
ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ካብ ሚያዝያ 17 ክሳብ 18/ 2017 ዓ.ም ኣብ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣካይዱ ‘ዩ። ኣብዚ ኣኼባ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ጉዳያት ኢትዮጵያ ብዝርዝር ድሕሪ ምርኣይ በቲ ኮሚቴ ፋፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ዝተውሃበ መግለፂ ትኹረት ብምግባር ከምዚ ዝስዕብ ተርጒምና ኣቅሪብናዮ ኣልና ።
ኢትዮጵያ ኣብ 2018 ዓ.ም ካብ ተስፋ ናብ ዝጭበጥ ብርሃን ንምስጋር፤ ኣብ 2023 ዓ.ም መርኣያ ብልፅግና ኣፍሪካ ንምዃን፤ ኣብ 2040 ዓ.ም ድማ ዓለም ለኸ መርኣያ ብልፅግና ንምዃን ዘቀመጠቶ ራእይ ከምዝሳኻዕ ዘረጋግፁ ኣንፈታት ዓወት ምርኣዮም ኮሚቴ ፋፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና ኣረጋጊፁ። እዞም ዝሓዝናዮም ኣፋፍኖት ዓወት መንገዲ ብልፅግና ትኽክል ምዃኑ ኣመላኺቶምና ‘ዮም።
ድሕሪ ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤ ፓርቲ ብልፅግና ብዙሓት ፖለቲካዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓወታት ተመዝጊቦም ዮም። ምስ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ በቢብርኩ ዝግበር ዘተን ምኽከርን ምትሕብባርን ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣትዩ ‘ዩ።
ካብ ሓንቲ ክልል ወፃኢ፣ ምዕራፍ ምትኽኻብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ኩለን ክልላት ተዛዚሙ ‘ዩ። ኣብታ ሃገር ፀገም ፀጥታ ዝነበሮም ሓደ ሓደ ከባቢታት ሰላም ይዓስል ኣሎ። መንግስቲ ብተደጋጋሚ ዘቕርቦ ፃውዒት ሰላም ስዒቡ ኢዶም ዝህቡን ናብ ሰላም ዘተ ዝመፅኡን ዕጡቓት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ቑፅሮም ይውስኽ ኣሎ። መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ዓቕሙ እናሓየለ መፂኡ።
ምስ ሶማሊያ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርድዳእ ብዲፕሎማሲያዊ መገዲ ተፈቲሑ። ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ዝተትሓዘ ትልሚ ዓለም ለኸ ተቐባሊነት እናወሰኸ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ዘለዋ ርኽብ ካብ ምምሕያሹ ንላዕሊ ዝግበረላ ደገፍ እናዕበየ ‘ዩ። ብመድረኽ ዓለምለኸ ኢትዮጵያ ተደላይነታ ወሲኹ ‘ዩ። ርክብ ዲፕሎማሲኣ ‘ውን ኣብ ኩሎም ኣንፈታት ክብ ኢሉ።
ክሳብ ሕዚ ዘሎ ኣፈፃፅማ ዘርእዩ ኣብ ዝሓዝናዮ ዓመት ሓፈሻዊ ኢኮኖሚ ብዝተተለመ መሰረት ብ8.4 ሚኢታዊ ዝዓብይ ምዃኑ እቲ ፈፃሚ ስራሕ ገምጊሙ ‘ዩ። ኣብ ዓውዲ ሕርሻ 6.1 ሚኢታዊ፣ ኢንዱስትሪ 12.8 ሚኢታዊ ፣ማኑፋክቸሪንግ 12.0 ሚኢታዊ ፣ኮንስትራክሽን 12.3 ሚኢታዊ፣ ግልጋሎት ድማ 7.1 ሚኢታዊ ዝዓብዩ ምዃኖም ገምጊሙ። ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ሓፈሻዊ እቶት መንግስቲ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር 134 ሚኢታዊ ብልጫ ኣርእዩ።
ልቃሕ ወፃኢ ካብ ሓፈሻዊ ምህርቲ ሃገር ውሽጢ ዘለዎ ብፅሒት ናብ 13.7 ሚእታዊ ወሪዱ ‘ዩ። ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ዝቐርቡ ሽዱሽተ ዋና ዋና ምህርትታት፣ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ካብ 82 ክሳብ 386 ሚእታዊ ወሰኽ ኣርእዩ። ብምህርቲ ስንዳይ፣ ሩዝ፣ ቡና፣ ቆፅሊ ሻሂን ኣብ ፍርያት ፍራምረን ብኣፍሪካ ቀዳሚ ኮይንኻ ንምውፃእ እናተገበረ ዘሎ ቃልሲ ፍረ እናፍረየ ምዃኑ ሪኢና።
ምምሕያሽ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ትሑት ናብራ ዝነብሩ ወገናት ፅዕንቶ ከየሕድር ኣድላዩ ዝኾኑ ዝተተለሙ ደገፍ መርሃ ግብሪታት ምክያዶም ፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮሚቴ መርሚሩ። ንመዳበርያ 62 ቢልየን ብር፣ ንሴፍቲኔት 41.2 ቢልየን ብር፣ ንመድሓኒት 3.5 ቢልየን ብር፣ ንዘይቲ ምግቢ 6.1 ቢልዮን ብር፣ ከምኡውን ንደመወዝ 38.4 ቢልዮን ብር ድጎማ ተገይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ጥራሕ 344,790 ናይ ወፃኢ ሃገር ሕጋዊ ዕድላት ስራሕን ልዕሊ 3 ሚሊየን ናይ ውሽጢ ሃገር ዕድል ስራሕ ተፈጢሮም። ናይ ርሕቀት ዕድል ስራሕ ቑፅሪ እናወሰኸ ምምፅኡ ተራእዩ። ኣብ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ሓዱሽ መገዲን ዳግማይ ንምውዳድን ንምምራሕ ምኽኣሉ፣ እናመዝገቦም ዘሎ ውፅኢታት ካልኦት መርኣያ ከምዝኸውን እቲ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ገምጊሙ።
ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስ ኢትዮጵያ ሕዚ ዘለዎ ሓፈሻዊ እቶት 1.5 ትሪልየን ምብፅሑ ተራእዩ። ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ናይ ሎሚ ዘበን እቶት 86 ሚኢታዊ ወሰኽ ምርኣዩ ኣረጋጊፁ። እዚ ድማ መንግሥቲ ሃፍቲ ሃገር ንምፍላጥ፣ ፈሊጥካ ብዝግባእ ንምምሕዳር፣ ኣመሓዳዶሩ ‘ውን ረብሓ ንምእካብ ዝተኸተሎ ኣንፈት ትኽክል ምዃኑ ኣረጋጊፁ።
ዕብየት እኩብ ሸርፊ ወፃኢ ምስ ዝሓለፈ ተመሳሳሊ ዓመት ናይ 9 ወርሓት እንትነፃፀር ናይ 203.99 ሚእታዊ ዕብየት ኣርእዩ ። ተቀማጢ ገንዘብ ባንክታት ናብ ልዕሊ 3 ትሪልየን ተሻጊሩ ። ኣፈፃፅማ ወፃኢ ንግዲ 9 ወርሕታት ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር እንትኾን፣ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 150.39 ሚእታዊ ዕብየት ኣምፂኡ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ ወርሓት 473.9 ቢልዮን ብር ልቃሕ ካብ ባንክታት ንግዲ ተለቂቁ ። እዚ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን መንፅር ብ61.9 ሚእታዊ ሓፍ ይብል። ካብቲ ልቃሕ ውሽጢ ድማ 76.6 ሚእታዊ ንውልቀ ዘፈር ዝተውሃበ ‘ዩ። ንውለቀ ዘፈር ዝበለፀ ልቃሕ ምውሃቡ ፣ ናይ ውለቀ ዘፈር ኣብቲ ኢኮኖሚ ግቡእ ግደ ንክፃወት ዘቀመጥናዮ ፖሊሲ ብተግባር እናተገለፀ ምዃኑ ዘመላኽት ‘ዩ።
ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ንምዕዋት ዝጀመርናዮም ኹሉ ሓቆፍ ፃዕሪ ፍሬኦም እናበሰለ ‘ዩ። ተጠቀምቲ ኢንተርኔት 50.2 ሚልዮን፣ ተጠቀምቲ ሞባይል 86.6 ሚልዮን በፂሖም። ዓማዊል ቴሌ ብር ልዕሊ 52.56 ሚሊዮን ‘ዮም። ዲጂታል ፋይናንስ፣ ፍትሐዊ ተጠቃሚነት ሕብረተሰብ ካብ ምርግጋፅ ብዝሓለፈ ንኢኮኖሚ ምስላጥ ዓብይ ብፅሒት እናበርከተ ‘ዩ። ኣብ ዝሓፉ 9 ወርሕታት ብመንገድታት ዲጂታል 7.73 ቢልዮን ብር ተቆጢቡ። 26.77 ቢልዮን ብር ድማ ብዲጂታል ልቃሕ ዝተውሃበ እንተኾን፣ ናይ 12.51 ትሪሊዮን ብር ዕድጊት ድማ በዚ መንገዲ ተኸናዊኑ።
ዋና ዋና ፕሮጀክታት ብእዋኑን ብግቡእ ደረጃ ንምዝዛም ዝተወሃበ ኣንፈት ብዙሓት ንምዝዛም እናብቅዖም ‘ዩ። ኣፈፃፅማ ህንፀት ግድብ ሕዳሰ 98.66 ሚእታዊ በፂሑ። ናይ ኮይሻ፣ ኣይሻን ኣሰላ መፈልፍልቲ ብዝተተሓዘሎም ትልሚ መሰረት እናተጓዓዙ ምዃኖም ተገምግጊሙ።
ህንፀት ዓለም ለኸ መዕረፊ ኣውሮፕላን ቢሾፍቱ ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያን ተሓሳቢ ብዝገበረ መልክዕ ቅድመ ዝግጅት ምዕራፍ እናተኸወነ ይርከብ። ልምዓት ኮሪደር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ 8 ኮሪደራትን ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ኣብ 65 ከተማታት እናተኸናወነ ምዃኑ ተስፋ ወሃቢ ‘ዩ። ብዙሓት ግድባት መስኖ ናብ ፍፃመ እናበፅሑ ‘ዮም። ካብ ትሽዓተ ግድባት መስኖ ውሽጢ ኣፈፃፅማ ሽዱሽቲኦም ልዕሊ75 ሚእታዊ በፂሑ።
“ትምህርቲ ንትውልዲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ልዕሊ 82 ቢልዮን ብር ሓገዝ እናተኣከበ እንትኸውን፣ ብሓፈሻ 6815 ቤት ትምህርትታት ኣብ መላእ እዛ ሃገር ተሃኒፆም። ዓቅሚ ነባር ቤት ትምህርታት ንምምሕያሽን ኣብ እዋን ኵናት ዝተጎድኡ ንምፅጋን ዝተገበረ ፃዕሪ ኣብ ልዕሊ ትውልዲ ዝስራሕ ስራሕ መሰረት ዘቅመጠ ምዃኑ ተራእዩ። ብኣንፃር ምቕናስ ሞት ወላድ አዴታትን ህፃናትን እንትርአ ዝሐሸ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተራእዩ።
ኣብ መባፅሒታት ቱሪዝምን ቦታታት ስፖርትን ኢትዮጵያ ብቁፅሪ፣ ብዓይነት እናዓበዩ መፂኦም ‘ዮም። ኣብ ዝተፈላላዩ ከተማታት ኣብ ምህናፅ ዝርከቡ ዓለም ለኸ ስታዲየማት ኣብ ምዕራፍ ምዝዛም ‘ዮም ዘለው። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ዓበይቲ ፀወታት ኣፍሪካ ንምትእንጋድ ዝሓዘቶ ትልሚ ንምስዃዕ ወሳኒ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ዓለምለኸ መድረኻት ንምትእንጋድ ዘለዋ መሠረተ ልምዓትን ዓቅሚ ምትእንጋድን እናዓበየ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ወርሓት ልዕሊ 66 ዓለም ለኸ መድረኻት ኣብ ሃገርና ተገይሮም። ብወሰኽ ፍሰት ቱሪስት ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ሃገር ኣብ ምዃን ኢና ዘለና። ተፈጥሯዊ፣ ባህላዊ፣ ታሪኻዊን ሃይማኖታዊን ፀጋታት ኣውፂእና ምርኣይ እንተኽኢልና፣ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ናይ ቀዳምነት ግደ ክንፃወት ከምእንኽእል ጅምሮታቱ የርእዩ ኣለው።
እዞም ዓወታት ናይ ጉዕዞና መጀመሪያ ‘ምበር ምዳእታ ኣይኮኑን። መበረታትዒ ‘ምበር መወዳእታ ኣይኮኑን። መንገዲ ዓወታትና ትኽክል ምዃኑ ዘርእዩ ናይ ጎቦ መብራህትታት ‘ዮም። ንዝበለፀ ስሕራ ዘለዓዕሉ፣ ንዝበለፀ ወነ ዝቅስቅሱ፣ ዓሚቅ ሕራነ ዝቁስቁሱ ‘ዮም።
ኣብ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚን ትካላት ፀጥታን ዝሰራሕናዮም ሪፎርምታት ሃገርና ካብ ዝነበራ ሓደጋ ህልውና ወፂኣ ናብ ዘተኣማማን ህልውና እናተሻገረት ‘ያ። እቲ ሪፎርም ዝነበሮ ስግኣት ህልውና ምምላስ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ህልውና ሃገርና ንምሕላው ዘኽእል ዘተኣማምን ዓቅሚ ፈጢሩ ‘ዩ። እዚ ድማ ብተቃራኒ ንመንግስቲ ብሓይሊ ንምውዳቅ ዝነበረ ድልየት ኣምኪንዎ ‘ዩ።
ኣብ ዝተገበሩ ሃገር በቆል መመሓየሺ፣ ብዝተፈጠረ ዓቅሚን ምድላዋትን ኢኮኖሚና ናብ ዝተማልአ ምምሕያሽ ትግበራ ኢኮኖሚ ተኣትዩ ‘ዩ። እዚ ድማ ከይድታት ኢኮኖሚን ጉዕዞ ብልፅግናን ዝቅይር ሓዱሽ ምዕራፍ ፈጢሩ ‘ዩ። ግድብ ህዳሰ ብምዝዛምን ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዞባና ላዕላውነት ኣጀንዳ ንክንፈጥር ኣኽኢሉና ‘ዩ። ካብዚ ብምብጋስ ሃገርና ካብ ተኸላኻሊነት ናብ ፈጣሪት ተፅዕኖ ኣሸጋጊርዋ ኣሎ። ብምዃኑ እቲ ለውጢ ካብ ምትካል ናብ ምስፍሕፋሕ ሰጒሙ ኣሎ ማለት ይክኣል ‘ዩ።
ብሓደ ገፅ ነዞም ዓወታት ብዝበለፀ ምስፍሕፋሕን ምፅናዕን ኣለና። ብኻሊእ ወገን ድማ ባዕልና ካብ ወፅመድ ማእኸል ዘመን ክንሕልው ይግብአና። ወፃወዲያ ማእኸላይ ዘመን፣ ሓደ ሃገር ካብ ስርዓት ሽግግር ፖለቲካ ብምውፃእ፣ ናብቲ ቀፃሊ ምዕራፍ ፅንዓት ቅድሚ ምብፅሓ፣ ብዝርከብ ማእኸል ዘመን፣ ብዓወታት ረኺዕኻን ተዘናጊዕኻን ናይ ምቅማጥ ሕማቅ ልምዲ ‘ዩ። ኣብ መንጎ ሽግግር ፖለቲካ ምውፃእን ዝፀንዐ ስርዓት ምትካል ዝረከብ ፈታኒ ዘመን ‘ዩ።
ብሓፈሻ፣ ብሰላማዊን ብዝሰልጠነ መገዲን ኣፈላላይ ብምፍታሕ፣ ዝጀመርናዮ ሪፎርምታት ንምዕዋት፣ ዝገጠሙና ፈተናታትን ብፅንዓት ንምሕላፍ፣ ተጓንፎታት ብምቕላስ ምስዓር፣ ብልፅግና ኢትዮጵያ ጋህዲ ንክንገብር፣ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና፣ ንኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግናን፣ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፃውዒት የቕርብ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም