ንህዝቢ ትግራይ ተስፋ ክኾን ዝግብኦ ግዝያዊ ምምሕዳር

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሞትን ጉድኣትን ብዙሓት ዜጋታት፣ ዕንወት ሃፍትታ ህዝብን ሃገርን ደው ዘበለ፣ ካብ ስራሕ ደው ኢሉ ዝነበረ ሰራሕተኛ መንግስትን ውልቀን ዳግም ናብ ስርሖም ተመሊሶም ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱ ዝጀመሩሉን ‘ዩ::

እቲ ውዕሊ መሊኡ ኣብ ምፍፃምን ብዘጋጠመ ምድንጓይ ቀሊል ዘይብሃል ቁፅሪ ተመዛባላይ ናብ መረበቶ ኣይተመለሰን:: ነበር ዕጡቓት’ውን ናብ ንቡር ናብራኦም ኣይተመለሱን::እንተኾነ ‘ውን ኣብ ክልል ትግራይ ኣንፃራ ሰላም ክሰፍን ዝገበረን ንሕውየት ትግራይ ኣፋፍኖት ተስፋ ዝሃበን ውዕሊ ‘ዩ ::

እዚ ብዙሕ ተስፋ ዝተገበረሉ ወዕሊ እዚ ኣብ እዋኑ ሙሉእ ንሙሉእ ተፈፃሚ ኮይኑ ባህግን ድልየትን ህዝቢ ዝኾነ ስግኣት ዘይብሉ ሰላምን ልምዓትን ከምዝድለ ክቕፅልን እቲ ዝተመስረተን ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ፕረዝደንትነት ይምራሕ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተወሃቦ ስራሕቲ ወጊኑ ናብ ስሩዕ ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክሰጋገር ኣይከኣለን::

ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ብዝተፈጠረ ኣፈላላይ ጥራሕ ካሊእ ንህዝቢ ናብ ካሊእ ስግኣትን ጭንቅን ዘእተወ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ። እዚ ዘኾነሉ ምኽንያታት ብግቡእ ክፅንዑ ዘለዎም ብዙሓት ፅዕንቶታት እንተሃለው ‘ውን እቲ ዋና ብግልፂ ዝርኣይ ግና ካብ ሕሉፍ ሕመቆም ዘይተምሃሩ ብፍላይ ብመረፃ ቦርድ ኣፍልጦ ዘይተውሃቦ‹‹ጉባኤ›› ኣካይድና ኢና ዝበሉ መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ትን ፖለቲከኛታት ኢና በሃልቲ ብዝፈጠርዎ ፀገም ‘ዩ።

ብፍላይ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካብ ሎሚ ፅባሕ ዝሓሸ ነገራ ክመፅእ ‘ዩ ብዝብል ኣብቲ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ተስፋ ገይሩ ፀኒሑ ‘ዩ:: እዚ እቲ ህዝቢ ክንደየናይ ንሰላም ቕሩቡ ከምዝኾነ መርኣያ ‘ዩ:: ብወገን ህዝቢ ትግራይ ሰላም ቀዳምነት ምሃቡ ካብዚ ንላዕሊ መረዳእታ ኣይህልዉን:: ዋላ ‘ኳ ዝተመዛበለ ወገናት እንተሃለዉ ፣ ኣብዝሓ ህዝቢ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት እንተዘይሃለወ ኸዚ ‘ውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብዚ ኩነታት ሓራ ከውፀኦ ብትዕግስቲ እናተፀበየ ይርከብ::

ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ዘለዎ ቦታ ብዙሕ ተባሂሉ ‘ዩ:: ርግፅ ብወገን እቲ ህዝቢ ዘሎ ሓቂ ኾነ ኣብዚ ኸዚ ብጭቡጥ ኣብ መሬት ዝረአ ዘሎ ተግባር እዚ ናይ ህዝቢ ሰላም ደላይነት ዘንፀባርቕ ‘ዩ:: ብፍላይ እቲ መንእሰይ ከይፈተወ እናተገደደ ናብ ኹናት ዝኣቱ ዘሎ ነገር ብግልፂ እናሰልቸዎ መፂኡ ‘ዩ:: እቲ ህዝቢ ብምኽንያት ኹናት ካብ ልቡ ሓዚኑ ‘ዩ:: ኹናት ምፅልኡ ፤ብኹናት ዘስካሕከሐ ምዃኑ ብዝተፈላለየ መገዲ እናርኣየ ይርከብ:: ነዚ ‘ውን ይመስለል እቲ መንእሰይ ካብቲ ክልል ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ወፃኢ ዓዲ ፤ናብ ካልእ ክልላት ኢትዮጵያ ብብዝሓት እናተሰደደ ዝርከብ::

ኣብዚ ሐዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ከም ካልኦት ኢትዮጵያውያን ተረጋጊዑ ምንባር ይደሊ ‘ዩ:: ምምህሃር፣ ምስራሕ ፣ሰሪሑ ናይ ባዕሉን ቤተሰቡን ናብራ ምምሕያሽ ትልሙ ገይሩ እናተጉዓዘ ‘ዩ:: ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቁፀሩ ተመዛበልቲ ብምኽንያት ኹናት ኣብ ዳስ ምንባሮም ተደሓሒዙ ጉዳይ ሰላም ዘምፀኣሎም ውፅኢት ምግማት ቀሊል ‘ዩ:: ንግዝያዊ እንተኾነ ‘ውን ኣብቲ ኸባቢ ሰላም ምዃኑ ዓብይ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ::

ንትግራይ ዝመርሕ ኣመራርሓ ብሓፈሻ ፖለቲካን ፖለቲከኛታትን ንሓደ ሕብረተሰብ ረብሕኡ ሓልዩ ዝሓሸ ሂወትን ምዕባለን ከምፅኡ ግድን ‘ዩ:: ረብሓ ህዝቦምን ሃገሮምን ካብ ምሕላው፣ ሰላም፣ልምዓትን ድሕንነትን ልዕሊ ምውሓስ ንድልየትን ረብሓን ውልቆምን ጉጅልኦሙን ዘቀዱሙ እንተኾይኖም ግና ዕላምኦም ንህዝቢ ዘይሓስቡ ፖለቲከኛታት ስለዝኾኑ ናብ ትኽክለኛ መንገዲ ክምለሱን ዝሓለፈ ጥፍኣቶም ክእርሙን ይግባእ::

እዚ መሰረት ብምግባርን ድልየት ህዝቢ ትግራይ ንምምላስን ድማ ኣብ ዝሓለፈ መንግስቲ ፌደራል ንሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ውዕሊ ፕሪቶሪያን ምኽሪ ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ብምሕዋስ ሰፋሕቲ ምይይጣት ብምክያድ ፣ዘመን ስልጣን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ እንትውዳእ ዝተረፉ ቑልፊ ጉዳያት ዝሰርሕ ኣካል፣ እቲ ግዝያዊ መንግስቲ ክቕፅል

ኣለዎ ዝብል ድምዳመ ድሕሪ ምትሓዙ፣ ነዚ ስግግር መን መሪሑ ኣብ ሽቶ ከብፅሕ ይኽእል? ዝብሉ ምይይጣት እናተካየ ድሕሪ ምፅናሕ ሐዚ መዐለቢ ረኺቡ ኣሎ:: እዚ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰላማዊ መገዲ ብሓዱሽ ባህሊ ነቲ ስግግርን ቕብብልን ስልጣን ንምግባር ዝተዳለወ ፕሮግራም ከምዝተሳለጠ ይዝከር።

ሌተናል ጀነራል ታደሰ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ምኽትል ኣይተ ጌታቸው ኾይኖም ዘገልገሉ ሰብ ፣ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዝነበሩ ድኽመታትን ጥንካረታትን ብግልፂ እናተዓዘቡን እናተሳተፉን ዝነበሩ ፤ሕዚ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ንዘሎ ኽፍተት መሊኦም ንቕድሚት ክወስዱ ዝኽእሉ ‘ዮም ብዝብል ፕረዝደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኮይኖም ተሸይሞም ኣለው::

እዞም ሓድሽ ፕረዝደንትን ግዝያዊ ምምሕዳርን ካብኔኦምን ንህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝህብ ስራሕ ክሰርሑ ትፅቢት ይግበር:: እዞም ሓድሽ መራሒ እቲ ክልል ህዝቢ ትግራይ ዝፀምኦ ሰላምን ልምዓትን፣ ከም ኻልኦት ኣሕዋቱ ወፂኡ ናይ ምእታው ድሌት እንትሳኽዕ፣ ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ‘ውን ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ነገር ሰሪሖም ንምሕላፍ ታሪኽ ዝሃቦም ዕድል ከምዝጥቀሙሉ ተስፋ ይግብር። ናይ ስልጣን ምቅይያር እንተይኾነስ ኣብ ህዝቢ ዝመፅእ ዝረአን ዝጭበጥን ለውጢ ከመዝግቡ ግድን ይኸውን::

እዚ ርክክብ ሽትኡ ዕውት ንክኸውን ንክልልን ህዝብን ዝጠቕምን ፖለቲካዊ ኣፈላላይካ ኣፅቢብካ ብሓባር ብምስራሕ ለውጢ ምምፃእን ‘ዩ ክኸውን ዝግባእ። ኣብቲ እዋን ተግባራዊ ንክኾን ዝተፈረመ ቃል ኪዳን ቀዳምነት ተዋሂብዎ ክስረሐሉ ይግባእ:: ኸዚ ዘሎ ኣማራፂ ተኸባቢርካ ተደሚርኻ ንቕድሚት ምጉዓዝ ‘ዩ። በዚ መገዲ ምዕብልቲን ሰላም ዝሰፈነላን ክልል ክንፈጥር እዚ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ዓብይ ስራሕ ትፅቢት ይግበረሉ::

ኩላትና ንናይ ሕዚ ስልጣን እንተይኮናስ ንናይ ፅባሕ ሰናይ ፍረ ሓሲብና ከንኸይድ ይግበአና። ንኹሉ ምዕባለን ለውጥን መሰረቱ ሰላም ስለዝኾነ ተሓባቢሪና ንህዝብና ከንኽሕስ ኣለና። ብታሪኽ እናተወቐስና ከይንነብር ንህዝበይ እንታይ ጠቒመ ኢልና ብሓቦ ንሰላምን ለውጥን ከንለዓል ኣለና።

እዚ ድማ እቲ ሓድሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ፍታሕ ከምፅእ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር::ስለዚኾ እቲ ዕድመ ስልጣኑ ዝተናውሐ ግዝያዊ ምምሕዳር ንህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝህብ ‘ምበር ተስፋኡ ዘፀልምት ክኸውን የብሉን::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 9 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You