ዑደት ቬትናምን ዝተረኸበ ተሞክሮን

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ን ልዑኾምን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሃገረ ቬትናም ዑደት ኣካይዶም’ዮም፡፡ኣብ ዑደቶም ዓለምለኸ መድረኽ ተሳቲፎመረ፣ ክልቴኣዊ ርክባት ዘጠናኽሩ ዑደታት’ውን ኣካይዶም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ሃኖይ ቬትናም እናተሃነፀ ዝርከብ ዓብዪ ፕሮጀክት ስማርት ሲቲ ዑደት ኣካይዶም ‘ዮም። ዑደት ኣብዝገበርሉ ነዚ ኣመልኪቶም፣ ናይ ብዙሕነት ህይወትን ምድረ በዳ መሬትን ብምውጋእ ተፈጥሮ ንምሕላው ህፁፅ ስጉምትታት ክውሰድ ከምዘለዎ ገሊፆም ‘ዮም። ብሓፈሻ ነዚ ብዝምልከት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ልእኾኦም ሚኒስትራትን ዝሃብዎ መብርሂ ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዝለጠፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብቲ “ዘላቕን ህዝቢ ማእከል ዝገበረን ሓምለዋይ ምስግጋር” ብዝብል ቴማ ዝተኻየደ ናይ 2025 ዋዕላ ቬትናም ፒ4ጂ ንሓለዋ ክሊማ ንምስጓም ኣገደስቲ ዝኾኑ ሰለስተ ቁልፊ ናይ ስጉምቲ ነጥብታት ኣትኩሮ ብምሃብ ምግላፆም ይዛረቡ።

ፈለማ ገንዘብ ብምስላዕ ንምክልኻል ክሊማ ቀዳምነት ብምሃብ እኹል፣ ዘተኣማምንን ዘላቒን ፍልፍላትን ከም ዝመፅእ ከነረጋግፅን ኣለና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ካልኣይ ዘላቒ ልምዓት ንምድጋፍን ወሳኒ ስነ-ህይወት እታ ኣህጉር ንምሕላውን ብፅሒት ኣፍሪካ ኣብ ዓለማዊ ወፍሪ ፀዓት ካብቲ ሕዚ ዘሎ ክልተ ሚኢታዊት ናብ ዕስራ ሚእታዊት ክሳብ 2030 ከነዕብዮ ኣለና ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ ሳልሳይ ነጥቦም ክሳራ ብዙሕነት ህይወትን ምድረበዳነት መሬትን ብምምካት ተፈጥሮ ንምሕላው ህፁፅ ስጉምትታት ክውሰድ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ከም ሓምላዋይ ዓሻራ ዝኣመሰሉ ህዝባዊ ስራሕቲ ምምዋል ዘጠቓልል ኮይኑ በዚ ድማ ንሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ፍትሓውን ተጠቃምነት ምርግጋፅ ከምዘጠቓልል ሓቢሮም ‘ዮም። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዚናሽ ታያቸውን ኣብ ቬትናም ኣብ ዝርከብ ሓወልቲ ጀጋኑን ሰማእታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ መቓብር ሆቺሚን ዕንበባ ኣንቢሮም ‘ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ኣካል ወግዓዊ ዑደቶም ምስ ዋና ፀሓፊ ኮሚኒስት ፓርቲ ቬትናም ኣብ ማእኸላይ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ‘ውን ዝተዛራረቡ እንትኾኑ ኣብቲ ዘተኦም ዝተፈላለዩ ጉዳያት ፖለቲካዊ ውድባት ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ልምዓትን ምሕደራን ዘትዮም ‘ዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶክተር) ኣብ ሶሻሊስት ሪፐብሊክ ቬትናም ዘካየድዎ ወግዓዊ ዑደት ምስ ፕረዚደንት ቬትናም ጀነራል ሉዎንግ ኩዎግን ፕረዚደንት ሃገራዊ ባይቶ ትራን ታንህ ማንን ተራኺቦም ዘትዮም ‘ዮም።

ኣብ ክልቲኡ ዘተታት ቀፃልነት ሃገረ መንግስቲ፣ ፖለቲካዊ ምትሕብባር፣ ፃዕርታት ፅገና ዝምልከት ሕቶታት ተላዒሎም፤ ክልተኣዊ ርክብን ምትሕብባርን ኣብ ብዙሕ መዳያት ዝያዳ ንምጥንኻር ዝሕግዙ መንገድታት ተዘትዩሎም ‘ዩ። እቲ ኣብ ሃኖይ እናተሃነፀ ዝርከብ ዓብዪ ፕሮጀክት ስማርት ሲቲ ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንስራሕ ልምዓት ከተማታት ኢትዮጵያ ተመኩሮ ንምርካብ ዝግበር ፃዕሪ ‘ዩ፡፡

እቲ ዑደት ዓለምለኻዊ ብሉፃት ተሞክሮታት ብምውህሃድ ኣብ መላእ ሃገርና ዝካየዱ ዘለዉ ዘመናዊ ፕሮጀክትታት ከተማ ንምስጓም ዘሎ ድሌትን ፃዕርን ዘርኢ ‘ዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብ 2027 ዓ.ም ፈ ሓምሻይ ዋዕላ ፒ4ጂ ንምስንዳእ ዕድል ምርካባ ኩርዓት ከምዝስማዓ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ይገልፁ።

ነዚ ዕድል ብፅንዓትን ቆራፅነትን ብምሓዝ ኣብ ቬትናም፣ ኮሎምብያ፣ ዴንማርክ፣ ሪፐብሊክ ኮርያ ዝተራእየ ዕዉት ምድላዋት ክነቅፅሎ ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር (ዶ/ር)፤ ብተወሳኺ ዋዕላ ኢትዮጵያ 2027 ዓ.ም ፈ ኣብ ትሕቲ P4G ቀንዲ መትከላት ብምምራሕ ምህዞ፣ ሓቛፊነት፣ ከምዝዳሎ ገሊፆም ‘ዮም። ብተወሳኺ እቲ ዋዕላ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኢንዱስትሪ፣ ንክሊማ ዝፃወር ሕርሻ፣ ከምኡ ‘ውን ኣገዳስነት ምብቓዕ መናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ከም ቀንዲ ስግግር ሓምለዋይ ምስግጋር ዘተኮረ ከምዝኸውን ኣመልኪቶም።

“ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ንምዕዋትን ሸቶታት ስምምዕነት ፓሪስ ንምምላእን ዓለምለኻዊ ሽርክነት መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ ይሓትት” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ሕዚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ፣ ስጉምቲ ክሊማ፣ ነተን ንለውጢ ክሊማ ኣዝየን ተቓላዕቲ ዝኾና ሃገራት ዕላማ ዝገበረ ደገፍ ክመዓራረ ኣለዎ” ክብሉ ገሊፆም እዮም።

ፒ4G (Partnering For Green Growth and The Global Goals 2030 – P4G) እዚ ናይ ሓምለዋይ ልምዓት ምትሕብባር ዘዕቢ ናይ ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት መደብ ኮይኑ፣ ነዚ ስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኮሎምብያ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኬንያ፣ ኢንዶነዥያ፣ ቬትናም ‘ውን የተግብር ኣሎ። እቲ ፕሮግራም ንሓምለዋይ ልምዓት ሽርክነት ፋይናንሳውን ቴክኒካውን ደገፍ ይህብ፤ እቲ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ሃገራት ናይ ፍልጠትን ተመኩሮን ምልውዋጥ ከም ዘመቻችእ እውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያን ቬትናምን ምትሕብባረን ዘሐይል ስምምዓት ከምዝተፈራረማ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ (ዶክተር) ዝገለፁ ኮይኖም፤ ኢትዮጵያን ቬትናምን ን50 ዓመታት ዝምድና ዝፈጠራ ‘የን፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናብ ቬትናም ዘካየድዎ ዑደት ኣብ ታሪኽ ሃገርና ናይ መጀመርያ ዑደት መራሒ ምዃኑ ‘ዮም ዝገልፁ።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትርን ልኡኹን ዕዉት ምዃኑ ምንባሩ ብምግላፅ፤ መራሕቲ ክልቲኤን ሃገራት ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየዱን ምትሕብባር ዘጠናኽሩ ዝተፈላለዩ ስምምዓት ፈሪሞም ‘ዮም፡፡ ካብቶም ስምምዓት ሓደ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ቬትናም በረራ ክጅምር ዘኽእሎ ምዃኑ፤ እቲ መንገዲ ኣየር በረራ ምስ ዝጅምር ድማ ንግዳዊ ርክብ እተን ሃገራት፣ ህዝቢ ንህዝብን ቁጠባዊ ርክብን ዘጠናኽር ምዃኑ ገሊፆም ‘ዮም።

ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ፣ ኢኮኖሚ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ርክብ ንምጥንኻር ስምምዓት ከምዝተፈረመ ‘ውን ብምብራህ፤ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዝያዳ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ እንታይ ዓይነት ናይ ምትሕብባር ማዕቀፍ ምኽታል ከምዘድሊ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ዘተ ከምዝተኻየደ ‘ውን ጠቒሶም።

ኢትዮጵያ ኣብ 2027 ዓ.ም. ፈ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ምሕዝነት ሓምለዋይ ልምዓት (P4G) ክተተኣናግድ ምምራፃ ብምጥቓስ፤ እዚ መድረኽ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኢትዮጵያ ንተሓዳሲ ፀዓትን ሓምለዋይ ልምዓትን ፃዕርታታ ንዓለም ከተርኢ ዓብዪ ዕድል ከምዝኾነ እቶም ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ወሲኾም ገሊፆም ‘ዮም።

ኢትዮጵያ ብዓቢይኡ ተሓዳሲ ፀዓት ከም እትጥቀም ብምምልኻት፤ እታ ሃገር ኣብ ምምዕባል ተሓዳሲ ፀዓት ልዑል ወፍሪ ትገብር ኣላ፤ ብተወሳኺ ብዘላቒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ጥራሕ ንምጥቃም ንፁር መርገፂ ሒዞም ይሰርሑ ከምዘለዉ ‘ዮም ዘረድኡ።

ፕሮግራም ሓምለዋይ ዓሻራ ንባዕሉ መሳርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ንሳዕቤናት ለውጢ ክሊማ ንምምካት ዝግበር ዓለማዊ ፃዕሪ ሞዴል ምዃኑ ‘ውን ብምጥቓስ፤ ብተወሳኺ ፒ4ጂ ነቲ ናይ ምትሕብባር መድረኽ ንምእንጋድ ምምራፁ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ፅልዋን ርኡይነቱን ምስክር ምዃኑ፤ እቲ መድረኽ ካልኦት ሃገራት ኢትዮጵያ እትገብሮ ሓምለዋይ ልምዓታዊ ተበግሶታትን ግብራዊ ስራሕትን ብምዕዛብ ብሓባር ናይ ምስራሕ መርገፂ ክሕዛ ዘኽእል ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ሓላፊት ፕረስ ሴክረተርያት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ እንትህባ ከምዝገለፀኦ፤ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቬትናም ኣብ ዝፀንሕሉ እዋን ምስ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዝያዳ ንምጥንኻር ዘተ ከምዝተኻየደ ኣብሪሀን።

ቬትናም ኢንቨስትመንት ብምስሓብ ብሰፊሑ ትፍለጥ ምዃና ብምጥቓስ፤ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ኢንዳስትሪ፣ ሕርሻን ካልኦት ዓውድታትን ሃገርና ልምዲ ረኺባ ‘ያ፤ ምስ ላዕለዎት መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ኩነታት ተጠቒሞም ዝምድናታት ዝያዳ ንምጥንኻር ዘለዎም ድሌት ከምዝገለፁ ‘የን ዝጠቐሳ፡፡

ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ወግዓዊ ዑደት ኣብ ቬትናም ብዝምልከት መብርሂ ዝሃቡ ኮይኖም ኣብ መብርሂኦም፤ ቬትናም ብሩዝ፣ ቡንን ካልኦት ፍርያት ሕርሻን ዓርሳ ዝኸኣለት ሃገር ምዃና ብምሕባር፣ ካብ ፍርያታ ብብዝሒ ናብ ሰደድ እትሰድድ ሃገር ምዃና ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ልኡላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ እትገብሮ ፃዕሪ ስዒቡ ኣብ ስርናይ ምህርቲ ሩዝ ትኹረት ከምዝገበረት ምስ መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ከምዝገለፁ ብምጥቓስ፤ ቬትናም ኣብ ምስፍሕፋሕ ምህርቲ ሩዝ ዓቢ ተመክሮ ከምዘለዋ፣ ከምኡ’ውን ኣብኣሕምልትን ፍረታትን፣ ኣብ ምፍራይ ቡን፣ ከምኡ’ውን ኣብ ምግቢ ዝራእቲ ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ልዑል ተሞክሮ ክርከባ እትኽእል ሃገር ‘ያ ይብሉ፡፡

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ብሓምለዋይ ዓሻራ ኣቢላ ሽፋን ኣግራብ ንምዕባይን ለውጢ ክሊማ ንምክልኻልን እትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ምስቲ ተመኩሮ ዝርከበሉ ቬትናም ዝመሳሰል ምዃኑ ብምብራህ፤ ቬትናም ርኡይ ቀጥታዊ ወፍሪ ወፃኢ ብምስሓብ ብሰደድ ዝምራሕ ቁጠባ ከምዝሃነፀትን ኣብ ትምህርቲ ትኹረት ዝገበረቶ ትኹረት ከምዝጠቐማን ‘ውን ገሊፆም ‘ዮም።

ብተወሳኺ እታ ሃገር ላዕለዋይ ቴክኖሎጂ ዘለዎ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ሃኒፃን ፍርያት ኤሌክትሮኒክስ፣ ዓለባ፣ ጫማ ብሰፊሑ ናብ ወፃኢ ትሰድድ ከምዘላ ብምብራህ፤ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዳስትሪ፣ ዓለባ፣ ከምኡ ‘ውን ሕርሻዊ መስርሒ ፕሮክሲ ፍርያት ንምፍራይ ‘ውን ትሰርሕ ከምዘላን ካብ ተመኩሮ ቬትናም ናይ ምምሃር ተኽእሎ ከምዘሎን ገሊፆም።

ቬትናማውያን ሰብ ሃፍቲ ኣብ ፍሉይ ኢኮኖሚ ዞባ ሃዋሳ ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፣ ኢንቨስተራት እታ ሃገር ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ዘለዎም ድሌት ገሊፆም ‘ዮም ክብሉ የብርሁ።

ቀዳማይ ሚኒስትርን ልኡኾምን ኣብ ፕሮጀክትታት ህንፀት ከተማታት ዑደት ብምግባር ልምዓት ኮሪደር ዝያዳ ዘዕብዩ ተመኩሮታት ካብኦም ተማሂሮም ‘ዮም ድሕሪ ምባል፤ ምስ ቬትናም ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን፣ ሓባራዊ ልምዓትን ብፍላይ ድማ ኣብ ምንካይ ድኽነት ንምስራሕ ዘተ ከምዝተኻየደ የመልክቱ።

ብተወሳኺ ሚኒስትር ዕዮን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ከምዝገለፀኦ፣ ቬትናም ተወዳዳሪ ቁጠባዊ ስርዓት ንምህናፅ ኩለመዳያዊ ትምህርቲ ዝውሰደላ ‘ያ። ቬትናም ከም ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣንፈታት ቁጠባዊ ምዕባለ እናዓበየት ብምቕፃል፣ ከበድቲ ጉዳያት ሰጊራ ምቹው ዕድላት ዝፈጠረት ሃገር ያ።

ቬትናም ካብ ሕርሻ ዝተመስረተ ኢኮኖሚ ብምልቓቕ ዓወት እናመዝገበት እትርከበሉ ፃዕርታት ልምዓት ከተማን ገጠርን ኣብ ኢትዮጵያ ‘ውን ተስፋ ዘለዎ ውፅኢት የርእዩ ከምዘለዉ ከምዝገለፁ ይገልፃ።

ብተወሳኺ ቬትናም ኣብ ልምዓት ዓቕሚ ሰብ፣ ትምህርትን ስልጠናን እትገብሮ ዘላ ቁልፊ ምስግጋር፣ ነቲ ዝተኸተለቶ ኣንፈት ልምዓታዊ ምላሽ ንምሃብ ፅቡቕ ዝተመጣጠነ ስርዓት ምዃኑ ዘመልከታ እተን ሚኒስትር፤ ቬትናም ወግዓውን ዘይወግዓውን ትምህርትን ስልጠናን ልምዓት ዓቕሚ ሰብ ብልምዓት ንኣሽቱ፣ ማእከሎትን ዓበይትን ትካላት ተወዳዳሪ ቁጠባ ንምህናፅ ዝዓለመሉ ቦታ ምዃኑ ይገልፃ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You