
ኩሉ ዜጋ ሰላምን ልምዓትን ሃገር ኣብ ምርግጋፅ ናይ በዓሉ ግደ ‘ኳ እንተሃለዎ፤ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ትኩስ ሓይሊ ስለዘለዎ ዝለዓለ እጃም ከበርክት ዝኽእል ሓይሊ ‘ዩ። ብዘይ ተሳትፎ መናእሰይ ሰላምን ልምዓት ሓንቲ ሃገር ክረጋገፅ ዝኽእል ኣይኮነን።
ሰላማን ልምዓትን ንምሕላው ተሳትፎ መናእሰይ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ። መናእሰይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዘለዎም ተራን ሓላፍነትን ክዋፅኡ እንተዘይክኢሎም ንቅድሚት ምስጓም ዘይሕሰብ ‘ዩ። ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ካልኦት ሃገራዊ ጉዳያትን ብሰፊሑ ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም።
እዚ ክብል እንተለኹ ኣብ ትግራይ ዘሎ ስግኣት ኩነታት ሰላም ናብ ሕማቕ ኩነታት ከየምርሕ መናእሰይ ትግራይ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዝግባእ ተሳትፈኦም ከዕዝዙ ኣለዎም። እቲ መንእሰይ ተወዲቡ ብንቕሓት ኣብ ሰላምን ልምዓትን ምርግጋፅ እንተተሳቲፉ ኩሉ ልዕሊ ዓቕሙ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣይህሉን። እቲ ቐንዲ ነገር ብስምዒት ምጉዓዝ ዘይኮነስ ብምስትውዓልን ብልሓትን ምጉዓዝ ‘ዩ።
መንእሰያት ንሰላምን ልምዓትን ወሰንቲ ሓይሊ ምዃኖም ክርድኡ ኣለዎም። ዝተረጋገዐ ሰላም ክቕፅል እንተኾይኑ ከምኡ ‘ውን እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ልምዓት ቐፃልነት ክህልዎ፤ ህዝቢ ካብቲ ዘጋጠሞ በሰላ ክወፅእ እንተኾይኑ ንሰላም ዘፍርስ ሓይሊ እንተጋጥም ተወዲቦም ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም። ሰላም ኣብ ዝዘርጉ ሓይልታት እቲ መንእሰይ ዕረፉ ክብሎም ይግባእ። ንህዝቢ ዘይጠቕም ነገር እንተጋጥም ኣብ ምፍሻል ተራ መንእሰያት ልዑል ምዃኑ ከንርዳእ ኣለና።
ኣብዝሓለፈ ሰሙን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ምስ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይ፣ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ኣብ ምፅናዕን ልምዓት ኣብ ምቕፃልን ኣመልኪቶም ዘተ ኣካይዶም ምንባሮም ዝዝከር ‘ዩ።
እቶም መናእሰይ ‘ውን ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላላዩ ሃነፅቲ ዝኾኑ ሓሳባት ብምልዓል ንቑሕ ተሳትፎ ገይሮም ‘ዮም። ከምዚ ዓይነት መድረኽ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ምኽንያቱ እቲ መንእሰይ ተረካቢ ዓዲ ስለዝኾነ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ንህዝብን ሃገርን ጠቕምቲ ዝኾኑ ኣጀንዳታት እናተሳተፈ ብዝግባእ ክዛተይ ኣለዎ።
መናእሰይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ኣብ ዝነበረ ፀገም ተጠርኒፎም ሰላሞም እናሓለዉ መፂኦም ‘ዮም። ሰላም ብምሕላው ዝፍጠር ናይ ስራሕ ዕድላት ብምጥቃም ናብ ኣድማሳዊ ብልፅግና ዝወስድ ጉዕዞ ዕውትነት ኣብ ምርግጋፅ ልዑል ተራ ክፃወቱ ኣለዎም።
ሰላም ከይፈርስ፣ ልምዓት ከይኹለፍ እቲ መንእሰይ ካብ ስምዒት ብዝረሓቀ ብውሕሊል መንገዲ ፍልፍል ኩለመዳያዊ ልምዓትን ብልፅግናን ኮይኑ ክሰርሕ ኣለዎ። መናእሰይ ንህዝብን ሃገርን ዘይጠቅም ኣሉታዊ ኣተሓሳስባን ኣሰራርሓን ተሓንጊጦም ኣብ ዝንቐሳቐሱ ኣካላት ተሪሮም ክቃለሱ ኣለዎ።
መናእሰይ ብንጥፈት ክሳተፉን ካብ ሃገራዊ ልምዓት ተጠቀምቲ ክኾኑን ዘኽእሉ ስራሕቲ ድማ ክስርሑ ኣለዎም። ምኽንያቱ ስራሕ ዘይብሉ መንእሰይ ንበዓርሱ ኮይኑ ንሃገርን ህዝብን ክጠቕም ኣይኽእልን። ብሰንኪ ስራሕ ስእነት ንሪኦ ኣለና ፈቖድኡ ስደት እናኸደ ናብ ሞትን ስቓይን ዝሳጣሕ ዘሎ።
ስለዚ ኣብቲ ክልል ንዘለዉ መናእሰይ ተረባሕቲ ንምግባር መንግስቲ ዝተፈላላዩ ስራሕቲ ብምስራሕ ስራሕቲ ዕድላት ከመቻቹ ኣለዎ። መንግስቲ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ድማ ውፅኢት ክህሉ መናእሰይ ኣብ ሰላም ምሕላውን መንግስቲ ኣብ ምድጋፍን ተረኦም ክፃዉ ኣለዎም። ሓድነት ብምጥንኻር መናእሰይ ኣብ ህንፀት ሃገር ዝለዓለ ግደ ንኽፃወቱ ምምሕዳር እቲ ክልል ብትግሃት ክሰርሕ ኣለዎ።
መናእሰይ ኣብ ምርግጋፅ ዘላቒ ሰላምን ብልፅግናን ሃገር ልዑል ተራ ከምዘለዎም ተረዲኦም ካብኦም ትፅቢት ዝግበር ሓላፍነት ኩሉ ክዋፅኡ ኣለዎም። ንበዓርሶም ተረቢሖም ንሃገሮምን ህዝቦምን ክጠቕሙ ይግባእ። ኣብ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ጀሚሮም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ልምዓት ዝበረታታዕ ‘ዩ።
እዚ ብዘይ ተሳትፎ መናእሰይ ዝመፀ ኣይኮነን። ኣበርክቶ መንእሰያት ኣብ ህንፀት ዘላቒ ሰላም ዘጉልሕ፤ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ሰላም እቲ ክልል ዘለዎ ፅልዋ ብዝምልከት ሰፋሕቲ ስራሕቲ ክስርሑ ‘ውን ኣለዎም። ምስ መናእሰይ እቲ ክልል ኣብ ሰላማዊ ልምዓትን ሰላምን ዘድሀበ ዘተ ምግባሩ ፅቡቕ ‘ዩ። መድረኽ ዘተ ምግባር ነዚ ክፍተት ክቕንሶ ይኽእል ‘ዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ምጥቃም ማሕበራዊ ሚድያ ብተመሳሳሊ ዘተ ብምክያድ እቲ መንእሰይ ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕሙ ነገራት ሓበሬታ ክለዋወጥ ‘ምበር ሰላምን ልምዓትን ዝጎድኡ ክኾኑ የብሎምን። ዝጎድኡ ከይኾኑ ናይ ግንዛበ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ማሕበራዊ ሚድያታት ኣብ ሰላምን ልምዓትን ውራያት ከትኩሩ ይግባእ። ብትኽክል ኣብ እንጥቀመሉ ልምዓት ተስፋሕፊሑ ዝተፈላላዩ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፍጠሩ ይኽእሉ ‘ዮም።
ንመንእሰያት እኹል ናይ ስራሕ ዕድል ምሃብ፣ ኣብ መንእሰያት ናይ ሰላም ባህርን ክብርታትን ንምህናፅ ምስራሕ፣ ግጭት ከይፍጠር ኣቐዲምካ ምስራሕ፣ ናይ ምትሕግጋዝን ሓድነትን መንፈስ ምህናፅ፣ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ንምግታእ ምስራሕ ትኹረት ምግባር የድሊ። ስለዚ ተሳትፎን ተጠቃምነትን መናእሰይ ንምርግጋፅ ዝተጠናኸረ ስራሕ ምስራሕ የድሊ።
መንእሰያት ኣብ ምፍጣር ስራሕ ከድህቡ፤ ከምኡ’ውን ስነ-ምግባራዊ ባህርያት ብኣወንታ ዝተሃነፁ ንኽኾኑ ብትግሃት ክንሰርሕ ኣለና። ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚድያ ሰፊሕ ዘተ ምክያድ የድሊ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓድነትን ምትሕግጋዝን ህዝቢ ዘጠናኽሩ ኣወንታዊ ክብርታት ልምዓትን ሰላምን ንምህናፅ ክውዕል ይግባእ። ስለዚ መናእሰያት ሰላምን ልምዓትን ኣብ ዘጠናኽሩ ነገራት ብምስራሕ ንበዓርሶምን ንህዝቦምን ክጠቕሙ ይግባእ ክብል መልእኽቲ ከመሓላልፍ እደሊ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 4 መጋቢት 2017 ዓ.ም