
ዓለምና ብዝተፈላላየ ኸይዲ ዕብየት ውሽጢ እናተጓዓዘት ፀኒሓ ‘ያ። ግብርና ናይ መጀመሪያ ሥልጣነ ደቂሰባት ዘምፅአ እንትኾን ብግድኡ ዝሐሸ ካፒታልን ዝሰለጠነ ሓይሊ ሰብ ዝጠልብ ድማ ዘፈር ኢንዱስትሪ ነቲ ቦታ ተረኪቡ ‘ዩ። ዘፈር ኢንዱስትሪ ንብዙሓት ሃገራት ንዕብየትን ብልፅግናን ኣብቂዑ ‘ዩ፡፡ ዝሐሸ ኣነባብራ ሥርዓት ‘ውን ፈጢሩ ‘ዩ። ሐዚ ድማ ዘመኑ ናይ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ዘመን ‘ዩ። ዘመነ ዲጅታላይዜሽን ዓለም በቢዕለቱ ሓደሽቲ ተርእዮታት ንክነተኣናግድ ብቅልጡፍ ንክንጓዓዝ እናገበራ ይርከብ።
ምቕልጣፍ ኣግለግሎት ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ፤ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ብምፍራይ ገንዘብ፤ ጊዜን ጉልበትን ብምቁጣብ ንሓንቲ ሃገር ዕብየትን ብልፅግናን ዘይትካእ ግደ ይፃወት ‘ዩ። ብፍላይ በዚ እዋን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ይኹን ዝውውር ኢኮኖሚ ብቀጥታ ዝትሓሓዝ ምስ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂው ብምዃኑ ዕብየት ሃገራት ኾነ ውድቀት ነቲ ዘፈር ብዝሃብዎ ትኹረት ልክዕ ዝልካዕ ‘ዩ።
እዚ ሓቂ ብምርዳእ ኢትዮጵያ ካብ ሓሙሽተ ዘርፍታት ዕብየት ውሽጢ እቲ ሓደ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ንክኸውን ፈቂዳ ናብ ስራሕ ኣትያ ኣላ። “ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025” ስትራቴጂ ብምቅራፅ እታ ሃገር ብኹሉ ዓውዲ ተወዳዳሪ ዝኾነ ኢኮኖሚ ንምህናፅ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ትርከብ። እዚ ስትራቴጂ ብዋናነት ዲጂታል መሠረተ ልምዓት ብምህናፅን ብምስፋሕን ናይታ ሃገር ምጣነ ሃፍታዊ ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ዕብየት ንምቅልጣፍ ዕላማ ዝገበረ ‘ዩ።
ኢትዮጵያ ትኹረት ሂባ እናተገበረቶ ዘላ ስትራቴጂ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ኣገልግሎት መንግስቲ ብዲጂታል ዝተሓገዘ ንክኸውን ብምግባር ዜጋታት ኣብ ዘለውሉ ኮይኖም ኣገልግሎታት መንግስቲ ብቀሊሉ ንክረኽቡ ዘኽእሎም ‘ዩ። ናይ ዜጋታት ናይ ዕለት ዕለት ሂይወት ንክቀላጠፍ መሰረት ዘንፅፍ ‘ዩ።
ነዚ ሓደ መሰረት ዝኸውን ድማ ብሄራዊ መለለዪ መንነት (ፋይዳ) ዝተብሃለ ዓይነት መለለዪ መንነት ‘ዩ። ፋይዳ መለለዪ መንነት ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላላዩ ክልላት እታ ሃገር ንዜጋታት እናተወሃበ ይርከብ። ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ (ትፕኢ) እንታይነት ፋይዳ መለለዪ መንነት፤ ዘለዎ ሃገራዊ ረብሓን ዜጋታት ዝተቃላጠፈ ኣገልግሎት ንክረኸቡ ብመንፅር ምገባር ዘለዎ ረብሓ እንታይ ‘ዩ ክብል ዋና መተሓባበሪ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣይተ ዮዳሄ ኣርኣያሥላሴ ዝቀረቡ ሕቶታት ዝሃብዎ መልሲ ከምዚ ዝሰዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ።
ትፕኢ፡- ዓለም ለኸ ልምዲ ኣጀማምራ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ብምርኣይ እንተጀመርናኸ?
ኣይተ ዮዳሄ፡- መለለዪ መንነት ወረቀት ከም መተኣማመኒ ዝተጠቀሙ ስዊዘርላንዳውያን ‘ዮም። ስዊዛት እዚ ብምግባር ዘድለዮም ድማ ዝውውር ሰባት ዝተቀላጠፈ ንክኸውንን ልውውጥ ንግዲ ‘ውን ዝሰፍሐ ንክኸውን ብምሕሳብ ‘ዩ። ኣብ ዝተወሰነ ከባቢ ተሓፂሩ ዝነበረ ዝውውር ሰባትን ሸቐጣትን ብምፍጣሩ መለለዪ መንነት ብምብጋስ ናብ ሰፊሕ ከባቢ ክባፃሕ ተኻኢሉ።
ቅርብ ናብ ዝበለ ክንመፅእ ከለና ድማ ኣሜሪካናውያን ቑፅሪ ሶሻል ሴኩሪቲ ካብ ዝጅምሩ 100 ዓመታት ኣሕሊፎም ‘ዮም። ኣብ 1900 ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ሕድሕድ ኣሜሪካዊ ቁፅሪ ሶሻል ሴኩሪቲ ነይርዎ ‘ዩ። ሕድሕድ ሰብ መለለዪ መንነት ወረቀት ምርኣይ ግዴታ ኣይኮነን። መለለዪ ዝኾነ ቁፅሪ ብምርኣይ ጥራሕ መንነቱ ምግላፅ ይክኣል ‘ዩ።
ንኣብነት ትራፊክ ደው እንተቢልዎ መንጃ ፍቃድ ወይ መለለዪ መንነት ከየድለዮ መለለዪ ዝኾነ ቁፅሪ ብምዝራብ ጥራሕ ምስቲ ትራፊክ ምርድዳእ ይክኣል። ኣብ ሃገርና ከምዝግበር ሓደ ሰብ ጥሕሰት ትራፊክ እንተፈፂሙ ታርጋኡ ምንቃል ወይ መንጃ ፈቃዱ ምሕዳግ ከየድለየ በቲ ናይቲ ሰብ መለለዪ ቁፅሪ ብምእታው ኣድላይ ቅፅዓት ምቅፃዕ ይክኣል።
ትፕኢ፡- ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ንክህልው ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይ ‘ዩ?
ኣይተ ዮዳሄ፡– ኢትዮጵያ ኣዋጅ 1284/2015 ዲጂታል መለለዪ መንነት ኣፅዲቃ ‘ያ። እዚ ኣዋጅ ዘድለየሉ ምኽንያት ኣብ መእተዊኡ ብዝርዝር ተቀሚጡ ‘ዩ። ዲጂታል መለለዪ መንነት ብዙሕ ረብሓ ኣለውዎ። ብመንፅር ብሄራዊ ድሕንነት፤ ሰናይ ምምሕዳር፤ ቅልጥፍና ስራሕ፤ ኢኮኖሚ ዕብየትን ዝመሳሰሉ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዘይትካእ ግደ ይፃወት ‘ዩ። ሐዚ ካብ ዝበፃሕናሉ ዓለም ለኻዊ ኾነ ሃገራዊ ኩነታት መንፅር ብዘይ ዲጂታል መለለዪ መንነት ዕብየት ምርግጋፅ ኣይከኣልን።
ቴክኖሎጂ ዓለም እናተቀየረ ‘ዩ። ዝተቀየረ ዓለም ድማ ዝተቀየረ ኣሰራርሓ የድልዮ። ቅድም ክብል ብወረቀት ዝወሃቡ ዝነበሩ ኣገልግሎታት ብሙሉኡ ሐዚ ኣብ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ውሽጢ ኣትዮም ሰብ ኣብ ዘለዎ ኮይኑ ኣገልግሎት ዝረኽበሉ እውን ኮይኑ ‘ዩ።
ቅድም ክብል ሰባት መንግሥታዊ ኣገልግሎታት ንምርካብ ናብ ጣብያ ወይ ካሊእ ሓደ መንግስታዊ ትካል ምኻድ ግዴታ ነይርዎም። ሎሚ ግና እቲ ኣገልግሎት ናብ ኣፍደገ ገዝኦም ይመፅእ ኣሎ። ኣገልግሎት ወሃብን ተቀባልን ገፅ ንገፅ ዝራኸብሉ ኣሰራርሓ እናብቕዐ ‘ዩ። ውዕል ዝፍፅሙ ሰባት እኳ ‹‹ ርሑስ ፊርማምኦም ከየቅመጡ እቲ ውዕል ዝፀንዐ ኣይኮነን›› ዝብል ዝተለመደ ኣበሃህላ ተሪፉ ሎሚ ዲጂታል ፌርማ ጋህዲ ኮይኑ ‘ዩ።
መለለዪ መንነት ብዝምልከት ብዙሓት ሃገራት ካብ ወረቀት ብምልቃቅ ናብ ዲጂታል መለለዪ መንነት ተሰጋጊሮም ‘ዮም። ንዘመናት ክንግልገለሉ ዝፀናሕና ኣብ ጁባና ሒዝና እንዘረሉ መለለዪ መንነት ኣብ ብዙሓት ሃገራት እናተረፈ መፂኡ ‘ዩ። ብምትክኡ ሕትመት ወረቀት ከይሃለወ ቁፅሪ ጥራሕ ናይ ሓደ ሰብ መለለዪ መንነት ንምዃን በቂዑ። መለለዪ መንነት ወረቀት ንብዙሓት ምጭብርባራት ዝተጋለፀ ‘ዩ። ብቀሊሉ ፎርጅድ ስለዝስራሕ ዜጋታት ይኹኑ ሃገር ንኪሳራ ዘጋልፅ ‘ዩ።
ፎርጅድ ብዝተሰርሐ መለለዪ መንነት ካብ ባንኪ ገንዘብ ይወፅእ፤ መሬት ካርታ ይሸየጥ፣ ግብሪ ይጭበርብር፤ ሓደ ሰብ ኮይኑ ብብዙሕ ስም ብዙሕ መለለዪ መንነት፤ ንግዲ ፈቃዳት ምውፃእን ዝደለዮ ገበን ምስራሕ ይኽእል። ሎሚ ግና ፋይዳ መለለዪ መንነት ሓደ ረብሕኡ እዚ ‘ዩ።
ከም ቀደም ‹‹ኣነ ከይፈለጥኩ ኣብ ባንኪ ኣካውንተይ ውሽጢ ኣትዮም ገንዘበይ ኣታሊሎምኒ፤ ፎርጂድ ካርታ መሬት ሂቦምኒ፤ ወዘተ›› ዝብሉ ክስትታት ብፋይዳ መለለዪ መንነት ምፍታሕ ይክኣል። ካብዚ ጎና ጎኒ ፋይዳ መለለዪ መንነት ኣገልግሎታት ንምቅልጣፍን ዜጋታት ንሙስና ከይጋለፁ ይገብር። ንኣብነት ሓደ ሰብ ውዕሊ ገዛ ኪራይ ንምፍፃም ናብ ቀበሌ ወይ ወረዳ ምኻድ ክህልዎ ‘ዩ። ኣብኡ ኮፍ ኢሉ ተራ ምሕላውን ምውፃእ ምውራድ ናይ ግድን ይብሎ። በዚ ኸይዲ እንተነኣሰ ፍርቂ መዓልቲ ይወስደሉ።
እዚ ድማ ሰብ የማርር፤ ስራሕ ይፈትሕ፤ እቲ ሰብ ኣፍራያይ ኮይኑ ሂወቱ ከየመሓይሽ ዕንቅፋት ይፈጥር። ስለዝኾነ ፋይዳ መለለዪ መንነት ካብ ባህላዊ ኣሰራርሓ ናብ ዘመናዊ ኣሰራርሓ ዝወስድ መንገዲ ዘመቻችውን ምንግልታዕ ሰባት ንመቕናስ ዝግበር ፃዕሪ ዘቀላጥፍ ‘ዩ።
ትፕኢ፡- ፋይዳ መለለዪ መንነት ካብ ካልኦት ዓይነታት መለለዪ መንነት ብምንታይ ይፍለ?
ኣይተ ዮዳሄ፡- ኣብዚ እዋን ኣብዛ ሃገር ዘለው ዓይነታት መለለዪ መንነት ክልተ ዓይነት ረብሓ ኣለዎም። ሓደ መንነት ዝገልፅ ብተለምዶ ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት እንትኾን ካልኣይ ኣገልግሎት ተኮር ዝብሃል ‘ዩ። እዚ ድማ ከም መንጃ ፍቃድ፤ ፓስፖርትን ዝመሳሰሉ ዘሓወስ ይኸውን። እዞም ኣገልግሎት ዝህቡ ብዋናነት ንዝተዳለወሎም ጉዳያት ጥራሕ ይኾኑ ማለት ‘ዩ። ፋይዳ መለለዪ መንነት ዓይነት ዘለዎ ዕላማ ዝሓዘ መሰረታዊ መለለዪ መንነት ግና ክሳብ ሐዚ ኣብታ ሃገር ኣይነበረን።
መሰረታዊ መለለዪ መንነት ማለት ብፍሉይ ናይ ሓደ ሰብ መንነት ዘርኢ ዘኽእልን ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎታት መንግሥትን ውልቀን ብሓደ መለለዪ መንነት ከጥቅም ዘኽእል ማለት ‘ዩ። ፋይዳ መለለዪ መንነት ካብ ዝኾነ ክፋል እታ ሃገርን ክፋል ማሕበረሰብ ዝመፅኡ ዜጋታት ኣካታቲ ብዝኾነ መልክዕ ብብርኪ ሃገርለኸ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ብቀሊሉ ንክረኽቡ ዘኽእሎም ይኸውን። መለለዪ መንነት ኣብ ሃገር ውሽጢ ዜጋታት ጥራሕ ካብ ሃገር ወፃኢ ፍቃድ መንበሪ፤ ፍቃድ ስራሕ፤ ትምህርትን ካልኦት ጉዳያትን ካብ ሃገር ዝወፅኡን ተረባሒ ይገብር። ብተወሳኺ ወፃኢ ሃገር ሰባትን ስደተኞታትን ዝሓውስ ይኸውን።
ፋይዳ መለለዪ መንነት ብብርኪ ብሄራዊ ሓደ ዓይነት ትሕዝቶ ዘለውዎን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘገልግል ‘ዩ። ንኣብነት መለለዪ መንነት ኣዲስ ኣበባ ኣብዝሓ ዝህቦ ኣገልግሎት ንኣዲስ ኣበባን ኣከባቢኡን ‘ዩ። ፋይዳ መለለዪ መንነት ብዙሕ መረዳእታተ ብሓደ ዝሐዘን ካብ ውልቀ ሰባት ዝእከቡ መረዳእታታት ዓለም ለኻዊ መስፈርቲታት ዘማለአ ‘ዩ።
ይኹን ‘ምበር ፋይዳ መለለዪ መንነት ካልኦት መለለዪ መንነታት ይትክእ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን። ፋይዳ መለለዪ መንነት ምስ ካልኦት መለለዪ መንነታት ንክናበብ ተገይሩ ዝተዳለወ እምበር ካልኦት መለለዪ መንነታት ዝትክእ ኣይኮነን። ፋይዳ መለለዪ መንነት ኣገልግሎት እናሃበ ካልኦት መለለዪ መንነታት ‘ውን ኣገልግሎታቶም ምሃብ ይቕፅሉ ።
ሓደ ኣብነት እንተልዒለ፤ ‹‹ቲን ነምበርካ ከየምፃእኻ ንግዲ ፈቃድኻ ኣየሐድሰልካን፤ ወይ ቁፅሪ መንጃ ፈቃድ እንተዘይዘኪርካ መንጃ ፈቃድህ ኣይሕደስን›› ዝብል ክልከላ ድሕሪ ሐዚ ኣይህልውን። ‹‹ምርግጋፅ ትሕዝቶ መሬት ንምርግጋፅ ካርታ ሒዝካ ነዓ ዝብል›› ኣበሃህላ ዝቕይር ማለት ‘ዩ።
ፋይዳ መለለዪ መንነት ዲጂታል ስለዝኾነን ምስ ዝተፈላላዩ ኣገልግሎታት ዝተኣሳሰረ ብምዃኑ ቁፅሪ ፋይዳ ብምእታው ጥራሕ ኩሉ ኣገልግሎት ንምርካብ ዘኽእል ‘ዩ። ብኻሊእ ኣዘራርባ ሓደ ሰብ ቁፅሪ ፋይዳ ተዛሪቡ ፅራሕ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎት ንክረኽብ ዘኽእልን ፋይል ሒዙ ካብ ምዛር ዘውፅእ ‘ዩ። ስለዝኾነ መለለዪ መንነት ፋይዳ ሂወት ዜጋታት ዘቕልል ማለት ‘ዩ።
ኣብ ቀፃሊ መንጃ ፈቃድ ንምሕዳስ ብኣካል ምርካብ ኣየድልን። ኣብ ቀረባ ግዘ ውሽጢ ሓደ ሰብ ኣብ ገዝኡ ከፍ ኢሉ ብስልኩ ምሕዳስ መንጃ ፈቃድ ዝክኣለሉ ብርኪ ክንበፅሕ ኢና። ጎረቤት ሃገር ኬንያ ‘ውን መንጃ ፈቃድ ዝሕደስ ብስልኪ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ‘ውን ንዲጂታል ቴክኖሎጂ ትኹረት ሂባ እናሰረሐት ዘላ ምሃብ ኣገልግሎታ ካብ ንክክእ ሰብ ነፃ ንምግባር ‘ዩ።
ኣብ ዝተወሰኑ ዓመታት ውሽጢ ብዙሓት ኣገልግሎታት ካብ ሰብ ንክክእ ዝፀረዩ ክኾኑ ‘ዮም። እዚ እንትኸውን ኣገልግሎታት ብገንዘብ ምግዛእ፣ ጉቦ ምሃብ፤ ምውራድ ምድያብ፣ ንሓደ ኣገልግሎት ምሉእ መዓልቲ ምውዓልን ዝኣምሰሉ ምንግልትዓት የትርፍ ‘ዩ። በዚ ኣቢሉ ‘ውን ዜጋታት ምርካዕ ይውስኽ፤ ኣብ መንግስቲ ዘለዎም እምነት ይውስኽ።
ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለፅክዎ ዝተፈላለዩ ገበናት ሰሪሕካ ምሕባእ ኣይክኣልን። ስለዝኾነ ሓደ ሰብ ገበን ሰሪሑ ምሕባእ ከምዘይኽእል ስለዝፈልጥ ገበን ካብ ምስራሕ ምቁጣቡ ኣይተርፍን። ሓደ ሰብ ብዝተፈላላዩ ስማት ዝተፈላላየ ንግዲ ፈቃዳት ብምውፃእ ከታልል ኣይኽእልን።
ምስ ግብሪ ምስዋር ተተሓሒዙ መንግስቲ ትክክለኛ ግብሪ ንክረክብ የኽእሎ። ሓደ ሰብ ካርታ መሬት እንተጠፊእዎ ሐዚ ብዘሎ ኣሰራርሓ ናብ ምምሕዳር መሬት ከይዱ፤ ኣመልኪቱ እንተነኣሰ ሰለስተ ኣዋርሕ ክሕልው ኣለዎ። ድሕሪ ዝተወሰኑ ግዜታት ግና ሰባት ብስልኮም ካርታ መሬት ኣውሪዶም ንዝደለይዎ ዕላማ ምውዓል ዝኽእሉ ይኾኑ። ዝተጭበረበረ ካርታ መሬት ዝኣምሰሉ ስልትታት መታለሊ ክህልው ኣይኽእሉን።
ብፋይዳ መለለዪ መንነት ሙሉእ ንሙሉእ ጥርጣረታትን ምትላልን ይተርፉ። ፋይዳ መለለዪ መንነት መተኣማመኒ ‘ዩ እንትብሃል ጥርጣረታትን ምትላላትን ሙሉእ ንሙሉአ ንምውጋድ ስለዘኽእል ‘ዩ። ሰነድ ጠፊኡ፤ ሰነድ ተሰዊሩ ዝብሉ ኣበሃህላ ሙሉእ ንሙሉእ ክተርፉ ‘ዮም ማለት ‘ዩ። ካልኦት መለለዪ መንነታት ግና ነዚ ንምግባር ዓቕሚ የብሎምን።
ትፕኢ፡- ኣብዚ እዋን ብሄራዊ መለለዪ መንነት ንክንደይ ዝኣኽሉ ዜጋታት ተባፂሑ?
ኣይተ ዮዳሄ፡- ፋይዳ መለለዪ መንነት ብብርኪ ሃገር ምሃብ ዝተጀመረ ኣብ 2015 ዓ.ም ‘ዩ። ሐዚ ክሳብ ዘለናሉ ግዘ 11 ሚሊዮን ዜጋታት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ወሲዶም ‘ዮም። ኣብ 2017 መወዳእታ ድማ 30 ሚሊዮን ዜጋታት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ንክረኽቡ እናተሰርሐ ‘ዩ። ግንዛበ ሰባት እናተመሓሸ ብምምፅኡ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ንምርካብ ልዑል ድልየት ኣሎ።
ኣብዝሓ ኢትዮጵያዊ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ንክህልዎ ‘ዩ ዝድለይ። ይኹን እምበር ኣብ ላዕላይ ከምዝሓበርክዎ ብምትላልን ኣብ ገበን ውሽጢ ክፀንሑ ካብ ዝደልዩ ውሑዳት ሰባት ዝተረፈ ኩሉ ኢትዮጵያዊ በዘብል በዓል ዋና መልክዕ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ባለቤት ንምዃን ልዑል ድልየት ኣለዎ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኩሉ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብሄራዊ መለለዪ መንነት እናተወሃበ ‘ዩ።
ይኹን ‘ምበር ምስዚ ተተሓሒዙ ዝርኣዩ ክፍተታት ምእራም ይግባእ። ሓደ ሓደ ባንክታት ቁፅሪ ኣካውንት እንተዘይከፊትኩም መለለዪ መንነት ፋይዳ ኣይንህበኩምን ዝብሉ ቅድመ ኩነት ከምዘቕምጡ በፂሕናዮ ኣለና። እዚ ድማ ግቡእ ኣይኮነን። ፋይዳ መለለዪ መንነት ንምርካብ ዝቕመጥ ቅድመ ኩነት የለን።
ትፕኢ፡- ሰባት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ብዘይምውፅኦም ዝኽልኸሉ ኣገልግሎታት ኣለው ዶ?
ኣይተ ዮዳሄ፡- በጣዕሚ ውሑዳት ካብ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ወፃኢ ኣብዝሓ ኣገልግሎታት ብሄራዊ መለለዪ መንነት ግድን ዝብሉ ኣይኮኑን። ካብ ግብሪ፤ ሴፍቲኔት፤ ዝኣምሰሉን ንምትላል ዝተጋለፁ ዘርፍታት እንተዘይኮኖም ኣገልግሎት ንምርካብ ብሄራዊ መለለዪ መንት ግዴታ ኣይኮነን።
ብክቡር ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ብሄራዊ ዲጂታል ካውንስል ኢትዮጵያ ዝብሃል ኣሎ፤ እዚ ድማ ኣብ ኣወሃህባ ዝርኣዩ ጠንካራን ደካማን ጎንታት እናፈለየ በቢግዚኡ መስተኻኸሊ እናሃበ ስለዝኸይድ ፀገማት ካብ ታሕቲ እናተቃለሉ ‘ዮም ዝኸዱ። ይኹን ‘ምበር ብሄራዊ መለለዪ መንነት እንተዘይኣምፂእኹም ኣገልግሎት ኣይትረኽቡን ዝብሉ ትካላት እንተሃልዮም ኣሰራርሕኦም ትኽክል ስለዘይኮነ ከስተኻኽሉ ይግባእ።
ትፕኢ፡- ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ፋይዳ መለለዪ መንነት ንምርካብ ነዋሕቲ ሰልፍታት ይረኣዩ ‘ዮም፤ ካብ ምንታይ ዝተበገሰ ‘ዩ?
ኣይተ ዮዳሄ፡- መጀመሪያ ክፍለጥ ዘለዎ ፋይዳ ቁፅሪ ‘ዩ። ኣገልግሎት ንምርካብ ዘድሊ ቁፅሪ ‘ምበር ካርዲ ኣይኮነን። ብካርዲ ምሕታም ብድልየት ዝመፅእ ‘ምበር ኣገዳዲ ኣይኮነን።
ከምዝፈለጥ መብዛሕተና መለለዪ መንነት እንትበሃል እንረኽቦ ብመልከዕ ካርዲ ስለዝኾነ ‘ምበር ካርዲ ምሕታም ግዴታ ኣይኮነን። ናይቲ ሰብ መለለዪ ቁፅሪ ‘ምበር እቲ ካርዲ ኣይኮነን ዝድለይ። ስለዝኾነ ካብ ኣተሓሳስባ ወረቀት ክንወፅእ ኣለና። ንምሕታም ፋይዳ መለለዪ መንነት ሰልፊ ምግባር ኣድላይ ኣይኮነን። ብካርዲ ከየሐተሙ ብቁፅሩ ጥራሕ ምግልጋል ይክኣል ‘ዩ።
ንኣብነት ሓደ ሰብ ፍቃድ ንግዲ ንምውፃእ ናብ ቢሮ ንግዲ እንትኸይድ ዝሕተት እቲ ቁፅሪ ‘ምበር እቲ ካርዲ ክኸውን የብሉን። ናይቲ ሰብ ቁፅሪ መለለዪ መንነት ‘ምበር እቲ ካርዲ ኣይኮነን። ምሕታም ካርዲ ከም መስፈርቲ ክቕመጥ የብሉን። ቁፅሪ ፋይዳ መለለዪ መንነት ‘ምበር ካርዲ ኣይኮነን። ስለዝኾነ ምስላፍን ግዘ ምብኻንን ኣይግባእን። ብፍላይ በዚ እዋን ኩሉ ናይ ቴሌን ቤት ፖስታን ከምኡ ‘ውን ፍቃድ ዝረኸቡ ትካላት ነቲ ኣገልግሎት እናሃቡ ስለዝኾነ ሰባት ኣብ ቀረበኦም ናብ ዝርከቡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ብምኻድ በዘይ ሰልፊ ክግልገሉ ይኽእሉ ‘ዮም።
ትፕኢ፡- ሓደ ሓደ ትካላት ቴሌን ቤት ፖስታን ሓዊሱ ብክፍሊት ካርድ ይህቡ ‘ዮም፡፡ እዚ ግቡእ ድዩ ወይስ ኣይኮነን?
ኣይተ ዮዳሄ፡– እዚ ጉዳይ ድልየት ውልቀ ሰባት ‘ዩ። እንተደልዩ ካርዲ ኣሐቲሙ ምሓዝ ይኽእል፤ እንተዘይደልዩ ከዓ ነቲ ቁፅሪ ብቃሉ ብምሓዝ ዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ምርካብ መሰሉ ‘ዩ። ውለቀ ሰባት ሓዊሱ ንስኻ ‘ውን ከምዝሓበርካዮ ቴሌን ቤት ፖስታን ሓዊሱ ካርዲ እናሓተሙ ይህቡ ‘ዮም። እዚ ዝኾነ ፀገም የብሉን።
ካርዲ ንክህልዎም ዝደልዩ ሰባት እንተደልዮም ኣብ ውልቀ ሰባት ወይ ካብ ቴሌ ይኹን ካብ ቤት ፖስታ ኣሕቲሞም ምጥቃም መሰሎም ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ሓደ ሓደ ውለቀ ሰባት ፎቶ ሾፕ ብምስራሕ ናይ ሐሶት መለለዪ መንነት ስለዘሐትሙ ምጥንቃቕ ይግባእ። ኣብ ዘረባና ኣብ ገዝኡ ወይ ኣብ ቢሮኡ ፕሪንተር ዘለዎ ሰብ ኣብ ፖርታል ውሽጢ ኣትዩ ናይ ባዕሉ ፋይዳ መለለዪ መንነት ምሕታም ይኽእል ‘ዩ። ዝተፈለየ ሚስጢር የብሉን።
ትፕኢ፡- ኢትዮጵያ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ተግባራዊ ምግባራ ኣብ ኢኮኖሚዋ ዘምፅኦ ለውጢ ክንደይ ዝኣክል ‘ዩ?
ኣይተ ዮዳሄ፡- ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣብ ኢኮኖሚ ዘበርክቶ ግደ ብዝምልከት ዝተገበሩ መፅናዕቲ ኣለው። እዞም መፅናዕትታት ከምዘማላኽትዎ ብሄራዊ መለለዪ መንነት ተግባራዊ ምግባሩ ኣብ ኢትዮጵያ 7 ሚእታዊ ተወሳኺ ዕብየት ንምምዝጋብ የኽእል ‘ዩ። ሐዚ ኢትዮጵያ ልዒሊ 200 ቢሊዮን ዶላር ዓመታዊ ጂዲፒ ዘለዋ ሃገር ‘ያ። ስለዝኾነ እዚ 7 ሚኢታዊ ተወሳኺ ሃፍቲ ከርክብ የኽእለና ማለት ‘ዩ።
ብወገን ኢኮኖሚ ዝህልዎ ግደ ልዕሊ ኹሉ ዓቢ ብፅሒት ይህልዎ ‘ዩ። እዚ ብወገን መንግስቲ ዘለዎ እንትርኣይ ኩሎም ዜጋታት በዓል ዋና ፋይዳ መለለዪ መንነት ምግባር ግብሪ ኣብ ዝእከበሉ እዋን ልዕሊ ሓደ መለለዪ መንነት ብምሓዝ ይርኣዩ ዝነበሩ ምትላላት ደው ይብሉ።
ብተወሳኺ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ መለለይ መንነት ዘይብሉ ማሕበረሰብ ፋይዳ መለለዪ መንነት ምህላው መሠረታዊ ኣገልግሎታት ብቀሊሉ ንክረክብ ዘኽእሎ ይኸውን። ንኣብነት ምኽፋት ኣካውንት ባንክ፤ ምወፃእ ሲም ካርዲ ቴሌኮምን ዝኣምሰሉ ብዘይምርካቡ ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ክፋል ማሕበረሰብ ናብ መደበኛ ስርዓት ኢኮኖሚ ከይተሓወሰ ፀኒሑ ‘ዩ።
ክሳብ ሎሚ ውሕድ ዘይብሃሉ ክፋል ማሕበረሰብ መለለዪ መንነት ብዘይምሓዞም ዝውውር ዝፍፁሙ ይኹኑ ገንዘቦም እናቐመጡ ዘለው ግቡእ ብዘይኮነ መንገዲ ኣብ በቢገዝኦም ‘ዮም። ልምዲ ካልኦት ሃገራት መሠረት ብምግባር ቕደሚ ሐዚ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዘመልክቶ ከም ሃገር ምትግባር ብሄራዊ መለለዪ መንነት ኣብቲ ኢኮኖሚ ውሽጢ ልዑል ለውጢ ንምምፃእ በሪ ዝኸፍት ‘ዩ ዝኸውን።
ብተወሳኺ ፋይዳ መለለዪ መንነት ከም ሃገር መንነት ዝገልፅ ጥራሕ ብምዃኑ ክሳብ ሐዚ ካብ ዝነበሮ ብዝሐሸ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቂሶም ምስራሕ ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ። ኣብዚ እዋን ኣብዛ ሃገር እናተተግበሩ ዘለው መለለዪ መንነታት ብመንነትን ኣቀማምጣ ምድሪ ዝተገደቡ ‘ዮም። እዚ ድማ ዜጋታት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከም ልቢ ንምንቅስቃስ ማሕለኻታት ዝፈጥሩ ኮይኖም ፀኒሖም ‘ዮም።
ንቀፃሊ ግና ፋይዳ መለለዪ መንነት ዝሓዘ ዝኾነ ይኹን ውለቀ ሰብ ኣብ ዝደለየሉ ክፋል እዛ ሃገር ተንቀሳቂሶም ንምስራሕ መንነቱ ብዝገልፆ መለለዪ መንነት ዝበፅሖ ዝነበረ ፀገም የትርፍ። ብሓፈሻ ምህላው ፋይዳ መለለዪ መንነት ባዕልኻ ንምንቕስቃስ ኾነ ዝተፈላላዩ መንግስታዊን ውልቃውን ኣገልግሎታት ብዝተቀላጠፈ መንገዲ ንምርካብ ዘኽእል ምዃኑ ዜጋታት ትኹረት ብምሃብ በቢቀረበኦም ኣብ ዘለው ጣብያታት መመዝገቢ ብምርካብ ምዝገባ ክፍፀሙ ይግባእ።
ብተመሳሳሊ ገበን ብምክልኻል ወገን ፋይዳ መለለዪ መንነት ልዑል ግደ ከበርክት ዝኽእል ‘ዩ። ተግበራት ገበንን ምትላልን ዝፍፅሙ ኣካላት ሓደ ገበን ኣብ ዝፍፅሙሉ እዋን ወይ ብድሕሪኡ መንነቶም ምሕባእ ኣይተርፍን። ፋይዳ መለለዪ መንነት ተግባራዊ ምዃን ብሓደ ወገን ገበን ንምስራሕ ዝንቀሳቀሱ ውለቀሰባት መንነቶም ከይሓብኡ ዝገብር ይኸውን።
ብኻሊእ ወገን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ብምጥቃም ተግባራት ገበንን ምትላልን ዘፈፀሙ ኣካላት ከምዚ ናይ ቕድሚ ሐዚ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት መለለዪ መንነታት ብምሓዝ ዝሕብእሉ ዕድል ኣይህልውን። ኣብ ኢትዮጵያም ገና መጀመርትኡ ነዚ ከረጋግፁ ዘኽእሉ ስራሕትታት እናተፈፀሙ ይርከቡ። ካብ ሞንጎ እዚኦም ምስ ኣዲስ ኣበባን ኮምሽነራት ክልል ፖሊስን ከምኡ ‘ውን ምስ ፖሊስ ፌዴራል እናተሰርሑ ዘለው ስራሕቲ ኣለው።
ብተግባር ‘ውን ምትግባር ፋይዳ ዲጂታል መለለዪ መንነት ካብ ዝጅምር ንድሓር ካብ ዝተፈላላዩ ቦታታት ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ኣውፂኦም ገበን ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ውለቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ምውዓል ተኻኢሉ ‘ዩ። እዚ እንተዛዘም ድማ ብፍላይ ከምዚ ዝበሉ ዓይነት ተግባራት ጥፍኣት ብስፍሓት ዝስትውዓለሎም ክልላት መፍትሒ ምዃኑ ኣይተርፍን።
ትፕኢ፡- ስለዝነበረና ፃንሒት ካብ ልቢ ነመስግን።
ኣይተ ዮዳሄ፡– ኣነ ‘ውን ስለዝሃብኩምኒ ዕድል ካብ ልቢ የመስግን።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 29 ጥሪ 2017 ዓ.ም