ንሓረስታይን ሕርሻ ትግራይን ንሓግዝ

መንግስቲ ፌደራልን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዳግም ህንፀት ትግራይ ትኹረት ገይሮም እናሰርሑ እዮም።ይኹን’ምበር ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ሰፊሕ ፀገም መንግስቲ በይኑ ዘይኮነስ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት፣ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ፣ ብፍላይ ኣብ ዓድን ኣብ ወፃእን ዝነብሩ ተጋሩ ከምኡ’ውን መላእ ኢትዮጵያዊያን ክሕግዙ ይግባእ።ሓረስታይን ሕርሻ ትግራይን ድማ ዚያዳ ክሕገዙ ይግባእ።ኣብ ትግራይ ዝርከብ ህዝቢ’ውን ዋላ’ኳ ፀገማት ይሃልው ጠንኪሩን ተወዲቡን ክተሓጋገዝ ኣለዎ።

ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ሰላም ንምምላስ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ይርከቡ። ዋላ’ኳ ናይ ዳግም ህንፀትን ምጥያሽን ስራሕቲ ይሰርሑ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ኩነታትን ብዝተፈለየ መልክዑ ዘተሓሳስብ እዩ።ብፍላይ ሓረስታይን ሕርሻ ትግራይ ዓብይ ትኩረት ክወሃቦም ይግባእ።ዝመፅእ ዘሎ ክራማት ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2013/14 መሬት ትግራይ ተሓሪሱ ምህርቲ ክሕፈስ ኣለዎ። እዚ እንተዘይኮይኑ ‹‹ ሓደ ሰነ ዝነቐሎ ሸውዓተ ሰነ ኣይመልሶን›› ከምዝብሃል ኣብ ቐፃሊ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዓብይ ፀበባ ከጋጥም እዩ። ፀገም ቅድሚ ምግጣሙ ሎሚ ዘበን ንሓረስታይን ሕርሻ ትግራይ ምሕጋዝ ግድን እዩ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣባዲ ግርማይ ከምዝገልፅዎ፣ ሐዚ ክንዘርእን ክንሓርስን እንተዘይኺእልና ኣብ ዝመፅእ ሰለስተን ሓሙሽተን ዓመታት ኣብ ዓብይ ፀገም ክንወድቕ ስለንኽእል ንሕርሻ ትግራይ ዓብይ ትኹረትን ህፁፅ ሓገዝን ምሃብ የድሊ። እኹል ማዳበርያን ዘርእን የለን።ሓረስታይ ናብ ማሕረስ ንምእታው’ውን ሓገዝ ገንዘብ የድሊ።

ካብ ክልል ስጋብ ጣቢያ ዝነበረ መሓውር ሕርሻ ትግራይ ፈሪሱ እዩ።ንዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እንተንኣሰ ብር 200 ሚሊዮን የድሊ፣ሓገዝ ተዘይተረኺቡ መሓውር ሕርሻ ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብጣዕሚ ከቢድ ይኸውን። ነዚ ናብ ንቡር ንምምላስ ሓገዝ የድሊ።

ኣብ ትግራይ ሕርሻ ንምክያድ ናውቲ ማሕረስ፣ማዳበሪያን ዘርኢን ግድን እዩ።ኮይኑ ግና ንማሕረስ ዝኸውን ኣብዑርን ፣ዘርኢን ማዳበሪያን ክንድቲ ዝድለ የለን።እቲ ምምሕዳርን ቢሮ ሕርሻን ንቲ ፀገም ንምፍታሕ እናፀዓሩ እንተሃለው’ኳ እቲ ፀገም ኣዚዩ ከቢድ ስለዝኾነ ሓገዝ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ዜጋታትን ግድን እዩ።ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንሓረስታይ ትግራይ ዝፈቱ ኣብዛ ናይ ፀበባ እዋን ኣብ ጎኑ ክስለፍ እየ ዝብል ዝኾነ ሰብ ወይ ‘ውን ውዳበ ፈጢሩ ብተግባር ኣብ ጎን ገባር ትግራይ ምኻኑ ከረጋግፅ ዝግብኦ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ብፍላይ ዘርኢ ኣድላይ እዩ። ንብጣዕሚ ዘተጎድኡ ኸባቢታት ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ ትካላት ገንዘብ በምትእኽኻብ ዝተወሰነ ክዕደግ ዋላ’ኳ እንተተገበረ እኹል ኣይኾነን።ዘርኢ በዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ሓገዝ ውሃብቲ 120ሽሕ ኩንታል ንምግዛእ ዘኽእል ሓገዝ ቃል ከምዝተኣተውን፣ ኮይኑ ግን ንሕርሻ ትግራይ 600 ሽሕ ኩንታል ዘርኢ ከምዘድልይን ንዚ ድማ ብር 2.4 ቢሊዮን ከምዘድሊ ዶክተር ኣባዲ ገሊፆም እዮም።ማዳበሪያ ድማ ብውሕነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 800 ሽሕ ኩንታል ዕድጊት ከምተፈፀመ ሓቢሮም።ኮይኑ ግና እዚ እኹል ኣይኮነን።

ብፍላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዕ ሃገርናን ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩ ክሕግዙ ይግባእ።ሐዚ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ሓገዝ’ምበር ጭርሖ ሒዚካ ሰልፊ ምውዓል ኣይኮነን።ንሰልፊ ወፃኢ ዝኾውን ገንዘብ ናብ ዘርእን ማዳበርያን ከምኡ’ውን ንሕርሻ ዝኸውን ኣቡዑር ንምዕዳግ ተዝውዕል ዓብይ ሓገዝ ምኾነ፤ሓረስታይ ትግራይ ምሕጋዝ ፖለቲካ ኣይኮነን።ህዝቢ ካብ ጥሜትን ፀበባን ምድሓን እዩ።

ኣብ ትግራይ ሐዚ ንማሕረስ ዝኸውን ብዕራይ የለን።ሓደ ብዕራይ ንምዕዳግ ካብ ብር 25ሽሕ ስጋብ 30 ሸሕ የድሊ።ዋላ’ኳ ካብ ዕዳጋ ትግራይ ብዕራይ ንምግዛእ ተዘይተኻኣለ ካብ ዝኾነ ቦታ ንምግዛእ ብር 350 ሚሊዮን የድሊ።እዚ ብመንግስቲ ጥራይ ዝከኣል ኣይኮነን፤ስለዚ ሓገዝ የድሊ።

ከም መፍትሒ ሕርሻ ትግራይ ፆሙ ከየሓድርን እኹል ሓገዝ ብምትእኽኻብ ትራክተር ብምክራይ 15ሽሕ ሄክታር መሬት ንምሕራስ ቢሮ ሕርሻ እናተሓሰበ እዩ።ነዚ እውን ብር 120 ሚሊየን የድልዮ። ኣብዚ’ውን እንተኾነ ሓገዝ ተጋሩን ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣድላይ እዩ።ስለዚ ንተሓጋገዝ።

ኣብ ቦትኡ ዘሎን ዝተመዛበለን ሓረስታይ ትግራይ ካብ ካልኦት ዝረኽቦ ሓገዝ ብዘየገድስ በፃዕሩ በርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ።ዝተመዛበለ ናብ ቦታኡ ተመሊሱ እንተናኣሰ ኣብ ቐፃሊ ዓመት ናይ ባዕሉ ዘርኢን ቀለብን ንክህልዎ ክሰርሕ ኣለዎ።ትግራዋይ ብፃዕሩ ዝሓልፈሉ ህዝቢ እዩ፣ኣብዚ እዋን ንእሽተይ ሓገዝ እዩ ዘድልዮ።ኩሉ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ንሓረስታይን ሕርሻ ትግራይ ይሓግዝ።

ወጋሕታ 14 ሚያዝያ 2013 ዓ.ም

Recommended For You