ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ተቓራሪብካ ምስራሕ

ምብቓዕ ስልጣንን ሓላፍነትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ስዒቡ ንዝቐረዩ ቐንዲ ቐንዲ ስራሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ከፍፅሙ ሌተናል ጄኔራል ታደሰ ወረደ ሓላፍነት ከምተረከቡ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ኮይኑ ግና እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ስምምዕነተ ፕሪቶሪያ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ከካትት እናተገበኦ መብዛሕትኡ እቲ ካብኔ ካብ ኣባላት ብመረፃ ቦርድ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣገደ ህወሓት ክኾኑ ይግበር ኣሎ ዝብል መረረታት ይስማዕ ኣሎ።

እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቅም ኣይኮነን። ብፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ዘሎ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካቢኒኡ ከመዓራርይ እንተሎ ካብ ብመረፃ ቦርድ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣገደ ህወሓት ወፃኢ ንዝኾኑ ፖለቲካዊ ውድባትና ውልቀሰባት ብምግላል ክኸውን የብሉን። ንኹሉ ዝሓቑፍ እንተዘይኮይኑ ንህዝቢ ትግራይ ዝጎድእ ‘ምበር ዝጠቅም ኣይኮነን።

እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብታ ዘላቶ ሓፃር ግዜ ቓል ዝኣተወሎም ዕማማት ክፍፅም እንተኾይኑ ናይ ኩሉ ሓይሊ ተጠቒሙ ክሰርሕ ኣለዎ ‘ምበር ናይ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባትን ኣባላት ብምግላል ክኸውን የብሉን። ትኹረቱ ነቶም ቓል ዝኣተዎሎም ነጥብታት ሰሪሑ ኣብ ምርካብ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ።

ናብ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ዘአቱ ስራሕቲ ክሰርሕ የብሉን። ክሳብ ሕዚ ካብ ሓላፍነት ዝቕበል ከባቢ ሓደ ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ። ኮይኑ ግና ዘንጉዑ’ውን እንተኾነ ካቢኔ ኣመዓራርየ ካብ ምባል ወፃኢ ዝሰርሖ ነገር የለን። ቅድሚ ሕዚ ብፖለቲካዊ ውጥጥ ዝባኸነ ግዜ ንምክሕሓስ ኩሉ ትግራዋይ ዝሳተፈሉ ባይታ ብምምችቻው ብምስራሕ ንህዝቢ ዝጭበጥ ለውጢ ከምፀአሉ ይግባእ።

ብፍላይ ካብ መረበቱ ተፈናቂሉ ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ኣብ ምምላስ በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ሕውየትን ዳግመ ህንፅትን ንምርግጋፅን ሰላም፣ ፀጥታን ሰናይ ምምሕዳርን ንምንጋስ ትኹረት ሂቡ ክሰርሕ ኣለዎ። መሰረታዊ ሕቶታት ህዝቢ ንምምላስ ኣባላት ብመረፃ ቦርድ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣገደ ህወሓት ጥራሕ ኣይኮኑን ዘድልዩ፤ ኩሉ ትግራዋይ ‘ዩ ዘድሊ።

ካልኦት ውድባት፣ ኣባላቱን ህዝብን ኣለዓዒሉን ወዲቡን ተልእኾታት ግዝያዊ ምምሕዳር ንምዕዋት ግቡኡ ንምፍፃም ክረባረብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ዘለቶ ግዜ ሓፃር ‘ያ፤ ዘይተሰርሑ ስራሕቲ ግና ብዙሓት ‘ዮም። ስለዚ ዝምልከቶ ኹሉ ግቡኡ ንኽዋፃእ ምችው ኩነታት ክፈጥር ይግበኦ።

ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣረኣእያታት ብማዕረ ብምትእንጋድ ፀገሙ ክፍተሐሉ ‘ዩ። ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ህዝቢ ትግራይ ከይጉዳእ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ። ካብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቓልሲ ወፃኢ ምድፍፋእ ንህዝቢ ትግራይ ዘይምጥን ተግባር ምዃኑ ምርዳእ የድሊ።

ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ረብሓታት ህዝቢ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ሓባራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ምስ ኩሎም ኣካላት ተቐራሪቡ ክሰርሕ ኣለዎ። ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዝባኸኑ ዓቕምታት ብምትእኽኻብ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ጥራሕ ትኹረት ክገብር ኣለዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘይተወድኡ ስራሕቲ ትኹረት ብምግባር ኣብታ ዘላ ግዜ ወዲኡ ሰልጣን ንህዝቢ ከርክብ ኣለዎ። ዝተውሃብዎ ተልእኾታት ብግቡእ ክፍፅም ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ንተወሳኺ ስቓይን ሓሳረ መከራን ክሳጣሕ የብሉን። ስቓይ ህዝቢ ንኽሓፅር ኣብ ዘለውኦ ዉሱናት ግዜ ተረባሪቡ ክሰርሕ ኣለዎ። ዝተዋሃቦ መደባት ብግቡእ ክዓምም ድማ ዘግልል ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክጥቐም የብሉን።

ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ብዓቕሚ ኩሉ ህዝቢ ‘ምበር ብዓቕሚ ህወሓት ጥራሕ ካብ ዘጋጠሞ ፀገም ክወፅእ ኣይኽእልን፤ ቕድሚ ሕዚ ኣይወፀን ሕዚ ‘ውን ክወፅእ ኣይኽእልን። ኩሉ ዓይነት ርብብርብ ክግበር እንተኾይኑ ብስምምዕነት ውዕል ፕሪቶርያ መሰረት ንኹሉ ኣሳታፋይ ክኸውን ይግባእ።

ነዚ ዝተወሃቦ ሓላፍነት ንምዕዋት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝተማልአ ቁመና ሃልዩዎ ሓላፍነቱ ብግቡእ ንኽዋፃእን ዕማማቱ ንኽፍፅምን ብዘኽእል መንገዲ ኩሉ ፖለቲካዊ ድውብን ዝኾነ ትግራዋይን ማለት ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃእን ዝነብር ዝከኣሎ ኹሉ ኽገብር ኣለዎ።

እዚ ከም ዘለዎ ኾይኑ ብመረፃ ቦርድ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣገደ ህወሓት ህጋዊ መንገዲ ተኸቲሉ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣኽቢሩ ዝተማልአ ምትእምማንን ሰላምን ኣብ ክልል ትግራይ ንክህሉ ናብ ናይ ልምዓትን ህንፀት ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ስራሕቲ ክኣቱ ኣለዎ።

ናብ ዝተማለአ ሰላምን ልምዓትን ምስግጋር ዝከኣል ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዝግባእ እንትትግበር ‘ዩን ሕጊ ሃገር እንትኽበርን’ዩ። ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓባቢሪካን ተዋሃሂድካን ምስራሕ የድሊ። ተቐራሪብካን ተኣማሚንካን ምስራሕ ተዘይተኻኢሉ ከይዱ ከይዱ ተጎዳኢ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። በቲ ስምምዕነት መሰረት ዘላቒ ሰላምን ልምዓት ንምርግጋፅ ንሰላም ድልው ምዃን የድሊ።

ብፍላይ ዝተመዛበለን ዝተሰደደን ህዝቢ ናብ መረበቱ ንምምላስ ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስረሐሉ ይግባእ። ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብኣግባቡ ንኽፍፀም ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ብግቡእ ክሰርሕ ይግባእ። ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ልዑል ግደ ከም ዘለዎ ኩሉ ዝርደኦ ሓቂ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ብኲናት ዝበፅሖ በሰላ ገና ኣብ ዘይሓወየሉን እዋን ካሊእ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክህሉ የብሉን። ንህዝቢ ትሓስብ እንተኾይንካ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዋላ እንተሃለወ ሓቢርካ ንምስራሕ ዝኽልክል ኣይኮነን። ሰላምን ምርግጋዕን ክህሉ ኩሉ ፖለቲካዊ ውድብ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከብቕዕ እጃሙ ክዋፃእ ኣለዎ።

ብሓፈሻ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝነበሩ ውሽጣዊ ፍሕፍሕ ከይድገሙ ኣሳታፋይነት ኣካይዳ ብምኽታል ፀገማት ትግራይ ክፈትሕ ይግባእ። ኣብ ሓቋፋይነትን ኣሳታፋይነትን ክኣምን ኣለዎ። ሰላም፣ ድሕንነት፣ ልምዓት፣ ምንቕቓሕ ኢኮኖሚ ትግራይን ውዕሊ ፕሪቶሪያን ኣብ ምፍፃምን ልዑል ትኹረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ፀገም ህዝቢ ክፍታሕ ናይ ምክፍፋል፣ ምድፍፋእን ምጥቕቓዕን ተግባራት ደው ክብሉ ኣለዎም።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You