
ኢትዮጵያ ኣብ 2003 ዓ.ም ግድብ ህዳሰ ኣብ ሩባ ኣባይ ምህናፅ ዝጀመረትሉ እዋን ከምዝነበረ ዝዝከር ‘ዩ። ኣብ ሩባ ኣባይ ብብዙሕ ቢልዮናት ዶላር ዝግመት ግድብ ሃይድሮኤሌክትሪክ ዕላው ዝተገበረሉ ኮይኑ ሕዚ 24 መጋቢት2017 ዓ.ም ዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመት ይኾኖ ኣሎ።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኢትዮጵያ ዝተፈላላዩ ፈተናታት እናገጠምዋ መፂኦም ‘ዮም። ክሳብ ሕዚ ግብፂ ኣብቲ ግድብ ክትስመዓማዕ ኣይከኣለትን። ክሳብ ሕዚ ግብፃውያን ብዛዕባ እዚ ግድብ እዚ ዋላ ዘይጎድኣም ይኹን ቕድሚ ሕዚ ሒዞሞ ዝነበሩ ኣካይዳ ዝቕይር ስለዘይኾነ ፍትሓዊ ተጠቃሚነት ዝብል ሓሳብ ፈፂሙ ኣይተዋሓጠሎምን።
ግብፃዊያንኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣብ ሚድያታቶም ኣንፃር እዚ ግድብ እዚ ብተደጋጋሚ ሓሳብ ከልዕሉን ክቓወሙን ‘ዮም ዝስምዑ፤ ካብዚ ሃሊፉ ‘ውን ዓለምለኻዊ መልክዕ ንምትሓዝ ካብ ምፍታን ንደሓር ኣይበሉን። ግብፂ ነቲ ጉዳይ ናብ ዓለምለኻዊ ቤት ፍርዲ ንምውሳድ ብተደጋጋሚ ‘ኳ እንተፈተነት ከምዝሓሰበቶ ኣይከደላን፤ ብዙሕ ተቐባልነት ከይረኸበት ተሪፋ ‘ያ።
ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ነዚ ግድብ እዚ መስርሒ ልቓሕ ይኹን ሓጋዝ ከይትረክብ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ እናሰርሐት መፂኣ ‘ያ። ኮይኑ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመላእ ህዝቢ ብምልዕዓል፤ ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ናይ ደገ ሓገዝ ክሰርሖ ክኢሉ ‘ዩ። ዳርጋ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ማለት ተመሃራይ፣ መንግስቲ ሰራሕተኛ፣ ነጋዳይ፣ ሓረስታይ ብሓፈሻ ድኻ ይኹን ሃፍታም ብስምዒት ተላዓዒሉ ልዑል ተሳትፎ ብምግባሩ ኣብዚ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ ክበፅሕ ክኢሉ ‘ዩ።
ግብፂ፣ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ኣብ ስምምዕነት ንምብፃሕ ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት እናተዘራረባ ፀኒሐን ‘የን፤ ሰለስቲአን ሃገራት ማለት ግብፂ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣብ ህንፀት እቲ ግድብ መፅናዕቲ ንምክያድ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ክሳብ ምጥያሽ በፂሐን ዝነበራ ኮይነን ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ንሰለስቲአን ሃገራት ዘዕግብ ኩለመዳያዊ ስምምዕ ኣይተበፅሐን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ንብፅሒት ማይ ግብፂ ከምዘይፀልዎ እናገለፀ ዝመፀ ኮይኑ ሕዚ ‘ውን እቲ ግድብ ዝመልአ ኮይኑ ኣብ ግድብ ኣስዋን ዝኾነ ዓይነት ናይ ምቕናስ ኩነታት ኣየርኣየን። ግድብ ኣባይ ኣብ ግብፂ ዝኾነ ዓይነት ፅልዋ ከምዘየሕድር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እናገለፀ መፂኡ ‘ዩ። ስለዚ ግብፃውያ ኣብዚ ጉዳይ ስግኣት ክሓድሮም የብሎምን።
ኢትዮጵያውያን ብዘይ ሓገዝን ልቓሕን ክሰርሕዎ ኣይኽእሉን ዝብል ዝነበረ ዝተሰሓሓተ ናይ ግብፂ ኣተሓሳስባ ንሕና ኢትዮጵያውያን እንተሓቢርና ከምዚ ዝበሉ ዘይድፈሩ ዝመስሉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዝዓግተና ነገር ከምዘየለ ዘርኢ ‘ዩ። ግድብ ኣባይ ኣብዚ ደረጃ ክበፅሕ እንተሎ ብዙሕ ዋጋ ተኸፊልዎ ‘ዩ።
ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ይኹን ልቓሕ ብዘይ ምርካብ ብናይ ኢትዮጵያውን ዓቕሚ ዝተሰርሐ ምዃኑ ጥራሕ እንተይኮነስ ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ መንግስቲ ብመንፅር ዲፕሎማሲ ‘ውን እንተኾነ ብዙሕ ፈተናታት ዝተፈተነሉ ፕሮጀክት ‘ዩ።
ግድብ ኣባይ ዓብዪ ታሪኽ ናይዚ ወለዶ ኮይኑ፤ ኣፍሪካውያን ካብዚ ግድብ እዚ ዓብዪ ትምህርቲ ክወስድሉ ዝኽእሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ። ማለት ኣፍሪካውያን ብዘይ ሓገዝ ወይ ልቓሕ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ክሰርሑ ኣይኽእሉን ዝብል ሰሪፁ ዝፀንሐ ኣተሓሳስባ ዝሰበረ ፕሮጀክት ‘ዩ።
ብፍላይ ድማ ካብዚ ሓሊፉ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ንዘመናት ሰፊኑ ዝፀንሐ ዘይፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ማይ ሩባ ኣባይ ዝሰበረ፣ ናይ ሓባር ተጠቓሚነትን ናይ ይከኣል መንፈስን ዝፈጠረ፤ ዝተዛበዐ ኣተሓሳስባን ዝነበሮም ቕኑዕ ኣተሓሳስባ ክሕዙ ዝገበረ ፕሮጀክት ‘ዩ። ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሃገራዊ፣ ኣህጉራውን ኣለምለኻውን ትርጉም ዘለዎ ዓብዪ ፕሮጀክት ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ብዙሕ ረብሓ ዘለዎ ‘ዩ። ንኣብነት ብመንፅር ምህርቲ ዓሳ፣ ኤሌክትሪክ ብምሻጥ ዝርከብ ናይ ወፃኢ ሸርፊ ምርካብ፣ ፍልልፍል ቱሪዝምን ካልኦትን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝሓለ ሰሙን ካብ ተወከልቲ ህዝቢ ንዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልስን መብርህን፤ ግድብ ህዳሰ ኣባይ ኣብ ዝቕፅሉ 6 ኣዋርሕ ክምረቕ ‘ዩ። እዚ ንኢትዮጵያውያን ኣብዪ ብስራት ‘ዩ። እዚ ግድብ እዚ ኣብ ግብፂ ይኹን ታሕተዎት መፋስስቲ ሃገራት ዝኾነ ዓይነት ጉድኣት ከብፅሕ ኣይከኣለን። ንቐፃሊ ‘ውን ዘብፅሕ ኣይኮነን። ግድብ ኣባይ ንግብፂ ዝተፈለየ ፀገም ከምፅእ ኣይኽእልን።
ዕላማ ናይ ኢትዮጵያ ምፍራይ ኢነርጂ ‘ዩ፤ ኢትዮጵያ ንግብፂ ምጉዳእ ኣይትደልን፤ ስለዚ ኣባይ ሕዚ መሊኡ ኣሎ ኣስዋን ግድብ ኣይጎደለን፤ ከምዝነበሮ ሙሉእ ‘ዩ ዘሎ፤ ዝጎደለ ነገር የለን። ኢትዮጵያን ግብፅን ኣብ ጉዳይ ሕዳሰ ዘጨቓጭቕ ነገር ክህሉ የብሉን። ዘድሊ ሓቢርካ ተሓጋጊዝካ ምዕባይ ‘ዩ፤ ሓንቲ ነታ ሓንቲ ትጎድአሉ ጉዳይ ኣይህሉን። ብፍላይ ኢትዮጵያ ንዝኾነት ሃገር ጎዲኣ ኣይትፈልጥን።
ድሌት ኢትዮጵያ ተሓጋጊዝካ ምዕባይ ‘ዩ። ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ሓቢርና ንጠቐም ፍትሓዊ ተረባሕነት ይንገስ ዝብል ቅዋም ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ስለዚ ግድብ ህዳሰ/ኣባይ ኣብ ካልኦት ሃገራት ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ፅልዋ ብዓቕሚ፣ ሓቦን ሓድነትን ኢትዮጵያውያን ተሰሪሑ ኣብዚ ብርኪ እዚ ምብፅሑ ኩርዓት ኢትዮጵያ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩርዓት መላእ ኣፍሪካውያን ‘ውን ‘ዩ። ንመላእ ኣፍሪካውያን ትምህርቲ ዝሃበ ፕሮጀክት ‘ዩ።
ምኽንያቱ ኣፍሪካውያ ብናይ በዓሎም ዓቕሚ ጥራሕ ገዘፍቲ ፕሮጀክትታት ክሰርሑ ዝኽእሉ ምዃኖም ዘምሀረ ዓብዪ ፕሮጀክት ‘ዩ። ኣፍሪካውያን ብናይ በዓሎም ዓቕሚ ናይ በዓሎም ዜጋታት ኣታሓባቢሮም ዘሎም ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ናብ ረብሓ ክቕይሩ ከምዝኽእሉ ሓደ ዓብነት ግብራዊ ስራሕ ‘ዩ።
ቕድሚ ሕዚ ቐዳሞት ወለድና ኣብ ኩናት ዓድዋ ዓብዪ ታሪኽ ኣመዝጊቦም ዝሓለፉ ብሓድነት መንፈስ ስለዝተለዓሉ ‘ዩ ነይሩ። ሓድነትን ሕብረትን እንተሃልዩ ከበድቲ ዝበሃሉ ፈተናታት ንምስጋር ብዙሕ ዘፀግም ኣይኮነን። ቐንዲ ነገር ሓድነት ምምዓባል ‘ዩ። ስለዚ እዚ ወለዶ እዚ ካብ ቀዳሞት ወለዱ ተመኩሮ ብምውሳድ ‘ዩ ኣብ ግድብ ኣባይ ዓብዪ ታሪኽ ሰሪሑ ዘሎ።
ብዙሓት ፈተናታት ብምሕላፍ ኣብዚ ብርኪ እዚ ከንበፅሕ ዝኻኣልናሉ ምኽንያት ብንሒን ሓቦን ሰሚርና ስለዝተላዓልና ‘ዩ። ንሕና ኢትዮጵያውንን ሓድነትን ሕብረትን እንተማዕቢልና ከምዚኦም ዝበሉ ዓበይቲ ታሪኻዊ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ዝዓግተና ነገር ከምዘየለ እዚ ግድብ እዚ ህያው ምስክር ‘ዩ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም