
ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተካየዱ ናይ ጎዳና ዓመታዊ ውድድራት እቲ ሓደ ዝኾነ ናይ ሂውስተን ማራቶን ፤ፍርቂ ማራቶንን ናይ 5 ኪሎ ሜትሮ ውድድር ‘ዩ። ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ጎየይቲ በዚኦም ዝተፈላለዩ ርሕቐት ዝፎኻኸርሉ ርሕቐት ውድድር ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ ኣብ እትርከብ ሂውስተን ተኻይዱ ‘ዩ።
ብዝተፈላለዩ ርሕቐት ዝግበር ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ኣብቲ ከተማ ዝነበረ ዝሑልን ነፋሻማን ኩነታት ኣየር ምኽንያት እቲ ንሕንሕ ፈታኒ ክገብሮ ‘ዩ ዝብል ስግኣት ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን እቶም ኣትሌትታ እዚ ዕንቅፋት ከይኾኖም ዓብይ ንሕንሕ ገይሮም ‘ዮም ።
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓብይ ግምት ከምዝተውሃቦም ናይ ፍርቂ ማራቶን ውፅኢታዊ ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም። ብብርኪ ዓለም ደረጃ ወርቂ ዝተውሃቦ እዚ ውድድር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣትሌታ ኢትዮጵያ ልዕልነት ዘርአይሉ ውድድር ‘ዩ ነይሩ ። ሎሚ ዓመት ‘ውን ናይ ኢትዮጵያውያን ሰዓርነት ጎሊሁ ተረእዩ ‘ዩ። ኣብ መንጎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝተገበረ ንሕንሕ ንመበል ሳልሳይ እዋን ብተኸታታሊ ተዓወቲ ብምዃን ዛዚመን ‘የን ፡፡
እዚ ፅቡቕ ንሕንሕ ዝተገበረሉ ውድድር ኣትሌታት ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ዘሎ ብርኪ ብምድሓዝ ተኸታቲለን ብምእታው ብጣዕሚ ተቀራራቢ ብምዃኑ እቲ ተዓዋታይ ክፍለይ ዝኻኣለ ብሰከንድታት ‘ዩ። ኣትሌት ሰናይት ጌታቸው ናይቲ ውድድር ተዓዋቲት እንትኾን ዘመዝገበቶ ሰዓት ድማ 1፡06፡05 ‘ዩ ። ኣሜሪካዊት ዌኒ ከላቲ ድማ 1፡06፡09 ብዝኾነ ሰዓት መበል ካልኣይ ደራጃ ሒዛ ዛዚማ ‘ያ። ካልእቲ ትፅቢት ዝግበራ ዝነበረ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት 1፡06፡48 ብዝኾነ ሰዓት ክትኣቱ ክኢላ ‘ያ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ፍርቂ ማራቶን ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮ ዝተኻየደ ንሕንሕ ብኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዛዚሙ ‘ዩ ። ዓሚ ናይ ማራቶን ዱባይ ተዓዋታይ ኣትሌት ኣዲሱ ጎበና ቀዳማይ ኾይኑ እንትዛዝም እቲ ውድድር ከም ደቂ ንኣስትዮ ዓብይ ንሕንሕ ዝተገበረለ ‘ዩ ነይሩ። ካብ ሓደ ክሳብ ራብዓይ ሒዞም ንምዝዛም ዝነበረ ንሕንሕ እቶም ኣትሌታት ብሰከንዳት ‘ዮም ተፈልዮም ።
እቲ ተዓዋታይ ኣትሌት ብ 59፡17 ሰከንድ እንትዛዝም ተፎኻኻሪኡ ኣሜሪካዊ ብተመሳሳሊ ሰዓት ‘ዩ ነይሩ እቱ ጉያ ዝዛዘመ ። ኽልቲኦም ኣትሌታት ብማይክሮ ሰከንዳት ብምፍላዮም ዘይተሓለየ ማትዝ ኻልኣይ ብርኪ ምሓዙ ተራጋጊፁ ‘ዩ። ታንዛንያዊ መበል ሳልሳይ ከምኡ ‘ውን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2020 ናይ ሂውስተን ማራቶን ተዓዋታይ ዝነበረ ናይ ሎሚ ተሳታፊ ቀዳማይ ፈጣን ሰዓት ዝነበሮ ኢትጵያዊው ኣትሌት ጀማል ይመር ንምስዓር ንሕንሕ እንተገበረ ‘ውን መበል ራብዓይ ብርኪ ሒዙ ዘዚሙ ‘ዩ።
ኣብዚ ናይ ፍርቂ ማራቶን ውድድር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብተኸታታሊ ተዓወቲ እንትኾኑ እዚ ንመበል ሻድሻይ ግዜ ‘ዩ። ሃገሮም ብማራቶን ሓዊሱ ብዓወት ከፀውዑ ዝኻኣሉ ኣትሌታት ኣብ ሂውስተን ፍርቂ ማራቶን ተኻፊሎም ከምዝነበረ ዝፍለጥ ‘ዩ።
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ሂውሰተን ማራቶን ዓብይ ዝኾነ ተሳትፎ ይሃልዎም ‘ምበር ብፍላይ ድማ ብደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተወዳዳርነት እናቐነሰ መፂኡ ‘ዩ ። ብተቃራኒ ድማ ብደቂ ኣንስትዮ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2007 ጀሚሩ ክሳብ 2020 ተዓወቲ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ‘የን ነይረን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ውን ኣትሌት ራህማ ቱሳ ቀዳማይ ብምዃን እቲ ውድድር ከምዝዛዘመት ይዝከር።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 15 ጥሪ 2017 ዓ.ም