‹‹ጁንታ ህወሓት ሓደ መዓልቲ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን››- ኣይተ ኣንጋው ሲሳይ

ኣይተ ኣንጋው ሲሳይ ካብ 1968 ዓ/ም ጀሚሮመረ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣስተዋፅኦ ዝገበሩ’ዮም። ካብ 1968 እስካዕ 1972 ዓ/ም ኣባል ኢህኣፓ ብምዃን ናብ በረኻ ብምውራድ ዝተቓለሱ እንትኾን፤ ኣብ 1983 ዓ/ም ኢህወደግ መንበረ ስልጣን ምስ ሓዘ ምስ ህወሓት ተፀምቢሮም ምቅላስ ጀሚሮም። ኾይኑ ግና እቲ ውዳበ ኣመሰራርትኡ ፅቡቕ እንተኾነኳ እናፀንሐ ኣካይድኡ ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ክቕፅሉ ኣይከኣሉን። ይኹን ‘ምበር ካብ ህወሓት ምውፃእ ከምቲ ምእታው ቐሊል ስለዘይነበረን ንህይወቶም ‘ውን ኣዝዩ ሓደገኛ ስለዝነበረ እስካዕ 2004 ዓ/ም ምስ ህወሓት ምፅናሕ ወሲነ ቐፂሎም። ድህሪኡ ድማ ካብቲ ውድብ ወፂኦም። ሐዚ ተወካሊ ፓርቲ ኢዜማ ክልል ትግራይ እንትኾኑ ካብ ቐደም ጀሚሮም ንሃገሮም ብዝተፈላለዩ ተሳትፎታት ኣገልጊሎም እዮም። ኣብ ወድዓዊ ኹነታት ብምድሃብ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝገበረዎ ቃለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ሕቶ፡-ካብ ህወሓት ንኽወፁ ዘለዓዓሎም ጉዳይ እንታይ እዩ ነይሩ?

ኣይተ ኣንጋው፡- እቲ ቐንዲ ምኽንያት ህወሓት ናይ ምግንፃል መንፈስ ዘለዎ ስለዝኾነን፤ በዚ መንፅር ድማ እቲ ውዳበ ዝተፈላለዩ ፕሮግራማት ብምውፃእ ናይ ምግንፃል ሓሳበይ ገዲፈዮ እየ ብምባል ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ይነግረና ነይሩ ይኹን’ምበር ኣነ ከምዘይገደፎ ይፈልጥ እየ። ዝፈለጥኹሉ መገዲ ድማ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ኾይነ እንትሰርሕ ሕገ መንግስቲ ናይቲ ክልል እንትረቅቕ ባንዴራ ናይቲ ክልል ብዝምልከት ኣርማ ህወሓት ባንዴራ ትግራይ ይኹን ዝብል ሓሳብ ቐሪቡ ነይሩ፤ ኣፍቲ እዋን ባንዴራ ማለት መግለፂ ሓደ ህዝቢ እዩ፤ ስለዝኾነ ድማ ህዝቢ ትግራይ ክግልፅ ዘለዎ ብናይ ህወሓት 17 ዓመት ቃልሲ ዘይኮነስ ብኣሽሓት ዓመታት ዝቑፀር ታሪኹ እዩ ኢለ፤ በዚ ምኽንያት ድማ ነኺሶም ሒዞምኒ፤ ህዝቢ ትግራይ ልዕሊ ኹሉ ዘደንቕ ጥበብ ምህንድስና ዘምሃረ ከም በዓል ሓወልቲ ኣኽሱም ሰሪሑ ዘፋለጠ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ዓበይቲ ሃይማኖታት መሰረት ዝኾነ፤ ህወሓት ትማሊ መፂኡ ብናይ 17 ዓመት ቃልሲ ክግለፅ ኣለዎ ምባል ኣይኽእልን፤ ስለዝኾነ ኣፍቲ ባንዴራ ኣርማኹም ክትገብሩ የብልኩምን ብምባለይ ምስኣቶም ዝነበረኒ ኣፈላላይ እናገፍሐ መፂኡ።

ይኹን ‘ምበር ብምኽንያት ናይ ሓሳብ ኣፈላላይ ኣብ ልዕለይ ብዙሕ በደል እንተብፁሑለይ’ኳ ኣነ ግን ምስኣቶም እየ ነይረ፤ ምኽንያቱ ገዲፈዮም እንተወፂአ ከብፅሑለይ ዝኽእሉ ነገር፤ ምናልባት ህይወተይ ከስእነኒ ስለዝኽእል ብዝተኽኣለኒ መጠን ካፍቲ መንግስታዊ ዘፈር ንምውፃእ ፈቲነ እየ፤ እግዚኣብሄር ይመስገብ ተሳኺዑለይ እዩ።

ሕቶ፡-ምስ ህወሓት እናሃለዉ ስርሖም እንታይ እዩ ነይሩ?

ኣይተ ኣንጋው፡- ምስ ህወሓት እናሃለኹ ርክብ ህዝቢ ኾይነ እየ ዝሰርሕ ነይረ። ይኾን ‘ምበር ስርሐይ ይኹን ኣካይዳ ህወሓት ኣዝዩ ካብ መስመር ዝወፀን ሱሱዕ ባህረት ዝርኣየሉን ንህዝቢ ጠጠው ኢልና ይብሉ ‘ምበር ዝሰርሕዎ ስራሕ ፈፂሙ ህዝቢ ማእኸል ዘይገበረ ብምዃኑ ኣነ‘ውን ምስቲ ውዳበ ዝነበረኒ ርክብ ንኸቋርፅ ደፊኡኒ እዩ። ኾይኑ ግና ከምቲ ዝበልኩኺ ካብኣቶም ምውፃእ ቐሊል ኣይነበረን። ኣባል ኾይንኺ ኣብ ከምዚ ዝበለ ብርኪ ስራሕ ኾይንኺ ኣብ ዝደለኽዮ እዋን ኣይደልን ኢልኪ ምኻድ ምናልባት እስካዕ ናብ ስድራ ዝበፅሕ ዓብዪ ፀገም ዘእትው እዩ ነይሩ።

ኣነ ድማ ነዚ ተገንዚበ ከመይ ገይረ ክወፅእ ከምዘለኒ ብፍላይ ድማ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ህይወትን ህይወት ስድራይን ብዘይጎድእ መልክዑ ንምግባር እንትሓስብ ፀኒሐ ደሓር ግና ኣብ ሓባሲ ንብዓት ዝበሃ ትካል ብሞያይ ክሰርሕ ስለዝኸኣልኩ ናብዚ ኣትየ።

ኣብዚ ናይቲ ትካል ውሽጣዊ መምርሒ ዝብልዎ ነገር ኣሎ፤ እሱ ድማ ‹‹ሓደ ኣባል ልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ክፍሊት እንድሕር ዘይኸፈለ ብፍቓዱ ከምዝተሰናበተ ይቑፀር››ይብል፤ ኣነ ድማ ነዚ ክፍተት ተጠቒመ ብሰላም ነቲ ትካል ገዲፈ ክወፅእ ኽኢለ እየ።

ሕቶ፡- ራዕዳዊ ህወሓት ምልስ ኢሎም እንትሓስብዎ ብኸምዚ ዝበለ ኹነታት ሃገር ዝኽሕድ ይመስሎም ዶ ነይሩ? ከምዚ ዝበለ እዋን ከምዝመፅእ ሓሲቦምዶ ይፈልጡ?

ኣይተ ኣንጋው፡- ኣፍቲ ፓርቲ ዓበይቲ ምስ ዝበሃሉ ሰባት ይራኸብን ይዛተይን ስለዝነበርኩ እቲ ውዳበ ንኢትዮጵያ ጠጠው ከምዘይበለ ካብ ፈለማ ይፈልጥ ነይረ እየ፤ ምናልባት በዚ መልክዑ እስካዕ ናብ ኲናት ዝኣትውን ሃገርን ህዝብን ሓሚሱ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ተባሂሉ ክፍረጅ እዩ ዝብል ግምት ተዘይሓሰብኩ ‘ውን ሃገር ዝብትን ከምዝኾነ ይፈልጥ ነይረ።

እዚ ዋላ ሓደ ሓዱሽ ነገር የብሉን ፈለማ መንበረ ስልጣኑ እንትቆፃፀር ጀሚሩ ዘርሐቕዎ ሕገ መንግስቲ ደቂ ሓንቲ ኣዶ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ተሰማሚዖም ንኸይነብሩ ዝገብርን ዝነፃፅልን ከምዝኾነ ስለዝፈልጥ እቲ ውዳበ ንሃገርና ከም መንቀርሳ (ካንሰር)ዝርኣይ እዩ።

ብዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ምዝራብ ሓሊፈ ‹‹መልስ የሚሻ የህዝብ ጥያቄዎች›› ኣብ ዝብል መፅሓፍ ብዝግባእ ገሊፀዮ እየ። ህወሓት ማለት ሓድነት ኢትዮጵያ ንኸይጠናኸር ዝሰርሕ ውዳበ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ዕላምኡ ኸሺፍዎ ‘ምበር ምስ ኤርትራ ብምዃን ኻሊእ ሃገር ንምምስራት ዝተለመ ከምዝኾነ ኣንዳዕዲዐ ይፈልጥ እየ።

ስለዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሃገር ንምብታን ምልዓሉ ምናልባት ባህረቱ ብቐረባ ንዘይፈልጡ ሰባት ሓዱሽ ክመስል ይኽእል ይኸውን ትፅቢት ዝግበር እዩ። ኾይኑ ግና እቲ ዝሓሰብዎ ነገር ከም ደበና ተኒኑ ከምዝተርፍ እቶም ኣመራርሓ ብዝግባእ ዝፈልጥዎ ጋህዲ እዩ።

ሕቶ፡- ናብ ኢዜማ ብኸመይ ተፀ ምቢሮም?

ኣይተ ኣንጋው፡- ናፍቲ ፖለቲካዊ ውዳበ ብ2009 ዓ/ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ መፃኹ እየ ተፀምቢረ። እቲ ዝመፃኹሉ ዋና ምኽንያት ኣብ ትግራይ ኣሽንኳይዶ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ክትኸውን ብዘይካ ህወሓት ምሕሳብ ዘይከኣል ስለዝኾነ እስካዕ ናብዚ ዝመፅእ ክቃለሶም ኣይኸኣልኩን ነይረ። ኾይኑ ግና ካብ ህወሓት ወፃኢ ዝኾነ ፓርቲ ፖለቲካ ምንቅስቓስ ኣብዘይግበረሉ ክልል ተወካሊ ኾይነ ንኽሰርሕ ተመዲበ እየ።

ሕቶ፡-ካብ ህወሓት ወፃኢ ኻልኦት ፓርትታት ፖለቲካ ቦታ ኣብዘይወሃቦም

 ክልል ትግራይ ተወካሊ ተቓዋሚ ፓርቲ ኾይንኻ ምስራሕ ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ኣንጋው፡- ኣብ ትግራይ ኣሽንዃይዶ ተወካሊ ኣባል ተቓዋሚ ፓርቲ ኾይንካ ምስራሕ ካብ ህወሓት ወፃኢ ምሕሳብ ብዙሕ ነገር እዩ ዘስዕብ። ኣንሕና ድማ ከም ኢዜማ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2013 ዓ/ም ጀሚሩ ቑሩብ ኣብ መቐለ ኢና ተንቀሳቒስና ‘ምበር ናብ ኻልኦት ኣይከድናን።

ኻሊእ ይትረፍ ጊዚያዊ ምምሕዳር ተባሂሉ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዝተሸመ ኣካል እኳ ንሽሙ እዩ ነይሩ፤ ምምሕዳር ህወሓት ዝተቖፃፀሮ እዩ ነይሩ። ብምዃኑ ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ከም ፓርቲ ተቓዋሚ ምንቅስቓስን ንቕሓተ ሕልና ምውሳኽን ዘይሕሰብ እዩ።

ሕቶ፡-ብዛዕባ ጊዚያዊ ምምሕዳር ካብ ኣልዐልና፤ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ ኸይዋፃእ ዕንቅፋት ዝኾኖ ምትሕንፋፅ ዝተፈላለዩ ፓርትታን ኹሎም ድማ ነናይ ባዕሎም ሓሳብን ድሌትን ጥራሕ ንምስኻዕ ብ ምድላዮም ከምዝኾነ ኣመራርሓ ጊዚያዊ ምምሕዳር ከይተረፉ ይገልፁ፤ እሶም ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ እዩ?

ኣይተ ኣንጋው፡- ከምኡ ኣይኮነን፤ እኳድኣስ ዝተፈላለዩ ፓርትታት ፖለቲካ ብትኽክል ተወኪሎም ተዝኾኑ ነይሮም ኣብዚ ሐዚ ዝበፀሕናሉ ብርኪ ኣይምተበፅሐን በሃሊ እየ። ፓርትታት ፖለቲካ ስርሖም ብኣግባቡ ዘይምውፅኦም ድሌቶም ንምፍፃም ብምፅዓሮም ዘይኮነስ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ኣባላት ህወሓት ሙሉእ ንሙሉእ ብዝበሃል ኹነታት ተቖፃፂሮሞ ስለዝነበሩ እዩ።

ንኣብነት ኣብ ክልል ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈታት ሓደሽቲ እንተኾኑ ‘ውን ኣፍቀርትን ደገፍትን ህወሓት እዮም፤ ነዚ መረዳእትኡ ድማ ሐዚ መከላኸሊ ሃገር እንትወፅእ እኳ ትሽዓተ ኣመራርሓ ናይቲ ክልል ኣይንኸይድን ኢሎም ተሪፎም እዮም። ብትሕቲኦም ዝነበሩ ሹመኛታት ‘ውን እንተኾኑ ፈተውቲ ህወሓት እዮም። ብምዃኑ ድማ ንሽሙ ጊዚያዊ ምምሕዳር ተባሂሉ ይፀዋዕ ‘ምበር መልክዑ ዝቐየረ ኣመራርሓ ህወሓት እዩ ነይሩ።

እቲ ዝገርም ነገር ኣንሕና ምስኣቶም እናሰራሕና ፈፀምቲ ስራሕ ህወሓት ዝሰርሕዎ ውዲት እናፈለጥና ክንዛረብ ኣይከኣልናን፤ ደፊርና ዝተዛረብናዮ ‘ውን ሰማዒ ኣይረኸብናን ኣነ ምስ ጊዚያዊ ምምሕዳር ኾይነ እንትሰርሕ ምስ ፈፃሚ ስራሕ ዶክተር ሙሉ ነጋ ኣብ ሓደ ህንፃ ኢና ነይርና ይኹን ‘ምበር ሓደሓደ ነገራት ንምጥቋምን ንምዝታይን በተደጋጋሚ ፈቲነ ነይረ ኣይተሳኸዐለይን። እቶም ሓለውቲ ንባዕሉ ኣባላት ህወሓት እዮም፤ ፈፂሞም ክንራኸብ ኣይደልዩን። ብምዃኑ ድማ ነዚ ምስረኣና ከምዚ ዝበለ መዓልቲ ከምዝመፅእ ንፈልጥ ነይርና።

ሕቶ፡-እሶም ምስ ህወሓት ቕድም ኢሎም ብምስርሖም ሐዚ ‘ውን ኣብ ጊዚያዊ ምምሕዳር ሓላፍነት ወሶዶም ብምስታፎም ሃገርና ዘለትሉ ኹነታት ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ኣንጋው፡- እወ ሃገርና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ወጥሪ እያ ዘላ። መንቀልን መዛዘምን ናይዚ ወጥሪ ድማ ህወሓት ዝሓዞ ፀረ ኢትዮጵያ ቕዋም ሐዚ ፈንዲኡ ብምውፅኡን ኣብ ናይ መወዳእታ ብርኪ ብምብፅሑን እዩ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ጁንታ ኣብ ልዕሊ ሃገርና ኲናት ኸፊቱ እዩ፤ ናቱ ሓሳብ ዘጋውሑ ዝተፈላለዩ ፅንፈኛ ጉጅለታት ድማ ሓሻኽሩ ብምዃን ተሓባቢሮም ሃገር ንምፍራስ ላዕልን ታሕትን እናበሉ እዮም፤ እዚ ክንርኢ ኸለና ህወሓት ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ዘይፈትዎ ሃገርን መንግስትን ዝመርሐን ሐዚ ድማ ህዝቢ ብምብላዕ ሃገር ናብ ዘይትደልዮ መገዲ ፅምኢ ስልጣኑ ንምርዋይ ዝፅዕር ምዃኑ እናርአየ እዩ። ኾይኑ ግና ሃገር ዝገጠማ ፀገም ብናይ ደቃ ዝተሓባበረ ቕልፅም ብምምካትን ህወሓት ንሓንሳእን ንመወዳእታን ንምውጋድ እናኸደት እያ።

እሳቶም ከምዝደልይዎ ኣንሕና ብዓሌትን ብመንደርን ተኻፋፊልና ነንባዕልና እንተተናኺስና እዚ ኣረመኔ ጉጅለ ክንወቕዖ ተዘይኽኢልና ኢትዮጵያ ንሓዋሩ ሰላም ክትረክብ እያ ኢልና ምግማት ኣዝዩ ኸቢድ እዩ። ብምዃኑ ድማ ሰላም ንምርካብን ከም ሃገር ንምቕፃል እቲ ዓብዪ መፍትሒ ህወሓትን ሓሻኽሩን ምውጋድ ጥራሕ እዩ። ምስ ህወሓት ተለሳሊሰ ክቕፅል እየ ማለት ሃገርና ሙሉእ ዘበና ካብ ፀገም ኸይትወፅእ ምግባር ከምዝኾነ ምፍላጥ የድሊ።

ሕቶ፡-ጉጅለ ጁንታ እስካዕ ሐዚ ዓርሱ ተቓላሳይ ሓርነት ትግራይ ከምዝኾነ ገይሩ እዩ ዝሓስብ፤ ብሓቂ እዚ ጉጅለ ህዝበይ ንዝብሎ ህዝቢ ይፈልጦ እዩ ምባል ይከኣልዶ?

ኣይተ ኣንጋው፡– እቲ ዝገርም ነገር ኣነ ካብ ፈለማ ጀሚረ እቲ ውዳበ እንትፈልጦ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ህዝበይ ንዝብሎ ሓሲቡ ኣይፈልጥን፤ እሱ ዝሓስብን ዝሕለቕን ንሓደ ስድራ ጥራሕ እዩ። ንኣብነት ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ካብ ሓደ ኸባቢ ዝመፁን ብዝምድና ዝተኣሳሰሩን እንትኾኑ፤ ዋላ ሓደ ካብ ናታቶም ስድራ ወፃኢ ናፍቲ ውዳበ ይኹን ማእኸላይ ኮሚቴ ዝኣቱ የለን።

‹‹ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ›› ተባሂሉ ምፅውዑ ንባዕሉ የጣዕሰኒ እዩ። ሐዚ ‹‹ጁንታ›› ዝብል መፀዋዕትኡ ትኽክለኛ መፀውዒኡ ኾይኑ እዩ። ብሓፈሻ ጁንታ ህወሓት ሓደ መዓልቲ ‘ውን ንህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሓሲብዎ ኣይፈልጥን።

ሕቶ፡-ኣብዚ ሐዚ እዋን እቲ እከይ ተግባሩ ንምፍፃም ሰገናትን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ ‘ውን ኣረጋውያን ናብ ኲናት እናእተወ እዩ ዘሎ፤ እዚ ኹነታት ምስቲ ቕድም ክብል ዝነበረ ባህረቱ ኸመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ኣንጋው፡- እዚ ኹነታት ሐዚ ንዝሰምዕ ሓዱሽ ሰብ እዩ ዘሐድሾ ‘ምበር፤ እቲ ውዳበ ኣብ ናይ ቐደም ታሪኹ እንተኾነ’ውን ሓንቲ ዘይፈልጡን ትሕቲ ዕድመ ዝኾኑ ሰገናትን ‹‹ማንጁስ››እናበለ እዩ ናብ ዓውደ ኲናት እናእተዎም ዝነበረ።

ጭካነ ናይዚ ጉጅለ ተገሊፁ ኣይውዳእን፤ ቕድም እንትብል ዓርሱ ኽኢሉ ምስጓም እንተኽኢሉ (ዘይሕዘል) ዕድምኡ ኣብ ሕቶ ኣይትውን ነይሩ፤ ቀጥታ ናብ ኲናትን ናብ ስራሕቲ ስለላ እዮም ዘእትውዎም ነይሮም፤ በቲ ዕሸል ዕድሚኦም ናፍቲ ጉጅለ ተፀምቢሮም ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣለዉ እዮም። ስለዝኾነ ድማ እቲ ሐዚ ዝገብሮ ዘሎ ኣመሉ እዩ።

ሕቶ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ምዕራባውያንን ትካላትን ግብረተ ኽፍኣት ናይዚ ጉጅለ ናብ ጎኒ ብምግዳፍ፤ ፅዕንቶ እናዕረፉ ዘለዉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ፤ እዚ ኹነታት ንዐኦም እንታይ የመልክቶም?

ኣይተ ኣንጋው፡- ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ነገር ድሌቶም ዘፈፅም ተዘይኮይኑ ክድግፍዎ ኣይኽእሉን። ኹሉ ግዘ ድጋፎም ዝህቡ ብመንፅር ጥቕሞም ጥራሕ እዩ። ብምዃኑ ድማ ቕድሚ ሐዚ ብዘሎ ልምዲ ህወሓት ተኣዛዚኦምን ምስኣቶም ኾይኑ ዝምዝብር፤ ናብዚ ቦታ ኸይድኻ ተዋጋእ እንትበሃል ንምንታይ ኢሉ ከይሓተተ

 ዝኸይድ እዩ ነይሩ፤ ብሓፈሻ የማናይ ኢዶም ስለዝነበረ ቕድሚ ሐዚ እኳ ብግዕዝይና እንትብዕልዕ ዝተጭበርበረ መረፃ እንትገብር ሓንቲ ከይበልዎ ሓሊፎም እዮም፤ ሐዚ ናቱ ጥፍኣት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢዶም እንትጥቁሙ ዝገርም ነገር የብሉን።

ብምዃኑ ድማ እዚ ጉጅለ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ መጥቀሚ ምብራቕ ኣፍሪካ ስለዝነበረ ኣብዚ ሐዚ እዋን ነቲ ጥቕሚ ንዘይምስኣን ድጋፍ ምግባሮም ዝገርም ኣይኮነን። ብምዃኑ ድማ ፍቕሪ ሃገር ዘለዎ ንባዕዳዊ ገዛኢ እዝኒ ዘይህብን ቦታ ዘይብሉን ኣካል ናብ ስልጣን ደይቡ ማለት ዝስእንዎ ነገር ብዙሕ ስለዝኾነ ክንዲ ዝኽኣልዎ ነዚ ጉጅለ ምድጋፍን ኢትዮጵያን ህዝባን ምድኻም ሕልሞም ከምዝኾነ ኹሉ ዜጋ ክግንዘቦ ይግባእ።

ሕቶ፡-እዞም ምዕራባውያን፤ መንግስቲ ምስ ህወሓት ንኽዛተ ሓሳብ የቕርቡ እዮም፤ እዚ ዘተ ዝብልዎ ዘለዉ ንኢትዮጵያን ንህዝባን እንታይ ማለት እዩ?

ኣይተ ኣንጋው፡- ዘተ እንትበሃል ካብ ፅንሰ ሓሳቡ ጀሚሩ ክንሪኦ ኸለና ሂብካ ምቕባል እዩ። ኢትዮጵያ ሐዚ ይኹን ንሓዋሩ ካብ ህወሓት ሂባ እትቕበሎ ነገር የለን። ምስ ጁንታ ምዝታይ ማለት ንዓና ምስ ዲያብሎስ ምዝታይ ማለት እዩ።

ከም በዓል ሞያ ሕጊ እንትሪኦ ኣብ ሕገ መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ክመሓየሹ ዝግበኦም ነገራት ኣለዉ፤ እቲ ዓብዪ ፀገም ናይዛ ዓዲ ሕገ መንግስቲ ህወሓት እዩ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ሃገር ዝኸፋፈለ ሕገ መንግስቲ እናሃለወ ምስ ህወሓት ክንዛተይ ኣይንኽእልን። እዚ ድማ ድሌት መብዛሕትኡ ህዝቢ እዩ። በዚ ናይ ግብረ ራዕዲ ኣብዮታዊ ዲሞክራሲ ክምራሕ ዝደልይ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብን። ብመንፅር እዚ ምስ ህወሓት ምዝታይ ዘይኮነ ዘዋፅእስ ነቲ ጉጅለ ንሓንሳእን ንሓዋሩን ምውጋድ እዩ ዘድልይ።

ሕቶ፡-ከም ኢዜማ ኣብዚ ጉዳይ ዝሓዝኹሞ ቅዋም እንታይ ይመስል?

ኣይተ ኣንጋው፡- ናይ ኢዜማ ቅዋም ዕላዊ እዩ። ቕድሚ ሐዚ ከምዝተዛረብናዮ ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት መከላኸሊ ፌዴሪኢ ዝነበሩ ቦታታት ለቒቑ

 ምውፅኡ ህወሓት ሃገርና ንምሕማስ ምስ ኻልኦት ኣኽረርቲ ብሄርተኛታት ጥምረት ምምስራት ዝኽእለሉ ኹነታት ክፈጥር ይኽእል ኢልና ነይርና። እዚ ኹነታት ድማ ኣብ ሓድነታዊ ኹነታት ሃገርና ሰላም ኽረጋገፅ ንደልይ እንተኾይንና ብሙሉእ ዓቕምና ተረባሪብና ህወሓት ክነጥፍኦ ከምዝግባእ ፓርትና ይኣምን።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ግዴትኡ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ብውፅኢታውነት ግቡኡ ንክዋፃእ ዘኽእሎ ወተሃደራዊ፣ ዓለምለኸ ርክብን ስራሕቲ ፕሮፖጋንዳን ዓብዪ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ከምዘለዎ ፓርትና ይኣምን። ካብ መረበቶም ንዝተመዛበሉን ረድኤት ንዘድልዮምን ዜጋታት ምሕጋዝ ከምኡ ‘ውን ሃፍቲ ናይ ምትእኽኻብን ምስ ጉዳያት ኢኮኖምን ተተሓሒዞም ክስርሑ ይግበኦም።

ሰላምን ሓድነትን ሃገር ናይ ምኽባር ሓላፍነት ብኣውራ ናይ መንግስቲ ፌደራል ብምዃኑ እቲ ሐዚ ዝተደቀነና ሓደጋ ንምቕልባስ ዝውሰድ ስጉምቲ ንሎሚ ይኹን ንቐፃሊ ወቐሳ ዘትርፍ ውፁእ ሰንሰለት ዘለዎ ብመንግስቲ ፌደራል ብመከላኸሊ ሰራዊት ፌዴሪኢ መምርሒ ወሃባይነት ጥራሕ ክውሰድ ከምዝግበኦ ኢዜማ መግለፂ ሂቡ እዩ፤ ኣነ ብወገነይ ‘ውን ዝኣምነሉ ጉዳይ እዩ።

ሕቶ፡-ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር እናተዋደቐ ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፤ ኹሉ ዜጋን ተነሓናሕቲ ፓርትታት ፖለቲካ ሓዊሱ ክንዲ ዝኸኣልዎ እናገበሩ እዮም ዝርከቡ፤ ብወገን ኢዜማ ዘሎ ምልዕዓልኸ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ኣንጋው፡- መከላኸሊ ሃገር ንምሕጋዝ ፓርትና ዝኸኣሎ ዝገብር እንትኸውን እስካዕ ሐዚ ብር 250 ሽሕ ደገፍ ገንዘብ ዝገበረ እንትኸውን ንቐፃሊ ‘ውን ከም ኣድላይነቱ ደገፍቱ ብምትሕብባር ድጋፍ እናገበረ እንትኸውን ናብ ግምባር ብምኻድ ኣጋርነቱ ንምርግጋፅ ቑርፀኛ እዩ።

ብኻልእ መዳይ ድማ ሉኣላውነት ሃገር ንምኽባር ዝግበር ኲናት ብሓይሊ መንግስቲ ፌደራልን መከላኸሊ ሰራዊትን ጥራሕ ንኽምራሕ ናይ ኢዜማ ድሌት እዩ፤ ምኽንያቱ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ፋኖ ሚሊሻ ፍሉይ ሓይሊ እናተብሃሉ ዝተኣኻኸቡ ኣካላት ነንበይኖም

 ዝንቀሳቐሱ እንተኾይኖም ህዝቢ ሓድነት ንኸይህልዎ ከይገብሩን ፀኒሖም ድማ ምምንጣል ዓወት(ኣነ’የ በዓል ዓወት) ንኸይፍጠር ምጥንቃቕ የድሊ፤ ስለዝኾነ ድማ እቲ ስራሕ ብማእኸል ኽምራሕ ኣለዎ።

ሕቶ፡-ራዕዳዊ ጉጅለ ህወሓት እቲ ኲናት ዋላኳ ኣብ ትግራይ ይጀምሮ ‘ምበር ሐዚ ግና እናስፈሐ ቐፂሉ እዩ፤ እዚ ኣካይዳ ኣንደምትኡ እንታይ እዩ?

ኣይተ ኣንጋው፡- ንውሑዳት እዋናት እንተኾነ ‘ውን ኣብ ኲናት ስለዝነበርኹ እቲ ኹነታት ይርደኣኒ እዩ፤ እዚ ዝዓይነቱ ኣካይዳ ምስፍሕፋሕ ኣንፈት ኲናት ዓቕሚ ንምፍጣርን፤ እቲ ኻሊእ ድማ ኹነታት መንግስቲ ብምርኣይ ሓይሊ ንምብታን ዝዓለመ እንትኸውን፤ እቲ ራዕዳዊ ከምዚ እንተሓሰበ‘ውን ከምዘይሳኸዐሉ ኣንዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ፤ ኣብ ሓፂር እዋን ከምዝሽነፍ ‘ውን ፈሊጡ እዩ።

ሕቶ፡-ህወሓት ኣብ ስልጣን እናሃለወ ራዕዳዊ ኢሉ ፈርጁ ካብ መንጎ ዘሳደዶም ሓደ ኦነግ ሸኔ እዩ፤ ሐዚ ድማ ምስዚ ጉጅለ ጥምረት ፈጢርና ኢና እናበሉ እዮም እዚ እንታይ መልእኽቲ ኣለዎ?

ኣይተ ኣንጋው፡- እቲ መልእኽቲ ግልፂ እዩ፤ ቕድሚ ሐዚ ‘ውን ህዝቢ ዘይፈለጦ ስምምዕነት ነይርዎም እዩ። እሱ ሐዚ ብዕሊ ገይሮሞ ማለት እዩ። ሐዚ ድማ ራዕዳዊ ኢሉ እናሃደኖ ምስዝነበረ ጉጅለ ምጥማሩ ብትኽክል ናብ ራዕዳዊ እናተቐየረ ከምዝኾነ ዘመላኽት ከምዝኾነን ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ነቲ ጉጅለ ራዕዳዊ ኢሉ ምውሳኑ ልክዕ ከምዝኾነ የርእየና።

እዚ ሕብረት ብፍላይ ብናታቶም ዕላማ ምናልባት ንኦነግ እንተሒዝና ድጋፍ ህዝቢ ክንረክብ ኢና ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል፤ በዚ ስምዒት ህዝቢ ብምጉስጓስ መንግስቲ ገልቢጥና ስልጣን ክንሕዝ ኢና ካብ ዝብል ቐቢፀ ተስፋ ዝነቐለ እዩ። ኾይኑ ግና ተስፍኦም ከም ደበና ዘይጭበጥ ልዕሊ ምዃኑ እሳቶም ዝተኣማመኑሉ ኦነግ ሸኔ ሓንቲ ድጋፍ ከምዘይብሉ ዘርእየና መንግስቲ ኣዋጅ ወፍሪ እንትእውጅ ኦሮሚያ ሓዊሱ ካብ ኹሎም ክልላት ናብ

 መከላከያ ዝተፀምበረ መንእሰይ እዩ። ብምዃኑ ድማ ግምት ናይቲ ጁንታ ግጉይን እኳድኣስ ንውድቀቱ መገዲ ዝኸፍት ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ።

ሕቶ፡-እዞም ኽልተ ግብረ ራዕዳውያን ንቃለሰሉ ኢና ንዝብልዎን ጠጠው ንዝበሉሉን ህዝቢ እንታይ ገይረምሉ?ብሓቂ ንህዝቦም ኣገልጊሎም ድዮም?

ኣይተ ኣንጋው፡- ኽልቲኦም ጉጅለታት ህዝበይ ዝብልዎን ዝዝክርዎን ኣብ ፀገም እንትወድቁ ወይ ድማ ብሽሙ ሸቂጦም ከትርፉ እንትደልዩ ጥራሕ እዩ። ኦነግ ሸኔ ቐደም ይኹን ሐዚ ፀላኢ ህዝቢ ኦሮሞ ‘ምበር ፈታዊ ከምዘይኮነ ብተግባር ዘርአየ እዩ። ይኹን ‘ምበር ካብ ውሽጢ ህዝቢ ኦሮሞ ‘ውን ናይቲ ራዕዳዊ ጉጅለ ተግባር ዘይተረድኡ ወይ ድማ ጥቕመኛታት የለዉን ኢልካ ምሕሳብ ኸቢድ እዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና መብዛሕትኦም ግብረተ ኽፍኣቱ እናተረድእዎ ስለዘለዉ ተቐባልነቱ ንውፅኢት ዘብቕዖ ኣይኮነን። ህወሓት ‘ውን ብተመሳሳሊ።

ሕቶ፡- እዚ ፀገም ተቐሪፉ ዘላቒ ሰላም ንኽመፅእ እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ኣንጋው፡- ኹሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ድርድር ከምዘይፈልጥ ሆ ኢሉ ብምልዓል ብተግባር ኣርእዩ እዩ። እዚ ብስምዒትን ብሞራልን ዝተልዓለ ህዝቢ ብትኽክል መሪሑ ናይ ምቅላስ ሓላፍነት ዘለዎ መንግስቲ እዩ። ቕድም ኢለ ከምዝገለፅክዎ ብዝተበታተነ መልክዕ እናመፀ ዘሎ ሓይሊ ብምዕሩይ ኹነታት ዝመርሕ ኣካል ክፈጥር ይግባእ እዚ ድማ ሓይሊ ናይ ምጥቃም ሓላፍነት ናይ መከላኸሊ ሃገር ከምዝኾነ ብምግንዛብ መምርሒ ብምድጋፍ ምስራሕ ግድን እዩ። ንቐፃሊ ግና ካብ ሕገ መንግስቲ ጀሚሩ ክመሓየሹ ዝግበኦም ነገራት ስለዘለዉ ነዚኣቶም ምርኣይ የድሊ። ልዕሊ ኹሉ ግና ሕገ መንግስቲ ከምዘይጠቐመናን እኳድኣስ ከምዘፈላለየና ብተግባር ስለዝርኣናዮ ኣብዚ ዝስርሑ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ብምቕፃል ህዝቢ ዝኣመነሉ ፌደራሊዝም ንኽፈጥር ምስራሕ ኣዝዩ ኣድላዪ ጉዳይ እዩ።

 ትርሓስ ፍቓዱ

ወጋሕታ 27 ነሓሰ 2013 ዓ.ም

Recommended For You