
ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ካብዝመፅእ ሸውዓተ ዓመታት ተቖፂሩ ኣሎ። እቲ ለውጢ ብዙሓት ሕቶታት ህዝቢ መሰረት ገይሩ ዝመፀ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራውን ቁጠባውን ፀገማት ዘልዕሎም ዝነበረ ሕቶታት ኣብቲ እዋን ክምለሱ ብዘይምኽኣሎም ለውጢ ክመፅእ ምኽንያታት ኮይኖም ‘ዮም። በቲ ሕቶ ህዝቢ መሰረት ብዙሓት ለውጥታት ተራእዮም ‘ዮም። ሓደ ሓደ ፀገም ዝነበሮም ከም ግድብ ኣባይ ፕሮጀክትታት ክስርሑ ተገይሩ ‘ዩ።
ካልኦት ኣብ ሕርሻ፣ መባፅሕቲ ቱሪዝምን ኮሪደርን ወዘተ ዝድነቑ ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ እዞም 7 ዓመታት ብዙሓት ለውጢ ተመዝጊቦም ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብቲ ለውጢ ተጠቓሚ ኮይኑ ‘ዩ። ብፍላይ ኣብ ኢኮኖሚ፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ዝመሳሰሉ ነገራት ካብ ናይ ቕድሚ ለውጢ ዝነበሩ ብዝሓሸ ለውጥታት ተራእዮም ‘ዮም።
መንግስቲ ብፍላይ ኣብ ልምዓት ስርናይ ንሃገርና ካብ ተፀባይነት ረድኣታ ብምንጋፍ ናብ ዓርሳ ትኽእለሉ መንገዲ ኣሳጋጊርዋ ‘ዩ። ብመሪሕነት ፓርቲ ብልፅግና ዝምራሕ ናይ እቲ ለውጢ መንግስቲ ታሪኻውን እዋናውን ፀገማት ኢትዮጵያ ብምልላይ ብዙሓት ለውጢ ተመዝጊቦም ‘ዮም። ብፍላይ ኣሳታፊን ንኹሉ ዝሓቁፍን ፖለቲካዊ ሃዋህው ክፍጠር እቲ ፓርቲ ብዙሓት ስራሕቲ ብምስራሕ ኣርኣያ ኮይኑ ‘ዩ።
ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ምስቲ ዘጋጠሞ ኵናት ንበይኑ ከይተጠቐመ ፀኒሑ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ኩናት ብውዕል ፕሪቶርያ ዋላ ክፍታሕ እንተተኸኣለ ይኹን ‘ምበር ሕዚ ‘ውን ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓት ናይ ፖለቲካ ፀገም ስለዘሎ ብዙሓት ፀገማት ህዝቢ ኣይተፈትሑን። ኩሎም ዝተፈናቐሉ ሰባት ናብ መረበቶም ኣይተመለሱን።
ፖለቲከኛታት ተጋሩ ኣብ ሰላም ቐዳምነት ብምሃብ ክሰርሑ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ‘ዩ ተጠቃሚ ዝኸውን፤ ህዝቢ ትግራይ ድሌቱ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ፤ ካብቲ ለውጢ ከም ሃገሩ ተጠቓሚ ክኸውን ‘ዩ ዝደሊ። እቲ ህዝቢ ነዚ ከምዝደሊ ብተፈላለዩ ሚድያታት ሓሳቡ ኣብ ኣደባባይ እናገለፀ መፂኡ ‘ዩ። ብዛዕባ ሰላምን ልምዓት ናብ ሕቶ ዝቐርብ ኣይኮነን እናበለ ይግልፅ ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ክኽበር ‘ዩ ዘለዎ። ፖለቲከኛታት ተጋሩ ብዛዕባ ሰላም ክሰብኩን ክሰርሑን ኣለዎም። ኵናት ንትግራይ ካብዚ ንደሓር ኣየድልን። ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ፍልልይ እንተሃልዩ ብዝርርብ ክፍታሕ ኣለዎ።
መራሕቲ ህወሓት ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ለውጢ ተጠቓሚ ክኸውን ኣብ መንጎኦም ሰላም ክፈጥሩ ኣለዎም። ምስ ካሊእ ‘ውን ተመሳሳሊ። ብፍላይ ተመዛበልቲ ናብ ቦትኦም ኣብ ምምላስ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም። ዕጡቃት ‘ውን ናብ ሰላማዊ ሕይወት ናይ ምምላስ ስራሕ ብምስራሕ ሕቶ ልምዓት ህዝቢ ንምምላስ ክሰርሑ፤ ህዝቢ ከም ካልኦት ህዝቢታት ካብቲ ለውጢ ተጠቓሚ ክኸውን ሰላም ክፈጥሩ ኣለዎም።
ካልኦት ክልላት ሰላም ስለዘለዎን ‘የን ካብቲ ለውጢ ተጠቐምቲ ኮይነን ዘለዋ። ስለዚ ልምዓት ክህሉ እንተኾይኑ ሰላም ክሰፍን ኣለዎ። መራሕቲ ህወሓት ኣብ መንጎኦም ዘሎ ፀገም ብምፍታሕ ምስ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት እዛ ሃገር ስሙርን ስጡምን ርክብ ክህልዎም ኣለዎም። ኣብ ሰላም ኣበርቲዕኻ ክስራሕ እንተዘይተኻኢሉ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ለውጢ ተጠቓሚ ክኸውን ኣይኽእልን። ሰላሙ ብምሕላው ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ክኸውን እንተኾይኑ ሰላም ምስፋን ግቡእ ‘ዩ። ቕድሚ ኩሉ ሰላም ክመፅእ ኣለዎ።
ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ብናይ ውሽጢ ይኹኑ ግዳማውያን ሓይልታት ከይተደናገረ ሰላሙ ብምሕላው ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ክኸውን ምእንቲ ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ሰላም በርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኩነታት ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ከይተጠቐመ ፀኒሑ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ሰላም ብዘይደልዩ ሓይታት ከይተደናገረ ዝተረኽበ ሰላም ዓቒቡ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቃሚ ክኸውን ‘ዩ ዝግበኦ። ካልኦት ክልላት ሳላ ሰላም ዘለወን ዝተፈላላዩ ልምዓታት እናሳለጣ ይርከባ፤ ትግራይ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ከም ካልኦት ክልላት ኣብ ተፈላላዩ ልምዓታት ከትነጥፍን ከትጥቐምን እንተኾይና ቐዳምነት ኣብ ሰላም ኣብ ምስፋን ክስራሕ ኣለዎ። ትግራይ ከትለምዕ፣ ሕቶ ህዝቢ ትግራይ ክምለስ፣ዝተረጋግዐ ሰላም የድሊ፡፡
በቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ‘ዩ። ሕዚ ድሕሪ ፕሪቶርያ ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም እቲ ህዝቢ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ኣሎ። እዚ ንድሓር ክምለስ የብሉን። ምኽንያቱ ድሌት ህዝቢ ሰላምን ልምዓትን ‘ዩ። ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ምዃን ‘ዩ። ካብ ድሌት ህዝቢ ብተፃራሪ ምኻድ ማለት ንህዝቢ ከይተገደስካ ንውልቕኻን ጉጅለኻን ምሕሳብ ማለት ‘ዩ።
ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ሰላም ረኺቡ ትማሊ ይኹን ሕዚ ድሌቱ ልምዓት ‘ዩ፤ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ብልምዓት ተጠቓሚ ምዃን ‘ዩ፤ ስለዝኾነ እዚ ክኽበረሉ ይግባእ። ጥራሕ ሰላሙ ዓቒቡ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ክኸውን ‘ዩ ዘለዎ፤ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ሰላሙ ብምዕቓብ ከም ካልኦት ክልላት ብልምዓት ተጠቓሚ ክኸውን እናተገበኦ ከይተጠቐመ ፀኒሑ ‘ዩ። ሕዚ እዚ ደጊሙ ከምልጦ ኣይግበእን። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዝርባሕ ካብ ሰላም ጥራሕ ስለዝኾነ ሰላሙ ዓቒቡ ብምሓዝ ከም ካልኦት ክልላት ኣብ ልምዓት ተጠቓሚ ክኸውን ኣለዎ። ከም ክልል ብዙሓት ክሳራታት ኣጋጢሞሞ ‘ዮም። ኣብ ሂወት ይኹን ኣብ ንብረት ዝበፅሑ ክሳራታት ማእለያ ዘለዎም ኣይኮኑን።
እዚ ክድገም የብሉን፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ተረኺቡ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ንደሓር ከይምለስ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ብምሕላው ዝበፅሖ ኩለመዳያዊ ክሳራ ክሓውን ሰላሙ ኣፅኒዑ ክሕዝ ኣለዎ። ከምዙይ እንተኾይኑ ‘ዩ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ብምዃን ከም ካልኦት ክልላት ልምዓቱ ከረጋገፅ ዝኽእል። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ ለውጢ መንግስቲ ተጠቓሚ ክኸውን ሰላሙ ንምዝራግ ዝደራደሩ ሓይልታት ይኣኽለኩም ክብሎም ይግባእ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 2 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም