ ባዓል እዚ እንታይ ረኺበ ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ።

ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ከምዘይጠቐሞ ክፈልጥ ኣለዎ።ብፍላይ ዲያስፖራ ተጋሩ ህዝቢ ትግራይ ክጠፍእ ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ።ህዝቢ ትግራይ ሰላም ዝኾነሉ ኩነታት ‘ዮም ክሓስቡ ዘለዎም።ብሰንኪ መን ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ፀገም እዚ ወዲቑ ኢሎም ክሓስቡ ኣለዎም ‘ምበር ህዝቢ ናብ ኵናት ከለዓዓሉ የብሎምን፡፡ ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና፡፡ ወይዘሪት ትርሓስ፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

Recommended For You