‹‹ናይ ሰላም ሙሩኽ ምዃን ጅግና ምዃን እዩ›› ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ ገብረመስቀል

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ ገብረመስቀል ካብ 1968 ዓ.ም ጀሚሮም ናብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝተፀመሩን ሙሉእ ሂወቶም ዳርጋ ክባሃል ዝከኣል ኣብ መከላኸሊ ሃገር ዘሕለፉ እዮም። ወታደራዊ ጉቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ ዝመፁ እንትኾን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ንኸባቢ ኣርባዕተ ዓመታት ሓላፊ ዓቃቢ ሰላም ኮይኖም አገልጊሎም። ከምኡ’ውን ብ2005 ዓ.ም ኣብ ደቡብ ሱዳት ዝነበረ ዘይምርግጋእ ናብ ንቡር ንምምላስ ንኽልተ ዓመት ሰሪሖም እዮም። ናብ ቃልሲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ እንትፅንበሩ ናይ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ምስወድኡ ነይሩ። ሐዚ ግን ብሰላምን ፀጥታን(peace and security) ማስትሬት ዲግሪ ተመሪቆም ጥሮታ ክሳብ ዝወፁ ሃገራዊ ግቡኦም ብዝግባእ እናተዋፅኡ መፂኦም ኢዮም።

ሐዚ ኣብ ሃገርና ምስ እዚ ሰሜን ተተሓሒዙ ብዝተፈጠረ ፀገም ንሓደ ብሄር ተይኮነስ ንነፃነትን ዲሞክራሲን ሃገር ንኸገልግሉ መንግስቲ ዝገበረሎም ፃዊዒት ተቐቢሎም እናሰርሑ ካብ ዝረከቡ ጀነራላት ሓደ እዮም። ሐዚ ኣብ ክልል ትግራይ መተሓባበሪ ኮማንድ ፖስት ኾይኖም እናሰርሑ ይርከቡ፡፡ ብዛዕባ ኣብ ወድዓዊ ኹነታት ክልል ትግራይ ብዝምልከት ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና፤ ሰናይ ንባብ፡፡

ወጋሕታ፡- ፈለማ እሶም ኣፍቲ ሐዚ ዘለውዎ ናይ ሓላፍነት ቦታ እንትምደቡ ኹነታት ትግራይ እንታይ ይመስል?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡- ኹነታት ትግራይ ኹሉ ከምዝፈልጦ እቲ ጎንፂ ካብ ዝጅመር ሽዱሽተ ኣዋርሕ ገይሩ ኣሎ፤ኣነ ናብዚ ስራሕ ክመፅእ ከለኹ’ውን እቲ ጎንፂ ኣይተወደአን ነይሩ። እቲ ፃዕሪ ዝግበር ዝነበረ ብፍላይ ብሓይሊ መከላኸሊ ሃገር እቲ ጎንፂ ጠጠው ንኽብል እዩ ነይሩ፤ ይኹን’ምበር ሐዚ ዘሎ ኹነታት’ውን እቲ ጎንፂ ተዛዚሙ እዩ ምባል ኣይከኣልን። በብኸባቢኡ ጎንፅታት ኣለዉ፤እቶም ጎንፅታት ድማ መልክዖም ዝቐየሩ እዮም።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ወድዓዊ ኹነታት ትግራይ እንታይ ይመስል?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡– ኣፍቲ ናይ መጀመሪያ ጎንፅታት ዝነበሩ ፀገማት፤ ብፍላይ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኣዝዩ ዓብዪ ጉድኣት በፂሑ፤ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ፀልማት እዩ ነይሩ፤ኹለመዳያዊ ርክብ ኣይነበረን። ብፍላይ ግልጋሎት ባንኪን ውሃብቲ ትካላትን ኣይነበሩን፤ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ባንኪ ኣብ ኹሉ ተዘይበልና’ውን ኣፍተን ዋና ከተማታት ስራሕ ጀሚሩ እዩ። ምስ ምቕያር ሓዱሽ ቕርሺ ተተሓሒዙ ኹሉ ተቐይሩ ናብ ግልጋሎት ተኣትዩ እዩ። መብራህቲ ብዝምልከት ድማ ሓይሊ መብራህቲ ስራሕቲ እናጠናኸሩ እዮም ዝርከቡ። ኣብ መብዛሕትኡ እቲ ክልል ተባፂሑ እዩ፤ብፍላይ ከተማታት ናብ 80 ሚኢታዊ ይኸውን እዩ፤ብተመሳሳሊ ኣብ ቴሌኮም በፂሑ ዝነበረ ጉድኣት እንትነፃፀር ብዙሕ እዮም ሰሪሖም። እቲ ኣፀጋምን ኣዝዩ ዓብዪ ጉድኣት ዝበፅሖን መንገዲ እንትኸውን ብፍላይ ድልድላት ተጎዲኦም እዮም። እዚ ድማ ኽረምቲ ከይኣተወ ንምስራሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ፅቡቕ ኽያዶታት ንምግባር ጥንክር ዝበሉ ጉጅለታት ስራሕ እናካየዱ ይርከቡ።

ኻሊእ ኣብ ሕብረተሰብ ዝርኣዩ ፀገማት እዮም፤ብዙሕ ተመዛባሊ እዩ ዘሎ፤ንዑኡ ዘድልይዎ ሰብኣዊ ሓገዛት ብፍላይ መፅለልን ምግብን መሰረታዊ እዮም። ኣብ ምግቢ እንተርኢና ዳርጋ መብዛሕትኡ እናረኸበ እዩ። ናይ መጓዓዓዚ ፀገም እንተዘይኮይኑ መንግስቲ ‘ውን ፅቡቕ ኣስተዋፅኦ ብምግባሩ እቲ ዘሎ ትሕዝቶ ፅቡቕ እዩ። ኣብ መድሓኒትን መፅለልን ግና ሕፅረት ኣሎ እዩ፤ብፍላይ ኣብ መፅለሊ ምስ ኽረምቲ ተተሓሒዙ ዘፍርሐና ጉዳይ እዚ እዩ።

ወጋሕታ፡-ሰብአዊ ድጋፍ ብዝምልከት ናብ ተመዛበልቲ ንኽበፅሕ ኣብ ዝግበር ርብርብ ዘጋጠሙ ፀገማት እንተሃልዮም ይግለፁልና?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡– ምስቲ ዘሎ ተመዛባላይ ህዝቢ ክነፃፀር ከሎ 70 ሚኢታዊ ምክፍፋል ረድኤት ብመንግስቲ ፌደራል እዩ ዝስራሕ ዘሎ። ብመሰረት ዘለኒ መረዳእታ መንግስቲ ፅቡቕ ኣቕርቦት ገይሩ እዩ፤ካብዚ ወፃኢ ዘለዉ ገበርቲ ሰናይ ብዙሕ ይተርፎም እዩ። ፅቡቕ ጅማሮ ዝነበሮም ነይሮም እዮም ይኹን’ምበር ኣብ መንጎ 30 ሚኢታውን 70 ሚእታውን ዘሎ ኣፈላላይ ዘለዎ እንተኾነ’ውን፤እቲ ዘለና መኸዘኒ ቦታ ሓደ ጥራሕ እዩ እሱ ‘ውን ኣብ መቐለ እዩ፤ኣብዚ ሐዚ እዋን ተመዛባላይ ጥራሕ ዘይኮነስ ዳርጋ መብዛሕትኡ ረድኤት ዝደሊ እዩ። ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብ ሽረ ብዙሕ ተመዛባላይ እዩ ዘሎ፤ ቐፂሉ ኣኽሱም፣ዓድዋ’ውን ብዙሕ እዩ ዘሎ። ስለዝኾነ ኻልኣይ መሰራጨዊ ማእኸል ኣብ ኣኽሱም ንምኽፋት ኢና ሓሲብና ዘለና ። ኽረምቲ ከይቐደመና ፃዕሪ እናገበርና ኢና። እቲ ኻልእ ድማ ረድኤት ንምብፃሕ ኣብ ዝግበር ኸይዲ ፀገማት ኣለዉና እዮም፤እዚኣቶም እናተጋፈጥና ኢና ዘለና ማለት እዩ።

ወጋሕታ፡- ናይቲ ክልል መንግስታዊ መሓውር ካብ ክልል ስጋብ ወረዳ በፂሑ ድዩ? ተግባራዊ ለውጢ ኣብ ምርኣይ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡- እቲ ጎንፂ ኣብ ዝተሓሰበሉ እዋን ብዘይ ምውድኡ እቲ መሓውር’ውን ብኡ ልክዕ ፅዕንቶ እናበፅሖ እዩ ዘሎ። ኣብዚ ዓብዪ ክፍተት እዩ ዘሎ። ምኽንያቱ መሓውር ምምሕዳር ኣብ ተጣየሸሎም ምስኣቶም ቐዋሚ ዝኾነ ናይ ፀጥታ ሓይሊ ኣብ ዘይብሉ ስራሕቲ ይጅመሩን ይቋረፁን እዮም። ስለዝኾነ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ገና ኣይተዓረየን። ኣብ ወረዳ ይኹን ኣብ ጣቢያ ፀገማት ኣለዉና። እቲ ሰራሕተኛ ፅቡቕ ናይ ስራሕ ድሌት እንተሃለዎ’ውን ብፍላይ ኣብ ወረዳ ገና ኣይተዓረየን። እቲ ቀንዲ ፀገም ድማ ፀገም ፀጥታ እዩ ። እዚ ንምፍታሕ ድማ ኣፍቲ ኸባቢ ፀጥታ ዝሕልዉ እናጣየሽና ኢና፤ብዙሕ ይተርፎ እዩ። ኣብ ዞባን ኣብ ክልልን ፅቡቕ ዝኾነ ኽያዶታት እዩ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- ኣፍቲ ክልል ዘሎ ጉዳይ ሹመትን ካብ ሹመት ምውራድን ኣዘራራቢ እናኾነ እዩ፤እቲ መንቀሊኡ እንታይ እዩ?ሐዚኸ ኣብ ምንታይ ኹነታት ይርከብ?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡– እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኹሎም መሓውራት ምምሕዳር ምፍራሶም እዩ። ኣነ ዝርድኣኒ ሰብ ካብዝን ካፍትን ተኣኻኺቡ ካብ ዞባ ይኹን ካብ ክልል ምንቅስቓሳት እናተገበረ ከምዝነበረ እዩ። ኣብ ውሽጢ ፀገም ኾይንኻ ስራሕ ምስራሕ ኸቢድ እዩ። እቶም ሰባት ምንቅስቓሶም ኣይተርፍን ፤ ኮይኑ ግና እቲ ስልጣን ዝተውሃቦ ሰብ ብኣግባቡ እንድሕር ዘይሰርሐ እቲ ስልጣን ዝሃቦ ሰብ ከልዕሎ መሰል ኣለዎ እዩ። ኣነ ብዝርድኣኒ እቲ መንቀሊ ምኽንያት ስራሕን ውፅኢት ስራሕን እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 24 ሰዓት ምስራሕ ዝሓትት እዋን ብምዃኑ ኣብ ባይታ ዝግበሩን ዘይግበሩን ነገራት ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ ፈለማ ክወሃቦ ዝግባእ እቲ ሕብረተሰብ እዩ፤ከምቲ ዝበልኩኺ ምምዝባል ዘለዎ፣ ጥምየት ዘለዎ፣ ሞት ዘለዎ ከባቢ እዩ። በዚ ድማ እቲ ኣመራርሓ ዝኸኣለ ኽኢሉ ንኽሰርሕ ግድን እዩ፤ኽኢሉ ንምኻድ ተዘይክኢሉ ዝኾነ ሰብ ልዕሊ እቲ ግቡእ ኣይኮነን ፤ስልጣን’ውን እንተኾነ። ስለዝኾነ ኣነ ሰላም ንኽመፅእ ናይ ባዕለይ እጃም ክዋፃእን እቲ ቐፃሊ ኸይዲ ናይ ዓርሰ ምምሕዳር መረፃ ገይሩ እስካብ ዝመሓደር ንግዙኡ እቲ ዘሎ ነገር ምምችቻው እዩ። ኣብዚ ተረዳዲእኻ ምቕፃል እዩ፤እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኹሉ ናይ ምግባር ስልጣን ዘለዎ እዩ። እቲ ኮማንድ ፖስት ድማ ምስቲ ኣብኡ ዘሎ ናይ ፀጥታ ኣካልን መከላኸሊ ሰራዊትን ኾይኑ ብሓባር እዩ ዝሰርሕ።

ስልጣን ብዝምልከት ዝሸውምን ዘውርድን እቲ ሲቪል ጊዚያዊ ምምሕዳር እንትኸውን ናይ ሹመት ደብዳበ ይህብን ዝሃቦ ድማ ይወስድን፤ ምስቲ ኮማንድ ፖስት ድማ ሓበራዊ ጉዳያት የፍልጥን ይዝትን እዩ። እቲ ዋና ስራሕ ናይ ኮማንድ ፖስት ግና ድኽመትን ጥንካረን ሓፈሻዊ ጉዳያት ማለት’ውን ናይ ፖሊሲ ክኸውን ይኽእል ናይ ፀጥታ ከምኡ’ውን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝን ልምዓትን እዩ።

ዋና ስራሕቲ ኮማንድ ፖስት ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ንህዝቢ ንክባፅሑ፣ህንፀት ሰላም ምክያድ ፣ንህዝቢ ግልጋሎት ውሃብቲ ትካላት ስራሕቶም ንክሰርሑ ምሕጋዝ ከምኡ’ውን ስራሕቲ ልምዓት ንክካየዱ ኩነታት ፀጥታ ምችው ምግባር እዩ። ስለዚ ስልጣን ብዝምልከት ብዋናነት ዝምልከቶ እቲ ሲቪል ም ምሕዳር እዩ።

ወጋሕታ፡-ናይቲ ክልል ሲቪል ምምሕዳር ስርሑ ብግቡእ ንኽሰርሕ እንታይ ድጋፍ ይግበረሉ ኣሎ?ምስ ፀጥታ በጀት፣ናይ ስራሕ ዕድል ፈጠራን?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡– ምስ በጀት ዝተተሓሓዙ ቐዳማይ ብመንግስቲ ፌደራል ዝተትሓዙ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ኣለዉ፤እዚ ማለት ብቤት ፅሕፈት ፌደራል ዝስርሑ ኣብ ምፅጋን መሰረተ ልምዓት ትኹረት ገይሮም ዝሰርሑ እዮም። ኣንሕና ምስኣቶም ኾይና ኣብ ፀጥታ፣ መረዳእታ ኣብ ምልውዋጥን ምድጋፍን ስራሕና እዩ። ኻሊእ እቲ ክልል ብብዕሉ ናይ ሰራሕተኛታት መሃያን ሓገዝ ሰብኣዊ ረድኤትን እንተርኢና ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ስራሕቲ ንምድጋፍ ፃዕሪ ይግበር እዩ። ምስ መሃያ ተተሓሒዙ ድማ በጀት እንትምደብን ናብ ባንክታት  እንትኣትውን ብመዳይ ፀጥታ ንሕግዝን እቶም ናይ ውልቀ ትካላት’ውን ስራሕቲ ይሕግዙ እዮም፡፡ኣንሕና ድማ እዚ ናይ ምቅንጃውን ናይ ምብርትታዕን ስራሕቲ ንሰርሕ ኢና ማለት እዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ሓደሓደ ዓለምለኸ ትካላት ጥምየት፣ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮን ዝኣመሰሉን ከም መሳርሒ ኣፅዋር ኲናት ኣብ ጥቕሚ እናወዓሉ እዮም ይብሉ፡፡ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለኩም?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡– ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ብርክት ዝበለ ተመዛባሊ ኣብ መዕቖቢ ካምፕ ይርከብ፤ብዙሕ ይተርፈና እዩ፡፡ብፍላይ ኣብ ጥዕና ጣብያታት ዘሎ ክፍተት ምስ ትካላት ጥዕና ኣተሓሒዝና እተን ዓመፅ ዝተገበረን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጥዕና ትካል ኣትየን እናተሓከማ እየን ዝርከባ፡፡እዚ ዘረጋግፁ ድማ እቶም ሓካይም ስለዝኾኑ እናፃረይዎ እዮም፡፡ ብፍላይ ግና ናብ መዕቖቢ ካምፕ ዘይመፀ ብጥምየት ዝጉዳእ ኣሎ፤ቐደሙ ‘ውን እንተኾነ ኣብ ትግራይ ከባቢ 2 ሚሊዮን ተጠቃሚ ሴፍትኔት እዩ ነይሩ፤ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ መረበቱ ከይርሓቐ ብስእነት ምግቢ ዝተፀገመ ክፋል ሕብረተሰብ ኣሎ፡፡ንምብፃሕ ‘ውን ዝተፀገምናሉ ኹነታት ኣሎ ፤ብምዃኑ ድማ ጥምየት የለን ዝበሃል ኣይኮነን፡፡

ብሓፈሻ ኲናት እንተሃልዩ ኣሽንኳይዶ ጥምየት ሞት’ውን ኣሎ፡፡ናይ ኲናት ሕማቕ ጎኑ ኹሉ ፀገማት ናብ ሲቪል እዩ ሒዙ ዝመፅእ፤ስለዝኾነ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ፀገም ናይ ግድን እዩ፡፡ናይ ኲናት ጣጣ ግና ሓዱሽ ኣይኮነን ፤እቲ ዋና ከም ፍታሕ ክንሪኦ ዘለና ዕድመ ናይቲ ፀገም እንተዘየሕፂርናዮ ብዙሕ ነገር ሒዙልና ከይመፅእ እዩ ናተይ ስግኣት፡፡ኣብ ዓለምና ረሳሕ ነገር ኲናት ጥራሕ እዩ፡፡

ወጋሕታ፡-ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ጎንፂ ተተሓሒዙ ፀገማት ስነ ልቦንኡ ከመይ ይሪእዎ? ኣብ ምንታይ ኹነታት ይርከብ?

ሌተናል ጀነራል ዮሃንስ፡– ናትና ዓብዪ ስራሕ ብዋናነት ህይወት ምትራፍ ወይ ድማ ምድሓን እዩ ፡፡ ድሕሪ እዚ ድማ ሕክምና የድሊ እዩ ፡፡ብፍላይ ግልጋሎት ምምኻር ስነ ልቦና ኣዝዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ፤ ይኹን’ምበር ዓብዪ ክፍተት ኣለና፡፡ ምንም የለን ክንብል ንኽእል ኢና፤ምስ ሓገዝ ምግቢ ተተሓሒዙ ግና ከምቲ ዝገለፅክዎ እናተሰርሐ እዩ፡፡

ወጋሕታ፡- እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ቐፃሊ ትግራይ ንምርግጋዕ እንታይ ንምስራሕ ተሊሙ?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡- ከምቲ ዝበልክዎ ኣብ ዞባን ኣብ ወረዳን ዘሎ ሓይሊ መከላኸሊ በይኑ ክሰርሕ ኣይኽእልን፤ብፍላይ እቲ ጎንፂ መልክዑ ናብ ዘይስሩዕ ኩናት ስለዝቐየረ ነዚ ዝኸውን ትልሚ ኣድላዪ እዩ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ ተመዛቢሉ ዘሎ ህዝቢ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ሓረስታይ እዩ፡፡ኣድላይ ድጋፍ ተገይርሉ ናብ ማሕረሱ ተዘይተመሊሱ ኸቢድ ስለዝኾነ በዚ መዳይ ክንድቲ እንኽእሎ ክንሰርሕ ግድን እዩ ዝብል ርኢቶ እዩ ዘለኒ፡፡

 ወጋሕታ፡-ንቐፃሊ ኣፍቲ ክልል ዘሎ ዘይምርግጋዕ ዘላቒ ፍታሕ ንኽረክብ እንታይን ብመንን ይሰራሕ?

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡- እዚ ፀገም ኣብ ትግራይ ዝተፈጠረ እንተኾነ’ውን ናይ ኹሉ ፀገም እዩ፡ ፡ናይ መንግስቲ፣ህዝብን ናይ ኹለን ክልላትን ስለዝኾነ ኹሉ ይምልከቶን ፍታሕ ንምንዳይ ድማ ብሓባር ክፈትሖ እጃሙ ከበርክት ኣለዎ፡፡ ኣብዚ እቲ ፀገም ንኽናዋሕ ዝደልዩ ሓይልታት ኣለዉ፡፡ከምኡውን ተፃረርቲ ፓርትታት ፖለቲካ፣ ነቲ መንእሰይ ዘደንግፁ ኣለዉ፡፡እቲ መንእሰይ ግና ካብዚ ዋላ ሓንቲ ዝረኽቦ ጥቕሚ የለን፡፡ ኹላትና ንሰላም ምስራሕ ‘ምበር እቲ ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ኻሊእ ዝፍክረሉ እዋን ኣይኮነን፡፡ክሳራ ጥራሕ እዩ ዝኸውን ክንፈላለይ የብልናን፡፡ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ናቱ ብዘይኮነ ሓሳብ ካብ ጎኒ ብዝንዛሕ ፕሮፖጋንዳ እስካብ ሐዚ ዝተደናገርናዮ ይኣክለና ኢሉ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፡፡ኹላትና ብናይ ትማሊ ክንነብር ኣይንኽእልን፤ ብናይ ሎሚ ንፅባሕ እናሓለምና እቲ ናይ ትማሊ ገዲፍና ንሓባራዊ ረብሓና ጠጠው ክንብል ይግበአና፤ሓባራዊ ረብሓ ማለት ሰላም እዩ፡፡ ሚዲያ ኣብዚ ኣዝዩ ኣሉታዊ ፅልዋ እናሕደረ እዩ፤ ናይ ሰላም ሙሩኽ ምዃን ጅግና ምዃን ማለት እዩ፤እዚ ሓዊ ክቕፅል ዝደልዩ ሓይልታት ንባዕሎም ኣብኡ የለውን፡፡ እቲ መንእሰይ ዘላቶ ተፈጥራዊ ሃፍቱ ህይወቱ ንኽስእን ምግባር ተዘይኮይኑ ጥቕሚ የብሎምን፡፡ንሰላም እንኸፍሎ ዋጋ ሓባራዊ ጥቕምና ዘረጋግፅን ዋና መሰረት ብሄራዊ ጥቕሚ ሃገርና ሰላም እዩ፡፡ኹላትና ሓዋርያ ሰላም ኾይንና እንተሰሪሕና ትግራይ’ውን ሰላም ክትኸውን እያ፤ኹሉ ነገር ክዕረይ እዩ ኢለ ይሓስብ፡፡

ወጋሕታ፡- ንዘነበራና ፃንሒት የመስግን፡፡

ሌተናል ጀነራል ዮውሃንስ፡-የቐንየለይ፡፡

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 28 ሚያዝያ 2013

Recommended For You