‹‹ህወሓት ንሰላም ዘለዎም ቕሩብነት ዜሮ ተዘይተብሃለ ‘ውን ኣዝዩ ትሑት’ ዩ›› – ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ

ጋሻና ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ኣንፃር ስርዓት ደርጊ ኣብ ተገበረ ብረታዊ ቓልሲ ህዝቢ ትግራይ መስራቲ ውድብ ህወሓት’ዩም::ኮይኑ ግና ብሰንኪ ኣፈላላይ ፖለቲካ ካብ ህወሓት ወፂኦም ኣብ ወፃኢ ሃገር ኮይኖም ፓርቲ ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ መስሪቶም ኣንፃር ህወሓት ተቓሊሶም’ዮም፤ሐዚ’ውን ይቃለሱ ኣለው:: ድሕሪ ለውጢ ናብ ሃገሮም ኣቲዮም ሐዚ ኣቦ ወንበር ውድብ ፖለቲካ ትዴፓን ዳይሬክተር መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ዓብዪ ግድብ ህዳሰን ‘ዮም:: ዶክተር ኣረጋዊ ካፍቶም ቕድም ኢሎም ንመሪሕነት ህወሓት ዝቃወሙን ንቕድሚት ወፂኦም ዝተቓለሱን ሓደ ‘ዮም፤ኣብ ወድዓውን ፖለቲካውን ኹነታት ሃገርናን ትግራይን ከምዝስዕብ ሓበሬታ ሂቦምና ኣለዉ፤ ንዝሃቡና ሓበሬታ ብምምስጋን ሰናይ ፃንሒት ንምነይ፡- ወጋሕታ፡-ሓፈሻዊ ኹነታት ትግራይን ኣብዚ ሐዚ እዋን እንታይ ይመስል? ዶክተር ኣረጋዊ፡- ሐዚ ዘሎ ነባራዊ ኹነታት ትግራይ ኣዝዩ ዘሕዝን ‘ዩ::እቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት ዝጀመሮ ግፍዓዊ ስራሕትታት ይቕፅለሉ ኣሎ፤ከመይ እንተይልክኒ እቲ ህዝቢ ኣብ ዓብዪ ፀገም፣ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ‘ዩ ዝርከብ፤ዝበልዖ እኽሊ የለን፣ዝስተ ማይ የለን፣ዝሓመመ ዝሕከመሉ ናውቲ ይኹን መድሓኒት የለን፣ግልጋሎት ስልኪ የለን፣ትራንስፖር የለን፣ዘመድ ኣዝማድ ከይተሓጋገዝ ባንኪ ዕፁው ‘ዩ፤ስለዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሕማቕ ኹነታት ‘ዩ ዝርከብ::ብኣንፃሩ ጉጅለ ህወሓት ክትዋግኡ ኣለኩም ተኸቢብኩም ኢኹም እናበለ ነቲ ቕድሚ ሐዚ ዘጥፍኦ ሰራዊት ንምትካእ ነቲ ህዝቢ የገድዶ ‘ዩ ዘሎ፤እቲ ዘሕዝን ብዙሕ መንእሰይ ‘ዩ ሃሊቑ፤እቲ ዝተኸተሎ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ህይወት መናእሰይ ከም ውሕጅ ብምፍሳስ ሰብ እናገበረ ለውጢ ንምምፃእ ምፍታን ‘ዩ ነይሩ፤እሱ ኸዓ ከምዘይኸውን ሪኢናዮ ኢና፤ኾይኑ ግና ብዋሕዚ ሰብ ኲናት ምክያድ ሐዚ ‘ውን ይጥቀመሉ ኣሎ፤ስለዝኾነ ሐዚ ‘ውን ብኸምዚ ክቕፅል ‘ዩ ዝሓስብ ዘሎ ነዚ ድማ ሰራዊት መከላኸሊ ኢትዮጵያ ተቐላጢፉ ፍታሕ ንኸምፅእ ፃዕሪ ክግበር ኣለዎ:: ወጋሕታ፡-መንግስቲ ሃገራዊ መድረኽ ምኽክር ንምክያድ ኣብ ምድላው ይርከብ፤ኮምሽነራት ንምምራፅ ድማ ኣብ ከይዲ ‘ዩ ዘሎ፤ካብዚ እንታይ ትፅቢት ይግበር? ረብሕኡኸ? ዶክተር ኣረጋዊ፡- ሃገራዊ ምኽክር ምፍጣር ብጣዕሚ ዓብዪ ጉዳይ ‘ዩ:: ምኽንያቱ ሃገርና ብዙሕ ዘየሰማምዑ ነጥብታት እናዓበዩን እናገደዱን ‘ዮም መፂኦም፤ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ሃገራዊ ምስምማዕ ከድልይ ‘ዩ፤ንኣብነት ኣብ ኣወቓቕራ ፌደሬሽን፣ኣብ ኣተዓዳድላ መሬት፣ኣብ ብሄራትን ብሄራውነትን ዘሎ ዝምድና ምንፃር ብዙሓት ጉዳያት ኣለዉ ክንፅሩ ዝግበኦም፤ባንዴራ ከይተረፈ ብብርኪ ሃገር መጨቓጨቒ ‘ዩ፤ስለዝኾነ እዚኣቶም ከመይ ገይርና ንፍትሐዮም ኢልና ብብርኪ ሃገር ምምኽኻር ነታ ሃገር ምርድዳእን ዓብዪ ለውጢ ዘምፅእ ጉዳይ ስለዝኾነ ሃገራዊ ምኽክር ብዝምልከት ደንጉዮም ‘ዮም ፀኒሖም፤ቕድሚ ሐዚ ፈተነታት ነይሮም ‘ዮም ኾይኑ ግና ዓርዩ ኣይተዋቐረን፤ሐዚ ‘ውን ብቕልጡፍ ናፍቲ ሃገራዊ ምኽክር ምእታው ኣብዛ ሃገር ሰላም ንምፍጣር ዓብዪ መሰረት ዘንብር ‘ዩ ኢልና ኢና ንኣምን:: ወጋሕታ፡-እቲ ምኽክር እንትካየድ ኣፈላላይ ንምፅባብን ሓበራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ካብ ሙሁራት፣ፖለቲከኛታት፣ሲቪክ ማሕበራን ህዝብን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ዶክተር ኣረጋዊ፡- እቲ መድረኽ ምኽኽር እንተተፈጢሩ ኹሉ ኣባል እቲ ሕብረተሰብ ፖለቲካዊ ውድብ ይኹን ሲቪክ ማሕበር፤ እቲ ህዝቢ ኣብ ክልቲኡ ‹‹ህወሓት ንሰላም ዘለዎም ቕሩብነት ዜሮ ተዘይተብሃለ ‘ውን ኣዝዩ ትሑት’ ዩ›› – ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ‘ዩ ክህሉ ዝኽእል ኣብ ፖለቲካ ወይ ኣብ ሲቪክ ማሕበር ‘ዩ ክውደብን ክጥርነፍን ዝኽእል፤ስለዝኾነ እቲ ዝፈላልዮ ነገራ ኣፍቲ ሕብረተሰብ ተፈጢሮም ዘለዉ ናይ ሓሳብ ኣፈላላያት ዘተን ምኽክር ተገይሩሎም ናይ ሓባር ባይታ ምፍጣርን ብብርኪ ሃገር ክህልወና ንዝኽእል ኣረኣእያ ኩላትና ተዛቲና ተረዳዲእና ኢና ክንፈትሖ ንኽእል፤እዚ ፍፁም ክኸውን ኣይኽእልን ቑሩብ ኣፈላላይ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ፤ኣፈላላይ እንተሃለወወ ‘ውን ነቲ ኣፈላላይ ከመይ ገይርና ንፈትሖ ዝብሉ መገድታትን ናይ ኻልኦት ሃገራት ተሞኩሮቶታት ብምውሳድ ነቲ ዘሎ ኣፈላላይ ብምፅባብ ብሓባር ምስጓም ዘኽእለና ምኽክር ‘ዩ ክኸውን:: ወጋሕታ፡-መንግስቲ ኣብ ዝገበሮ ምቁራፅ ክሲ ፖለቲከኛታት (እኒ ኣይተ ስብሓት ነጋ ) ሓዊሱ ዘለኩም ሓሳብ ተትገልፁልና? ዶክተር ኣረጋዊ፡- ብምኽንያት ፖለቲካ ንዝተኸሰሱ ምሕረት ምሃብ ፅቡቕ ‘ዩ::ብሰላማዊ መገድን ብምርድዳእን ነቲ ፀገም ምፍታሕ ብዘኽእል መገዲ ምኻድ ፅቡቕ ‘ዩ፤ኾይኑ ግና ኣፍቲ ኣተገባብርኡ ቑሩብ ዝተፈለየ ሓሳብ ‘ዩ ዘለኒ፤ እቶም ገበን ፈጢሮም ዝተኣሰሩ ሰባት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዙሕ ገበናት ዝፈፀሙ ‘ዮም፤ስለዝኾነ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝፈፀምዎ በደል ነቲ ህዝቢ ይቕረታ ግበረልና ህዝቢ ተጋጊና ኢና እንተዝብሉ ምሐሸ ነይሩ፤ተዘይኮይኑ እቲ ዝፈፀምዎ ጌጋ ኣሚኖሙሉ ድዮም ወይ ኣይኣመኑሉን ነቲ ህዝቢ በደል ከምዝፈፀሙሉ ምእማኖምን ዘይምእማኖምን ኣይንፈልጥን፤ ስለዝኾነ ኣብዚ ቑሩብ ተፃዲፍካ ዝተገበረ ስለዝኾነ ይቕረታ ተዝሓቱ ነይሮም ይቕረታ ምባል ዘሎን ዝነበረን ‘ዩ ናብ ሰላም የሰጋግረና ‘ዩ ኢለ ይሓስብ:: ወጋሕታ፡-መንግስቲ ንሰላም ቑሩብ ‘የ ምባሉን ምስ ባህረት ራዕዳዊ ህወሓት ከመይ ገይሩ ከዐውቶ ይኽእል?(ምኽንያቱ ህወሓት ሐዚ ‘ውን ንመንእሰይ ኽተት እናበለ ስለዝርከብ)? ዶክተር ኣረጋዊ፡- ህወሓት ብናተይ ኣረዳድኣ ሰላም ዝደልይ ጉጅለ ኣይኮነን፤ብፍላይ እቲ መሪሕነት ‘ምበር እቲ ዝተረፈ እኳ ገሊኡ ዝተወናበደ ‘ዩ፤ገሊኡ ድማ ምስኪን ‘ዩ፤ዝኣመነሉ ‘ውን ክህልው ‘ዩ፣ገሊኡ ድማ ምልዋጥ ዝከኣል ‘ዩ::መሪሕነት ህወሓት ግና በኣርኣእያ ዝበስበሰ ‘ዩ፤ባዕሎም ‘ውን ኣሚኖም ዝተዛረብዎ ‘ዩ፤ኣነ ዝበልክዎ ኣይኮነን፤በስቢስና ኢና ኢሎም’ዮም፤ሓቆም ‘ዮም ክብስብሱ ድማ ዓቕን ዘይብሉ ሃፍቲ፣ዓቐን ዘይብሉ ስልጣን ደረት ዘይብሉ ስልጣንን ሃፍትን ሒዞም ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ዋላ ሓንቲ ከይተገደሱ ንዒስራን ሸውዓተን ዓመት ስልጣን ሒዞም ንውልቆም ሃፍቲ ካብ ምእካብ ሓሊፎም ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ገይሮሙሉ? ዋላ ሓንቲ:: ኻሊእ ይትረፍ ዝዓቖሮ ቀለብ ወርሒ የብሉን :: ብቐሊሉ እኽሊኳ ከፍርይ ኣይከኣለን፤ብጣዕሚ ‘ዮም በዲሎሞ፤ስለዝኾነ እዞም ሰባት እዚኣቶም እዚ በደል እዚ ስለዝፈልጡ እቲ ቐንዲ ዕላምኦም ናብ ስልጣን ምምፃእ ስለዝኾነ ምስ እዚኣቶም ሰላም ክግበር ‘ዩ ኢልካ ምግማት ብወገነይ ኣይመስለንን:: እንተኾይኑ ፅቡቕ፤ኾይኑ ግና ሰላም ክፈጥሩ ‘ዮም፣ሰላም ይደልዩ ‘ዮም ምባል ኸቢድ ‘ዩ፤ሰላም ተዝደልዩ ነይሮም ብዙሕ ግዘ ፃውዒት ሰላም ተገይሩ ‘ዩ፣ብዙሓት ሽማግለታት ተላኢኾም ‘ዮም፣ኣዴት ተንበርኪኸን እናበኸያ ለሚነን ‘የን፣ኣነ ባዕለይ ናብ መቐለ ኸይደ ንኹሎም መራሕቲ ህወሓት ለሚነዮም ‘የ:: ሰላም ንግበር ዝሓለፈ ሓሊፉ ‘ዩ ካብ ሐዚ ግና ውሳነ ህዝቢ እናተቐበልና ብሰላም ንቐፅል ክበሃሉ ኸለዉ ኣይከውንን ናታቶም ውሳነ ጥራሕ ተቐባልነት ክረክብ ኣለዎ ብዝብል ቕዋም ‘ዮም ሒዞም:: ህዝብን ሃገርን ድማ ናይ ኹለኻ ‘ዩ፤እሳቶም ግና ናይ በይኖም ገይሮሞ::ስለዚ ሰላም ዝደልዩ ኣይመስለንን ኣብ ርእሲኡ ድማ ትግራይ ናይ ምግንፃል ሕማም ኣለዎም፤ሕሰብዎ ኢትዮጵያ ብዘይ ትግራይ ትግራይ ብዘይ ኢትዮጵያ ከመይ ዝበለ ኹነታት ኢና ክንፈጥር፤ ፈፂሙ ኣብ ታሪኽ ዘየለ ነገር እናምፅኡ ሰላም ከይፍጠር ‘ዮም ዝገብሩ ዘለዉ:: ህወሓት ንሰላም ዘለዎም ቕሩብነት ዜሮ ተዘይተብሃለ ‘ውን ኣዝዩ ትሑት ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ምስኣቶም ተረዳዲእኻ ሰላም ክፍጠር ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን:: ወጋሕታ፡-ጉጅለ ራዕዲ ክባ ክፍንፅሕ ‘የ ኢሉ መናእሰይ ትግራይ ንዘይረብሕ ኲናት ዋጋ ኣኽፊሉ ‘ዩ፤ዝተረፈ መንእሰይ ትግራይ ካብዚ እንታይ ክመሃር ኣለዎ? ዶክተር ኣረጋዊ፡- እቲ ሓደ ፀገም እንታይ መስለኪ ፣መንእሰይ ትግራይ ዝሐሸን ካሊእ ኣተሓሳስባ ከይፈልጥን ከይምሃርን ዓጊቶም ‘ዮም ሒዞሞ::እሳቶም ዝደልይዎ ሓደ ነገር ጥራሕ ‘ዩ ::ትግራይ ሚዲያ ሃውስ ዝበሃል ኣብ ኣሜሪካ ኣለዎም፤በዓል እስታሊን ካድረታት ‘ዮም::እቶም ዋናታት ግና ንዓኣቶም ዝጠውይዎም እኒ ካሳ ሃይለማሪያም፣ነበር ኣምባሳደር ብርሃነ ገብረክርስቶስ ዝበሃሉ ንጥቕሞም ጥራሕ ጠጠው ዝበሉ፤ኣብኡ ኾይኖም ተዋግኡ ዝብሉ:: እሳቶም ናብዚ መፂኦም ኣይዋግኡን ኣብ ዘለውዎ ኾይኖም ግና ‹‹ተዋግኡ፣ስበሩ እናበሉ ናይ ሕሶት ጃህራ እናነፍሑ ከምዚ ገበርኩም፣ ጀጋኑ እናበሉ ብምርሳን፤ኲናት ባህልኹም ‘ዩ ›› እናበሉ ነቲ መንእሰይ ናብ ሓዊ ዘእትዉ ሰባት እኒሀው ‘ዮም::ንዓኣቶም ጥራሕ ክሰምዕ ‘ዮም ዝገብርዎ ኻሊእ መማረፂ ከይጥቀም ሬድዮ ኸፊቱ ዝተፈለየ ዜና ክሰምዕ ስለዘይገብርዎ፤ ንሕና ብዝተኽኣለና መጠን ኣማራፂ ንኽሰምዕ ብዝተኽኣለና መጠን እናገበርና ኢና፤ ስለዝኾነ ድማ መብዛሕትኡ ክርድኦን ናፍቲ ሓቂ ክበፅሕን‘ዩ መወዳእትኡ እቲ ነገር ክርድኦ ‘ዩ፤ ኾይኑ ግና ብዙሕ ኪሳራ ምስ ተኸፈለ ስለዝኸውን ብጣዕሚ ‘ዩ ዘሕዝን:: ወጋሕታ፡-ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ፀገም ንኽወፅእ መንእሰይ፣ መንግስቲ ፌደራል፣ ከምኡ ‘ውን ውድባት ፖለቲካ ትግራይን ሙሁራትን እንታይ ክገበሩ ኣለዎም? ዶክተር ኣረጋዊ፡- ናይ ትግራይ ሕቶ ናይ ኢትዮጵያ ሕቶ ‘ዩ:: እቲ ህዝቢ ዝተኣሳሰረ ‘ዩ፤ ብኢኮኖሚ፣ ብታሪኽ ብባህሊ ብስነልቦና ብኹለ መዳይ ክትፈልዮ ኣይትኽእልን፤ እዚ እገለ እዚ ኽስቶ ኢልካ ፈሊኻ ንምቕማጥ ኣፀጋሚ ‘ዩ፤ሓደ ፀሓፊ ፓላስቲንያን ኤድዋርድስተይ ዝበሃል ከምዚ ይብል ‹‹ፅሩይ ብሄር ወይ ብሄረሰብ ኣሎ ማለት ዕብዳን ‘ዩ›› እዚ ድማ ሓቁ ‘ዩ::ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ቐደም ጀሚርና እንተርኢናዮ ኹሉ ዝተኣሳሰረ ‘ዩ፤ ብምቅስቓስ ህዝቢ ካብ ሰሜን ንደቡብ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፣ ብኲናት ብኢኮኖሚ፣ ብስደት፣ ለውጢ ናብራ ንምድላይ ብብዙሕ መገድታት እዚ ህዝቢ ዝተሓናፈፀ ‘ዩ፤ ኣብ እዋን ኲናት ዓድዋ ዝተኣኻኸበ ህዝቢ ኦሮሞ፣ሲዳማ፣ኣምሓራ፣ጋምቤላ፣ ዓፋር ኹሉ ህዝቢ ተኣኪቡ ‘ዩ ነቲ ኲናት ዘካየዶ፤ ኻልኦት ኣማኢት ኩናታት ተኻይዶም ‘ዮም:: እዚ ሓደ ኣስፔክት ‘ዩ፤ኻሊእ ድማ ብምኽንያት ስራሕ ናብራ ንምምሕያሽ ዝዘዋወር ህዝቢ ብዙሕ ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ነዚ ህዝቢ ምፍላይ ኣይከኣልን ምፍላይ ስለዘይከኣል ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ናይ ኹሉ ኢትዮጵያዊ ፀገም ዝኸውን ማለት’ዩ:: ንኣብነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ፀገም ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ‘ዩ ዝትንክፎ፤ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ድማ ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ብኢኮኖሚ፣ብፖለቲካ፣ብወተሃደራዊ ብኹለመዳይ ይትንክፎ ‘ዩ፤ ስለዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝኒሀ ፀገም ህድእ ኢሉ ክሪኦን ናይ ወገኑ፣ ናይ ኣካሉ ፀገም ምዃኑ ተረዲኡ ነቲ ትግራዋይ ክሕግዝ ክንቀሳቐስ ኣለዎ፤ ሐዚ ድማ ኣብ ዓብዪ ፀገም ‘ዩ ኣትዩ ዝርከብ ኣብ ኸቢድ ስእነት ኣቕርቦት ‘ዩ ዝርከብ፤ ነዚ ንምፍታሕ ድማ ኹሉ ዜጋ ክተሓበብር ኣለዎ፤ እቲ ዓፊኑ ዝሓዞ መሪሕነት ህወሓት ድማ ዝውገደሉ መገድታት ኣብ ምድላይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ክድግፍን ክተሓባበርን ኣለዎ ‘የ ዝብል:: ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ዶክተር ኣረጋዊ፡- መንእሰይ ትግራይ ብስምዒት ሆ! እናበለ ንመሪሕነት ህወሓት ተገዛኢ ኾይኑ ‘ዩ:: እቲ መንእሰይ ባዕሉ ናፃ ሓሳብ ኣማዕቢሉ ጠጠው ክብል ኣይከኣለን ዝኒሀ፤ ሐዚ ‘ውን ሆ! እናበልዎ ‘ዮም ዘለዉ::ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይተረፈ ተኣሲሮም ዝነበሩ እንትፍትሑ መሊሶም ነቲ ዘእሰሮም ፀገም እናደገሙ ክደርፉ ይውዕሉን ይሓድሩን፤ እዚ ድማ ቑልዕነትን ብስምዒት ምግዛእን ‘ዩ፤ ስለዝኾነ መንእሰይ ትግራይ ሰኺኑ ርግእ ኢሉ ክሓስብን ባዕሉ ከስተንትንን ይግበኦ:: እቲ ናይ እኒ ደብረፅዮን ይኹን ናይ እኒ ስብሓት ነጋ ፕሮፖጋንዳ የጥፍኦ ‘ዩ ዘሎ፤ ንህዝቢ ትግራይ እስካዕ ሐዚ ኣጥፊእዎ ‘ዩ፤ ኣብ መከራ ኣእትይዎ፤ ምስ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ኣጓኒፅዎ ‘ዩ:: ኢትዮጵያን ትግራይን ከም ኽልተ ዝተፈላለያ ሃገራት እናምሰለ ዘይኮነን ዘየለን ነበርያ ነበረ እናምፀአ ንህዝቢ ኣዐሽይዎ ‘ዩ፤ መንእሰይ ካብዚ ዘይረብሕ ኣተሓሳስባ ክወፅእ፣ ከንብብን ክመሃርን ክፈልጥን ረብሓኡ ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑ እዚ ድማ መሰረት ዘለዎ ከምዝኾነ ክርዳእ ኣለዎ ‘የ ዝብል:: ወጋሕታ፡-የመስግን ክብረት ይሃበለይ ዶክተር ኣረጋዊ፡-ኣነ ውን ኣዝየ የመስግን

ሄርሞን ፍቃዱ

19 ጥሪ 2014 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You