ቅድሚ ኹሉ ረብሓ ህዝብን ክብሪ ሃገርን ይከበር

ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ትሕቲ ክብሪ ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ‘ዩ:: ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ተፈጢሩ ሓሳብካ ምስኻዕ ኣብዝኣብየካ ናብ ብሄርካ ብምልጣፍ ወይ ባንዳ ምዃን ዳርጋ ልሙድ እናኾነ ይመፅእ ኣሎ::ብፍላይ ድማ ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣብዚ ሕዚ እዋን ፈፂምካ ትፀቢት ዘይትገብረሉ ኩነታት ‘ዩ::

ብምኽንያት ፖለቲካዊ ፀገም ባንዳ ምዃን ወይ ናብ ብሄርካ እናተፀጋዕኻ ንሃገርን ንህዝብን ዘይጠቕም ጎስጓስ ምግባር ፈፂሙ ክውገድ ‘ዩ ዘለዎ:: ሓደ ሓደ ፖለቲከኛታት ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ሒዞም ኣብ ክንዲ ብሰላማዊ መንገዲ ምቕላስ ናብ ጎስጓስ ብሄር ይኣትዉ::እዚ ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ኣይኮናን::

ቐደም ሙሉእ ብሙሉእ ባንዳ ኣይነበረን ከንብል እኳ እንተዘይከኣልና ብመንፅር ናይ ሕዚ ከንሪኦ እንተለና ግና ኣዝዩ ዘሓሸ ነይሩ::ኣብ ቐዳሞት ወለድና ዘይነበረ ሕዚ ደኣ ካበይ መፀ እንተይልና ኣብዚ ሕዚ እዋን ንውልቑ እምበር ንሃገር ዘይግደስ ይበዝሕ ከምዘሎ ትዕዘብ::

ቐዳሞት ወለዲና ህዝቢን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ብምርዳእ ጎስጓስ ሓድነት የካይዱ ነይሮም::ብፍላይ ናይ ደገ ፀላኢ እንተጋጥሞም ሓደ ንምዃን ደቒቓ ኣይወስደሎምን ነይሩ፡፡ኢትዮጵያውያን ንሰላም ሓድነት ዝነበሮም ፅኑዕ ተወፋይነት ኣብ ኩናት ዓድዋ ኣርእዮምና ‘ውን ‘ዮም::ንሰላምን ክብሪ ሃገርን ህዝብን ዝነበሮም መርገፂ ፅኑዕ ‘ዩ ነይሩ::

ኢትዮጵያውያን ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ናይ ደገ ፀላኢ እንተጋጥሞም ቐልጢፎም ይሓብሩ ነይሮም::በዚ ምኽንያት ድማ ሃገሮምን ህዝቦምን ከየድፈሩ ንወለዶ ኣረኪቦም ሓሊፎም ‘ዮም::ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብዝግባእ ዝተረድኡ ነይሮም::ኲናት ደፊኡ እንተዘይመፂይዎም ብናይ በዓሎም ተበግሶ ናብ ኵናት ኣይኣትዉን ነይሮም::

ረብሓ ሰላምን ናይ ኲናት ኣስካሕኻሓይነትን ብዝግባእ ይፈልጥዎ ነይሮም። ብዝግባእ ስለ ዝፈልጥዎ ብዝከኣሉዎ ኩሉ ካብ ኹናትን ባንዳነትን ክርሕቑ ይፍትኑ ነይሮም። ነዚ ሓሊፉ ኣብ ዘጋጥሞም ፀገም ግና ተሓባቢሮም ብምምካት ንፀላኢ ኣሕፊሮም ይምልሱ ነይሮም::ነዚ ኩናት ዓወት ዓድዋ ሓደ ምስክር ‘ዩ::ብፍላይ ሓድነት ሓደ ካብ ምስጢር ዓወቶም ‘ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከንርኢ እንተለና ትዕግስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ፍርሒ ዝቖጥሩ ኣካላት ኣይሰኣኑን::ሓደ ሓደ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ክንዲ ምቕላስ ቐይሕ መስመር ክሰግሩ ይስትውዐሉ ‘ዮም:: ኩሉ ብሕጊ ጥራሕ ክምራሕ ኣለዎ::ንኢትዮጵያ ናብ ሰላም ዝወስድ መንገዲ ምኽታል ኣድላይ ‘ዩ::ካብዚ ወፃኢ ዝግበር ምንቕስቓስ ንሃገርን ንህዝብ ኢሉ’ውን ከምዚ ንዝገብሩ ኣካላት ዘላቒ ረብሓ ኣይህቦምን::

መንግስቲ ብኹሉ መዳይ ሰላም ንምዕቃብ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ዝነኣድ ‘ዩ::ናፅነት፣ ልኡላውነት፣ ክብሪ ሃገራዊ ሰላም ምዕቃብ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ‘ምበር ናይ መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን::ስለዚ ሰላም ተዘይሃልዩ ተጎዳእቲ ኩልና ስለዝኾና ልዕሊ ኩሉ ኩልና ሰላም ከንሕሉ ኣለና::ንውግእ ዘይኮናስ ንሰላም ኢና ከንቓሊስ ዝግበአና።

ወለድና ኣብ ዓድዋ ዘርአይዎ ዓወት ንክብሪ ሃገሮምን ህዝቦምን ቖራፅነት ብግልፂ ዘርኣየ ‘ዩ ኔሩ::ኣዴታትናን ኣቦታትናን ብቖራፅነት ተዋጊኦም ናፃናት ኣጓናፂፎምና’ዮም:: ክንድዝሃለወ ይሃሉ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ንሰላም ቀዳምነት ከንህቦ ይግበአና::ወለድና ምእንተ ሰላምን ክብርን ህዝቢ ‘ዮም ኣዝዩ ዘመናዊ ኣፅዋር ምስ ዝዓጠቐን ዝሰልጠነን ወታደር ተዋጊኦም ከሽንፉ ክኢሎም::

መራሕቲ ህወሓት ክብሪን ረብሓን ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ ምዃኑ ካብዚ ክግንዘቡ ይግባእ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነኒበዓልኻ እናተዋጠጥካ ንህዝቢ ምጉዳእ እንተይኮነስ ንህዝቢ ምክሓስ ‘ዩ ዘድሊ::ህዝቢ ድሌቱ ሰላም፣ ልምዓትን ዲሞክራሲን ምዃኑ ፀሓይ ዝወቐዖ ሓቒ ‘ዩ::ኮይኑ ግና መራሕቲ ህወሓት ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ብምኽታሎም ንህዝቢ እናኸሓሱ እንተይኮኑስ ንረብሓ ውልቖም ክብሉ ኣብ ስግኣት ኣእትዮሞ ይርከቡ::

ረብሓን ክብርን ህዝቢ ትግራይ ዕሽሽ ብምባል ኣብ ናይ ውልቐ ረብሓን ስልጣንን ሰንፈለል ምባል ዘሕፍር ጥራሕ እንተይኮነስ ንህዝቢ ጠጠው ዘይበልካ ምዃንካ ዘርኢ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ከቢድ ኩነታት ይፍለጥ ‘ዩ::እንተነኣሰ ፀገሙ ንምቕላል ክስራሕ ኣለዎ ‘ምበር ካሊእ ተወሳኺ ስግኣት ምፍጣርን ብህዝቢ ምቕላድን ንዝሓስብ ሰብ ኣዝዩ ዘሕፍርን ተግባር ‘ዩ::እዚ ካብ ባንዳነት ዘይነኣኣስ ተግባር ‘ዩ::

ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ሕዚ ብዘጋጠሞ ኩናት ስዒቡ ከቢድ ኩለመዳያዊ ክሳራ ከምዝበፅሖ ይፍለጥ ‘ዩ::ብዙሕ ወላዲ ብዘይ ጠዋሪ፣ህፃናት ብዘይ ሓብሓቢን መዕበይን ቐርዮም ‘ዮም::ነዞም ፀገማት ተረዲኢኻ ኣብ ክንዲ ሓደ ኮይንካ ተረዳዲእኻ ምስራሕ ንረብሓ ውልቐን ጉጅለን ከትብል ንህዝቢ ኣብ ሓደጋ ምእታው ግቡእ ኣይኮነን::ህዝቢ ብልምዓትን ሰላምን ‘ዩ ክድበስ ዘለዎ::

ሕዚ ‘ውን እንተኾነ መራሕቲ ህወሓት ቐልጢፎም ናብ ቐልቦም ተመሊሶም ህዝቦም ክኽሕሱ ይግባእ::ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት እናሕለፈ ምስ ምምፅኡ ተተሓሒዙ ናብ ከበድቲ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገማት እናተቓለዐ መፂኡን ተቓሊዑን ‘ዩ::ሕዚ ብልምዓትን ሰላምን ክድበስ እናተገበኦ ካሊእ ተወሳኺ ፀገም ክፍጠረሉ ኣይግባእን::

ካብ ፖለቲካዊ ህልኽ ወፂእኻ ንህዝቢ ኣብዝጠቕምን ስልጡን ፖለቲካ ክትኣምን ኣለካ::ፖለቲካዊ ፍልልያት ኣብ ትሕቲ ክብሪ ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ምዃኑ ኣሚንካ ኣብ ሓድነትን ንህዝቢ ኣብዝጠቅምን ፖለቲካ ክትኣምንን ከትሰርሕን ኣለካ፤ ሃገራዊን ህዝባዊን መንፈስ ሒዝካ ከትሰርሕ ኣለካ::ምኽንያቱ ክብሪ ህዝቢን ልኣላውነት ሃገርን ልዕሊ ኩሉ ስለዝኾነ ነዚ ኣብ ግምት ምእታው የድሊ::

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 27 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You