‹‹ሕዚ ዝኒሀ ወለዶ ካብ ‹መዓልቲ ዓወት› ሓድነትን ፅንዓትን ቐዳሞት ወለዱ ክወርስ ይግባእ›› ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ

በዓል መዓልቲ ዓወት በቢ ዓመቱ ብድምቐት ካብ ዝኽበሩ ህዝባዊ በዓላት ሓደ እዩ። ነዚ ኣመልኪትና ጋሻ ሒዝናልኩም ቐሪብና ኣለና። ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ ይባሃሉ። ብ1936ዓ.ም ኣብ ጎሬ ኢሉባቡር ተወሊዶም። ሐዚ ፕሬዚደንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ እዮም። ልጅ ዳንኤል ካብ ራእሲ መስፍን ስለሺ ዝተወልዱ እንትኾኑ ራእሲ መስፍን ስለሺ ምእንተ ሃገሮም ሓርበኛታት እናመርሑ ተዋጋኣይን ኣዋጋኢን ኮይኖም ዝሰርሑን ንሃገሮም ዝተሰውኡን ግኑን ሽም ዝነበሮም እዮም።ራእሲ መስፍን ስለሺ ኣብ ሸውዓተ ግዝኣታት ኣብ ሽዋ፣ ማይጨው፣ ወሎ፣ትግራይ፣ ወለጋ ሆሮ ጉድሩ፣ጎንደርን ጎጃምን ተዋጊኦም እዮም። ብሓፂሩ ታሪኾም ከምዝኽብሮ ኣብዝተዋግእዎ ኩሉ ተዓዋቲ እዮም ነይሮም። እምባኣርከስ ጋዜጣ ወጋሕታ ለብዘበን ምስ ዝኽበር መበል 80 ‹መዓልቲ ዓወት› ኣድሂብና ምስ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- መንቐሊ በዓል ‹መዓልቲ ዓወት› እንታይ እዩ? እንታይነት እዚ በዓል እስቲ ሕፅር ብዝበለ መልክዑ የብርሁልና።

ልጅ ዳንኤል ጆቴ፡- ከም ዝፍለጥ ጣልያን ኣብ ዓድዋ ብ1888 ዓ.ም ኢትዮጵያውያን ብዘርአይዎ ሓድነትን ፅንዓትን ምስተሳዕረ ቒም ዓሕዲሩ ስለ ዝነበረ ቒሙ ንኽዋፃእ ዘመናዊ ዕጥቒ ተዓጢቑ ድሓሪ 40 ዓመት መፂኡ ሃገርና ክወርር ክኢሉ እዩ። ጣልያን ኣብ ዓድዋ ጥራሕ ኣይነበረን ዝተስዓረ ቕድሚኡ ‘ውን ኣብ እኒ ደጉዓሊ ተሳዒሩ እዩ። ስለዚ ብተዳጋጋሚ ብኢትዮጵያውን ይስዓር ስለ ዝነበረ ድሕሪ 40 ዓመት ክመፅእ እንተሎ ብዝግባእ ተዳልዩ እዩ መፂኡ። ጣልያን ኣብቲ ግዜ ንሱ ካብቶም ስልጡናት ሃገራት ዓለም ሓደ እዩ ነይሩ። ብወገን ኢትዮጵያ ግና እዙይ እዩ ዝባሃል ምድላው ኣይነበረን። ኢትዮጵያ በዝሒ ሰራዊትን ዘመናዊ ዕጥቒን ኣይነበራን። ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ከሎ ብተፋላለየ ኣንፈት ብባንዳታት እናተሓገዘ እዩ መፂኡ። እቲ ሓደ ብኤርትራ እንትኸውን እቲ ኻልኣይ ድማ ብሶማልያ ገይሩ እዩ ኣትዩ። እቲ ዋና ሓይሉ ኣጣናኺሩ ዝመፀሉ ኣንፈት ግና ብሰሜን ኣንፈት ክልል ትግራይ ገይሩ እዩ።

ኢትዮጵያ ብተፈጥራዊ ሃፍትን ፀባይ ኣየርን ተስማዕማዒት ተመራፂትን ሃገር ስለ ዝኾነት ከምኡ ‘ውን ብቕርሲ ሃፍታምን ስለ ዝኾነት ጣልያን ንኢትዮጵያ ክወርር ዓብዪ ድሌት ነይርዎ። ሩባ ኣባይ ‘ውን መበገሲኡን ፍልፍሉን ካብ ኢትዮጵያ ስለዝኾነ ብጣዕሚ ተደላይት እያ ነይራ። ኣብቲ ግዜ ንሱ ኣውሮፓውያን ንኣፍሪካ ንምውራር ይተሓጋገዙ እዮም ነይሮም። ባዕዳውያን ኣብ ኣፍሪካ ትኹረት ዝገብርሉ ዝነበሩ ምኽንያት ኢንድስትሪኦም እናዐበየ ይኸድ ስለ ዝነበረ በዚ ምኽንያት እዚ እታወታት ጥረ ኣቕሓ የድልዮም ስለ ዝነበረን ኣፍሪካ ድማ ምስትዝነበራ ዘይተበልዐ ሃፍቲ ተመራፂ ገይሮማ ነይሮም።

ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስ ወረረ ቋንቋታት ኦሮምኛ፣ ወላይትኛ፣ ኣምሓርኛን ትግርኛን ዝመሳሰሉ የፅንዕ ነይሩ። ዘፅነዐሉ ምኽንያት ድማ ናይ ኢትዮጵውያን ባህሊን ቋንቋን ብምፍላጥ ነቲ ህዝቢ ኣጋዛዝኣ ክጥዕመሉ እዩ። ባህሪ ህዝቢን ከምኡ ‘ውን ነገስታት ናብ ስልጣን ከመይ ኢሎም ከምዝመፁ እንተፈሊጡ ንምግዛእ ከምዘይፅገም እዩ ዝኣምን ነይሩ። ብፍላይ ድማ ፃዕዱ ነንባዕሎም ናይ ምትሕግጋዝን ምስጢር ንበይንቶም ናይ ምሓዝ ባሕሪ ኣለዎም። ንሓበሻ ምስጢር ኣየካፍሉን። ናይ ባዕሎም ልዕልና ከረጋግፁ እዮም ዝደልዩ።

ጣልያን ብ1928ዓ.ም ንኻልኣይ ግዜ ንኢትጵያ ክወርር ከሎ ፋሺሽት ዝባሃል ፓርቲ መስሪቱ ክወረና እንተሎ ንሕና ዘይበፃሕናዮ ዕቤት በፂሑ ስለ ዝነበረ ብዙሕ ዕንቕፋት ኣይበፅሖን ነይሩ። ጣልያን ኣብ ኤርትራ ስለ ዝነበረ ዝዓበየ ሓይሉ ብትግራይ ኣንፈት እዩ ኣሰሊፉ መፂኡ። ኣብ ማይጨው እንራእሲ ስዩምን ራእሲ ካሳን ተዋጊኦም እዮም። ኮይኑ ግና ምድላው ጣልያን ብጣዕሚ ልዑል ስለ ዝነበረ ክሰዓር ኣይካኣለን። ጣልያን ናይ ውግእ ኣውሮፕላንን ዘመናዊ መትረየሱስን ተዓጢቑ እዩ መፂኡ። ስለዚ ጣልያን ኣሳላልፍኡ ልዑል ስለ ዝነበረን ክሳብ መወዳእታ ክዋጋእ እየ ኢሉ እዩ ዘመናዊ ዕጥቒ ተጠቒሙ ኣብቅድሚኡ ዝረኸቦ ተዋጋኢ እናደምሰሰ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ። ኣብቲ ግዜ ንሱ ሶማሊያ’ውን ኣብ ትሕቲ ጣልያን ስለ ዝነበረት ብኣንፈት ሱማሊያ ውግእ ብምኽፋት ብተማሳሳሊ ብትግራይ ኣንፈት ዝገብሮ ዝነበረ ፀላኢ እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ እናደምሰሰ እዩ ናብ ማእኸል ዓዲ ኣትዩ። ስለዚ ኣሳላልፍኡ ብተፋላለየ ቦታን ልዑል ምድላውን እዩ ነይሩ። ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውግእ ኣሳላልፋ’ውን ብዝግባእ ኣፅኒዕዎ ስለ ዝነበረ ብቐሊሉ ንክስዕር ሓጊዝዎ እዩ።

ይኹን’ምበር ኢትዮጵያውያን ናይ ጣልያን ኣሳላልፋን ሓይልን ምስረኣዩ ብቐሊሉ ኢዶም ኣይሃቡን፤ናይ ውግእ ስልቲ እዮም ቐይሮም። ንኣብነት ናተይ ኣቦይ ደጃዝማች መስፍን ስለሺ ናይ ባዕሎም ሰራዊት ሒዞም ተሰሊፎም ነይሮም እዮም። ኮይኑ ግና በዚ ኣካይዳ ግንባር ንግንባር እንተቐፂልና ኣየዋፅአናን ኣካይዳና ንቐይር ኢሎም ተመኻኺሮም እናገራህኻ ምውጋእ መሪፆም እናተዋግኡ እዮም ነይሮም። ጣልያን 5 ዓመት እንትፀንሕ እንተሎ ዓሪፉ ከይገዝአን ተፈላለየ መጥቓዕቲ ይፍንውሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ ኢትዮጵያውያን ናይ ውግእ ኣካይዳ እዮም ቐይሮም’ምበር ኢዶም ኣይሃቡን ነይሮም።

ኣብቲ ግዜ ንሱ ዝነበሩ መሳፍንትን ንጉስን ናብቲ ውግእ ክኣትዉ ኣይመረፁን፤ምኽንያቱ እቲ ንጉስ ወይ እቶም መሳፍንቲ ኣብ ውግእ ኣትዮም እንተሞይቶም እቲ ሰራዊት ከይብተን ዓብዪ ጥንቃቐ ይገብሩ ነይሮም። ነዚ ዝተረድኡ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ናብ እንግሊዝ ብምኻድ ብድፕሎማሲ ዓብዪ ስራሕ ይሰርሑ ነይሮም። እቶም ሰራዊቶም ድማ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይዋግኡ ነይሮም። እቶም ንጉስ ኣብ ውግእ ኣትዮም ተዝሞቱ ነይሮም ግና እቲ ሰራዊት ክብተን ነይሩ እዩ። ጣልያን ዘመናዊ መሳርሒ ተጠቒሙ እንትትኩስ ብወገን ኢትዮጵያ ዝነበረ ሰራዊት ግና ብህልኽን ወነን ጉራደን ካልኦት ድሑር መሳርሒ ሒዙ እዩ ክዋጋእ ዝሙክር ነይሩ። ኮይኑ ግና ብኸምዚ ዓይነት ውግእ ዘዋፅእ ስለ ዘይነበረ ናይ ድብያ ውግእ እናተጠቐሙ የዳኽምዎ ነይሮም።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ጣልያን ካብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ክወፅእ ክኢሉ?

ልጅ ዳንኤል፡– ከም ዝፍለጥ ኣብቲ እዋን ንሱ ሓየልቲ ዝባሃሉ መንግስታት ነንርእሶም ክጓነፁ ጀሚሮም። ንጉስ ሃይለ ስላሴ’ውን ኣብ ዓለም ለኸ ኣኼባታት ጥርዓን የስምዑ ነይሮም። ንጉስ ሃይለ ስላሴ ብተዳጋጋሚ ኣውሮፓ ይጉብንዩ ስለ ዝነበሩ ተፈላጢ እዮም ነይሮም። ብፍላይ ብዝገብርዎ ዝነበሩ ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ካብ እንግሊዝ ሓገዝ ይረኽቡ ነይሮም እዮም። ጣልያን ብሓይሊ ዲፕሎማሲን ብናይ ውሽጢ ቓልሲን ከምኡ’ውን እንግሊዝ ንባዕላ ኢላ ኣብ ርእሲ ጣልያን ብትገብሮ ዝነበረት ፀቕጢ እናተዳኸመ መፂኡ። ኣብቲ እዋን ንሱ ናይ እንግሊዝ መንግስቲ እናጠንከረ ስለ ዝመፀ ንተፋላለዩ ባዕዳውያን ሃገራት ይስዕር ነይሩ። ኮይኑ ግና እንግሊዝ ኢትዮጵያ ናፃ ንምውፃእ እንተይኮነስ ባዕሉ ክሕዝ እዩ ድሌት ነይርዎ። ይኹን’ምበር ናይ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ሓርበኛታት እናተቓለሱ እናሃለዉ እቶም ንጉስ’ውን ናብ ሃገሮም ስለ ተመለሱ ኢትዮጵያ ናፃ ክትኸውን ክኢላ እያ።

ወጋሕታ፡- ኣብቲ እዋን ንሱ ብፍላይ ግደ ሓርበኛታት ከመይ ነይሩ?

ልጅ ዳንኤል፡- ቕድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ጣልያን ብሓይሊ ዲፕሎማሲን ሓርበኛታትን እዩ ክወፅእ ክኢሉ። ግደ ሓርበኛታት ጣልያን ዓሪፉ ከይገዝእ ዕረፍቲ የስእንዎ ነይሮም። ኣብቲ እዋን ንሱ ግደ ሓርበኛታት ልዑል እዩ ነይሩ። ብተፈላለየ ምኽንያት ንኣብነት ጣልያን ዝጥቀመሎም ነገራት ጉድኣት ክበፅሖም ብምግባርን ሰራዊቱ ብምጥቓዕን ዓብዪ ጅግንነት ይፍፅሙ ነይሮም። ኢትዮጵያ ናፃ ምስወፀት ዝተወሰኑ ጣልያናውያን ኣብ ኢትዮጵያ ይነብሩ ነይሮም። እቶም ዝተረፉ ግቡእ ኣታሓሕዛ ይግበረሎም ነይሩ። ንኣብነት ደጃዝማች መስፍን ስለሺ ዝገበርዎ ዝነበሩ ክነግረካ። ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ጣልያን ሰራዊት ኣይትንክኡ ኢሎም ኣዊጆም። ንባንዳታት ምሕረት ክግበረሎም ጌሮም። ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ጣልያን ምሕረት ተገይርሎም ብሰላም ክነብሩ ምስገበሩ ኣብቲ ግዜ ዝነበሩ ጣልያናውያን ከም መንገዲ፣ መብራህቲ ዝመሳሰሉ መሰረተ ልምዓታት ንምስራሕ ስለ ዝጠቕሙ መስፍን ስለሺ ነዚ ተረዲኦም መሰሎም ተሓልይሎም ይቕርታ ተገይርሎም ክነብሩ ገይሮም እዮም።

ደጃዝማች መስፍን ስለሺ ክሳብ ገዝኦም እናወሰዱ ልክዕ ከም ኢትዮጵያውያን ይንከባኸብዎም ነይሮም። ፀላእቲ ነይሮም እዮም ብምባል ኣየግለልዎምን። ናይ እንግሊዝ ሰራዊት ኣብ ሰራዊት ጣልያን ዝኾነ ዓይነት ፅዕንቶ ከይፍፅም ናይ ደጃዝማች መስፍን ስለሺ ሰራዊት ይሕልውዎም ነይሮም እዮም። እዚ ዘሪአካ ኢትዮጵያውያን የዋሃት፣ ቒም ዘይንሕዝን ሰብ መኽበርትን ምዃና እዩ። ንዝበደለና’ውን ዘይንበድል ህዝብታት ኢና። እዚ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ባህሊ እዩ። እቶም ሓርበኛታት ንጣልያን ሓቒፎም ዝሓዙሉ እዋን እዩ ነየሩ። ጣልያን ፀላኢና እዩ፤ ሓትናን ደቕናን ወዲኡልና እዩ ኢሎም ሕነ ናብ ምፍዳይ ኣይኣተዉን።

ወጋሕታ፡- ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያ ሓሙሽተ ዓመት ክፀንሕ እንተሎ እንታይ ዓይነት ክሳራታት ኣብፂሑ?

 ልጅ ዳንኤል፡- አብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝፀንሐሉ እዋን ብዙሕ ሕዝቢ ብግፍዒ ቐቲሉ እዩ፤ ቕርሲ ናይታ ሃገር’ውን ዘሪፉ እዩ። ብፍላይ ኣብ ቤተ መንግስቲ ምንሊክ ዝነበሩ ቕርስታት ወሪሩዎ እዩ። እዞም ዝተሰርቑ ቕርስታት ክሳብ ሕዚ ኣብ ጣልያን ይርከቡ። ካሊእ ሓፍቲ ኣይወሰደን ኣብቲ እዋን ንሱ ኢትዮጵያ ገና ኣይተለወጠትን ነይራ፤ ብሕርሻ ጥራሕ እያ እትማሕደር ነይራ። ኢትዮጵያ ኢንዱስትሪ ኣይነበራን። እንዱስትሪ ምትካል ዝጀመረ ጣልያን እዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ በዓል እዚ ብካላንደር ዕፅው እናሃለወ ግና ወትሩ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እዩ ዝኽበር ? ንምንታይ እዩ ከምዚ ኮይኑ? ለብዘበን ንመበል ክንደይ ግዜ ኸ እዩ ዝኽበር ዘሎ?

ልጅ ዳንኤል፡– እዚ በዓል እዚ ‹መዓልቲ ዓወት› እዩ ዝባሃል። ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ሓርበኛታት በዓል እዩ ዝብሉ ኣለዉ፤ እዚ ግና ጌጋ እዩ። እዚ ዓወት ዝተረኽበ ብሓርበኛታት ጥራሕ ኣይኮነን ብናይ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ለብዘበን ዝኽበር ዘሎ ንመበል 80 እዩ። እዚ በዓል እዚ ዓብዪ በዓል እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ፀላኢ ፋሺስት ጣልያን ናፃ ዝወፀትሉ እዋን እዩ። እዚ በዓል እዚ ሓርበኛታት ኢትዮጵያውን ደሞምን ኣዕፅምቶምን ዝኸስከስሉ እዩ። ደርጊ ናይ ኮሚኒስት ርእዮተ ኣለም ሒዙ እንትመፅእ ከም ናይ ሃገር ፀላኢ ኮይኑ እዩ ዝውሰድ ነይሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ኩሉ ክልላት ክሳብ ወረዳ ክኽበር እናተገበኦ ቕድሚ ሕዚ ትኹረት እንተይረኸበ ስለ ዝፀንሐ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እናተኸብረ ፀኒሑ እዩ። ቕድሚ 50 ዓመት ኣብ ኩሉ ከባቢ ክሳዕ ወረዳ እዩ ይኽበር ነይሩ። ድሕሪኡ ግና ግና ክሳብ ወረዳ ምኽባሩ ቐርዩ እዩ። ምኽንያቱ ደርጊ ነዚ ታሪኽ ኣይደልዮን ነይሩ። ብዙሕ ናይ ታሪኽ መፃሕፍቲ ዓቓፂሉ እዩ። ደርጊ ግዜ ተዝረክብ ነይሩ ኣብ ኣራት ኪሎ ዘሎ ሓወልቲ ነዚ በዓል እዚ መዘከርታ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ‘ውን ከየፍረሶ ኣይምቐረየን ዝብል እምነት ኣለኒ። ብዙሓት ቕርሲ ካብ ምዕናው ሓሊፉ ብዙሓት ሙሁራት ቐቲሉ እዩ።

ከምዝፍለጥ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኢትዮጵያ ፈተናታት ኣጋጢሞማ ኣለዉ። እቲ ሓደ ዘይምርግጋዕ እዩ። ኮይኑ ግና ኣብተወሰኑ ቦታታት’ምበር ሃገር ሙሉእ ኣይሸፈነን። እቲ ካሊእ ኮቪድ እዩ። ኣብዝሕዚ ሰዓት ኮቪድ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ለብዘበን ዝባኣሰ ኮይኑ ኣሎ። ዝመውት ዘሎ ሰብ ቐሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብርክት ዝበለ ሰብ እዩ ዝመውት ዘሎ። ካሊእ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ምስ ሱዳን፣ ግብፂ ኣሜሪካ ዘሎ ጭቕጭቕ ቐሊል ኣይኮነን፤ ዓርሱ ዝኸኣለ ፈተና እዩ። ግብፃውያን ማይ ዓባይ ካብ በዓሎም ሓሊፉ ክነግድሉ እዮም ዝደልዩ። ዝኸይድ ማይ ቐኒሱ ህዝቢ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ እንተይኮነስ ንኻልኦት ኣሕሊፎም ክሸጡ ስለ ዝደልዩ እዮም።

እዚ ንኸሳኽዑ ድማ ዶላር ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናበተኑ እዮም ዘለዉ። እቲ መንእሰይ ድማ ዝተወሰነ ዶላር እንተረኺቡ ሕንፍሽፍሽ ካብ ምፍጣር ንድሓር ዝብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኢኮኖሚና ስለ ዝወደቐ እዩ። ከምዚ ዝገብር ወለዶ ድማ ናይ ገዝኡ ጥቕሚ እዩ ዝርኢ’ምበር ናይ ርሑቕ ኢትዮጵያ ኣይርእይን። እቲ ወለዶ ንምንታይ እዩ ከምዚ ዝገብር ዘሎ እንተይልና ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ወለዶ ብዝግባእ ታሪክ ወለዲ ከየምሀርናዮም ብምፅናሕና እዩ። ዝተማሃሩ ኣብ ደርጊ ግዜ ተረሺኖም። ካብኡ ቐፂሉ ዝመፀ ድማ ሓዱሽ ወለዶ እዩ። እዚ ወለዶ እዚ ድማ ንወለዱ ዘየኽብርን ዘይፈርሕን እዩ። ተማሃራይ መምህሩ ዝደፍር፣ መምህር ድማ ብኣግባቡ ንተማሃራዩ ዘየምህር እዩ ዘሎ።

ስለዚ ናይ ለብዘበን 27 ሚያዝያ ዝኽበር በዓል ‹መዓልቲ ዓወት› ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብ ክልላት’ውን ንኽኽበር ማሕበርና ኣብ ምንቕስቓስ እዩ ዘሎ። እዚ በዓል እዚ ኣብ ዝኽበረሉ ግዘ ብዋናነት ናይቲ በዓል ትርጉምን ታሪኽን ዝፈልጡ ከምኡ ‘ውን ዓበይቲ ዓዲ ክርከቡ ትፅቢት ይግበር። ንትውልዲ ግቡእ ታሪኽ ዝመሓላለፈሉ በዓል እዩ ዝኸውን። በዓል ዓድዋ በቢ ዓመቱ ስለ ዝኽበር እቲ ታሪኽ ናብ ህዝቢ ሰሪፁ እዩ። ለብዘበን ኣብዝተኸበረሉ በዓል ዓድዋ እቲ ህዝቢ ብዝግባእ ኣኽቢርዎ እዩ። ብተመሳሳሊ እዚ በዓል ‘ውን ናብ ትውልዲ ብዝግባእ ንኽመሓላለፍ እናተሰርሐ መፂኡ እዩ። ሕዚ’ውን ትውልዲ ብዝግባእ ነቲ ታሪኽ ንኽርዳእ ክስራሕ እዩ።

ወጋሕታ፡- በዓል ‹መዓልቲ ዓወት› ምኽባሩ ዝህቦ ረብሓ እንታይ እዩ? እቲ ወለዶ ኸ እንታይ ክመሃር ይኽእል?

ልጅ ዳንኤል፡- እዚ በዓል እዚ በብዓመቱ ክኽበር እንተሎ ትውልዲ ባህሉ፣ መንነቱ፣ ክብሩ ንኽፈልጥን ንኽርዳእን ሓጋዚ እዩ። ናይ ሕዚ ወለዶ መንነቱ ክፈልጥ ዝኽእል ናይ ወለዱ ታሪኽን ጅግንነትን ክማሃርን ክርዳእን እንተሎ እዩ። ኢትዮጵያ ነንርእሳ ናብ ሕንፍሽፍሽን ክትኣቱን ብናይ ደገ ሓይሊ ክትውረርን ዘይተሓሳበሉ ግዜ የለን። ህዝቢ ግና ሃገሩ ስለ ዝፈቱን ካብ ወለዱ ዝወረሶ

 ታሪኽን ጅግንነትን ስለ ዘሎ ሃገሩ ክትንካእ ኣይፈቱን። ትግራይ ክትንካእ እንተላ ጎጃም ስኽ ኢሉ ኣይርእን። ትግራይ’ውን ጎጃም ክትንካእ ከላ ስኽ ኢሉ ዝርኢ ኣይኮነን፤ ኣብ ጎንደር ዘሎ ህዝቢ ወላይታ ወይ ወለጋ ክንካእ ከሎ ስኽ ኢሉ ኣይርእን። ብኻሊእ ውሽጣዊ ጉዳይ ክፃላእ ይኽእል እዩ፤ ብሃገር ጉዳይ ግና ኩሉ ሓደ እዩ። ዋላ ሕዚ’ውን እንተኾነ ሃገሩ ኣሕሊፉ ዘይህብ ወለዶ እዩ ዘሎ። እዚ ጅግንነት እዚ ብፍላይ ካብ ሃፀይ ቴድሮስ ዝጀመረ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ዋላ ከም ናይ ፃዕዱ ትምህርቲ ዝተማህረ ኣይኹን ናይ ባዕሉ ትምህርቲ፣ ታሪኽ፣ ባህሊን ጥበብን ኣለዎ እዩ።

ወፃእተኛታት ከመይ ኢሉ እዩ ልዕሊ 80 ብሔር ሓድነቱ ኣጣናኺሩ ዝነብር ዘሎ ብምባል ይግረሙ እዮም። እዚ ክኾነሉ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ድማ ታሪኽን ጅግነንነትን ወለድና ዓቒብና ብምምፃእና እዩ። ስለዚ እዚ በቢ ዓመቱ ዝኽበር ዘሎ በዓል መዓልቲ ዓወት ትውልዲ ባህሉን ጅግንነት ወለዱን ሓልዩ ንቕድሚት ክጎዓዝ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ጅግንነትን ታሪኽን ካብ ምዝካር ሓሊፉ ሓድነት ኣብ ምጥንኻር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ። ሕሉፍ ታሪኽ ምፍላጥን ብዝግባእ ምርዳእን ኣብ ወለዶ ዝፈጥሮ ሃገራዊ ስምዒት ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ እዚ በዓል እዚ ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ እዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ ብግዝያዊ ጥቕሚ ተፃሊኡ ጥቕሚ ሃገሩ ንናይ ደገ ፀላኢ ኣሕሊፉ ዝህብ ኣይኮነን። ሃገር ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘቕርብ ትውልዲ ኣይኮነን። ብርግፅ ሓደ ሓደ ብናይ ደገ ገንዘብ ተገዚኦም ዝሙኩሩ የለውን ማለት ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ንሱ ንግዚኡ’ምበር ጥቕሚ ሃገሩ ንሓዋሩ ኣሕሊፉ ዝህብ ኣይኮነን። ትውልዲ ካብዚ በዓል እዚ ጅግንነት፣ ሓቦን ፅንዓትን ወለዱ ክማሀር ይግባእ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ደገ ፀላኢ እንተጋጥሞ ሓቢሩ ሓድነቱ ዓስጢሙ ዝምክት ህዝቢ እዩ። ታሪኽ ዝፈለጥ ትውልዲ ኩሉ ግዜ ኢትዮጵያ እናኽበራ እዩ ዝነብር። እዚ በዓል እዚ ኣብ መንጎ ብሄራት ኢትዮጵያ ሓድነት ንምፍጣር ዝሕግዝ እዩ። ስለዚ እቲ ማሕበር ታሪኽ ቐዳሞት ወለዲ ንትውልዲ ብዝግባእ እናማሓላለፈ መፂኡ እዩ። ሕዚ ‘ውን ንቐፃሊ ወለዶ ንምምሕልላፍ እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።

ወጋሕታ፡- ‹መዓልቲ ዓወት› ምኽባር ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣጋጢምዋ ዘሎ ናይ ዘይ ምርግጋዕ ኩነታት አብይ ግደ ክህልዎ ይኽእል? ወይ ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ ብወገን መንግስቲ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ልጅ ዳንኤል፡– ኣብ ኢትዮጵያ ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ዘይምርግጋዕ ነይሩ እዩ። ሃገርና ካብ ድኽነት ክሳዕ ዘይወፀት ግዜ እዚ ፀገም መሊኡ ክጠፍእ ኣይኽእልን። ኮይኑ ግና እዚ ዘጋጥም ዘሎ ዘይምርግጋዕ ሃገር ካብ ዘይምፍታው እንተይኮነስ ናይ ጥቕሚ ጉዳይ እዩ። ሰባት ብጥቕሚ እናተዓሸዉ እዮም ኣብ መንጎ ህዝቢታት ሽግር ዝፈጥሩ ዘለዉ። ናይ ደገ ፀላእቲ ብገንዘብ እዮም ንዚ ወለዶ እናዐሸቡ ሃገርና ከይትረጋጋዕ ዝገብሩ ዘለዉ፤ ወለዶ ድማ ምእንቲ ጥቕሙ ክብል ፀገም ካብ ምፍጣር ኣይዕገስን። ስለዚ ክንገብሮ ዘለና መንእሰይ ስራሕ ክንፈጥረሉ ኣለና። ኢኮኖሚ ንምቑፅፃር እዩ ጎንፂ ዝፍጠር ዘሎ። ብኢኮኖሚ ኣብ ዝማዕበሉ ሃገራት ከምዚ ዓይነት ፀገም ዳርጋ የለን።

 ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘይምርግጋዕ ዋና ፍልፍሉ ድኽነት እዩ። ካሊእ ኣብ ተወሰኑ ፖለቲከኛታት ኣነ እየ ዝበልፅ ዝብል ንሕንሕ ዝወለዶ እዩ። ስለዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ፀገም ሰብ ሰራሕ’ምበር ካብ ውሽጢ ዝፈልፈለ ኣይኮነን። ናይ ውሽጢ ሕማም እንተዝኸውን ነይሩ ክሳብ ሕዚ ተዋዲእና ከንህሉ ነይርና ኢና። እዚ ፀገም ንምፍታሕ ግና ወለዶ ብዝግባእ ክቕረፅ ኣለዎ። እዚ ንሕና ከምዚ ዓይነት ህዝባዊ በዓላት ኣብ ነኽብረሉ እዋን ንሃገርን ወለዶን ዝጠቕሙ ትምህርቲ ነማሓላልፍ ኢና። ስለዚ ሃገር ማለት እንታይ ማለት ምዃኑ እቲ ወለዶ እንተፈሊጡ ሃገር ንምርግጋዕ ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ። ትውልዲ ክቕረፅ እንተኾይኑ ድማ ካብ ስድራ እዩ ዝጅምር። ናይ ውሽጢ ፀገም ብምዝርራብን ብኢሂን ምሂን ክፍታሕ ይግበኦ። ከምዚ ክኸውን ዝኽእል ግና ስድራ ክቡር ባህልናን ታሪኽናን ከምህር ከሎ እዩ። ካሊእ ኣብ ቤት ትምህርቲ ትኽክለኛ ታሪኽ ክማሃር እንተሎ እዩ። እቲ ሕብረተሰብ ድማ ኣብ ዝገብሮ ማሕበራዊ ጉዳይን ጎስጋሳትን ኢትዮጵያውነት መንፈስን ንዜጋ ብዝግባእ ከምህር ይግበኦ።

ወጋሕታ፡- እቲ ማሕበር ክጠናኸር ብመንግስቲ ይኹን ብኣኹም ወገን እንታይ ይስራሕ ኣሎ? ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ህንፃ መስርሒ ነዚ ማሕበር ሂቡ ነይሩ። እዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

ልጅ ዳንኤል፡- ማሕበርና ብዛዕባ ታሪኽ ኢትዮጵያ፣ ትምህርቲ ሓዘል ዝኾኑ መልእኽታት ኣብ ከም ህዝባዊ በዓላት እነሕልፍ ኢና። ብፍላይ ናብ ሚድያ ኣብ ንቐርበሉ እዋን ታሪኽ እናምሀርና ኢና። ስለዚ እዚ ማሕበር ንሃገር ዘለዎ ጥቕሚ መንግስቲ ብዝግባእ ተረዲኡ ሓገዝ ይገብረልና ኣሎ እዩ። ከም ዝበልካዮ ንህንፃ መስርሒ ዝኸውን መሬት’ውን ሂቡና ኣሎ። ካርታ ተዋሂቡና ንምስራሕ እናተዳለውና ንርከብ። ኮይኑ ግና ሓደ ሓደ ዝስተኻኸሉ ነገራት ስለ ዝነበሩ ክሳብ ሕዚ ስርሑ ኣይጀመረን። ኣብ ቐረባ እዋን ህንፀቱ ክጅምር እዩ ዝብል ተስፋ ኣለኒ። መንግስቲ ነዚ ማሕበር እዚ ንምጥንኻር ኢሉ ብገንዘብ ይኹን ንህንፃ መሬት ብምቕራብ ዝገብሮ ዘሎ ሓገዝ ክምስገን እዩ ዝግበኦ።

መንግስቲ ብዝገብረልና ዘሎ ሓገዝ መሰረት ሙዝየምን ቤተ መፃሕፍትን ብምስራሕ ትውልዲ ዝመሃረሉ ኩነታት ንምምችቻው እናሰራሕና ኢና ንርከብ። ኣብ ክልላት ‘ውን ቦታ ስለ ዘለና ነዚ ኣጣናኺርና ኣብ ክልላት ዝርከቡ ደቒ ሓርበኛታት ትምህርቲ ይኹን ብኢኮኖሚ ዝጠናኸርሉ ስራሕ እናሰራሕና ኢና ንርከብ። ስለዚ ማሕበርና እናተጣናኸረ እዩ ዘሎ። ፍልፍል እቶት ሕብረተሰብ ንምዕባይ’ውን’ ክንሰርሕ ኢና። እዚ ንምስኻዕ ብዙሕ ዝተተለሙ ስራሕቲ ኣለዉ። ናይ ሓሙሽተ ዓመት ትልሚ ኣሎ እዩ። ንሱ ምስ ሙሁራን እናተማኻኸርና መስመሩ እንተትሕዚናዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ዋላ ደቂ ሓርበኛታት ኣይኹኑ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓርበኛ ስለ ዝኾነ ተጠቓሚ ዝኾነሉ መገዲ ክንሰርሕ ኢና። ሰላም ቕነ!

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየለይ።

ልጅ ዳንኤል፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You