
ብዙሓት ተፈለጥቲ ኣትሌታት ዝተሳተፍሉ ናይ ጃንሜዳ ኢንተርናሽናል ሃገር ኣቋራፂ ውድድር ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንመበል 42 ግዜ ተኻይዱ ‘ዩ፡፡ ተፈለጥቲን ብብርኪ ዓለምለኸ ውፅኢታዊ ዝኾኑ ኣትሌታት ኣብ ዝተጋጠምሉ ኣብዚ ውድድር መናእሰይን ተሰፋ ዝተውሃቦምን ኣትሌታት ኣካቲቱ ብዝደመቐ ኩነታት ተኻይዱ ‘ዩ፡፡
ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብሓድሽ ስራሕ ፈፃሚ ምምራሕ ምስጀመረ ኣብዚ ውድድር ዝተፈላለዩ ምምሕያሻት ዝተርኣዩ እንትኾን ፤ደማቕን ብንሕንሕ ዝተዓጀበን ጉያ ተራእዩ ‘ዩ፡፡ ብኽልቲኡ ፆታ ናይ በትሪ ቅብብል (ሪል) ውድድር ተዓዋታይ ዝኾነ ክለብ ኣትሌቲክስ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ እንትኾን ክልል ኦሮምያን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካልኣይን ሳልሳይን ብርኪ ሒዚም ዛዚሞም ‘ዮም፡፡ ብ6 ኪሎ ሜትሮ መናእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ ፣ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያን ከተማ ሸገርን ካብ ሓደ ክሳብ ሳልሳይ ዘሎ ብርኪ ብምድሓዝ ዛዚሞም ‘ዮም፡፡
ብደቂ ተባዕትዮ 8 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ከተማ ሸገር ኣትሌቲክስ ክለብ ክልል ኣምሓራን ጥሩነሽ ዲባባን መሰልጠኒ ማእኸል ኣስዒቡ ቀዳማይ ብምዃን ተዓዋታይ ኾይኑ ‘ዩ፡፡ ብደቂ ኣንስትዮ ተዓዋታይ ዝኾነ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተወሳኺ ሜዳልያ ወርቂ እንተመዝግብ ፤ፖሊስ ኦሮምያን ክልል ኣምሓራን ዝተረፉ ሜዳልያታት ወሲዶም ‘ዮም፡፡ ዓብይ ንሕንሕ ዝተርኣየሉ ደቂ ተባዕትዮ ብተመሳሳሊ ብዓወት ኢትዮ ኤሌክትሪክ ተዓዋታይነት እንትዛዘም ክልል ኦሮምያን መቻል ድማ መበል ካልኣይን ሳልሳይን ኾይኖም ‘ዮም።
ተዓዋታይ ኣትሌት ናይ ሜዳያን ገንዘብን ሽልማት እንትረኽቡ ፤ ክለባት ድማ ተሸለምቲ ዋንጫ ኾይነን ‘የን፡፡ ምክትል ፕሬዝደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኢንጂነር ጌቱ ገረመው ብስፖንሰር ልዕሊ 600 ሽሕ ብር ንሽልማት ንክውዕል ብምግባሮም በቲ ፌደሬሽን ዝተዳለወ 50ሽሕ ብር ንክረኽቡ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ‘ውን በቢብርኩ ዝተሰርሐ እንትኾን ፤ንኣትሌት ሞራልን መበረታትዒ ክኾን ‘ዩ ተባሂሉ ‘ዩ፡፡
ብደቂ ኣንስትዮ መበል ካልኣይ ኾይና ዝዛዘመት ናይ ኢትዮ ኤሌክትሪክ ኣትሌት ገላ ኣንበሴ ፅቡቕ ንሕንሕ ከምዝበረት ተዛሪባ፡፡ ቅድሚ ኸዚ ኣብ ሪሌ እትሳተፍ ዝነበረት እታ ኣትሌት ኣብ መጀመሪያ 10 ኪሎ ተሳትፎኣ ዕውትቲ ኾይና ‘ያ፡፡ ኣብቲ ውድድር ካብ ተመልከቲ ዝነበረ ሓገዝ ዝበረታትዕ ብምዃኑ እቲ ክለብ ድማ በቲ ኽልተ ርሕቐት ሜዳልያ ብምምዝጋቡ ሕጉስቲ ከምዝኾነት ገሊፃ ‘ያ፡፡ እዚ ውፅኢት ንክመፅእ ምስ ኣዕርኹታ ጠንካራ ምድላው እናገበሩ ከምዝፀንሑን ኣብ ቀፃሊ ካብዚ ንላዕሊ ጠንኪራ ብምስራሕ ሃገራ ንምፅዋዕ ከምትፅዕር ቃል ኣትያ ‘ያ፡፡
ናይ ደቂ ተባዕትዮ ውድድር ተዓዋቲ ኣትሌት በረከት ነጋ ተሳተፍቲ ኣትሌታት ጠንካራ ብምዃኖም እቲ ውድድር ጠንካራ ከምዝነበረ ድሕሪ ምግላፅ፤ እዚ ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ውድድራት ብልጫ ዝነበሮ ክለብ ኢትዮ-ኤሌክትሪክ ኣትሌታት ጠቕላላ ዋንጫ ንምርካብ ጠንካራ ምድላው እናገበሩ ከምዝፀንሑ ተዛሪቡ ‘ዩ፡ ንሱ ብዝተሳተፎ ርሕቐት ምስ ኣዕርኽቲ ተደጋጊፎም ብምጉያዮም ወርቂ ሜዳልያ ኣብ ኢዶም ከእትዉ ከምዝኻኣሉ ሓሳቡ ሂቡ ‘ዩ፡፡ ካብ ነባር ኣትሌታት ተመክሮ ብምውሳድ ድማ ሃገር ንምፅዋዕ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ‘ዩ፡፡
ብዝፈለላዩ ምኽንያት ተጎዲኡ ዝነበረ ስፖርት ማእኸል ጃንሜዳ ብምስትኽኻል ፤ብምፅራይ ሓሸዋ ትራክ ንክንፀፍ ብምግባር ቅድመ ምድላው ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝፀንሐ ኣብ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ስራሕ ፈፃሚን ኣካቢ ኮሚቴ ኮሙኒኬሽን ቢንያም ምሩፅ ገሊፆም ‘ዮም፡፡
እቲ ውድድር ስሙ ኢንተርናሽናል እንተኾነ ‘ውን ዓለምለኸ ብርኩ ዝሓለወ ‘ዩ ዝብል ኣየድፍርን ፤ ብምዃኑ እቲ ፌደሬሽን እቲ ውድድር ዘመናዊ ንምግባር ዝተለመ እንትኾን ፤ናይ ሃገራት ተሳታፊ ቁፅሪ ንምውሳኽ ናይ ህፃናት ውድድር ንምውሳኽ ሓሳብ ኣሎ፡፡ ብሓፈሻ እቲ ስራሕ ፈፃሚ ቁፅሪ ስፖንሰር ብምዕባይ ውድድራት ዘመናዊ ንምግባር ፤ ብርኪ ብዓለምለኸ ናይ ምምዝጋብ፤ ኣድላይ እንተኾይኑ ‘ውን ተወሳኺ ውድድራት ንምክታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም