
ብዛዕባ ሰላም ትግራይ ክለዓል እንተሎ ናብ ኣእሙሮና ተሎ ዝመፅእ ጉዳይ “ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ” ‘ዩ።ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ምስ ዝነበረ ኩናት ተተሓሒዙ ታሪኻዊ ስለዝኾነ ዝርሳዕ ነገር ኣይኮነን። ተወሳኺ ክቡር ሂወት ወዲሰብ ካብ ምቕጣፍ ዘድሐነ ስምምዕ ‘ዩ።ንሃገርና ብፍላይ ንትግራይ ዘምፀኦ ናይ ሰላም ትርጉም ዓብዪ ምዃኑ ምስክርነት ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን።
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተኻየደ ኩናት ኣዝዩ ከቢድ ክሳራ ዘብፀሐ ፍፃመ ምንባሩ ዝፍለጥ ‘ዩ።ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን ዘየድሊ ልዑል ዋጋ ኣኽፊሉ ‘ዩ።እዚ ፈፂሙ ክድገም ዘይግባእን ኩሉ ወዲ ሰብ ናይ ኩናት ኣስካሕኻሓይነት ክመሃረሉ ዝግበኦ ፍፃመ ‘ዩ ነይሩ።ንክቡር ሂወት ወዲ ሰብ ዋጋ ከይሃበ ህወሓት ብህልኽን ንሕንሕን ናብ ኵናት ዝተኣተወሉ ‘ዩ ነይሩ።
እዚ ዘሪአካ ጠንካራታት መትከላት ዲሞክራሲ ዘይተሃነፁ ካብ ምዃኖም ዝብገስ፤ ንሕግን ደንብን ካብ ዘይምኸባር ዝተለዓለ፤ ወልቀ ድሌት ጥራሕ ኣብ ግምት ኣእቲኻ ዝተኸየደ ኣዝዩ ነዚ ዘመን እዚ ዘይምጥን ናይ ድሑር ኣካይዳ ዝተኸተለ ‘ዩ ነይሩ።ካብ ምጥፋእ ሂወት ወድሰብ ምጉዳል ኣካልን ብተወሳኺ ንምግማቱ ዘፀግም ሃፍትን ጥሪትን ናብ ሓመድ ዝቐየረ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ኩሉ ሃፍቲ ኣጥፊኡ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ድኽነት ዝገደደ ድኽነት ከምዝፈጠረ ንኹሉ ንፁር ‘ዩ።
እዚ ኩሉ ክሳራ መዕለቢ ክረክብ ዝኸኣለ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ 23 ጥቕምቲ 2015 ዓ.ም ኣብ ዝተፈፀነሉ ‘ዩ ነይሩ።እቲ ብሞንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት፣ ብሽምግልና ሕብረት ኣፍሪካን ብመሪሕነት ነበር ፕረዚደንት ናይጀርያ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆን ዝተበፅሐ ስምምዕ ፕሪቶርያ፣ ብዝተፈላለየ መልክዕ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኣቑፂሩ ኣሎ።
እቲ ስምምዕ ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንመላእ ሃገርና ዘምፀኦ እፎይታ፣ ሰላም፣ ተስፋን ሰላማዊ ሓባራዊ ምንባርን ብቐሊሉ ዝግለፅ ኣይኮነን።እፎይታ ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ኣብ ሞንጎ እቲ ክልልን መንግስቲ ፌዴራልን ወግዓዊ ርክብ ተጀሚሩ ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ፤ ንነዊሕ እዋን ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ስልኪ፣ ባንክን ኤሌክትሪክን… ስርሑ ጀሚሩ ‘ዩ፤ ካልኦት ንጥፈታት ‘ውን ብተመሳሳሊ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ትግራይ ብዘይካ ውሱን ናይ ፀጥታ ፀገም ተዘይኮይኑ ኩናት ወይ ወረ ኲናት ካብምስማዕ ድሒና ፀንሒና ኢና።
ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ እታ ዝጀመራ ንእሽተይ ሰላም ብምስትምቓር መሊኡ ናብ ልምዓት ከይኣቱ መራሕቲ ህወሓት ብፍላይ ዝተወሰኑ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ብዝፈጠርዎ ፀገም ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ክወድቅ ክኢሉ ‘ዩ።ብሰንኪ ዝተፈጥረ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ካብ ኩናት ዘይነኣኣስ ፀገምን መከራን እናሕለፈ ይርከብ።መሰል ህዝቢ ተነፊጉ፤ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ቐርዩ፤ ኣነ ጥራሕ ብዓብላላይነት እንተዘይመራሕኹ ብዝብል ህልኽ፣ ህዝቢ ኣብ ዝኸፍአ ስግኣትን መከራን ክወድቕ ተፈሪድዎ ይርከብ።
ኣብ ክንዲ እቲ ዝተረኸበ ሰላም ክፀንዕ ምግባርን ልምዓት ምርግጋፅን ምስራሕ ንውልቐ ረብሕኡ ክብል ዝተፈላላየ ፀገም እናፈጠረ ዝርከብ ዘሎ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ይኣኽለካ ክበሃል ይግባእ።እዚ ንህዝቢ ክብሪ ካብ ዘይምሃብ ዝብገስ ‘ምበር ካሊእ ኣይኮነን።እዚ ፍፁም ክኸውን ዘይግበኦ ‘ዩ ነይሩ።ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ርእሲ ቑስሉ ካሊእ ቑስሊ ምፍጣር ኣዝዩ ዘሐፍር ተግባር ‘ዩ።
ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ካብ ድምፂ ጥይት ‘ዩ ድሒኑ ‘ምበር ምስ በሰልኡ ‘ዩ ዘሎ።ብሰንኪ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ቕሳነት ረኺቡ ተረጋጊዑ ናብ ልምዓት ዝኣተወሉ ግዜ የለን።ኩናት ክበሃል እንተሎ ብድሮንን ወይ ብጠመንጃ ጥራሕ ኣይኮነን።በቲ ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ህዝቢ ኣእምርኡ ካብ ፍርሕን ስግኣትን ኵናት ኣይወፀአን።ሰላም ማለት ደቒ ሰባት ኣእምረኦም ናፃ ኮይኖም ብሰላም ወፂኦም ብሰላም እንተኣትዉን ስሩዕ ሰላማዊ ምንቕስቓስ እንትገብሩን ‘ዩ።ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ካብ ድምፂ ጥይት ጥራሕ ‘ዩ ናፃ ኮይኑ ፀኒሑ ‘ምበር ሕዚ ‘ውን ኣብ ስግኣት ኵናት፣ መከራን ስቓይን ‘ዩ ዘሎ።
እቲ ህዝቢ ብዙሕ ግዜ ኵናት ኣሕሊፉ ‘ዩ።ብፍላይ ህወሓት ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ‘ዩ። ንዘመናት ህይወቱ ኣብ ኵናት እናተፈተነ ‘ዩ ኣሕሊፍዎ። በቢግዚኡ ምስ ኵናት ተተሓሒዞም ብዝመፁ ፀገማት ዝተፈላላዩ ከበድቲ ፀገማት ኣሕሊፉ ‘ዩ።ሕዚ ‘ውን ብሰንኪ ድሑር ፖለቲካዊ ኣካይዳ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ካብዚ ዝተላቐቐ ኣይኮነን።
ቅድሚ ሕዚ ብሰንኪ ድኽመት መራሕቱ ደቑ፣ ንብረቱ፣ ዝሰኣኖ ከይኣኽሎ ሕዚ ድማ ነቲ ዋሕስ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ውዕል ፕሪቶርያ ብምፍራስ ናብ ኩናት እናኣተውዎ ይርከቡ።እንደገና እቲ ዘሎ ፀገም ከይኣኽሎ ናብ ዝገደደ ፀገም ክኸትዎ፤ ነተን ዝቐረያ ንብረቱ መሊኦም ከጥፍእዎን፤ ብሓይሊ መሓውር ግዝያዊ ምምሕዳር እናፍረሱን ማሕተማት እናመንጠሉን ናብ ህውከትን ዕግርግርን ከእትውዎ ላዕልን ታሕትን እናበሉ ይርከቡ።
ስለዚ ካብ ስምምዕ ፕሪቶሪያን ንነዘ ብዙሕ ምምሕያሻት ‘ኳ እንተተገበረ ኮይኑ ግና ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝገጠሞ ፀገም ገና ኣይሓየወን።ህዝቢ ሰላምን መሰረተ ልምዓት ክረጋገፅ ተስፋ ዋላ እንተነበሮ ክኸውን ኣይከኣለን፤ ካብ ስነ- ኣእምሮኣዊ ፅዕንቶ ‘ውን ኣይወፀን።ስለዚ ናይ ህዝቢ ሰላም ልዕሊ ውልቀን ጉጅለን ስልጣን ክኸውን እናተገበኦ ብግልባጡ ኮይኑ ይረአ ኣሎ።ኩናት ዝሰልቸዎ ህዝቢ ትግራይ ድሌቱ ክስማዕ ኣለዎ።ልዕሊ ኩሉ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ክሕሎ ስለዝግባእ ኩሉ ወገን ምእንተ ሰላምን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ይግበኦ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 11 መጋቢት 2017 ዓ.ም