ኩለ መዳይ ለውጢ ብተሳትፎ ደቂኣኒስቲዮ ይረጋገፅ!

ካብ ቀንዲ መለክዒታት ስልጡን ሕብረተሰብ ማዕርነትን መሰላትን ምኽባር ሓደ ‘ዩ ክብሃል ይክኣል። ምኽንያቱ ማዕርነት ዘየዕበየ ማሕበረሰብ ወይ ሃገር ቅልጡፍን ፍትሓዊን ምዕባለ ብዝድለ ከረጋግፅ ኣይኽእልን። ኣብ ሕቶ ማዕርነት ካብ ዝለዓሉ እቲ ብቐዳምነት ዝልዓል ድማ ኣብ ጉዳይ ፍርቂ ሕብረተሰብ ዝኾና ደቂንስትዮ ‘ዩ።

ስለዚ ማዕርነት ደቂኣንስትዮ ኣብዚ ዘመን ጉዳይ ሰብኣዊ መስል ጥራይ ዘይኮነስ ሕቶ ምዕባለን ስልጣነን ‘ውን ኮይኑ ይልዓል ‘ዩ። በዚ መሰረት ፆታዊ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምጥንኻርን ንምርግጋፅን ዕላማ ዝገበረን ከምኡ ‘ውን ግንዛበ ንምዕባይን ኢሉ ‘ውን ኣብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኩለ መዳይ ለውጢ ንክምፅእ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብብርኪ ዓለም ንመበል 114 ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 49 ግዘ ዝኽበር ዘሎ በዓል ‘ዩ።

በዚ መሰረት ኣብዚ ቕነ ኣብ ሃገርና ይኹን ብብርኪ ዓለም ዓበይቲ ዛዕባታት ኮይኖም ካብ ዝተለዓሉ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮ ሓደ ‘ዩ። ብፍላይ ብዕለት 29/ 06/ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮ ዝተኸበረ ኮይኑ በዚ በዓል መሰረት ብምግባር ‘ውን ሚኒስትር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬን (ዶ/ር) ሓዊሱ ኣብ ቤት ዕዮታት መንግስት ኣብ ዝትፈላላዩ ትካላት ብዝተፈላላዩ ሓላፍነት እናሰርሓ ዝርከባ ደቂ ኣኒስቲዮን መዳርግቲ ኣካላትን መልእኽታት ምሕላፉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ በዓል ዝተኸበረሉ ዕለት፤ “ስሉጥን ቀፃልነት ዘለዎን ኩለ መዳይ ለውጢ ብተሳትፎ ደቂ ኣኒስቲዮ ይረጋገፅ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ከምዝኾነ ‘ውን ካብ ሚኒስቴር ደቂ ኣኒስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት። ኣብ ከተማ ሸገር ክፍለ ከተማ ኮዬፈጨ ኣብ ዝተኸበረሉ ‘ውን ሚኒስትር ደቂ ኣንስቲዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬን (ዶ/ር) ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላትን በቢብርኩ ዝርከቡ ኣመራርሓን ኣብ ዝተረኸብሉ እንትኽበር ካብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ ፤ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ኢኮኖሚ ንክኾና ሰፊሕ ስራሕ የስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ ‘ዩ።

ደቂ ኣንስትዮ 3 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ክዓቑራ ተተሊሙ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር÷ እቲ ጎስጓስ 15 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ተረባሕቲ ግልጋሎት ልቓሕ ከምዝግበር ብምግላፅ፤ ብተወሳኺ 45 ሺሕ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዕድጊት ቦንዲ ግድብ ህዳሰ ክሳተፋ ጠመተ ተዋሂቡ ከምዝስራሕ ኣብሪሀን ‘የን።

ብተመሳሳሊ ደቂ ኣንስትዮ ኣይክእላን ዝብል ትርኽቲ ዘይምቕባልና ብተግባር ከነርኢ ኣለና ዝብላ ድማ ኣብ ኢንስትዩት ጉዳያት ወፃኢ ላዕላዋይ ተመራማሪት እልፍነሽ ሙሉጌታ (ዶ/ር) እዚ ደቂ ኣንስትዮ ኣይኽእላን ዝብል ኣበሃህላ ከምእንኽእል ንምርኣይ ክንፅዕር ይግባእ ክብላ ይዛረባ።

ደቂ ኣነስትዮ እንተኾይና ኣይትኽእልን ዝብል ዝተሰሓሓተ ኣበሃህላ ብተደጋጋሚ እንሰምዕ ኢና ይኹን ‘ምበር ሓሶት እንትደጋገም ሓቂ ንከይመሰል ምኽኣልና ብምስራሕ ክነረጋግፅ ኣለና ብምባል፤ “ንኽእል ኢና” ዝብል ዘጀግን ቃል ብምሓዝ ካባና ትፅቢት ዝግበር ክንገብር ኣለና ክብላ ይምዕዳ።

እተን ላዕላዊት ተመራማሪት ከምዝብልኦ፤ ደቂ ኣነስትዮ ይኽእላ ‘የን። ብዙሓት ክኢለን ‘ውን ኣርእየን ‘የን። ብተወሳኺ ደቂኣንስትዮ ወነንቲ ፍሉይ ተፍጥሮኣዊ ውህብቶ ‘ውን ‘የን እዚ ድማ ብሓደ ግዘ ብዙሕ ተግባራት ንክሰርሓ ይኽእለን ‘ዩ። ስለዚ ደቂኣንስትዮ ጠንካራ ዝብሃሉ ስራሕቲ ይኹኑ ካልኦት ንምስራሕ ፆታ ኣይግድቦን ‘ዩ።

ጓልኣንስተይቲ ናብ ገዛኣ ክትኣትው ከላ ኣዶነት ስለዘሎ ካብ ኣዶ ትፅቢት ዝግበር ትገብር፣ ካብ ኣዶነት ብተወሳኺ ካልኦት ኣብ ማሕበራዊ ተሳትፎ ስለዘሎ ነዚ ‘ውን ከየቋረፀት ተትግብር። ኣብ ልዕሊ እዚ ከም ዝኾነ ሰራሕተኛ መደበኛ ስርሐ ክትሰርሕ ዝትኽእል ‘ያ። ስለዚ ደቂ ኣንሰትዮ ብዝግባእ ናብ ስራሕ ምስታፍ እንተተኻኢሉ፤ መንግስቲ ‘ውን ዓቕሚ ደቂናነስትዮ ብዝግባእ እንተተጠቂምሉ ናብቲ ተቀሚጡ ዘሎ ሃገራዊ ራእይ ዘይብፅሐሉ ምኽንያት የለን።

እዚ በዓል ብብርኪ ክልላት ‘ውን ከምዝተኸበረ ዝፍለጥ ኮይኑ ከም ኣብነት ኣብ ትግራይ ደቂ ኣንስትዮ እግሪ ዝተኽላሉ መንገዲ ብምፍጣር‹‹ ሰላምና ነውሕስ ልምዓትና ነረጋግፅ ››ብዝብል መራሕ ሓሳብ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂኣንስትዮ ብዝተፈላለዩ ዘተታት ከምዝተኻየደ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ‘ዩ።

ኣብቲ በዓል ተረኺበን መልእኽቲ ዘሕለፋ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር)፤ ተጋሩ ብጥንካረኸን እናድነቕና ንፃዕርኽን ክንሕግዝ ኢና ክብላ ብምግላፅ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገርና ‘ውን ማዕርነትን መሰልን ንክሕሎ ዝተፈላለዩ ቃልስታት እናካየዳ መፂኣን ‘የን ንሕና ድማ ናተን ውፅኢት ኢና ብምባል ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ክረጋገፅ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ሓቢረን።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈንድ ጉዳያት ስነ ህዝቢ ( UNFPA) ሓላፊት ጨንፈር ትግራይ ሚስ ጆይስ ብወገነን፣ምስ ዝተፈላለዩ መዳርገቲ ኣካላት ብምዃን ፆታ መሰረት ዝገበረ ጥቕዓት ደው ክብልን ማዕርነት ስርዓተ ክረጋገፅን ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢረን ‘የን።

ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረ እግዚኣብሄር ብወገነን፤በቢምዕራፉ ዝተኻየደ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ምስ ብፆተን ተቓሊስን ኣቃሊሰን ዝነበረ ጨቋኒ ስርዓት ከምዝቀየራ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ፍሉይ ውፍይነትን ፃዕርን ዝጠልብ መድረኽ ድማ ኩሎም ፀገማት ዝፍትሕሉን ናብ ንቡር ዝምለሰሉ ኣገባባትን ደቂ ኣንስትዮ ጥዕነአን ንክሕለው ቅድመ ምክልኻል ስራሕቲ ክስራሕ ፀዊዐን ‘የን።

ብፍሉይ ኣካላውን ሰነልቦናውን ሕክምና ዝደልየን ደቂ ኣንስትዮ ቁጠበኣን ክድልድል ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ገበርቲ ሰናያት ዝስራሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ፤ እዚ በዓል እንትኽበር ብዙሓት ፀገማት ኣጋጢሙወን ዘለዎ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፀገማተን ንምፍታሕ ኣንፈት ብምንፃር ከምዝኾን ‘ውን ተዛሪበን።

እቲ ዝሓለፈ ኲናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዘዕረፎ ረዚን በሰላ ፣ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ግዳይ ፆታዊ ዓመፅ፣ሞት ፣ስደት፣ ምምዝባል፣ ጥሜትን ሞትን ከምዝኾናን ብዙሕ ፀገም ኣጋጢምወን ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ፀገመን ንምቅላል መፍትሒ ኣንፈት ምቅማጥ ከምዝግባእን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ተረባሕቲ ክኾናን እግሪ ክተኽላን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ብሙሉእ ክትግበር ዝፀውዓ ወይዘሮ ፍረወይኒ ገብረእግዚኣብሄር ፤ ካብ መረበተን ተመዛቢለን ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዳግም ንምድጋፍን ምጥያሽን መሰረታዊ ስጉምቲ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ኣዶ ወንበር ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ኣበባ ሃይለስላሰ ‘ውን ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንትኽበር በደል ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ፍትሒን ተሓታትነትን ክረክባ ፅዕንቶ ብዝፈጥር መልክዑ እቲ መዓልቲ ከምዝተኸበረ ብምሕባር፤ ብሰንኪ ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ዘጋጠም ፀገም ልዕሊ ኩሉ ንኣዴታትን ህፃናትን ከምዝጎደእ ብምግላፅ ዓለምለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ እንትኽበር ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ቆላሕታ ክህቡ ከም መለዓዓሊ መድረኽ ተሓሲቡ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን ‘የን።

ከምኡ ‘ውን እዚ በዓል ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ከተማ ጅማ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብዘተ ፓነል መዓልቲ ዝተኸበረ ኮይኑ ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ዓውድታት ዝለዓለ እጃም እናበርከታ ከምዝኾና ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ዳይሬክተር ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮ ብርጋዴር ጄኔራል ሁሉኣገርሽ ድረስ ንቲ በዓል ኣመልኪተን ከምዝበልኦ፤ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምክልኻል ብምስታፍ መስዋእቲ ከፊለን ሃገር ኣብ ምሕላው ውዕለታ ዝሰርሓ ጀጋኑ ምዃነን ብተግባር ኣርእየን ‘ን።ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፈተናታት ከየሸነፈን ‘ውን ሃገር ካብ ፀላኢ ንምክልኻል ግቡአን ተቐቢለን ብርክት ዝበሉ ገድልታት ዝፈፀማ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ብምሕባር ኣመስጊነን ‘ውን ‘የን።

ኣብ ኢትዮጵያ በቢዓመቱ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምኽባሩ ንደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ሓደ ስጉምቲ ንቕደሚት እንተኾነ ‘ውን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሓደ መዓልቲ በዓል ጥራሕ ዘይኮነስ ነናይ ዕለቱ ኣካል ስራሕና ክኸውን ይግባእ ክብላ ዝገልፃ ድማ ምኽትል ኣዶወንበር ውድብ ሶሻል ዲሞክራቲክ ኢትዮጵያ ራሔል ባፌ (ዶ/ር) ‘የን ። ኣብ ዘፈር ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ውሽጢ ንክሳተፋ ክበረታትዓ ኣለወን። እዚ ድማ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ዘይኮነስ ደቂ ተባዕትዮ ‘ውን ዝሓወሰ ጉዳይ ክኸውን ኣለዎ። ምኽንያቱ ናይ ኩሉ ተሳትፎ ዘይብሉ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከኽብርየ ምባል ዝክኣል ኣይኮነን ይብላ።

ምኽትል ኣዶወንበር ከምዝበልኦ፤ ኣቦ፣ ሓውን ሰብዓይን ደቂ ኣንስትዮ ብዝድለይ ብርኪ ንክበፅሑ ድጋፍ ምግባር ከምዘለዎም ብምሕባር፤ እዚ ድማ ብዘድሊ ልክዕ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንክህልው ይገብር ‘ዩ። ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዘፈር ፖለቲካ ንከሳተፋ ኣኽኣላይ ኩነታት ከምዘየለ ብምሕባር፤ ይኹን ‘ምበር ፍርቂ ኣካል እቲ ማሕብረተሰቡ ዝኾኑ ደቂ ኣንስትዮ ከይተሳተፋ ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቃስ ልምዓት፣ ፖለቲካዊ ይኹን ካሊእ ንሃገር ዝረብሑ ስራሕቲ ሽትኦም ንክወቕዑ ኣፀጋሚ ‘ዩ ዝኸውን።

ብሓፍሻ መዓልቲ ደቂ ኣንስቲዮ መሰረት ብምግባር ፆታዊ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ንምርግጋፅን ዓላማ ዝገበረን ከምኡ ‘ውን ግንዛበ ንምዕባይን ኢሉ ‘ውን ኣብ ተሳትፎ ደቂ ኣንስቲዮ ኩለ መዳይ ለውጢ ንክምፅእ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብብርኪ ዓለም ንመበል 114 ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 49 ግዘ ብዝተፈላለዩ ንጥፈታት ተኸቢሩ ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም

Recommended For You