ንኣፍሪካውያን ብባህሊ ምትእስሳርን ውፅኢቱን

ንመበል 35 ግዘ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ መቐመጢት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ካብ 29-29 ጥሪ 2014 ዓ/ም ተኻይዱ ኣሎ። ኣብዚ ኣጀንዳ ፓን ኣፍሪካውን ኣህጉራዊ ምትእስሳርን ከም መዛተዪ ዝተልዓለሉ ጉዳይ ‹‹ኣፍሪካዊ ፍታሕ›› ዝደልዩ ጉዳያት ዕልባት ንክረኽቡ ኣንፈት ተቐሚጡ ‘ዩ። ኣፍሪካ ካብ ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካውን ኻልኦት ኣጀንዳታትን ብዝተፈለየ ነቲ ኣህጉር ብባህሊ፣ ብቋንቋን ዝተፈላለዩ ስነ ልቦናዊ መስተጋብራት ሓደ ብምግባር ሓያልን ዘይብገርን ‹‹ሓደ ጥንኩር›› ሕብረት ምፍጣር ከምዘድልይ ኣተሓሳስባ ፓን ኣፍሪካ ዘንጉሑ ሰብ ሞያ ይዛረቡ። ብኣውራ ካብ ጉዳያት ኢኮኖምን ፖለቲካን ሓሊፉ ብባህሊ፣ ኪነጥበብን ሃፍቲ ቱሪዝምን ነንርእሶም ዝተኣሳሰሩ ኣህጉር ምፍጣር ንኹሉ ነገር መሰረት ከምዝኸውን ይኣምኑ። ብፍላይ ኣዝዩ ብዙሕ ሕውስዋስ ባህሊ መንነት ዘለዎም ሃገራት ምህላዎም ነዚ ከምዝረድእ ‘ዮም ኣልዒሎም። ኣይተ ኣበረ ኣዳሙ ፕሬዚዳንት ማሕበር ደራስያን ኢትዮጵያ፤ ኣባል ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝብን ጋዜጠኛን ‘ዮም።እሶም ከምዝብልዎ ዋና ዕላምኡ ምፍጣር ጥንኩር ምትእስሳር ባህልን ስነ ልቦናን ኣብ መንጎ ኣፍሪካውያን ዝዓለመ ከምዝኾነ ይዛረቡ። ኣብዚ ዕላማ ንምብፃሕ ድማ ባህሊ፣ ቋንቋ ዝፈልጥን ሓበራዊ እሴት ዘዳብርን ድሌት ዘለዎ ሓደ ማሕበረሰብ ከምዘድልይ ይዛረቡ። ‹‹ኣብ መንጎ ኣፍሪካውያን ምትእስሳር ባህሊ ወጋሕታ 3 ለካቲት 2014 ዓ.ም 7 መኣዲ ጥበብ ስፖርት ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ መበል 33 ውድድር ፅዋዕ ኣፍሪካ ሻምፒዮን ኮይና። ሃገራውያን ጋንታታት ሴኔጋልን ግብፅ ዘራኸበ ውድድር ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ፣ ኣብ ስሩዕን ተወሳኺ ሰዓትን ብርቱዕ ንሕንሕ ብምግባረን ሽቶ ከመዝግብ ስለዘይከኣል ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ 4 ን2 ሴኔጋል ክትዕወት ክኢላ እያ። ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ኣብ ታሪኽ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ‘ያ ሻምፒዮና ኮይና። ኣብ ፍርቂ ፍፃመ ሃገራዊት ጋንታ ሴኔጋል ንቡርኪናፋሶ ብምስዓር ናብ ፍፃመ ሓሊፋ።ኣብቲ ፀዋታ ሳድዮ ማኔ ኮኾብ ኮይኑ ኣብ ዘምሰየሉ ፀወታ ሴኔጋል 3 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ንቡርኪና ፋሶብምስዓር ኢያ ናብ ፍፃመ ሓሊፋ ። ሴኔጋል ንክህሉ ካብ መንጎ ዝገብሩ እሴታት ስነ ፅሑፍ፣ኪነ ጥበብን ኻልኦት ዝተፈላለዩ መንነታት መሰረት ዝገበሩ ሓሳባት ‘ዮም›› ዝብሉ ኣይተ ኣበረ፤ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ እናሓየለ እንትኸይድ ኣብዛ ኣህጉር ዝርከቡ ባህልታት፣መንነታትን ሃፍትታትን እናተኣሳሰርዎምን እናፋለጥዎምን ንምቕፃል ዘኽእል ‘ዩ።እዚ እናገፍሐ እንትኸይድ ተዛማድነቱ ወይ ድማ ቤተሰባውነቱ እናተጠናኸረ ኸይዱ ብኢኮኖሚ ዝዳበረ፣ዝበልፀገን ንልመና ዘይንብርከኽን ኣፍሪካ ምህናፅ ይከኣል ዝብል ርኢቶ ይህቡ። ንኣብነት ‹‹ሳዕስዒትን ሙዚቃዊ ባህልን ቡርኪናፋሶ ብዘገርም ኹነታት ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሄረሰብ ኣገው ኣዝዩ ዝመሳሰልን ዝዛመድን ‘ዩ››ዝብሉ ኣይተ ኣበረ ኣዳሙ፣ኣፍሪካውያን ኣዝዩ ዝተቐራረበን ዝመሳሰልን መንነት ዘለዎም ማሕበረሰብ ከምዝኾኑ ብኣብነት የልዕሉ።ኣብ ሩዋንዳ ዝርከቡ ቱትሲ እንተኾኑ ‘ውን ዘርኢ ሓረግ ዓሌቶም ካብ ኢትዮጵያ ከምዝምዘዝ ብመረዳእታ ዘቕርቡ እንትኸውን በዚ መንፃር ኣብ መላእ እዛ ኣህጉር መፅናዕቲ ምግባር ተዝከኣል ዘይተዛመደን ዘይተዋለደን መንነት ምርካብ ከምዘይከኣል ይዛረቡ። እዚ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኣፍሪካውያን ዝያዳ ብስነልቦናን ብጥንኩር መንነትን ጠጠው ንኽብሉ ዘኽእል ባህላዊ ምትእስሳር ምፍጣር ከምዝከኣል ይገልፁ። ‹‹ማሕበር ደረስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 2003 ዓ/ም ኣኼባ ዓለምለኸ ደራስያን ኣፍሪካ ኣካይዱ ነይሩ››ዝብሉ ኣይተ ኣበረ፣ ኣብዚ ጉባኤ እዚ ዋና ፀሓፍቲ ናይዚ ኣህጉር መቐመጢኦም ኣዲስ ኣበባ ንክኸውንን ደረስቲ ድማ ብዛዕባ ባህሊ ኣፍሪካ፣መንነት፣ታሪኽን ስነልቦናን ብዝተደራጀወ መልክዑ ኣብ ስነ ፅሑፎም ከንፀባርቑ ንምግባር ፈተነታት ተገይሮም ከምዝነበሩ ይገልፁ። እዚ ፈተነ ብዝተደራጀወ መልክዑ ኣብ መሬት ንምውራድን ጋህዲ ንምግባርን ሐዚ ‘ውን ካብ መንግስታዊ ፃዕርታት ንላዕሊ ኹሉ ኣፍሪካዊ ብኣጀንዳነት ከንፀባርቖ ከምዘድልይ ‘ዮም ምኽረ ሓሳብቦም ሂቦም። ‹‹ኢትዮጵያ ፈላሚት መበቆል ደቂ ሰባት ‘ያ››። እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ፊደል ስነ ፅሑፍ ካብ መንጎ ዘለዎም ሃገራት ድማ ኢትዮጵያ ሓንቲ ‘ያ። ንሕና ኣፍሪካውያን ህዝቢ ዓለም ብሙሉኡ መቦቆሉ ኢትዮጵያ ከምዝኾነት ንኣምን›› ዝብሉ ኣይተ ኣበረ ኣዳሙ፣ መብዛሕትኦም ኣፍሪካውያን ብሕሱም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ምውዳቖም ቋንቆኦም ካብ መንነቶም ዘይተቐድሐን ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተፅዓኖ ከምዝኾነን ይገልፁ።ብተፃራሪ ድማ ኢትዮጵያ ንመላእ ኣፍሪካ ኣብነት ዝኸውን ናይ ባዕላ ፊደልን ዘይተበረዘ ባህልን ስነልቦናዊ ጥንካረ ዘለዎ ማሕበረ ሰብ ዘለዋ ስለዝኾነት እዚ ከም መደያየቢ ተጠቒሞም ‹‹ብቕኒት ፓን ኣፍሪካ›› ሓደ ኣፍሪካ ምህናፅ ከምዘድልይ የረድኡ። ‹‹መሰረት ናይዚ ኹሉ ማሕበረሰባዊ እሴትና ዘንፀባርቖ ድማ ባህሊ ‘ዩ››ዝብሉ ፕሬዚዳንት ማሕበር ደራሲያን ኢትዮጵያ፤ መቐመጢ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝኾነት ኢትዮጵያ ኣብ ኹለን ኣፍሪካውያን ዝርከብ እሴትታት ዘንፀባርቕ ሙዚየም ዘይምህላዉ ንባዕሉ ከም ዓብዪ ክፍተት ክርኣይ ከምዝግበኦ የልዕሉ። ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዳለወ መበል 35 ዓመት ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪካ ሕብረት ‹‹ኣፍሪካ ብባህሊ›› ናይ ምትእስሳር ጉዳይ ከም ፈላማይ ኣጀንድኡ ገይሩ ኣብ ቐፀልቲ እዋናት ክመኹሩን ውፅኢታዊ ስራሕ ንኽስራሕን ኣንፈት ከቐምጥ ከምዝግባእ ጠቍሞም። መረዳእታታት ከምዘርእይዎ ናይ ኣፍሪካ ኣህጉር ኣብ ምድርና ካብ ኤስያ ቐፂሉ እቲ ኻልኣይ ዓብዪ ስፍሓት መሬት ዝሓዘ እንትኸውን 54 ሃገራት ኣብ ውሽጣ ሓቍፋ ዝሓዘት ‘ያ።ካብዚ ወፃኢ ኣዝዩ ዝድነቕ ሃፍቲ ተፈጥሮ፣ብሄረሰባት፣ባህላዊ እሴታት፣ብርክት ዝበሉ ቋንቋታት፣ቕርስታትን ብዙሓት ናይ መስሕብ ስፍራታት ካፍተን ኻልኦት ኣህጉራት ብዝዛየደ መልክዑ ዝሓዘት ከምዝኾነት ይዝረብ። ይኹን ‘ምበር እስካዕ ሐዚ ምስ ስልጣነ፣ ቑጠባዊ ሃፍቲ፣ዲሞክራስን ጥንኩር ሕብረት ብምፍጣር ምስ ሓያላት ሃገራት ብምስራዕ ኣዝዮም ንድሕሪት ተሪፎም ካብ መንጎ ዝበሃሉ ሃገራት ሓቍፋ ከምዝሓዘት ይዝረብ። ነዚ’ዩ ድማ ሓያለ ሙሁራን ከምዚ ዝበለ ፀገም ንምቕራፍ ‹‹ኣፍሪካዊ ፍታሕ ብኣፍሪካውያን››ብምባል ብዘይ ሓንቲ ኢድ ኣእታውነት ፅዕንቶ ምፍጣር ከምዝግባእ መኺሮም። ካብዚ ሓሊፉ ነዚ ኣህጉር ንምትእስሳር ብፍላይ ኣብ ‹‹ባህልን እሴትን›› ክስራሕ ከምዝግባእ እቶም ፕሬዚደንት ይዛረቡ።

ሄርሞን ፍቃዱ

3 ለካቲት 2014 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You