ኣትሌታት ኢትዮጵያ ናይ መጀመርያ ተሳትፎ ማራቶን ዓወት ቀኒዕዎም

ብነዊሕ ርሕቐት ኣትሌቲክስ ስኬታማ ዝኾነት ኢትዮጵያ በቢ ዘመኑ ዝገርም ዓቕሚ ዘለዎም ኣሌታት ብምፍራይ ብዓለም ኣሌቲክስ ፍልጥቲ ከምዝኾነት ቀፂላ ‘ያ:: በቢሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ኣብ ዝካየዱ ማራቶን ውድድራት ተዓወቲ ኾይኖም ስሞም ካብዝፅውዑ ብተወሳኺ ሓደሽቲ ተወዳድርቲ ብምስታፎም ስኬታማ ከምዝኾኑ እናረጋገፁ ይርከቡ:: ካብዚኦም ድማ ናይ ቶክዮ ኦሎምፒክ ቻፒዮና ሰለሞን ባረጋ እቲ ሓደ ክኸውን ክኢሉ ‘ዩ::

ኣብ ኣትሌቲክስ ዓለም ብርኪ ኤሊት ዝተውሃቦ ሴቪላ ማራቶን ብኽልቲኡ ፆታ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ብዓወት ዛዚሞም ‘ዮም:: ብቤተሰብ ስፖርት ዝተሳሓበ ድማ ተዓወቲ ኣትሌታት ኣብ መጀመርያ ማራቶን ተሳትፎኦም ተዓወቲ ምዃኖም ‘ዩ:: ኣብ ቶኪዮ ማራቶን 10ሽሕ ሜትሮ ቻምፒዮና ሰሎምን ባረጋ ብመም ውድደራት ዓቕሙ ምርኣይ ዝኻኣለ ኣትሌት እንትኾን፤ ብሀገር ኣቋረፅን ገዛ ውሽጢ ውድድራትን ድማ ሜዳልያታት ምርካብ ክኢሉ ‘ዩ::

ኾይኑ ግና ካብ ቕሩብ ዓመታት ናብዚ ተነሓናሕነቱ እናቐነሰ ብምምፅኡ ከም ቅድሚ ኸዚ ዘይምዃኑ ኣብ ዝተፈላለየ ቻምፒዮን ተራእዩ ነይሩ ‘ዩ:: ኣብ ሓድሽ ዓመት ውድድር እንትምለስ ግና ንነዊሕ ዓመት እናሰርሐሉ ዝፀንሐ ናይኪ ብምፍልላይ ምስ ቻይና ሊ ኒንግ ውዕሊ በብምእሳርን ብሓድሽ ርሕቐት ሓድሽ ቅዋም ብምርኣይ ከምዝኾነ ቤተሰብ ስፖርት ዘገረመ ‘ዩ ነይሩ::

ናይቲ ርሕቐት ፍርቂ ብሓደ ሰዓት ምስ ሓደ ደቒቓ 45 ሰከንድ ዝተሸፈነ እንትኾን ፤ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተመዝገበ ናይቲ ቦታ ክብረወሰን ከማሓይሽ ይኽእል ‘ዩ ዝብል ትፅቢት ተገይሩ ነይሩ ‘ዩ:: ኾይኑ ግና ዝተረፉ ኪሎ ሜትራት ትፅቢት ከምዝተገበረሉ እንተይኾነስ ንዉሑዳት ደቓይቕ ንድሕሪት ዝተረፈሉ ኾይኑ ተረእዩ ‘ዩ::

ኣብ ዓለም ቻምፒዮና ብ5ሽሕን 10ሽሕን ሜትሮ ብሩርን ነሓስን ሜዳያታት ዝወሰደን ኣብ ገዛ ውሽጢ ውድድራት ስኬታማ ዝኾነ ሰሎሙን እቲ ርሕቐት ቁሩብ ኪሎሜትሮ እንትተርፎ ተነሓናሕቱ ቀዲሙ ብምውፃእ ተዓዋታይ ምዃኑ ኣረጋጊፁ ‘ዩ:: ናይቲ ርሕቐት ዝተዓወተሉ ሰዓት ድማ 2፡05፡15 ብምዃን ተመዝጊቡ ‘ዩ:: ካሊእ ኢትዮጵያዊ ተፈራ ኣዲሱ ድሕሪ ሓደ ደቒቓ ስዒቡ እንትኣቱ ሞሮካዊ መሓመድ ሬዳ ኣል ኣራብይ መበል ሳልሳይ ብርኪ ሒዙ ‘ዩ::

ድሕሪ እቲ ውድድር ተዓዋታይ ኣትሌት ሰሎሙን ባረጋ ‹‹ ካባይ ብዙሕ ትፅቢት ከምዝግበር ይፈልጥ ‘የ ኾይኑ ግና በዚ ውፅኢት ሕጉስ ‘የ:: ርግፅ ሴቪሌ ፈጣን ሰዓት ንምምዝጋብ ምችውቲ ዝኾነት ከተማ ‘ያ ፤ኾይኑ ግና ድሕሪ 35 ኪሎሜትሮ ዝነበረ ርሕቐት ንዓይ ኸቢድ ‘ዩ ነይሩ:: ኾይኑ ግና ኣብ ቀፃሊ ካብዚ ልምዲ ብምልዓል ብዓወት ክምለስ ‘የ ›› እንትብል ኣብሪሁ ‘ዩ::

ብወገን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መንጎ ኣትሌታት ኢትዮጵያውያን ፣ፈረንሳይ፣ ሞሮኮን ባህሬንን ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ውድድር ተኻይዱ ‘ዩ:: እተን ኣትሌታት ናይ መጀመርያ ፍርቂ ንምሽፋን 1፡10፡56 ዝኾነ ሰዓት ዝወደአለን እንትኾን ፤ኣብ መበል 40 ኪሎሜትሮ ዝመርሓ ዝነበራ ኣትሌታት ብዝተርኣየ ምድኻም ንኢትዮጵያዊት ኣትሌት ኣንችንኣሉ ደሴ ዓብይ ዕድል ዝፈጠረ ኾይኑ ‘ዩ::

ዝረኸበቶ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ዝተጠቐመት እታ ኣትሌት እቲ ርሕቐት 2፡22፡17 ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ተዓዋታይነታ ክተረጋግፅ ክኢላ ‘ያ:: ጓል 22 ዓመት ዝኾነት እዛ ኣትሌት ብ10ኪሎሜትሮ ከምኡ ‘ውን ፍርቂ ማራቶን ተሳትፎ ልምዲ ዘለዋ እንተኾነ ‘ውን ኣብ መጀመርያ ውድድር ማራቶን ንዓወት ምብፃሓ ተስፋ ከምዘለዋ ዘርኢ ‘ዩ:: ተኸቲለንኣ ዝኣተዋ ኣትሌታት ድማ ፈረንሳዊትን ኬንዊትን ‘የን::

ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ብርኪ ፕላቲንየም ካብ ዝተውሃቦም እቲ ሓደ ዝኾነ ማራቶን ዴጉ ብኽልቲኦም ፆታ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ተዓወቲ ኾይኖም ‘ዮም:: ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መሰረት በለጠ እንትትዕወት ትእግስት ግርማ ድማ መበል ሳልሳይ ኾይና ዛዚማ ‘ያ:: ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ድማ ቅድሚ ወርሒ ኣብ ሂውስተን ኣራምኮ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ተዓዋታይ ዝነበረ ኣትሌት ኣዲሱ ጎበና ካልኣይ ብርኪ ክሕዝ ክኢሉ ‘ዩ:: ደጀኔ መገርሳ ድማ ብዉሑድ ሰከንድ ስዒቡ ብምእታው መበል ሳልሳይ ኾይኑ ዛዚሙ ‘ዩ::

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 20 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You