‹‹ንስራሕ ዕድል ፈጠራ መንእሰይ ፋይናንስ የድሊ ‘ዩ›› – ኣይተ ገብረመድህን ሓጎስ ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራ ትግራይ

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ትግራይ መንእሰይ ባዕሉን ቤተሰቡን ዝቕይረሉ ዕድላት ስራሕ ተዓፅዮም ፀኒሖም ‘ዮም። ብሰንኪ ኹናት ቀፂሉ ድማ ብዝነበረ ዘይተረጋገዐ ፖለቲካዊ ምሕደራ ምኽንያት ብሰንኪ ስእነት ስራሕ መንእሰይ ስደት መማረፂ ብምግባር እናተበታተነ ይርከብ ።

ተረካቢ ሃገር ዝኾነ እዚ ሓይሊ እንድሕር ደኣ ኣብ ሃገሩ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ምምላስ ተዘይኽኢልና ከም ሃገር ኢሉ ‘ውን ከም ክልል ዓብይ ዋጋ ዘኽፍል ‘ዩ። እዚ ድማ እቲ ዓብይ ሓላፍነት ዝወስድ ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ዕድል ስራሕ ፈጠራን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዃን ዝተበተነ መንእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ናይ ምእካብ ስራሕ ትፅቢት ይግበር።

ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራ ትግራይ ዝኾኑ ኣይተ ገብረመድህን ሓጎስ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ከምዝገለፅዎ፤ ‹‹ ብምኽንያት ኹናት ተጎዲእና ኢና ፣ እቲ ህዝቢ ዓብይ ጉድኣት ዝበፅሖ ‘ዩ፣ እቲ መንእሰይ ኣብ ዓብይ ተስፋ ምቑራፅ ‘ዩ ዘሎ ፣ ካብ ስነልቦና ኹናት ክወፅአ ኣለዎ ፤ ካብዚ ወፀኢ ናብ ስራሕ ፈጠራ ፣ ተጠቃምነትን ናብ ተስፋ ንክኣቱ እንድሕር ዘድሊ ኾይኑ ዓብይ ትኹረት ገይርና ክንቀሳቐስ ይግባእ።

በዚ መሰረት ድማ ኣንፈት ስርዓት ቴክኒክን ሞያን ክህሎት ዕደል ስራሕ ፈጠራ ተኸቲልና ዜጋታት ብዝመርፅዎ ወይም ብዝውስንዎ መማረፂ ስራሕ እኹል ሞያን ክእለትን ረኺቦም ስልጠና ወሲዶም ናብ ተግባር ንክኣትዉ ዝተፈላለየ መድረኻት ጎስጓስ እናካየድና ንርከብ ›› ይብሉ ። ምስ ኣይተ ገብረመድህን ሓጎስ ዝገበርናዮ ቃለመሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡ኣብ ክልል ትግራይ ዘፈር ቴክኒክ ሞያን ስራሕ ዕድል ፈጠራ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ ?

ኣይተ ገብረመድህን፡ብሓፈሻ ኣብ ዘፈር ስራሕ ዕድል ፈጠራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምኽንያት ዘጋጠመ ኹናት ተደሓሒዙ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ኣብ ዘፈር ስልጠና እናሳተፉ ዓቕሚ እናፈጠሩ ዝነበሩ ዓንዮም ‘ዮም። ኣብ ዘፈር ዕድል ስራሕ ፈጠራ ብሓገዝ ፣ብፋይናስ ኣቕርቦት ብመሰረተ ልምዓት ብሓፈሻ ነቲ ዘፈር ሓገዝ ዝገብር ናይ መንግስቲ መሓውር በቲ ኹናት ምኽንያት ዓብይ ጉድኣት በፂሕዎም ‘ዩ።

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ መሰረት ብምግባር ዝተፈላለዩ ትልምታት ሒዝና እናንቀሳቐስና ኢና ዘለና ። ብሓፈሻ መናእሰይ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኹሎም ዜጋታት ካብ ኹናት ስነልቦና ብምውፃእ ናብ ተሳትፎን ተረባሕነትን ንምእታው እቲ ዘፈር ዕድል ስራሕ ፈጠራ ንምንቕቃሕ ምድጋፍ ምምራሕ ውፅኢት ምምፃእ ይሓትት ስለዝነበረ ኣብዚ ትኹረት ገይርና እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና።

ወጋሕታ፡ቢሮ ቴክኒክ ሞያን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ትልሚ 2017 .ምን ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተሰርሑ ስራሕቲን እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ገብረመድህን፡ካብ 2015 ዓ.ም መወዳእታ ብዋናነት ድማ 2016 ዓ.ም ስራሕቲ እናሰራሕና ፀኒሕና ኢና ፤ በዚ መሰረት ድማ ናይ ዝሓለፈ ስራሕ ዓመት ግምገማ ኣፈፃፅማ ኣካይድና ኢና ፤ ምስ ፌደራል መንግስትን ምስቲ ክልል ወረዳታት ኮሌጃት ብሓፈሻ ኣፈፃፀም ኣካላት ዝባሃሉ ተስፋ ዝህብ ግን ድማ ፀገማት ዝበዝሕዎ ኩነታት ‘ዩ ብሓፈሻ ዝገምገምናዮ።

ናይ 2017 ዓ.ም ስራሕትና ድማ ና 2016ዓ.ም ኣፈፃፅማ ገምጊምና ብዝሓሸ ኩነታት ናይ ሴክተራት ውልቀ ዘፈራት ምንባብ ብዝፈጥር መልክዑ ስርዓት ቴክኒክን ሞያን ክህሎት ዕደል ስራሕ ፈጠራ ኣንፈት ተኸቲልና ዜጋታት ብዝመርፅዎ ወይም ብዝውስንዎ መማረፂ ስራሕ እኹል ሞያን ክህሎትን ረኺቦም ስልጠና ወሲዶም ናብ ተግባር ንክኣትዉ ዝተፈላለየ መድረኻት ጎስጓስ ኣካይድና ኢና ። ብዋናነት ናይ ምድላው ምዕራፍ መሓውር ናብ ወረዳ፣ ናይቲ ዞባ ናይቲ ክልል ሴክተራት፣ ትካላት ልምዓት ብሓባር ገምጊምና ኢና ኣንፈት ‘ውን ኣቐሚጥና ኢና።

ቤት ምኽሪ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ዝባሃል ብርእሰ ምምሕዳር ዝምራሕ እዚ ‘ውን ናብ ስራሕ ተግባር ንክኣቱ ብሓባር ናይቲ ክልል ትልሚ ኣውፂኡ ካብ ሴክተር ናብ ሴክተር ዝተናበበ ትልሚ ዝገበርናዮ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ቀፂሉ ፈፃሚ ኣካላት ዝባሃሉ መምህራን ምስ ፌደራል ሚኒስቴር ስራሕን ክህሎትን ብምትሕብባር ክሳብ ሓደ ሽሕን ኽልተ ሚኢትን ዝኾኑ ትካላት ቴክኒክን ሞያን መምህራን ወይም ኣሰልጠንቲ ስልጣና ዝሃብናሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። ንኽልተ ሰሙን ዝኾን ስልጠና ሓደሽቲ ሓሳባት ፣ውፅኢታት ፖሊሲ ዝኣመሰሉ ስልጠና ሂብና ኢና።

ካልእ ምስ እዚ ተደሓሒዙ ዝሰራሕናዮ ኣብ ማሓውርና ናብ ኽልተ ሚኢቲ ሓምሳ ሽሕ ዜጋታት ቀዋምን ግዝያውን ማለት ‘ውን ሓምሳ ሚኢታዊ ቀዋሚ ሓምሳ ሚኢታዊ ድማ ግዝያዊ ስራሕ ዕድል ክንፈጥር ኢና ኢልና ትልሚ ሒዝና ኢና። ናብ 31 ሽሕ ድማ ስሩዕ ስልጠና ንሞያን ቴክኒክን ትካላትና ትልሚ ሒዝና ናብ ተግባር ኣቲና ኢና።

ካብ ዘለዉ ሓፈሻዊ 44 ኮሌጃት ናብ 38 ዝኾኑ ኮሌጃት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር እንትኾኑ ብዝካኣልናዮ መጠን ማሽኖም ፣ ቴክኒኮም ዓቕሞም ኹሉ ፈሪሱ ‘ዩ ግና ብዝኻኣልናዮ ናብ ስልጠና ንምእታው ርብርብ እናገበርና ዘለና ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ናብ 31 ሽሕ ስሩዕ ተምሃሮ ንምቕባል ትልሚ ሒዝና እናሰራሕና ኢና።

ካልእ ሓፀርቲ ስልጠና ብዝምልከት ሓደ ሞያ ንሓደ ዜጋ ዝብል ሕድሕድ ዜጋ ስራሕ ክፈጥር ‘ዩ ኢሉ ዝኣትዎ ፤ እቲ ተቐፃሪ ‘ውን ሰልጢኑ ዝሓዞ ሞያ መሰረት ገይሩ ስራሕ ንክቁፀር፤ ባዕለይ ስራሕ ክፈጥር ‘የ ኢሉ ናይቲ ዕዳጋ ክፍተት ኣፅኒዑ ዝኣቱ ዜጋ ድማ ስልጠና ብዝመረፆ ሞያ እኹል ስልጠና ረኺቡ ንክወፅእ ናብ 175 ሽሕ ዜጋታት ስልጠና ንክረኽቡ ትልሚ ሒዝና እናሰራሕና ኢና።

ኣብዚ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ብጣዕሚ ዝተዳኸመ ብምዃኑ እኹል ዝባሃል በጀት ‘ውን ስለዘየለ ምስ መንግስቲ ፌደራል ሚኒስቴር ክህሎትን ስራሕን ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ትካላት ዝኾኑ ከም ቱሪዝም ኢንስቲቱዩት ፣ ቴክኒክን ሞያን ኢንስቲትዩት ዝኣመሰሉ ናይ ሓባር ዓቕሚ እናተጠቐምና ኢና።

ካልእ ኣብቲ ክልል ዘለዎ መንግስታዊ ዘይኾኑ ትካላት ፕሮጀክትታት ‘ውን ስለዘለዉ እዞኦም ፕሮጀክትታት ዓሚ ዘዳለናዮ ናይ ሓባር መድረኽ ምኽክር ኣብ ስልጠናን ኣብ ዘፈር ዕድል ስራሕ ፈጠራን ዝተዋፈሩ ዘይመንግስታዊ ትካላት ናብ ተግባር ንክኣትዉ ናይ ሓባር መድረኸ ረኺብና ተናቢብና ትልሚ ኣቕሪብና ንሶም ‘ውን ኣበይ ወረዳ ኣበይ ከተማ ኣበይ ኸባቢ ክንደይ ዝኣክል ትልሚ ክንደይ ዝኣክል በጀት እንታይ ዝኣክል ኢንፓክት ለምፃእ ምዃኑ ተረዳዲእና ናብ ስራሕ ዝኣተናሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ኣብዚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ብርግፀኝነት እዚ ‘ዩ ኢልና ብምዝገባ፣ ብስልጠና ብስራሕ ዕድል ፈጠራ ናይ ምድላው ግዜ ‘ዩ ኢና ምውሳድ ይካኣል ። ኣብዚ ምድላው ምዕራፍ ብዝሓሸ ኩነታት ካብ ትማሊ ሎሚ ይሓይሽ ብዝብል መንፈስ እንበር ኣብቲ ክልል ዝበፅሐ ጉድኣት ዓብይ ‘ዩ ፤ቅድም ክብል ንምልዓል ከምዝሞከርኹ ካብ ደመወዝ ወፀኢ እዚ ‘ዩ ዝባሃል ካፒታል በጀት የብሉን።

ብግዝያዊ ምምሕዳር ተጀሚሮም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓት ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ጠጠው ኢሎም ‘ዮም ፤ ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓት ህንፀት የለዉን ፤ ስለዚ ኣብ ስራሕ ዕድል ፈጠራ ዘፈር ብደቀቕትን ኣናእሽተይን ዕብየት ኣብ ዘፈር ስልጠና ወሳኒ ዝባሃል እናተቀሳቐሰ ዘሎ ናይ ውልቀ ዘፈር ‘ዩ።  ስለዚ ኣብዚ ውልቀ ዘፈር ዝነበሩ ኢንዱስትሪታት ብናውቲ ምስኣን ፣ብስርቂ ፣ብዕንወት ፣ ብስእነት ቴክኖሎጂ ፣ብስእነት ካፒታል ዝኣመሰሉ ሕፅረት ስራሕ ጠጠው ዘበልሉ ፤ ኣብቲ ቦታ ተቐፂሮም ዝፀንሑ ዜጋታት ካብ ስራሕ ወፃኢ ዝኾንሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ስለዚ ክሳብ ኸዚ ዘሎ ዓቕሚ ኹሉ ፀንቂቕና ብዝሓሸ ኩነታት ንምስራሕ ፃዕሪ ገይርና ኢና ፤ ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ብዝተፈላለየ ትኹረት ገይሩ ንክሰርሐሉ ፤ ርግፅ ናይ 2017 ብሓፈሻ መትከሉ ትልሙ ናይ ፌደራል ስራሕን ክህሎትን ሚኒስቴር ምፅናዕ ዝብል ‘ዩ።

ንሕና ድማ ምፅናዕ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን ፤ትግራይ ‘ውን ንድሕሪት ስለዝተረፈት ክንካትት ኣለና። ብምኽንያት ኹናት ተጎዲእና ኢና ፣እቲ ህዝቢ ዓብይ ጉድኣት ዝበፅሖ ‘ዩ፣ እቲ መንእሰይ ኣብ ዓብይ ተስፋ ምቑራፅ ‘ዩ ዘሎ ፣ካብ ስነልቦና ኹናት ክወፅአ ኣለዎ ፤ ካብዚ ወፀኢ ናብ ስራሕ ፈጠራ ፣ ተጠቃምነትን ናብ ተስፋ ንክኣቱ እንድሕር ዘድሊ ኾይኑ ምክታት ዝባሃል ክዳሓዝ ኣለዎ ዝብል ከም ሓሳብ ኣቕሪብና ኢና።

ወጋሕታ፡ኣብዚ ግዜ ዘጋጠሙ ፀገማትን ከም መፍትሒ ተገይሮም ዝተወሰዱ ስጉምቲን እንታይ ይመስል ?

ኣይተ ገብረመድህን፡ፀገማት እንተጋጠሙ ‘ውን ካብ ምንቅስቃስ ንድሕሪት ኣይበልናን። እኹል ፍታሕ ተገይሩ ‘ዩ ምባል እንተዘይኻኣልና ‘ውን ብስራሕ ኣፈፃፅማና እቲ ህዝቢ ተስፋ ንክሕዝ ውስን ዜጋታት ብምውዳብ ብሲሚንቶ ምክፍፋል፣ ብስራሕ ኮብልስቶን ፣ብተፈጥሮ ሃፍቲ ፣ ብመስኖ ፣ ብከተማ ግብርና ስራሕቲ ፣ግዝያዊ ስራሕቲ ካፒታል ዘርክቡ ስራሕቲ ብዝምልከት መናእሰይ ስራሕ ብምውዳብ ፣በቲ ኹናት ስዒቡ ጉድኣት

ዝበፅሖም ተመለስቲ ተዋጋእቲ ባዕሎም ዝኽእልሉ ሓገዝ ከምዚኦም ዝበሉ ሓገዛት ዝጀመርናሉ ኣጋጣምታት ኣለዉ። ኣብዚ መሰረታዊ ዝባሃሉ ኣብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ወይም ናብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ተፀጊዕና ኢና ብኣፈፃፅማ ዘጋጠሙና መሰረታዊ ፀገማት ቅድም ኢለ ምዝገለፅኽዎ እቲ ሓደ ሕፅረት በጅት ‘ዩ፤ ካልኣይ ናይ ኹናት ዕንወት ‘ዩ፤ ነዚ አድላይን እኹል ካሕሳን ወይም ኢኮኖሚ ንክስተኻኸል ኣድላይ ሓገዝ ካብ ፌደራል መንግስትን ካብ ኻልኦት ሓገዝቲ ትካላት ዘይምርካብ ‘ዩ።

ካልእ ከም ፀገም ዝኾነ ናይ ምፍፃምን ዘይምፍፃምን ዓቅሚ ፀገም ‘ዩ። መንግስቲ ብምኽንያት እቲ ኹናት ፈሪሱ ስለዝበረ ተመሊሱ በዓል ሞያ፣ ኣመራርሓ፣ ስልጠና ስነልቦና፣ ስልጠና በዓል ሞያ፣ ፌደራል መንግስቲ ዝቐየሮም ሓደሽቲ ኣሰራርሓ ኣዋጃት ንሕና ስለዘይፈለጥናዮም እዚኦም ብደንቢ ክንፈልጥ፣ እቲ ህዝቢ ድማ ተረባሒ ንክኾን ክንሰርሕ ይግባእ።

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ተፈፃሚ ብዘይምዃኑ ኣብ ዕድል ስራሕ ፈጠራ ‘ውን ናይ ባዕሉ ዝኾነ ፅዕንቶ እናሕደረ ‘ዩ። እዚ ከመይ ‘ዩ እንተይልና እቲ ሓደ ኮሌጃት ብተመዛበልቲ ተዳሒዞም ‘ዮም። ተመዛበልቲ ድማ ናብ ስፍረኦም ክምለሱ ኣይተገበረን። ስለዚ እዚ ሓደ ክፍተት ‘ዩ ። ካልኣይ ዝተበታታነ መንእሰይ ክእከብ ኣለዎ። ብምትእምማን ናብ ስፍርኡ ተመሊሱ ተረጋጊዑ ናብ ስራሕ ተመሊስና ኢሉ ንክኣምን ፖለቲካዊ ሕቶ ህዝቢ ክምለስ ኣለዎ። እዚ ድማ ኣብ ዘፈር ስራሕ ዕድል ፈጠርቲ ፅዕንቶ እናፈጠረ ብምዃኑ ክሕሰበሉ ይግባእ።

ንፈጠራ ዕድል ስራሕ መንእሰይ ፋይናንስ የድሊ ‘ዩ። ብዙሕ መናእሰይ ሓሳብ ኣለዎም ፍልጠት ኣለዎም፣ ጉልበት ኣለዎም። ኾይኑ ግና ፋይናንስ የለን። ናይ መንግስትን ውልቀን ባንክታት ንስራሕ ፈጠርቲ ምልቃሕ ፀገም ክሳብ ኸዚ ኣይተፈትሐን። ማይክሮፋይናስ ድማ ዋና ዕላምኦም ንስራሕ ፈጠርቲ ሓገዝ ምሃብ ‘ዩ ግን ድማ በቲ ኹናት ምኽንያት ዓቕሞም ስለዝወረደ እዚ ዝኣክል ናይ ምሕጋዝ ዓቕሚ የብሎምን።

ኣብ ስልጠና ዘፈር ድማ ቴክኖሎጂ የድሊ ‘ዩ። ምህርታማነት ንምርግጋፅ፤ ናይ ቴክኖሎጂ እታዎት የድልዩ ‘ዮም። እዚኦም ድማ ኣብ ቴክኒክን ስልጠና ኮሌጃት ዝበዝሑ ቴክኖሎጂ ‘ዮም። ናይ ኢንተርኔት ምቁርራፅ መብራህቲ ምቁርራፅ ብፌደራል መንግስቲ ዝፍፀሙ ዓበይቲ መሰረተ ልምዓት ስራሕ ናይ ምእታው ስራሕቲ ብምጉታቶም ኸዚ ‘ውን ንስራሕ ዘፈር ዕድል ፈጠራ ዕንቅፋት እናፈጠረና ስለዝኾነ መንግስቲ ዓብይ ትኹረት ክገብረሉ ይግባእ።

ስለዚ እዚኦም ዓብይ ሓገዝ ዘድልም ‘ዮም። ዘለዉና ፀገማት ንፌደራል መንግስቲ ክነቕርብ ኢና። እዚኦም ፀገማት ንምፍታሕ እናተንቀሳቐስና ኢና ንርከብ። እዚ ዓቕሚ ሒዝና ድማ ዓቕምና ዝፈቐደ ኹሉ ናይ ውሽጢ ዓቕሚ ናይቲ ህዝቢ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ናይ ምልዕዓል ኹነታት ኣሎ።

ወጋሕታ፡ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

ኣይተ ገብረመድህን፡ኣነውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 8 ጥሪ 2017 .

Recommended For You