‹‹ኣብዚ ዓመት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብ8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ክዓቢ ትፅቢት ይግበር››  – ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን

ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ናይ ናይ 2017 በጀት ዓመት ናይ 9 ኣዋርሕ ትልሚ ኣፈፃፅማ ብፍላይ ኣብ ማክሮ ኢኮኖሚን ካልኦት ቐንዲ ቀንዲ ጉዳያትን ትኹረት ብምግባር ከፋፊለን ዘቕረብኦ ሪፖርት ብሰፊሑ ነዚ ዝስዕብ ይመስል::

ዓለምለኸ ኢኮኖሚ ኣዝማምያኡን

ዓለምለኸ ኢኮኖሚ ኣዝማምያን ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎ ትርጉም ከንምልከት እንተለና 2025 ዓ.ም. ፈ ክጅምር እንተሎ ዝወፀ ትንበያ ከምዘርእዮ ብ3 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ከምዝዓብይ፤ ዝዓበዩ ሃገራት ድማ ናብ 1 ነጥቢ 9ሚኢታዊ ከምዝዓብዩ ትፅቢት ይግበር:: እዚ ካብ ናይ ዓሚ ንእሽተይ ወሰኽ ‘ዩ ዘለዎ::

ናይ ዝዓበዩ ሃገራት ከንርኢ እንተለና ንኣብነት ናይ ኣሜሪካ ዕቤት እንተወሲድና 2 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ከምዝኸውን ትፅቢት ይግበር::ናይ ኣውሮፓ እንተርኢና ድማ ሓደ ሚኢታዊ፤ ናይ ቻይና ከንምልከት እንተለና ‘ውን ብተመሳሳሊ:: ብዝተወሰነ ደረጃ ካብ ናይ ዓሚ ናይ ምቕናስ ኩነታት ኣሎ:: ካብ ሳሃራ ንታሕቲ ዘለዋ ሃገራት ካብ ናይ ዓሚ ዝሓሸ ዕቤት ከምዝግባ ትፅቢት ይግበር:: 4 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ዕቤት ከምዝግባ ትፅቢት ይግበር::

ናይ ኢትዮጵያ ናይዚ ዓመት እዚ ከንርኢ እንተለና ድማ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ትንበያ ‘ዩ ዘርኢ:: ወይ ትፅቢት ዝግበር:: ካብ ዓለምለኸ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ልምዓት ምንቕስቓስ ትርጉሙ ናይ ዓለምለኸ ኢኮኖሚ ምትሕብባር ‘ዩ:: ብመንፅር እዚ ብሓፈሻ ቅድሚ ኮቪድ ‘ውን እንተኾነ ዓለምለኸ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ‹‹ኦፊሻል ደቨሎፕመንት ኣሲስታንስ›› እንብሎ ብዓብይኡ ምዝሕሓል ዝተረኣየሉ ‘ዩ::

ብፍላይ ምስ ፅሬት ተተሓሒዙ እዚ ብገንዘብ ጥራሕ እንተይኮነስ ብቴክኒካል፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓዊሱ ዝሕዝ ብምዃኑ፤ ብፍላይ ኣብ ልምዓት ትኹረት ዝገበረ ዓለምለኸ ምትሕብባር ልምዓት እናተዘሓሓለ እናመፀ ዝነበረ ምዃኑ ምርኣይ ይከኣል ‘ዩ::

ሃገራት ናይ ልምዓት ምትሕብባረን መፈፀሚ ጉዳይ ፖሊሲ ናይ ምግባር ዝምባለ ምርኣይ ንኽእል ኢና፤ ዝተፈላላዩ ሃገራት ኣወዳድበአን ኩሉ መሊሰን ኣብ ምፍታሽ ‘የን ዘለዋ:: ስለዚ እዙይ ንኢትዮጵያ ትርጉም ኣለዎ፤ በርግፅ ዝጀመርናዮም ስራሕቲ ከምዘለዉ ኮይኑ ብናይ በዓልኻ ዓቕሚ ልምዓት ምስኻዕ ንዝብል ብዝበለፀ ዘጉልህ ነዙይ ኣድላይነት ዓብዪ መርኣያ ዝኾነ ትርጉም ወይ ዝንባለ ‘ዩ:: ስለዚ ምትሕብባር ልምዓት ዓለም ለኸ ነዚ ይመስል::

ካሊእ ዓለምለኸ ዝንባለ ናይ ንግዲ ኩነታት ‘ዩ:: ብሓፈሻ ምንቕስቓስ ንግዲ ኣብ 2025 ዓ.ም.ፈ ጥቕምቲ ከባቢ ዝነበረ ትንበያ 3 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ክዓቢ ‘ዩ ዝብል ‘ዩ ነይሩ:: ሕዚ ኣብ ቐረባ እዋን ዝነበረ ናይ ንግዲ ኵናት ናይ ዓለም ናይ ንግዲ ድርጅት ካብ 3 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ናብ 3 ሚኢታዊ ከምዝዝሕል የመላኽት:: ኣብ ዝቕፅል ናይ ታሪፍ ኩነታት፣ ናይ ኩነታት ንግዲ፣ ተገማትነት ኩነታት ብሓፈሻ ምንቕስቓስ ንግዲ ከምቲ ንርእዮ ዘለና ቑፅሪ መጠን ክቕፅሉ ከምዘይኽእል ዘመላኽት ‘ዩ::

እዚ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ ክህልዎ ዝኽእል ፅልዋ እናተፈተሸ ‘ዩ ዘሎ:: ግን ሕዚ ኣብዘለናሉ ኩነታት ንኣብነት ታሪፍ ተቐሚጡ ኣሎ:: ዝተቐመጠ ታሪፍ ኣብ ናይ ዓለምለኸ ስርዓት ንግዲ ቕድም ከምዝራኣናዮ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጥሮ ምንጋዕ ክፅናዕ ኣለዎ፤ በቲ ፅንዓት ዝተረኽበ ውፅኢት ከም ዕድል ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ:: ንኣብነት ካብ ዝተቐመጠ ታሪፍ ውሽጢ ካባና ብጣዕሚ ዝበለፀ ከም ናይና ዓይነት ሸቐጣት ዘቕርቡ ሃገራት ዝተቐመጠሎም ታሪፍ ተወዳዳራይነቶም ዝተጎድአ ብምዃኑ ነዚ ዕድል ንምጥቓም ስራሕ ምስራሕ የድሊ::

ዝተፈጠረ ናይ ዕዳጋ ኩነታት ኣብ ጥቕሚ ንምውዓል ዘለና ፍርያት ምውሳኽ የድሊ:: ብተወሳኺ ምስ ናይ እዚ ታሪፍ ኩነታት ተተሓሒዙ ዝመፅእ ፅልዋ ንምፅዋር ናብ ተፈላላዩ ሃገራት ኢንቨስትመንተኦም ዘንቐሳቕሱ ኢንቨስተራት ክህልዉ እዚ ዕድል ንምጥቓም ጥንቓቐ ዝተመልኦ ምንቕስቓስ ክህሉ ይግባእ::

ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርምን ኣፈፃፅማን

ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ሪፎርምን ኣፋፃፅማን ውፅኢታት ከንርኢ እንተለና ንምዝኽኻር ዝኣክል ናይ 2016 በጀት ዓመት ከንጅምር እንተለና ዘቐመጥናዮ ናይ 10 ዓመት ትልምታት ንምዕዋት ተኸታተልቲ ሪፎርምታት ምግበር ኣድላይ ብምዃኑ ናይ መጀመርታ ምዕራፍ ናይ ኢኮኖሚ ሪፎርም ክንዛዝም እንተለና ካልኣይ ምዕራፍ ሃገር በቖል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኣዳሊና ናብ ተግባር ኣቲና ኢና፤ ኣርባዕተ ዓምድታት ከምዝነበሩ ንምዝኽኻር ‘ዩ፤ መጀመርታ ማክሮ ኢኮኖሚ ምርግጋፅ ‘ዩ::

ካልኣይ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘፈራት ፍርያትን መፍራያይነትን ተወዳዳራይነት ምዕባይ ‘ዩ:: ናይ ኢንቨስትመንትን ንግድን ከባቢ ምምሕያሽ፣ ካሊእ ድማ ምምሕያሽ ሃገር በቖል እዚኦም ኩሎም ናይ ኢኮኖሚ ምምሕያሻት ውፅኢታዊ ዝኾኑ ወይ ውፅኢታዊ ከይኾኑ ዝግድቦም ነገር ናይ መንግስቲ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ በዚ ምኽንያት በዚ ናይ ኢኮኖሚ ምምሕያሽ ውሽጢ ናይ መንግስቲ ናይ ምፍፃም ዓቕሚ ምሕያል፤ ብፍላይ ሕዚ ብስፍሓት ዝጀመርናዮ ናይ መንግስቲ ሴክተር ሪፎርም ማለት ሲቪል ሰርቪስ ሪፎርም ከም ቐንዲ ዓምዲ ቅድሚ ሕዚ በዚ ኩነታት ክስራሕ ኣለዎ ኢልና ናብ ስራሕ ኣቲና ኢና::

ኣፈፃፅማ ትልሚ እንትንርኢ ፣ መጀመርታ ዝተረጋግአ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝብል ኣፍራያይነትን ተዋዳደራይነትን ክሊቲኦም ዓምድታት ብሓደ ብምትሕሓዝ ከምዝስዕብ ይመስል:: ብመንፅር ዕቤት ቕድሚ ሕዚ ኣብ መጀመርያ እዚ ዓመት ዝተዘራረብናሉ ከምትዝክርዎ 8 ነጥቢ 4 ሚኢታዊ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ከምዝዓቢ በዙይ ብፍላይ ዕቤት ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ካብ ታሕቲ እናተለዓለ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ነቲ ዕቤት ዝመርሖ ምዃኑ ‘ዩ ዘርኢ’ዩ::

ኢንዱስትሪ ብሓፈሻ ብ12 ነጥቢ 8 ዝዓቢ ‘ዩ:: ማኑፋክቸሪንግ ግን ብ12 ሚኢታዊ ዝዓቢ ‘ዩ:: ካልኦት ዘፈራት ግና ብጣዕሚ ጠንካራ ዝኾነ ናይ ኢኮኖሚ ዕቤት ከምዘመዝግቡ ‘ዩ ናይ መጀመርያ ግምት ዘርእይ:: በዚ መንፅር ወሳኒ ኣመላኻቲ ብማክሮኢኮኖሚ ናይ ሪፎርም ውፅኢት ተገይሩ ዝውሰድ ናይ ውሽጢ ሃገር ቑጠባን ኢንቨስትመንትን ኩነታት ‘ዩ::

ቑጠባን ኢንቨስትመንትን ውሽጢ ሃገር ከንምልከት እንተለና ካብ ጂዲፒ ዘለዎም ግደ ብጣዕሚ ካብ ቕድሚ 2015 ዓ.ም በጀት ዓመታት ብዝለዓለ ኩነታት ምዝሕሓልን ምቕናስን ኣርእዩ ነይሩ ‘ዩ:: ብምንፅር እዚ ድሕሪ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ንኣብነት 2016 ዓ.ምን 2017 ዓ.ም እንተሪእና ኢንቨስትመንት ካብ ጂዲፒ ኣብ 2016 በጀት ዓመት 20.5 ሚኢታዊ ‘ዩ ነይሩ:: ኣብ 2017 በጀት ዓመት ግና 23.2 ሚኢታዊ ‘ዩ:: ሕዚ ዘለዉ ኣፈፃፅማ ነዚ ይመስሉ::

ካሊእ ቑጣባ ከንርኢ እንተለና፣ ኢንቨስትመንት ዝፍልፍል ካብ ቑጠባ ስለዝኾነ፣ ቑጠባ ካብ ጂዲፒና ክረኣይ እንተሎ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ኢና ንርኢ፤ 2016 በጀት ዓመት 14 ነጥቢ 3 ሚኢታዊ ‘ዩ ነይሩ:: ኣብ 2017 በጀት ዓመት ናብ 19.4 ከምዝኾነ የርኢ:: ካሊእ ንዕቤትና ወሳኒ ግደ ዝፃወቶ ኣታዊ መንግስቲ ፌዴራል ‘ዩ:: ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝተጣየሸ ኣታዊን ምስ ኣታዊን ዝተራኸበ ስራሕቲ ዘተሓባብር ሓይሊ ዕማም ኣሎ::

ምስ እዚ ግብረ ሓይሊ በቢሰሙኑ እናተራኸብና ፖሊሲ ታክሲ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ታክሲ ምምሕዳር ምምሕያሽ ስራሕቲ ዲጂታላይዝ ብምጥቃም ኣከፋፍላ ታክሲ ቐሊል ምግባር:: ምስ ታክሲ ዝተተሓሓዙ ክፍተት ዘለዎም ስራሕቲ ክፈትሑ ዝኽእሉ ኣሰራርሓታት ብርክት ዝበሉ ናይ ፖሊሲ ምምሕያሻት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም:: ካብ ኣዋድባ ጀሚሩ ምሕደራ ታክሲ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም::

ንቐፃሊ ‘ውን ጠንኪሮም ዝስርሑ ይኹኑ:: ካብ ናይ ቀረባ ቅድሚ ሕዚ እንተተመልኪትና ‹‹ፊስካል ዲሴንትራላይዜሽን›› ሓደ ቀንዲ ጉዳይ ‘ዩ ነይሩ:: ቅድሚ ቀረባ እዋናት ብምምሕያሻት ዓቕሚ ኣታዊ ክልላት ብዝለዐለ ብርኪ ዘማሓየሸ፤ ናይ ሓባር ኣታዊ ክስራሕ ፀኒሑ ‘ዩ:: እዚ ኣታዊ ክልልት ብምምሕያሽ ንማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ልምዓት ዘውዕልዎ ሃፍቲ ኣብ ምውሳኽ ዓብዪ ግደ ዝፃወት ‘ዩ::

እቲ ካሊእ ናይ ማክሮ ዘመላኽት ናይ መንግስቲ ወፃኢ ከንምልከት እንተለና ምስ ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ተተሓሒዙ ልዑል ድጋፍ ተገይሩ ‘ዩ:: ወፃኢ እዞም ድጋፋት ኣብዚ 9 ኣዋርሕ ናብ 211 ቢሊዮን ብር ድጋፍ ተገይሩ ‘ዩ:: እዚ ዓመት ክውዳእ እንተሎ ድማ ናብ 400 ቢልዮን ብር ድጋፍ ዝግበር ‘ዩ::

ካሊእ ውፅኢት ሪፎርም ዝኾነ ወሳኒ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚ ጥዕና ዘለዎ ከምዝኾነ ዘማላኽት ናይ ልቓሕ ኩነታት ‘ዩ:: ናይ ዕዳ ኩነታት ‘ዩ:: ጂዲፒና ብመንፅር ኢኮኖሚና ከምትፈልጥዎ ሃገር በቖል ኢኮኖሚ ሪፎርም፤ ሪፎርምና ንምድጋፍ ምሳና ንምስራሕ ፍቓደኛታት ምስ ዝኾኑ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን ዝተገብረ ምትሕብባር ናይ ዕዳ ሽግሽግ ብምኽንያት እዚ ሪፎርም ብዝለዓለ ኩነታት ተጠቓሚ ንምዃን ተገይሩ ‘ዩ::

መወዳእታ እቲ ናይ ዕዳ ምሽግሻግ ውሳነ ቕድሚ ምርካቡ ናይ 1 ነጥቢ 4 ቢልዮን ብር ግዝያዊ ናይ ዕዳ ክፍሊት ጠጠው ክብል ምኽኣሉ ዘለና ኢኮኖሚ ንልምዓት ክነውዕል ካብ ምግባር ብተወሳኺ ዘሎ ፅዕንቶ ኣብ ምቕናስ ልዑል ግደ ተፃዊቱ ‘ዩ:: እዚ ሪፎርም እዚ ናይ 3 ነጥቢ 5 ቢልዮን ሽግሽግ ዕዳ ብሓባር ሒዙ ዝመፀ ‘ዩ:: ካብዙይ ድርድር ክካየድ ምስ ፀንሐ ናይ ኦፊሻል ክረዲተርስ ኮሚቴ ዝርርብ በብግዚኡ ክግበር ከምዝፀንሐ ኣብ ናይ ጂ20 ማእቀፍን ንፈልጥ ኢና::

ብምዃኑ ውሳነ ረኺቡ፤ ማለት ኣብ ስምምዕ በፂሑ እዙይ 3 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ኣብ 2017 በጀት ዓመት 1 ነጥቢ5 ዕዳ ሽግሽግ፣ ኣብ 2018 በጀት ዓመት ናይ 400 ሚልዮን፣ ኣብ 2019 በጀት ዓመት ናይ 500 ሚልዮን፣ ኣብ 2020 በጀት ዓመት ናይ 1 ነጥቢ 5 ቢልዮን ናይ ዕዳ ሽግሽግ ብዘርክብ ኩነታት ስምምዕነት ተበፂሑ ‘ዩ:: ናይዚ ዓመት እዚ እንተርኢና ‘ኳ ኣብ 2017 በጀት ዓመት ናይ ዕዳ ሽግሽግ ተዘይርከብ ነይሩ ክኽፈል ዝነበረ ዕዳ 2 ነጥቢ 8 ቢልዮን ዶላር ‘ዩ ነይሩ::

እዚ ናይ ዕዳ ሽግሽግ ክርከብ ብምኽኣሉ ናብ ከባቢ 1 ነጥቢ 9 ቢልዮን ዶላር ‘ዩ ዝኽፈል፤ ናብ 1 ቢልዮን ዶላር ዝፅጋዕ ገንዘብ ክኽፈል ዝነበረ ዕዳ ናብ መሰረተ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ክውዕል ዝገበረ ናይ ሪፎርም ስራሕ ማለት ‘ዩ:: ናይ 2016 በጀት ዓመት እንትውዳእ ጠቕላላ ናይ ወፃኢ ዕዳ ምስ ጂዲፒና ዘለዎ ብፅሒት 13 ነጥቢ 7 ሚኢታዊ ኮይኑ ኣሎ:: ኣብዚ ከዛኻኽር ዝድልዮ ሪፎርም ከንጅምር እንተለና ናይ ደገ ዕዳ ካብ ጂዲፒና ዝነበሮ ብፅሒት 30 ሚኢታዊ ‘ዩ ነይሩ::

ድሕሪ እዚ ዝተሰርሑ ናይ ዕዳ ምሽግሻግ ጥራሕ እንተይኮነስ ወላ ሓንቲ ዶላር ናይ ንግዲ ልቓሕ ንዘይ ምውሳድ ብምውሳኑ ምኽንያት ተወሳኺ ዕዳ ኣይመፀን፤ ዘለዉ ዕዳታት እናኸፈልና ፀኒሕና ኢና:: ከንደራደር ብምፅንሓና ድማ ነዚ ናይ ዕዳ ሽግሽግ ረኺብና ኢና:: ድጎማ ብዝምልከት 2011 ቢልየን ብር ኣብ 9 ኣዋርሕ ተዋሂቡ ‘ዩ::

ንምንታይ ንምንታይ ተዋሂቡ ዝብል ሕቶ፣ ንሴፍትኔት ብዓመቱ ዝተተሓዘ 41 ቢልዮን ብፍላይ ሴፍቲኔት በዚ መጠን ዝወሰኸሉ ብምኽንያት በቲ ሪሮርም ዝመፅእ ናይ ሓፂር እዋን ፅልዋ ዜጋታትና ናብ ፀገም ከይቓልዑ ዝወዓለ ‘ዩ:: ንመዳበርያ ናብ 62 ቢልዮን፣84 ቢልዮን ‘ዩ ኣብ ዓመት ተታሒዙ፤ ካብ ሕድሕድ ኩንታል መዳበርያ 3700 ብር እናተደጎመ ‘ዩ::

ንመድሓኒት በቲ ሪፎርም ምኽንያት ዝመፅእ ፅዕንቶ ዋጋ ወሰኽ ንምቕናስ ክሳብ ሕዚ 3 ነጥቢ 5 ቢልዮን ብር ድጎማ ተገይሩ ‘ዩ:: ዘይቲ ናብ 6 ቢልዮን ብር፣ ደሞዝ ናብ 38 ቢልዮን፣ ነዳዲ ብትሬዠር ኣቢሉ 60 ቢልዮን ብናይ ብትካል ነዳዲ ኣቢሉ 40 ወሲኽና 100 ቢልዮን ብር ብሓፈሻ ኣብ 9 ኣዋርሕ ንነዳዲ ድጎማ ተገይሩ ማለት ‘ዩ::

ናይ መንግስቲ ናይ ልምዓት ትካላት ናይ ሪፎርም ስራሕና ኣብ ናይ መጀመርታን ካልኣይን ምዕራፍ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ተበታቲኖም ዝነበሩ ብናይ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግ ብምእካብ ልዑል ናይ ሪፎርም ስራሕ ብምስራሕ ውዕኢታዊ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You