‹‹ኣብ ትግራይ ዘሎ ሕፅረት ዝስተ ማይ ንምፍታሕ ሓገዝ ብዙሓት ኣካላት ዘድልዮ ‘ዩ›› – ኣይተ ሞጎስ ገብረእግዚኣብሄር

ማይ ንወዲሰብ ይኹን ካልኦት ሂወታውያን ንኽነብሩ መሰረታዊ ካብ ዝበሃሉ ሃፍቲ ተፈጥሮ እቲ ሓደ ‘ዩ:: ብዘይ ማይ ዝኾነ ዓይነት ሂወት ዘለዎ ፍጡር ክነርብ ዝኽእል ኣይኮነን፤ ናይ ልምዓት ምንቕስቓሳት ክተሳልጥ እንተደሊኻ ‘ውን ብዘይ ማይ ዝከኣል ኣይኮነን:: ሃፍቲ ማይ ቑልፊ ነገር ‘ዩ::

ብምዃኑ ሃፍቲ ማይ ብኣግባቡ ንምጥቓም ግቡእ ቖላሕታ ሂብካ ምስራሕ ዘድልዮ ዓብዪ ጉዳይ ‘ዩ:: ኣብ ክልልና ክልል ትግራይ ልምዓት ሃፍቲ ማይ ከንርኢ እንተለና ብዙሕ ዝቀርይዎ ነገራት ኣለዉ ‘ዮም:: በዚ ምኽንያት እዚ ከዓ ኣብ ቐረብ መስተ ማይን ካልኦት ንመስኖ ዝኾኑ ነገራትን ኣብ ምጥቓም ዓብዪ ክፍተት ስለዘሎ ህዝብን እንስሳትን ክፅገሙ ትርኢ::

ብምዃኑ ምስ ቐረብ መስተ ማይ፣ ምጥቃም መስኖን ካልኦት ተተሓሐዝቲ ጉዳያትን ኣልዒልና ምስ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ኣይተ ሞጎስ ገብረእግዚኣብሄር ከምዚ ስዕብ ፃኒሒት ገይርና ኣለና::

ወጋሕታ፡- ሓፈሻዊ ሽፋን መስተ ማይ ኣብ ክልል ትግራይ እንታይ ይመስል? ከምኡ ‘ውን ድሕሪ ኩናት ዝስርሑ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ማይ እንታይ ከምዝመስሉ ተዝገልፁልና?

ኣይተ ሞጎስ ፡- ኣብ ትግራይ ሽፋን መስተ ማይ ከንርኢ እንተለና ቅድሚ ኩናት ኣብ ዝሓሸ ደረጃ በፂሑ ነይሩ ‘ዩ:: ብኣቨረጅ ካብ ከባቢ ስሳ ክሳብ ሰብዓ ሚኢታዊ በፂሑ ነይሩ:: ድሕሪ ኩናት ግና ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ‘ዩ ዓንዩ ምባል ይከኣል:: ዳርጋ ናብ ዜሮ ‘ዩ ተመሊሱ ነይሩ::

ስለዚ ሕዚ ብዋናነት እንታይ ‘ዩ ዝግበር ዘሎ እንተይልና፤ ሓደሽቲ ምስራሕ ከምዘለዎ ኮይኑ ብቐንዱ ግና እቶም ዝዓነዉ ንምምላስ ኣብ ምፅጋን ኢና ትኹረት ገይርና ንሰርሕ ዘለና:: ብመንግስቲ ደረጃ እዚ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: ናይ ማይ ጠቕላላ ፅንዓትን ዲዛይንን ከመይ ክኸውን ኣለዎ እናተባህለ ሓሳባት ይቕርብ ‘ዩ፤ በዚ መሰረት ‘ውን ኢና ንሰርሕ ዘለና:: እቲ ናይ ማይ ፅንዓትን ዲዛይንን ክልል ትግራይ ድማ ኣበይ ከባቢ ክስራሕ ከምዘለዎ እናሰርሐን እናማኸረን ይርከብ::

ኣብዝሕዚ እዋን ሽፋን መስተ ማይ እቲ ክልል ከንርኢ እንተለና ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ሓደ ከባቢ ዝተፈላላየ ኮይኑ ኣብ ገሊኡ ዒስራ ሚኢታዊ ኣብ ገሊኡ ሳላሳ ሚኢታዊ ‘ዩ:: ብሓፈሻ ከባቢ 70 በፂሑ ዝነበረ ሽፋን ማይ ናብ ከባቢ ሳላሳ ‘ዩ ወሪዱ ዘሎ:: እዚ ከንብል እንተለና ኣብቲ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘለዉ ቦታታት ጥራሕ ‘ዩ::

ስለዚ ሕዚ ዘሎ ስራሕቲ ማይ ገና ብዙሕ ዝቐርዮ ‘ዩ:: ብዙሕ ስራሕቲ ከንሰርሕ ትፅቢት ይግበረልና:: ብዙሕ ቕንጅትን ምርብራብን ዘድልዮ ‘ዩ:: ናይ ተፈላላዩ ገበርቲ ሰናያት ይኹኑ ኣካላት መንግስቲ ብርቱዕ ሓገዝ ዘድልየሉ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ ዘሎ:: እናሓገዙ ‘ውን ‘ዮም ዝርከቡ:: ብሓፈሻ በቲ ዘጋጠመ ኩናት ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ‘ዩ ዓንዩ ነይሩ፤ ሕዚ ናብ ትሕቲ 30 ወሪዱ ኣሎ:: ማለት ልዕሊ 40 ሚኢታዊ ተፀጊኑ ኣሎ::

ጠቅላላ ሽፋን ግና ምዝራብ ኣይከኣልን:: ኣብ ገሊኡ 47 ሚኢታዊ ‘ዩ፤ ኣብ ገሊኡ ትሕቲ 30 ዝኾነሉ ኩነታት ኣሎ:: ፍትሓዊ ዝኾነ ዲስትሪቡሽን የለን:: ስለዚ ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ ክንድዚ ሚኢታዊ ሽፋን ኣሎ ንምባል ኣፀጋሚ ‘ዩ:: እቲ ካሊእ ምኽንያት ‘ውን ክሳብ ሕዚ ኣብ ኢድና ዘየለዉ ከባቢታት ስለ ዘለዉ ብዛዕባ ኩሉ ትግራይ ከንዛረብ ኣይንኽእልን:: ኩሉ ትግራይ ኣብ ኢድና የለን:: እቲ ዝጠቐስኩልካ ኣብ ትሕቲ ግዘያዊ ምምሓዳር ጥራሕ ዝርከብ ‘ዩ::

ሓደሽቲ ስራሕቲ ልምዓት ማይ ቕድሚ ኩናት ክጅመር ዝተሓሰበ ነይሩ፤ ገሊኡ ብውሱን መልክዑ ዝተጀመረ ነይሩ:: ኮይኑ ግና በቲ ዘጋጠመና ኩናት ገሊኡ ከይተጀመረ ዝፀንሐ ነይሩ:: ገሊኡ ተጀሚሩ ነይሩ በቲ ኩናት ምኽንያት ተቋሪፁ ዝፀንሐ ነይሩ:: ከም ዋን ዎሽ፣ ኮዋሽ ዝበሃሉ ከምኡ ‘ውን ሰቖጣ ቓልኪዳን ዝበሃል ኣብ ክልል ኣምሓራን ትግራይን ዝሰርሕ ሃገራዊ ፕሮጀክት ‘ዩ፤ ከምዚኦም ዝበሉ ቕድሚ ኩናት ተጀሚሮም ዝነበሩ ስራሕቲ ማይ ልምዓት ሕዚ ኣብ ከይዲ ስራሕ ይርከቡ::

እዚ ኣብ ትግራይ ዝስራሕ ዘሎ ድማ ብሓገዝ መንግስትን ገበርቲ ሰናይን ‘ዩ:: ናብዚ ሓዱሽ ስራሕ ስራሕቲ እዙይ ክንኣቱ እንተለና ብፍላይ ምስቲ ኣብ ኩናት ምፅናሕና ተተሓሒዙ ቐሊል ኣይነበረን፤ ሓይሊ ሰብ ኣይተጠናኸረን ነይሩ:: ካልኣይ ሃገር ከም ሃገር ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስለዝኾነ ካልኦት ክልላት እናሰርሑ ‘ዮም ፀኒሖም::

ንሕና ግና በቲ ኩናት ምኽንያት ጠጠው ኢልና ኢና ፀኒሕና:: ትልምና ኣብ ክልተ ዓመት ከንውድኦ ‘ዩ ነይሩ:: ኣብዚ መሰረት ጌርና ዓበይቲ ስራሕቲ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና:: ከም መርኣያ ‘ውን 3ን4ን ጥሪ ኣመሪቕና ኣለና ኢና:: ኣብ ዓዲ ዳዕሮ፣ፅጌረዳን ውቕሮማራይን ማለት ‘ዩ:: ኣብ ከይዲ ዝርከቡ ኣለዉ፤ ኣብቐፃሊ ከዓ ከም ሰልውሃን ጨርጨርን ዝመሳሰሉ ክነምርቕ ኢና::

ኣብ ጨርጨር ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ እቲ ዝዓበየ ዝበሃል ‘ዩ፤ 181 ሚልዮን ብር ዝወደአ ‘ዩ:: ካሊእ ኣብ ነበለት ኣሎ:: እዚአን ካብተን ናይ መንግስቲ ‘የን:: ከምኡ ‘ውን ኣብ ፊናሪዋ ኣሎ ናይ ሰቖጣ ቓልኪዳን ማለት ‘ዩ:: ካልኦት ፕሮግራማት ‘ውን ኣለዉ፤ ምስ ዩኒሴፍ ንሰርሖ ማለት ‘ዩ:: ናይ ፅገና ከም እኒ ሞኾኒ፣ ውቕሮ፣ ሽረ ቐዳማይ ዙር ብጀርመን ልምዓት ባንኪ ዝሕገዝ ‘ዩ:: ኣብ ካልኣይ ዙር ከዓ ነበለትን ዕዳጋ ዓርብን ኣሎ::

ወጋሕታ፡- ፕሮጀክት ገረብ ግባን ሰገንን ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

ኣይተ ሞገስ፡- ፕሮጀክት ገረብ ሰገን ቑፅሪ ክልተ ናብ መቐለ ዝዝርጋሕ መስተ ማይ ‘ዩ:: እዚ ፕሮጀክት እዚ ቕድሚ ኩናት ‘ዩ ናብ ጨረታ ወፂኡ ነይሩ:: ናይ ሲቪል ስራሕቱ ‘ውን ቕድሚ ኩናት ‘ዩ ተጀሚሩ ነይሩ:: እቲ ስራሕ ሕዚ ‘ውን እናተሰርሐ ይርከብ ኣሎ:: ናይ ኤሌክትሮ መካኒካል ኣቑሑት ጨረታ ወፂኡሉ ተወዲኡ ሕዚ ኣብ ስራሕ ይርከብ::

ሲቪል ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም:: ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ብዝርከብ ገንዘብ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: እቲ ሲቪል ስራሕቲ ናብ 32 ሚኢታዊ ተሰሪሑ ይርከብ:: ኣብ ዝቐፅሉ ከባቢ 9 ኣዋርሕ ንምውዳእ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: ስለዚ ኣብ ፅቡቕ ከይዲ ኣሎ:: ካብ ደገ ተገዚኦም ዝኣትዉ ኣቑሑ ኣለዉ፤ እዚኦም ናብ ስራሕ እንትኣትዉ ዝተቐላጠፈ ስራሕ ክስራሕ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ::

ካሊእ ናይ ገረብ ግባ እንተወሲድና ክሳብ ሕዚ ብዘለኒ ሓበሬታ ብናይ ቻይና ካምፓኒ ‘ዩ እናተሰርሐ ዝርከብ:: 57 ሚልዮን ዶላር ናይ ዝጎደለኒ ከትኸፍሉኒ ኢኹም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ፤ ደሓር ነቲ ጉዳይ ኣፃሪና ምዝርራባት ገይርና ናብ 24 ሚሊዮን ዶላር ተስማዕሚዕና ናብ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ኣትዩ፤ ከምኡ ‘ውን ቐፂሉ ናብ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣትዩ ኣሎ፤ ኣነ ዘለኒ ሓበሬታ ከንሰርሖ ኢና ዝብል ‘ዩ፤ እዚ በቲ ኩናት ምኽንያት ናይ ቻይና ኩባንያ ኣቋሪፅዎም ካብ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ሓደ ‘ዩ፤ ካልኦት ኣብዚ 5 ዝኾና ፕሮጀክትታት ኣለዎ፤ ካብኣተን እተን 3 ክስርሓ እየን፤ ካብኣተን እታ ሓንቲ ገረብ ግባ ኮይና ኣላ ማለት ‘ዩ::

ስለዚ መዓዘ ይጅምር ዝብል ‘ዩ ዘይፍለጥ እምበር ከምዝስራሕ ተስማዕሚዕና ኣለና ኢና:: ምስቲ ልቓሕ ዝሃበ ኣካል፣ ኤግዚም ባንክ ‘ዩ እቲ ውዕል:: ናይ ልቓሕ ጉዳይ ስለዝኾነ ሚኒስቴር ገንዘብ ‘ዩ ዝውደኦ:: ንሕና ናብ ፌዴራል ማይን ኢነርጅን ንፅሕፍ ንሶም ከዓ ናብ ሚኒስቴር ገንዘብ ‘ዮም ዝፅሕፉ ንሕና ብቐጥታ ናብ ገንዘብ ሚኒስቴር ኣይንፅሕፍን:: ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ ኣይተጀመረን ዘሎ፤ እቲ ስምምዕ ክልተ ወርሒ ገይሩ ኣሎ::

ናይ ቻይና ኣምባሳዶር ሚፂኡ እቲ ቦታ ኣርእይናዮ ኢና:: ከምኡ ‘ውን ናይ ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ በዓሉ ክሳብ እቲ ዝስረሐሉ ቦታ መፂኡ ሪእዎ ‘ዩ:: ከምኡ ‘ውን እቲ ባንኪ በዓሉ ዘሎ ኩነታት መፂኡ ርእይዎ ‘ዩ:: እቲ ቅድሚ ኩናት መፂኡ ዝነበረ ኣቑሑ ዳርጋ ኣይባኸነን ፀኒሑ፤ ነዚ ርእዮም ሕጉሳት ኮይኖም ከንጅምሮ ኢና ዝብል ሓሳብ ‘ዮም ሂቦምና:: ኮይኑ ግና በቲ ዝነበሮ ዋጋ ስለዘይኸውን ማለት ሓዱሽ ውዕል ስለዝእሰር መዓዘ ከምዝጅመር ኣይፍለጥን::

ወጋሕታ፡- ሕዚ ኣብ ከተማ መቐለ ቐረብ መስተ ማይ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሞጎስ፡- ከምዝፍለጥ ሕፅረት ቐረብ ማይ ኣሎ ‘ዩ:: ነዚ ውን ‘ዩ ብመሰረታዊነት ነቲ ፀገም ንምቕራፍ ሩባ ገረብ ግባን ሰገንን ዝስራሕ ዘሎ::

ንግዚኡ ግና ቐረብ መስተ ማይ ከተማ መቐለ ካብ ጎዳጉዲ ‘ዩ ዝቐርብ ዘሎ:: ሓደሽቲ ፓምፕታት ናብተን ተባላሸዋ ዝቕየር ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ:: ክሳብ ሕዚ ከባቢ ሰለስተ ዝኾና ተቐይረን ኣለዋ:: ናይ ፅገናታት ስራሕቲ እናተሰርሐ ‘ዩ ዘሎ፤ ፅቡቕ ስራሕቲ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ ምባል ይከኣል:: ኮይኑ ግና እቲ ድሌት መስተ ማይ በዙይ ዝቕረፍ ኣይኮነን:: እዚ ከም መፃንሒ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ብሓፈሻ ኣብ ቐረብ መስተ ማይ ይኹን መስኖ ሓገዝ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላትን እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሞጎስ፡- ኣብ ምቕራብ መስተ ማይ ሓገዝ መንግስቲ ፌዴራል ፅቡቕ ‘ዩ ዘሎ:: ዋላ ኣብ ምንቕስቓስ መስኖ ‘ውን ሓገዝ እናገበረልና ‘ዩ:: ስለዚ ፅቡቕ ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ:: ዘተባብዑ ስራሕቲ እናተሰርሑ ዋላ እንተኾኑ ኮይኑ ግና በቲ ዝነበረ ኩናት ስዒቡ ዝበፅሐ ጉድኣት ሰፊሕ ስለዝኾነ ሕዚ ‘ውን ዝተጠናኸረ ሓገዝ የድልየና ‘ዩ::

ብፍላይ ብሰንኪ እቲ ኩናት ብዙሓት ፀገማት ስለዘዉና ሓገዝ መንግስቲ ይኹን ካልኦት ገበርቲ ሰናይ ዝገብርዎ ዘለዉ ድጋፍ ኣጣናኺሮም ክቕፅሉ እላቦ:: ዘለዉ ኣወንታዊ ምንቕስቓሳት ተጠናኾሮም ክቕፅሉ ኢየ ዝፅውዕ፤ ብፍላይ ክሳብ ዳግመ ሕውየት ዝረጋገፅ ሓገዝ ዝተፈላላዩ ኣካላት ኣድላይ ‘ዩ::

እቲ ክልል ብዘለዎ ዓቕሚ ኣብ ቐረብ መስተ ማይ ይኹን ምስኖ ይንቐሳቀስ ኣሎ ‘ዩ:: እዚኦም ብሓገዛት ተጠናኺሮም ኣብ ዝቕፅልሉ ብዙሓት ፀገማት ክቕረፉ ይኽእሉ ‘ዮም:: እቲ ክልል ‘ውን ብዘለዎ ዓቕሚ ተዋዲዱ ብዕቱብ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ:: ሓገዝ መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ብምህላዉ ተስፋ ዝህቡ ስራሕቲ ይስርሑ ኣለዉ ‘ዮም::

መንግስቲ ፌዴራል ብዙሓት ሓገዛት እናገበረልና ‘ዩ ዝርከብ:: እቲ ክልል ምስቲ ዘጋጠሞ ኩናት ተተሓሒዙ ሕፅረት ገንዘብ ስለዘለዎ ክሳብ ሕዚ መብዛሕትኡ ስራሕቲ ብሓገዝ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ኣካላት ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: ቕድሚ ሕዚ መንግስቲ ፌዴራል ብሓደ ግዜ 25 ፓምፕታት ሂቡና ‘ዩ:: መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ካልኦት ኣካላት ብዙሓት ስራሕቲ ይሕግዙና ብምህላዎም በዚ ኣጋጣሚ ከየመስገንኩ ክሓልፍ ኣይደልይን፤ ዝሕግዝዎ ዘለዉ ሓገዛት ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን::

መንግስቲ ፌዴራል ንስራሕትና ዘቓላጥፉ ተሸከርከርቲ ‘ውን ድጋፍ ገይሩልና ‘ዩ:: ሰሙናዊ ይኹን መዓልታዊ እናተራኸብና ኢና ንሰርሕ ዘለና:: ኣካላት መንግስቲ ፌዴራል ብስልኪ ይኹን ብኣካል ኣብ ስራሕትና ክትትልን ሓገዝን ይገብሩልና ‘ዮም:: ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ማለት ኣብ 3ን4ን ጥሪ ኣብ እኒ ዓዲ ደዓሮ ዘመረቕናዮም በኣካል መፂኦም ሓቢሮም መሪቖም ብኣካል ምሳና ውዒሎም ደስ ኢልዎም ተመሊሶም ‘ዮም::

ወጋሕታ፡- ጥቕልል ብዝበለ መልክዑ ኣብዝሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ዘሎ ስራሕቲ መስኖ እንታይ ይመስል? ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ፌዴራል ቕድሚ ሕዚ 500 ዝኾና ትራክተራት ነቲ ክልል ንምሃብ ተዛሪቡ ነይሩ፤ እዚ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

ኣይተ ሞጎስ፡- ብዛዕባ ስራሕቲ መስኖ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝርከባ ከባቢታት ጥራሕ ኢና ከንገልፅ ንኽእል:: ኣብተን ትራክተራት ንዓይ ስለዘይምልከት ሓሳብ ክህብ ኣይኽእልን፤ እዚ ብቐጥታ ንቢሮ ሕርሻ ‘ዩ ዝምልከቶ፤ ብዛዕባ ምንቕስቓስ ኩነታት መስኖ ትግራይ ክንዛረብ እንተለና ብምኽንያት እቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ኩናት ተቋሪፁ ፀኒሑ ‘ዩ::

ከቢድ ዕንወት ‘ውን ኣጋጢሙ ‘ዩ:: ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ኩለን ተቋሪፀን ዝነበራ ስራሕቲ መስኖ ናብ ስራሕ ኣትየን ‘የን:: ካልኦት ናብ ሓሙሽተ ዝኾና ሓደሽቲ ፕሮግራማት ‘ውን ኣለዋና:: ብሓፂሩ ሕዚ ዝሓሹ ምንቕስቓሳት ኣለዉ:: ካብ ኩሉ ንለዓሊ ግና እቲ ሕብረተሰብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ፅቡቕ ምልዕዓል ኣለዎ:: ዋላ ካብቲ ናይ ቕድሚ ኩናት ዝሓሸ ናይ መስኖ ምንቕስቓሳት ኣለዉ:: መስኖ ብዝሓሸ ቴክኖሎጂ ተጠቒሚና ኢና ንሰርሕ ዘለና::

ማለት ብቴክኖሎጂ ብዝተደገፈ ዝስራሕ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ ክብል እንተለኹ ቕድሚ ሕዚ ብናይ ግድብ ጥራሕ ‘ዩ ዝስራሕ ነይሩ:: ሕዚ ግና ብናይ ሓይሊ ሶላር እናተሓገዝና ‘ውን ኢና ንሰርሕ ዘለና:: እዚ ሲስተም እዚ ንኢሪጌሽን ኣይተለምደን ነይሩ:: ብናይ ኤለክትሪክ ሓይሊ ግና ሕዚ ምስ ዘሎ ምኽባር ዋጋ፣ ተደጋጋሚ ምጥፋእ፣ ነዳዲ ‘ውን ክባር ስለዝኾነን ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ኢንቫሮመንታሊ ስለዘይምከር ማለት ሓደጋ ከብፅሕ ስለዝኽእል ናብ ሶላር ኢሪጌሽን ኢና ኣቲና ዘለና::

ከምቲ ቕድም ኢለ ዝገለፅክዎ ኣብቲ ሕብረተሰብ ፅቡቕ ምልዕዓል ኣሎ፤ ሓረስቶም በዓልቶም ተወዲቦም ማይ ጉድጓድ ይኹዑቱ ኣለዉ ‘ዮም:: ክሳብ 4 ነጥቢ 5 ሚልዮን ብር ብምውፃእ ተወዲቦም ዝሰርሑ ሓረስቶት ኣለዉ ‘ዮም:: ንሕና ከዓ ሓደ ሓደ እታዎታት ብምድጋፍ እናሓገዝናዮም ንርከብ::

እቲ ክልል ሰፊሕ ድሌት ምጥቓም መስኖ ኣለዎ:: ኮይኑ ግና ዓቕሚ እቲ ክልል ውሱን ‘ዩ:: ካልኦት ዓበይቲ መስኖታት ከልምዑ ዝኽእሉ ዝተፀንዑ ‘ውን ኣለዉ:: ኮይን እምበር ብዓቕሚ እቲ ክልል ክስርሑ ስለዘይኽእሉ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ንዘራረብ ኣለና ኢና:: ናይ ከሓሳ ዝመሳሰሉ ነገራት ‘ውን ስለዘለዉ ብዓቕሚ እቲ ክልል ንምስራሕ ከቢድ ‘ዩ:: ሓደሽቲ ግድብ ምግዳብ ከቢድ ዋላ እንተኾነ ኮይኑ ግና መፅናዕትታት ጀሚርና ኣለና ኢና ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኮይና ድማ ንምስራሕ ከንፍትን ኢና::

ወጋሕታ፡- ምስ ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ኣካባቢን ዝተተሓሓዘ ስራሕቲ እንተሃልዩ ተዝገልፁልና፤ ወይ እዚ ቤት ዕዮ እዚ ኣብ ትግራይ ዝሰርሖም ስራሕቲ እንተሃልዮም፤

ኣይተ ሞጎስ፡- እዚ ቤት ዕዮ እዚ ኣብ መጀመርታ ከባቢ ኣብ ርድኢት ዝተወሰነ ፀገም ነይሩዎ ‘ዩ፤ ንስኻትኹም ነዚ ዝጋብዝ ቆላማ ኣካባቢታት የብልኩሙን ዝብል ሐሳብ ነይሩዎ ‘ዩ:: ሕዚ ግና ምዝርራባት ኣለዉ ‘ዮም:: ኣበይ ኣለዉ እቶም ዝስርሑ? እንታይ እንተገበርና ይሓይሽ? ወዘተ ዝብሉ ምኽክራት ኣለዉ ‘ዮም:: ግና ክሳብ ሕዚ ናብ ተግባር ዝተሰጋገረ ስራሕ የለን::

ወጋሕታ፡- ንዝሃብካ ሓበሬታ የቕንየልና::

ኣይተ ሞጎስ፡– ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 13 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You