‹‹ንረብሓ ዉስናት ሰባት ክበሃል ትግራዋይ ሂወቱ ክኸፍል የብሉን›› – ኣይተ ሚኪ ተስፋይ

ሰላም ንወድሰብ ዕቤት መሰረታዊ ‘ዩ፤ ብዘይ ሰላም ልምዓት ይኹን ዕቤት የለን፤ ሰላም ተዘይሃልዩ ብሂወት ናይ ምንባር ዕድል ‘ውን ዘይክህሉ ይኽእል ‘ዩ:: ወዲሰብ ሰሪሑ መነባብርኡ ክቕይርን ክዓብን እንተኾይኑ ግድን ሰላም ክህሉ ኣለዎ:: ልዕሊ ኩሉ ንሰላም ምስራሕ ኣገዳሲ ‘ዩ::

ካሊእ ኩሉ ድሕሪ ሰላም ‘ዩ ዝመፅእ:: ናብ ክልል ትግራይ ከንመፅእ እንተለና ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብድኽመት መራሕቲን ካልኦት ምኽንያታትን ስዒቡ ኣብ ትግራይ ተደጋጋሚ ኩናት እናጋጠመ መፂኡ ‘ዩ:: በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብዙሕ ስቓይን መከራን በፂሕዎ ‘ዩ:: ብፍላይ ቕድሚ ሰለስተ ዓመታት ብዘጋጠመ ኩናት ብዙሕ ክሳራ ኣጋጢምዎ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን ካብ ስግኣት ኩናት ኣይወፀን:: ናብ ኩናት ከምርሑ ዝኽእሉ ነገራት ይረኣዩ ኣለዉ::

ህዝቢ ድሌቱ ሰላም ስለዝኾነ ብሰላማዊ ሰልፊ ሓሳቡ እናገለፀ መፂኡ ‘ዩ:: ብምዃኑ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ፀገም ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን መፍትሒኡን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ብዝምልከት ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ምስ ዝነጥፍን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ተጋሩ መተሓባባሪ ካብ ዝነበሩ ሓደ ዝኾነ ኣይተ ሚኪ ተስፋይ (ፈንቅል) ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ::

ወጋሕታ፡- ከም ሓደ ፖለቲከኛ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ቑልውላው ቐንዲ መንቐሊኡን መፍትሒኡን እንታይ ‘ዩ ኢልካ ትኣምን?

ኣይተ ሚኪ፡- ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፀገማት ፍልፍሎም ፖለቲካ ‘ዩ ኢለ እየ ዝኣምን:: መፍትሒኦም ‘ውን ፖለቲካዊ ልዝብ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ:: ቅድሚ ሕዚ ጀሚሩ ናብ ዝኹሉ ፀገም፣ ህልቒትን ዕንወትን ዝኣተውናሉ ፖለቲካዊ ድሕረትን ድንቑርናን ዝወለዶ ኣካይዳ ‘ዩ:: ነዚ ‘ውን ‘የ መፍትሒኡ ፖለቲካዊ ልዝብ ‘ዩ ዝብል ዘለኹ:: ነዚ ንምፍታሕ ሓዱሽ ፖለቲካዊ ሪፎርም የድሊ::

ብዋናነት መንግስቲ ፌዴራል ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ‘ዩ ክፈትሖ ዝኽእል’ዩ:: ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምርኻብ ክፈትሖ ኣለዎ:: ነዚ ክፈትሖ ዝኽእል ኣብ ትግራይ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳርን መንግስቲ ፌዴራልን ‘ዩ:: ምኽንያቱ ነቲ ክልል ከመሓድር ስልጣን ዝተዋሃቦ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ዩ፤ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ እንተኾይኑ ድማ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ኮይኑ ክፈትሖ ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ቐዳማይ ሚኒሰትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂቦም ዝሃብዎ መልእኽቲ ብሓፈሻ ከመይ ተዓዚብካዮ?

ኣይተ ሚኪ፡- እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንሊህቃን ተጋሩ ዝተመሓላለፉ መልእኽትታት ብትግርኛ ‘ዮም ኣቕሚጦሞ:: ንህዝቢ ትግራይ ብቋንቑዑ መልእኽቲ ምምሕልላፎም ብኣወንታዊ መልክዕ ‘የ ዝሪኦ:: ቅድም ኢሉ ‘ውን እናበልናዮም ዝፀናሕና ሓሳብት ‘ዮም::

እቲ መልእኽቲ ‘ውን ጠቓምን ትኽክልን ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝወስዶ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብዙሓት ኵናታት ኣሕሊፉ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን መሊኡ ዝወፀ ኣይኮነን:: ኣብ ስግኣት ኣሎ:: ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካ ኣዝዩ ድሑር ብምዃኑ ክሳብ ሕዚ ሕገ መንግስታዊ መዓርነት ዝበሃል የለን:: እዚ ብዘይ ምርግጋፁ ድማ ናብ ዝኸፍአ ኩነታት ይወስደና ኣሎ:: ፍትሒ፣ ልምዓት፣ ናፃነትን ስራሕን የለን፤ መንእሰይ ተስፋ ስኢኑ ፎቖድኡ ‘ዩ ዝስደድ ዘሎ:: ነዚ ሓሲቡ ዝፈትሕ ኣካል የለን:: ኣብ ስልጣን ዘለዉ ኣካላት ንናይ በዓሎም ረብሓን ስልጣንን ‘ዮም ዝጓየዩ ዘለዉ::

ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ዝሓለፉ 50 ዓመታት ብጀካ ውርደትን ድኽነትን ዝተረብሖ ነገር የለን:: ናብ ስደትን መከራን ዝተሳጠሐ ህዝቢ ‘ዩ ኮይኑ:: ፍትሒ፣ ነፃነት ልዕልነት ሕጊ ልምዓት ክረጋገፅ ኣይከኣለን፤ መናእሰይ ኣብ ዓዶም ሰሪሖም ክነብሩ ኣይከኣሉን፤ ምኽንያቱ ልዕልነት ሕጊ እንተይኮነስ ልዕልነት ሰበ ሰልጣን ጥራሕ ንምርግጋፅ ስለ ዝስራሕ ዘሎ ‘ዩ:: እዚ ድማ ንደሓር ‘ምበር ንቕድሚት ዝወስድ ኣይኮነን::

ኮይኑ ግና ንዲሞክራስን ናፃነት እናተባህለ ሰለስተ ኣርባዕተ ወለዶ ብኹናት እናሃለቐ መፂኡ ‘ዩ:: ስለዚ ዝኹሉ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ምንም ረብሓ ዘይብሉ ኮይኑ ተሪፉ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን መራሕቲ ህወሓት ንህዝቢ ካሊእ መስዋእቲ ከኽፍልዎ ‘ዮም ዝፅዕሩ ዘለዉ:: መራሕቲ ህወሓት ልቢ ተዝገብሩ ነይሮም ናብዚ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ውጥጥ ኣይምኣተዉን ነይሮም:: ቅድሚ ሕዚ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ይኣክል ‘ዩ:: ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገምና ብልዝብ ንፍትሓዮ ኢሎም ክፈትሕዎ ንተገበኦም ነይሩ:: ኮይኑ ግና ኣነነት ስለ ዘጥቐዖምን ንህዝቢ ስለዘይሓስቡን ናብዚ ከምዚ ዝበለ ፖለቲካዊ ፀገም ብምእታው ህዝቢ ክርዕድ፣ መንእሰይ ክስደድ ይገብርዎ ኣለዉ::

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ‘ውን ውሽጣዊ ፖለቲካኹም በዓልኹም ተዛራሪብኩም ፍትሕዎ ‘ዮም ዝብሉ ዘለዉ:: እዚ ትኽክል ‘ዩ:: ኮይኑ ግና መንግስቲ ሓላፍነት ስለዘለዎ እቲ ፖለቲካዊ ፀገም መራሕቲ ህወሓት በዓሎም ብምዝርርብ ክፈትሕዎ ተዘይክኢሎም መንግስቲ ፌዴራል ጣልቃ ምእታዉ ዝተርፍ ኣይመስለንን::

ናተይ ሓሳብ ‘ውን ኩሉ ግዜ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ተረዳድኢኻ ይፈታሕ ዝብል ‘ዩ:: ምኽንያቱ ንህዝቢ ካብ ምጉዳእ ሓሊፉ ብጎንፂ ዝፍታሕ ፀገም የለን:: ፖለቲካዊ ውጥጥ ንህዝቢ ዝጎድእ እንተኾይኑ ንምንታይ ብልዝብ ዘይፍታሕ? ትኽክልኛ ፖለቲከኛ ንህዝቢ ዝሓስብ ‘ዩ::

ኣብ ትግራይ ግና ከምዚ ዝበሃል ነገር የለን፤ ንስልጣን ጥራሕ ምጉያይ ‘ዩ ዘሎ፤ ስለዚ ናይ ህዝቢ ረብሓ ብምቕዳም ብፖለቲካዊ ልዝብ ክፍታሕ ተዘይክኢሉ መንግስቲ ጣልቓ ኣትዩ ናይ ምፍታሕ ሓላፍነት ኣለዎ:: ግና ቕድሚ ናብዚ ምኻድ እቲ ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር መልእኽቲ ተቐቢልካ ምትግባር የድሊ:: እንተተኻኢሉ ግና ባዕሎም ክፈትሕዎ ኣለዎም::

ወጋሕታ፡- ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ዕቤትን ‘ዩ፤ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ውን ብሰላማዊ ሰልፊ ዝተገለፀ ነዚ ዘንፀባርቕ ‘ዩ:: ምስ እዚ ተተሓሒዙ እቲ ህዝቢ ንሰላም ዘለዎ ባህጊ ወይ ናይ ሰላም ንቕሓቱ ከመይ ትገልፆ? ከምኡ ‘ውን ትሕዝቶ እቶም መልእኽትታት ተትገልፀልና፤

ኣይተ ሚኪ፡– እወ ብዛዕባ ሰላም ኣቐዲምና እናሰራሕናሉ ነይርና ኢና፤ ቻለንጅታት ኣለዉ፤ ኣብ ትግራይ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፊ ሙሉእ ናፃናት ነይርዎም ‘ዩ ከትብል ኣይትኽእልን ኢኻ፤ ዝተፈላላዩ ፀገማት ነይሮም ‘ዮም:: ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ድማ ብኣንፃሩ ዝሓሸ ናፃናት ነይርዎ ‘ዩ:: ህዝቢ ደላዪ ሰላም ‘ዩ፤ ከምቲ ዝበልካዮ ብሰላማዊ ሰልፊ ኣቢሉ ‘ውን ገሊፅዎ ‘ዩ:: እቲ ናይ ሰላም ንቕሓቱ እናበረኸ ይኸየድ ኣሎ::

ብፍላይ እቶም ጀነራላት ትግራይ ዘውፅእዎ መግለፂ ንህዝቢ ኣዝዩ ኣቖጢዑ ‘ዩ:: ኩናት ዘለዓዕል መግለፂ ‘ዩ ነይሩ፤ ኣብ መንጎኦም ‘ውን ፍልልይ ተፈጢሩ ‘ዩ:: ብወገነይ ኩናት ናብ ትግራይ ዝስሕብ መግለፂ ‘ዮም ኣውፂኦም:: ንሱ ጥራሕ እንተይኮነስ ዳግም ናብ ዕፅዋን ክባን ‘ውን ከአቱ ዝኽእል መግለፂ ‘ዩ ነይሩ ‘የ ዝብል::

ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትእስሳራት ኣብ ኣሉታዊ ጉዳይ ዘአቱ ‘ዩ:: ባንክታት፣ መብራህቲታትን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታት እናተማሕየሹ ክኸዱ፣ ዝተፈላላዩ ልምዓታት ክንቀሳቐሱ ክስራሕ ኣለዎ ‘ምበር እንደጋና ነዚ ንድሓር ዝመልስ ምንቕስቓስ ምግባር ዕብዳን ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ::

እዚኦም ተጠናኺሮም ንቐድሚት ክቕፅሉ እንተኾይኖም ምስ መንግስቲ ፌዴራል ዘሎ ዝምድና ክጠናኸር ኣለዎ:: ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ግና ግዝያዊ ምምሕዳር ንምፍራስ ‘ዩ፤ ነቲ ሰላም ዘምፀዐ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ንምፍራስ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: ብውዕል ፕሪቶርያ ዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስ ኩናት ንምፍጣር ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ:: እዚ ኣካል እዚ ውዕል ፕሪቶርያ ኣይተፈፀመን እናበለ ከም ታክቲክ ‘ዩ ዝጥቐም ዘሎ:: ውዑል ፕሪቶርያ ንህዝቢ ትግራይ ስትራተጂ ‘ዩ:: ዋሕስ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ:: ፀገሙ ፈቲሑ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ክነብር ዝገብር ‘ዩ::

ኮይኑ ግና ገሊኦም ኢሊት ወይ መራሕቲ ህወሓት ካብ መጀመርያ ኣትሒዞም ነዚ ውዕል እዚ ንምፍራስ እናተንቐሳቐሱ መፂኦም ‘ዮም:: ግዝያዊ ምምሕዳር እግሪ ከይተክል ከንሰርሕ ኣለና ኢሎም ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ:: እዚ ድማ ኮነ ኢልካ ውዕል ፕሪቶርያ ንምፍራስ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕ ‘ዩ:: ህዝባዊ ኣመፅ ‘ውን ከንገብር ኢና ኢሎም ‘ዮም:: እቶም ናይ ፀጥታ ኣካላት ‘ውን ግዝያዊ ምምሕዳር ከይሰርሕ እናሐንኮሉ ‘ዮም ዝርከቡ::

ስለዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ዝተኸየደ ሰላማዊ ሰልፊ ድማ ዳግም ናብ ኩናት ኣይንኣቱን ዝብል መልእኽቲ ‘ዩ:: ኩሉ ነገር ብሕጊ ይኹን፤ ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ‘ምበር ንኹናት ኣይስለፍን፤ ኩናት ይኣክል፤ ንብዓት ኣዶ ጠጠው ይበል፤ ሞት መናእሰይ የብቕዕ፣ ውዕል ፕሪቶርያ ይፈፀም፤ ናብ ልምዓ ንእቶ፤ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ምንቕስቓስ ነዚ ‘ዩ ዝመስል ነይሩ::

እቲ ኩናት ኣብተኻየደ ይካየድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ትግራዋይ ‘ውን ይጎድኦ ‘ዩ ምኽንያቱ ፍርቂ ኣካሉ ኣብ ትግራይ ‘ዩ ዘሎ፤ ዋላ ንኻልኦት ዜጋታት ‘ውን ከም ኢትዮጵያ ዝጎእድ ‘ዩ:: ንኹሉ ዝፀልው ‘ዩ፤ ብውዕል ፕሪቶርያ ኣይትምፅኡኒ፤ ቐይሕ መስመር ‘ዩ፤ ውዕል ፕሪቶርያ ክትግበረልና ኣለዎ ዝብሉ መልእኽትታት ተንፀባሪቖም ‘ዮም:: ቅድሚ ሕዚ መራሕቲ ህወሓት ‹‹ሃገረ ትግራይ ››እናበሉ ምንም ትርጉም ንዘይብሉ ንህዝቢ ኣብ ኩናት ኣእትየሞ ‘ዮም:: ህዝቢ ትግራይ ግና ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝግንፀል ኣይኮነን::

ንዘመናት ብቋንቋን ባህልን ተኣሳሲሩ ዝፀንሐ ህዝቢ ‘ዩ፤ ከመይ ገይርካ ኢኻ ከትፈልዮ ትኽእል? ሕዘ ‘ውን ዘይጠቕም ኣጀንዳ እናፈጠሩ ንህዝብና ናብ ዘይኮነ ምድንጋራት የእትውዎ ስለዘለዉ ነዚ ምቅዋም ኣድላይ ‘ዩ፤ ነዚ ‘ውን ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ቅዋሙ ዝገልፅ ዘሎ:: ህዝቢ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያውያን ከምዝነብር ድሌቱ እናገለፀ ‘ዩ ዘሎ:: ፀገም ይምፃእ ኣይምፃእ ሓቢሩ እናመከተ ዝነብር ህዝቢ ‘ዩ:: ንበይኑ ተፈልዩ ዋጋ ዘኽፍሎ ስለዝኾነ ብዕሊ ሓሳቡ እናገለፀ ዝመፀ ህዝቢ ‘ዩ::

ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበረ ሰላማዊ ሰልፊ ካልኦት ብሄራት ‘ውን ተሳቲፎም ‘ዮም:: ብፍላይ ተጋሩ ድማ ሰብ ዋና ስለዝኾኑ ብዋናናት ብበዝሒ ተሳቲፎም ድምፆም ኣስሚዖም ‘ዮም:: እቶም ካልኦት ዝተሳተፍሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ትግራይ ዝፍጠር ኹናት ከም ሃገር ንኹሉ ዝፀሉ ስለዝኾነ ‘ዩ፤ ኹናት ዋላ ኣብ ትግራይ ይኹን ኢትዮጵያዊ ‘ዩ ዝመውት፤ ካብ ተፈላላዩ እዛ ሃገር ዝተውፃእፀኡ ዜጋታት ‘ዮም ::

ኣብቲ ሰልፊ ተረኺብና ዝገበርናዮ ነቲ ምልዕዓል ኹናት ንምውጋዝ ኢና ተንቐሳቒስና፤ ስለዚ እቲ ኩናት ንኹሉ ኢትዮጵያዊ ስለዝልክም ኩሉ ኢትዮጵያዊ ከውግዞ ገይርና ኢና፤ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ክስለፍ ከምዘለዎ፤ ስለዚ እቲ ሰልፊ ዓብዪ ውፅኢት ዘምፅእ ሰልፊ ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ::

ወጋሕታ፡- ፀገም ፖለቲካዊ ትግራይ ንምፍታሕ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ክሰርሖም ዝግበኦም ቐንዲ ተግባራት እንታይ ‘ዮም፤ ወይ ሰላም ክሰፍን እንታይ ክግበር ኣለዎ?

ኣይተ ሚኪ፡- መጀመርታ እቲ ዋና ናብ ዕግርግር ዝተኣተወ ወይ እቲ ዝነበረ እናኸረረ ክኸይድ ዝኸኣለ እቶም ጀነራላት ኹናት ዝፅሕትር መግለፂ ምስ ኣውፅኡ ‘ዩ:: እቲ መግለፂ ጀነራላት ንህዝቢ ዘቖጠዐ ስለዝኾነ ይቕሬታ ኢሎም እታ መግለፂ ክቀድዋ ኣለዎም:: ብግልፂ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ተጋጊና ኢሎም ክስርዝዋ ኣለዎም:: ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ድሌት ህዝቢ ሰላም ምዃኑ ተረዲኦም ንኹናት እንተይኮኑስ ንሰላም ክሰርሑ ኣለዎም::

መራሕቲ ህወሓት ይኹኑ ልሂቓን ተጋሩ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ትግራይ ኣተኩሮም ከሰርሑ ኣለዎም:: ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ስግኣት ኩናት ኣብ ዓብዪ ሻቕሎት ‘ዩ ዘሎ:: ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ እግሩ ናብ ስደት እናምረሐ ይርከብ:: ምኽንያቱ ኣብቲ ክልል ዝተረጋግዐ ሰላም፣ ልምዓትን ፍትሕን ስለዘየለ ዓዱ ገዲፉ ይበታተን ‘ዩ ዘሎ::

መራሕቲ ህወሓት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ተረዲኦም ካብ ንስልጣኖምን ረብሐኦምን ጥራሕ ክብሉ ኩናት ዘለዓዕሉ ንሰላምን ልምዓትን ክሰርሑ ኣለዎም:: ህዝቢ ዘይሓስካ ስልጣን ትርጉም ከምዘይብሉ ክርድኡ ኣለዎም:: ኣብ ህዝቢ ለውጢ ሂወት ክመፅእ ካብ ንሕንሕ ስልጣን ወፂኦም ድሌት ህዝቢ ከዳምፁ ኣለዎም:: ህዝቢ ሰላምን ልምዓን ከምዝደሊ ብሰላማዊ ሰልፊ እንተይቐረየ ይገልፅ ኣሎ ‘ዩ:: ንህዝቢ ከግልግል ዝመፀ ሓይሊ ንበዓሉ ተገልጋሊ ክኸውን የብሉን::

መራሕቲ ህወሓት ንህዝቢ እናጎድእዎ መፂኦም ዮም፤ እዚ ክኣክል ኣለዎ፤ ሕዚ ንህዝቢ ክኽሕሱ ኣለዎም ‘ምበር ዳግማይ ናብ ኩናት እተው ማለት ትኽክል ስለዘይኮነ ክስተኻኸሉ ኣዎም:: መንእሰይ ንዘይጠቕሞ ኩናት ዝስለፍ ኣይኮነን:: ኣዴታት ደጊመን ደቀን ክግብራ የብሉን:: ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ:: ቕድሚ እቶም ፀገማት እናገደዱ ምኻዶም ብጋንኡ መፍትሒ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ::

ህዝቢ ትግራይ ድማ ኣብ ጎኒ ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ነቶም ኹናት ዘለዓዕሉ ከውግዞም ኣለዎ:: ይኣኽለኩም ክብሎም ኣለዎ:: ካብቲ ኣንፀላልዩ ዘሎ ኹናት ንምውፃእ ካብ መላእ ተጋሩ ትፅቢት ዝግበር ነቶም ኩናት ብምልዕዓል ህዝቢ ትግራይ ካብ ልምዓትን ሰላምን ንምኹላፍ ዝፅእሩ ዘለዉ ኣካላት ኣዳብ ከትሕዞም ኣለዎ::

ንረብሓ ዉስናት ሰባት ክበሃል ትግራዋይ ሂወቱ ክኸፍል የብሉን:: ክስራህ ዘለዎ ኣብ ልምዓት፣ ሰላም፣ መነባብሮ ህዝቢ ኣብ ምልዋጥ ‘ምበር ኣብ ኩናት ምልዕዓል ክኸውን የብሉን:: ኩሉ ትግራዋይ ድማ ንኹናት ብምቕዋም ንሰላምን ልምዓት ትግራይ ጠጠው ክብል ኣለዎ:: መራሕቲ ህወሓት ይኹኑ ናይ ፀጥታ ኣካላት ካብ ምልዕዓል ኩናት ተቖጢቦም ንሰላምን ልምዓት ጠጠው ክብሉ ኣለዎም::

ወጋሕታ፡– ንዝሃብካና ርኢቶ የቕንየልና::

ኣይተ ሚኪ፡- ኣነ ‘ውን ርኢቶይ ንምግላፅ ስለዝገበዝኩምኒ የቕንየለይ::

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 6 ለካቲት 2017 ዓ.ም

Recommended For You