ሃገራዊ ምኽክር ንዘላቂ ሰላምን ዝተረጋግዐት ሃገርን

ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ዝትፈላለዪ ከባቢታት እዛ ሃገር ንዝርኣዩ ጎንፅታትን ኩነታት ምስኣን ሰላምን ዘላቂ መፍትሒ ንምምፃእ ካብ ዝተሓሰበ ሜላታት ሓደ ሃገራዊ ምኽክር ‘ዩ።

ብዛዕባ ፅንሰ ሓሳብ ምኽክር መሰረታዊ ባህርያት ካብ ዝብሃሉ ብሓፂሩ እንትግለፅ ምኽክር ከም ድርድር ዜጋታት ከሳኽዕዎም ኣብ ዝሓስብዎም ውሱናት ኣብ ዝኾኑ ድልየታት ስምምዕነታት ንኽፍጠሩ ብምግባር ዜጋታት ሰብኣዊ፣ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ፀገማቶም ብዘላቕነት ዝፈትሑሉ ምድልዳል ‘ዩ።

ኣብ ድርድር ዝረኣዩ ወይ ዘይረኣዩ ትሕዝቶታት ብምክፍፋል ወይ ድማ ንሓደ ወገን ብምሃብ ጎንፂ ንምዝሓል ዘገልግል እንትኸውን ምኽክር ድማ ኣብ መንጎ ሰባት ሓዱሽ ባህሊ ምክብባር፣ ምትእምማንን ምትሕብባርን ብምምዕባል ርክብ ዜጋታት ልዕል ዘብል ‘ዩ። ኣብ ኸይዲ ምኽክር ዝሳተፉ ተሳተፍቲ እቲ ሓደ ናይቲ ኻልእ ሓሳብ ብግቡእ ብምድማፅ ናይቲ ሰብ ሓሳብን ድልየትን ንምርዳእ ፃዕሪ ይገብር፤ ኣብቲ ኸይዲ ‘ውን ሓባራዊ ዝብልዎምን ዘረዳድኡዎምን መፍትሒታት ከምዘፈልፍሉ ‘ዩ ዝግለፅ።

በዚ መሰረት ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብዛ ሃገር ዝተፈጠሩ ዘይምርድዳእ ምፍልላይ ሓሳባት ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ሃገርለኸ መድረኽ ምኽክር ንምክያድ ዘኽእል፤ብምዕራፍ ዝተኸፋፈሉን ንምኽክር ዘድልዩ ከይድታት ንምስራሕ ምንቅስቃስ ካብ ዝጅመር ፀኒሑ ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ድማ ተሳተፍቲ እቲ ምኽክር ምፅራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባብታት ተሰሪሖም ‘ዮም። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ኸባቢታት ከይዲ እቲ ምኽክር ወሳኒ ጉዳይ ዘለዎ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እናተኻየደ ይርከብ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገርን ዝተኻየደ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ‘ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ቀፂሉ ስነስርዓት መኸፈቲ መርሃ ግብሪ ኸይዲ ምትእኽኻብ አጀንዳ ምክያዱ ካብ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ ተፈሊጡ ‘ዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኸይዲ ምኽክር ምትእኽካብ ኣጀንዳ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተማልአ ምድላው ከምዝተገበረ ‘ውን ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ‘ዩ። ኣብቲ መድረኽ ካብ ወረዳታት እቲ ክልል ዓሰርተ ክፋላት ማሕበረሰብ ወኪሎም ዝተመረፁ ልዕሊ 4 ሽሕን 500 ወከልቲ ሕብረተሰብ ካብ ዕለት 27 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሮም ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልትታት ናይ ኣጀንዳ ሓሳባቶም ብምይይጥ ከምዘጠናኸሩ ግዜኢ ፀብፂቡ ‘ዩ።

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጥሙ ፀገማት ብምዝርራብን ብምዝታይን ምፍታሕ ባህሊ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ፡፡ ስነ ስርዓት ምኽፋት ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ክልል ኣምሓራ ተወከልቲ ህዝቢ እቲ ክልል ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ንትጀመር ኣብቲ መድረኽ፤ ተወከልቲ ውድባት ፖለቲካ፣ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላት ዝሓቖፉ ተወከልቲ፣ኣቦታት ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓድን ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ተረኺቦም።

ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብ ሃገርና ንዘጋጥሙ ፀገማት ብምዝርራብን ብምዝታይን ምፍታሕ ባህሊ ክኸውን ይግባእ።ስለዝኾነ ድማ ኮሚሽን ምኽክር ተጣይሹ ዘይሻራዊ ኮይኑ እናሰርሐ እንትኸውን እዚ ድማ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኩሉ ወገን ኣሸናፊ ምግባር ዘኽእል ‘ዩ ኢሎም። ፀገማት ተፃዊሮም ናብዚ ምኽክር ንዝመፁ ወገናት ብምምስጋን፤ ኣብ ፃንሒቶም ‘ውን እቲ ህዝቢ ዝውክሉ ኣጀንዳታት ወይ ድማ ዛዕባታት ብምሓዝ ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ንክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።

ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ምዝርራብን ምዝታይን ወሳኒ ‘ዩ ዝበላ ምክትል ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ሂሩት ገብረስላሴ፤ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሕቶታት ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ መፍትሒ ‘ውን ክጥቁሙ ከምዘለዎም ኣረዲአን። ኣብዚ ኻልኣይ ምዕራፍ ኸይዲ ምኽክር ንዝተመረፁ ወከልቲ ክፋላት ማሕበረሰብ ወረዳታት ሓዊሱ ወኪላት መንግስቲ፣ ትካላት፣ ማሕበራት፣ ፖለቲካዊ ፓርትታት ከምኡ ‘ውን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀሰባት ኣጀንዳታቶም ብምይይጥ ንምጥንኻር አብቲ ኮሚሽን ተረኺቦም ‘ዮም።

ኣብዚ ኣብ ዝተገበሩ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ብዝተሳተፉ ሰባት ብዙሓት ሓሳባት ተላዒሎም ‘ዮም። ንኣብነት ሓደ ናይቲ ኸይዲ ምኽክር ተሳታፊ ዝኾኑ ኣይተ መሪዬ ጥላሁን ከምዝበልዎ፤ ኣፈላላያት እናሰፍሑ ከይዶም ዘይምርግጋኣትን ኵናትን ተፈጢሮም ‘ዮም፤ በዚ ዝተፈጠሩ ኵናታት ድማ ህዝቢ ናብ ፀገምን መከራን ተሳጢሑ ‘ዩ፤ እዚ ጥፍኣት ንኹሉ ሰዓራይ ብዝገብር ምኽክርን ዘተን ዕልባት ክረክብ ከምዘለዎ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ዝተነዝሑ ናይ ምክፍፋል ተረኻት ህዝቢ ኢትዮጵያ ብመንደር ተፈላልዩ፣ ምትእምማን ከይህልዎ ገይሮም ‘ዮም። ነዚ መንገዲ ብምቅያር ኣሳታፊ ዝኾነ ምኽክር ብምግባር ምትእምማን ንክህነፅ ሃገራዊ ምኽክር ዓብይ ኣበርክቶ ኣለዎ ‘ዩ ኢሎም። ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተኒ ዝብል ኩሉ ኣብዚ ዘተ ንቁሕ ተሳታፊ ኮይኑ ሐዚ እዛ ሃገር ንዘላትሉ ኩነታት መበገሲ ዝኾኑ ጉዳያት ብግልፅነት ብምልዓል ንሕማማ መድሓኒት ንምዃን ምድላው ከምዝግባእ ‘ውን ይገልፁ ።

ወፂእኻ ምእታው ሰሪሕኻ ምልዋጥ ኣፀጋሚ ዝኾነሉ ኩነታት ክቅፅል የብሉን ዝበሉ ኣይተ መሪዬ፤ ዕጡቃት ሓይልታት ኩሎም ብኽያት ኣዶታትን ተማሕፅኖ ኣቦታትን ሰሚዖም ንምኸክር ክቕመጡ ኣለዎም፤ ዘላቂ ሰላም ንምፍጣርን ዝተረጋጋዐት ሃገር ንምፅናሕ ካብ ምኽክር ዝሐሸ ኣማራፂ የለን፤ እዚ ኣጋጣሚ ብግቡእ ምጥቃም ይግባእ ኢሎም።

በቢከባቢኡ ስርቆት በዚሑ ዜጋታት ንብረታቶም እናሰኣኑ፣ ሂወት ሰባት እናጠፍአ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ፤ እዚ ንከብቅዕ ብሰላም ወፂእኻ ምእታው ፀገም ከይኸውን ብባህሊ ኣቦታትና ኮፍ ኢልና ብምዝርራብ ፀገማትና ንፍታሕ ዝብል መልእኸቲ ኣሕሊፎም ‘ዮም። ካሊእ ናይቲ ምኽክር ተሳታፊ ዝኾኑ መምህር በጎሳው ገነት ብወኖም ከምዝበልዎ፤ እቲ ምኽክር ኮሚሽን ኣብታ ሃገር ሓድነት ንምፅናዕ እናተሰርሐ ‘ዩ።

እቲ ህዝቢ ድማ ማእገር ብምዃን ፀገማት ብዘተ ንክፍትሑ ምስራሕ ዝገበረሉ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ በዚ ኸይዲ ተሳታፊ እናኾኑ ዘለው ዜጋታት ታሪኻዊ ሓላፊነት ዘለዎም ምዃኑ ተረዲኦም ንሓቂ ብምውጋን ሰላም ዝሰፈነላ ኢትዮጵያ ንክትፍጠር ዓሻራኦም ምንባር ከምዘለዎም ገሊፆም ‘ዮም። ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ዝብል ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ዘልዐሉ ኣይተ በጎሳው፤ ንስእነት ሰላም ተሓታቲ ኩሉ ሰብ ‘ዩ ብምባል፤ ነዚ ፀገም መፍትሒ ዝኸውን ሓሳብ ዘፈልፍል ‘ውን ካብቲ ህዝቢ ‘ዩ። በዚ መንፅር ‘ውን ኩሉ ናይ ባዕሉ ግደ ክዋፃእ ከምዘለዎ ‘ዮም ተዛሪቦም።

ካሊእ ናይቲ ምኽክር ተሳታፊ ዝኾኑ ኣይተ ገብረኪዳን ዋኘው ከምዝገለፅዎ፤ እዚ ሃገራዊ ምኽክር ዕወት ብዝኾነ መልክዕ ምክያድ ምኽኣል ካልኣይ ዓድዋ ብሰላም ከምምግባር ዝቁፀር ዓብይ ተግባር ምዃኑ ብምግላፅ፤ ሓሳቦም ብነፃነት ከምዝናገለፁን ህዝቢ አምሓራ ኢሉ ‘ውን ኩሉ ሕቶታት ህዝብታት ኢትዮጵያ ዝኾኑ ጉዳያት ተላዒሎም ዘተ እናተገበረሎም ‘ዩ ዝርከብ ፤ እቲ ኸይዱ ‘ውን ውፅኢታዊ ብዝኾነ መንገዲ እናቀፀለ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።ንሃገር ሓንቲ ዝግብር ሓሳብ ንምውፃእ ምኽክር ዝመሰለ ነገር የለን፤ ኣብ ምኽክር ኩሉ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ተኸባቢሮም ጥራሕ ከይኮነስ ተፋትዮም ዝነብሩላ ሃገር ንክትፍጥር ምስራሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም ‘ዮም።

ኮምሽነር ኮምሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ኣይተ መላኩ ወልደማርያም ቅድሚ ሐዚ ከምዝገልፅዎ፤ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ካብ ዝሓቶም ቁልፊ ተግባራት እቲ ተግባር ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ‘ዩ። እቲ ኮምሽን ዝመሓዳደረሉ ኣዋጅ 1265/2014 ዓንቀፅ 9 ንኡስ ዓንቀፅ 5 መሰረት ካብ መላእ ሃገር ዜጋታት፣ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ማሕበረሰብ፣ መዳርግቲ ኣካላት ሓሳብና ከስምዑልና ‘ዮም ዝብልዎም ተሳተፍቲ ምስ ፈለዩ ብክልላትን ፌደራላትን ብርኪ ስራሕ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ እናተኻየደ ከምዝኾነ የረድእ።

ስለዝኾነ ድማ ከይዲ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ሃገራዊ ምርድዳእ ክግበረሎም የድሊ ዝበልዎም ብጣዕሚ መሰረታዊ ጉዳያት ብህዝባዊ ዘተ ዝእከብሉ ወሳኒ ምዕራፍ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ኮምሽነር፤ እዚ ድማ ብኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊ ከምኡ ‘ውን ካብ ብመንፅር ፀጥታ ዝላዓሉ ሓሳባትን ሕቶታትን ምትእኽኻብ ከምዝረድእ ኣልዒሎም። ዝእከቡ ኣጀንዳታት ‘ውን ኢትዮጵያውያን ኣብ መንጎኦም ዘሎ ምፍልላይ ሓሳብ ዘይምርድዳእን መልዓሊ ዝኾኑ ምኽንያትን ፍታሕን ዙርያ ብዘተን ዝርርብን ምፍታሕ ዝካኣለሉ ኩነታት ዘመልክት ከምዝኾነ ይገልፁ።

እቲ ኮምሽን ካብ ዝኽተሎም መትከላት ኣካታትን ኣሳታፍን እቶም ዋና ከምዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ፤ በዚ ድማ ዝተፈላለዩ ክፋል ማሕበረሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ንምክታት እናሰርሐ ከምዝኾነ የረድኡ። እዚኦም ተወከልቲ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ፣መናእሰይ፣ ጉድኣት ኣካላት፣ ፅዕንቶ ፈጠርቲ፣ መምህራን፣ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ፓርትታት ፖለቲካ፣ ዝኣመሰሉ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተመረፁ ተወከልቲ እንትኾኑ እዚ ድማ ከም ሃገር ዝግበር ምኽክር ውፅኢታዊ ንክኾን ዘኽእል ‘ዩ ይብሉ።

በቢዘፈሩ ኢሉ ‘ውን ኣብ ክልሎም ዘጋጠሞም መሰረታዊ ፍታሕ ዝደለዩ ከምኡ ‘ውን ብሃገር ብርኪ ዝረኣዩ መሰረታዊ ፀገማት ነፃን ገለልተኛን ብዝኾነ መልክዑ ናይ ምፍላይ ስራሕ ዝስረሐሉ ከይዲ ብምዃኑ ኣሳታፍነቱ ምርግጋፅ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ኹሉ ኣሳታፊ ምግባሩ በቢ ዘፈሩ ዝላዓሉ ሕቶታትን ኣጀንዳታትን ንምስታፍ ናይ ሓባር ሃገራዊ ፍታሕ ንምሃብ ዘኽእል ‘ዩ። ምትእኽኻብ ኣጀንዳታት ንሃገራዊ ምኽክር ቀሪቦም ሰላምን ድሕንነትን ዝተሓለወ ሃገር ንምህናፅ ዘኽእሉ ሕቶታት ሓሳባት ዝፍለይሉ ወሳኒ ምዕራፍ እቲ ምኽክር ‘ዩ ይብሉ።

ኣብ ቀፃሊ እቲ ኮምሽን በዝቐረቡ ኣጀንዳታት ውሽጢ መሰረታዊ ዝኾኑ ሃገራዊ ጉዳያት ብምፍላይ ንቤት ምኽሪ ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ዝቐርብ ከምዝኾነ ብምርዳእ፤ኣብ መወዳእታ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ይፅዋዕ። በዚ ድማ ቑፅሮም ልዕሊ 2ሽሕ 500 ዝኾኑ ሰባት ክሳተፍሉ ‘ዮም ተባሂሎም ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኾን፤ ኣብቲ ጉባኤ ከይዲ ምኽክር ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ዝኾን ሓሳብ ከቕርቡ ‘ዮም ክብሉ ነቲ ከይዲ የብርሁ፡፡

ኮሚሽን ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣምባዬ ኦጋቶ (ዶ/ር) ብግዲኦም፣ ቅዋም ናይቲ ኮሚሽን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ንፀገማት ኢትዮጵያ መፍትሒ ይኸውን ዝብል ‘ዩ ይብሉ። ልሂቃን እቲ ኮሙሽን፣ ደቒ ኣንስትዮ፣ ኣካል ጉድኣት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ መንግስቲ፣ ሚድያታት፣ ፖለቲካዊ ፓርቲታት፣ ሓረስታይን ዲያስፖራን ክምኡ ‘ውን ካልኦት ንኢትዮጵያ ዝጠቕም ሓሳብ ኣለኒ ዝብል ክፋል ሕብረተሰብ ብማዕረ ብምክታትን ብምስታፍን ናይ ኢትዮጵያ ፀገማት ብኢትዮጵያውያን ንምፍታሕ እናሰርሐ ከምዝኾነ ይሕብሩ።

ኢትዮጵያ ሕዚ ዘለትሉ ፀገም ከትወፅእ እትኽእል ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣካል መፍትሒ እንትኸውን ብምዃኑ፤ ንኢትዮጵያውያ ንምንፃህ፣ ንምስጋርን ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያ ንምህናፅን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ተሳተፍቲ ክኾኑ ከምዝግባእ ይዛረቡ። ከም ገለፃ እቶም ኮሚሽነር፣ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዘለዎ ሓቂ፣ ጥበብ፣ ፍልጥትን ክእለትን ብምእካብ ጠንካራ ሃገርን ማሕበረሰብን ምህናፅ ይኽእል ‘ዩ። ብምዃኑ ኣነ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተኒ ‘ዩ፣ በዓል ዋና ‘የ ኢሉ ዝኣምን ኢትዮጵያዊ ኣብቲ ምኽክክር ክሳተፍ እናተሰርሐ ‘ዩ።

ኣሳታፊነት ናይቲ ምኽክር ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይምልከተኩም ‘ዩ፤ በዓል ዋና ኢኹም ንምባል ‘ምበር ምስ ኮታ ዝተተሓዘ ከምዘይኮነ ብምግላፅ፤ በቲ ኣዋጅ ኣካተትቲ ኢኹም ዝብል ናይ ሕጊ መበገሲ ስለዘሎ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ኩሉ ኣብ ከይዲ እቲ ምኽክር እንተይተገለለ ይሳተፍ፤ እዚ ናይ ሕጊ መበገሲ ብምጥቓም ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላላዩ ከባቢታት ዝርከቡ ዕጡቓት ኣብቲ ምኽክር ክሳተፉ ፃውዒት እናቕረብና ኢና ክብሉ ይገልፁ።

ዕጡቓት ሓሳቦም ንምኽክር ከቕርቡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ናይ ሓሳብ ፍልልያት ናብ ጠረጴዛ እንትመፁ ናይ ሓደ ሓሳብ ነቲ ናይ ካሊእ ሓሳብ ስግኣትን ፅልእን ከምዘይኮነ ይግንዘቡ፤ ኢትዮጵያ ብዝሃነት ዘለዋ ሰፋሕ ሃገር ‘ያ፤ ኣብ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ሓደ ክፋል ሕብረተሰብ ናይ ካሊእ ጥበብ፣ ፍልጠት፣ ክእለትን ሓሳብን ናይ ምድማፅ ዕድል ምርካቡን ናይ ካሊእ ፀገም እናፈለጠ ምኻዱ ጠንካራ ሃገር ምህናፅ ከምዘኽእል ‘ዮም ዘረድኡ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You