ኣብ ዓለም ተፈላጢ ዝኾነን ፈጣን ሰዓት ካብ ዝምዝገበሎም ውድድር ጎዳና ብሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስ ዝካየድ ማራቶን ዱባይ ዝጥቀስ ‘ዩ። ኣብ ናይ ፈረንጂ መጀመርያ ወርሒ ዝግበር እዚ ውድድር ተፈለጥቲ ማራቶን ኣትሌት ክወዳደሩ ‘ዮም። ኣሌታት ኢትዮጵያ ውፅኢታዊ ብምዃን ካብ ዘራእይሎም እቲ ሓደ ዝኾነ ማራቶን ዱባይ ሎሚ ንመበል 23 ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ክካየድ ‘ዩ።
ዓበይቲ ናይቲ ማራቶን ከዋኽብቲ ኣትሌታት ዝጋጠምሉ ናይ ሎሚ ውድድር ነባር ናይቲ ውድድር ተዓዋታይ ኣትሌት ሌሊሳ ዴሲሳ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ናብዚ ውድድር ተመሊሱ ‘ዩ። ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ማራቶን ዱባይ ተዓዋታይን ነባር ናይ ዓለም ማራቶን ቻምፒዮና ሌሊሳ በቲ ርሕቐት ዓብይ ስምን ብዙሕ ልምዲ ካብ ዘለዎም እቲ ሓደ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ። ነዚ ድማ ተዓዋታይ ግምት ካብ ዝተውሃቦም ኣትሌታት ናይ መጀመርያ ኾይኑ ‘ዩ።
ወዲ 34 ዓመት ዝኾነ እዚ ኣትሌት ናይ ጎዳና ውድድር ገፁ ካብ ዘዞረሉ እዋን ዝተሳተፈ ኣብዚ ማራቶን ዱባይ እንትኾን በቲ ርሕቐት ዘለዎ ተስፋ ምርኣይ ዝጀመረሉ ‘ውን ‘ዩ። ኣብቲ እዋን በቲ ርሕቐት ዘመዝገቦ 2፡04፡45 ሰዓት ‘ውን ናይ ውልቅኡ ፈጣን ሰዓት ‘ዩ።
ካብዚ ንድሕሪት ዘለዉ ዓመታት ብተደጋጋሚ ናይ ቦስተንን ኒዉዮርክን ማራቶን ተዓዋታይ ብምዃን ካብቲ ርሕቐት ብሉፅ ናይ ዓለም ኣትሌት እቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣመስኪሩ ‘ዩ። እዚ ስዒቡ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2019 ዶሃ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ኣትሌቲክስ ቻምፒዮና ኢትዮጵያ ብምውካል እንትወዳደር ብዓወት ‘ዩ ዛዛሙ።
ድሕሪ ዓመታት ዕረፍቲ ሌሊሳ ተመሊሱ ናብ ልምምድ ብምምላስ ሎሚ ዓመት ኣብ ዱባይ ንዓወት ንምውድዳር ተዳሊዩ ‘ዩ። ናይቲ ኣትሌት ማናጀር ሁሴን ማኬ ‹‹ ሌሊሳ ኣብ ንግዲ ብምስታፍን ሓደ ሓደ ኩነታት ብምምችቻው ነዊሕ እዋን ወሲዱ ነይሩ ‘ዩ። ኣብዚኦም ዓመታት ውሽጢ ኽልተ ቆልዑ ካብ ባዓልቲ ገዝኡ ከፍሪ ክኢሉ ‘ዩ። ኸዚ ግና ብሓድሽ ጉልበትን ጠንካራ ልምምድ ንምውድዳር ድልዉ ኾይኑ ‘ዩ። ብሓድሽ ውድድር ዓመት 2025 ውድድር እንምልከቶ ‘ዩ ዝኸውን ›› በምባል ተዛሪቡ ‘ዩ።
ዳይሬክተር ማራቶን ዱባይ ፒተር ኮኔርተን ብወገኖም ፤ ‹‹ ኣብ 2013 ዓወት ሌሊሳ ኣብ ማራቶን ታሪኽ ካብ ዝተርኣዩ ዘይርሰዑ ኣፈፃፅማ እቲ ሓደ ‘ዩ። ንኻልኣይ እዋን ናብ ውድድሩ ብምምላሱ ሕጉሳት ኢና። ቅድሚ 11 ዓመት እቲ ውድድር ንምሽናፍ ዘርኣዮ ኣፈፃፅማ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርያ ክባሃል ዝኽእል ኣብ ዱባይ ካብ ዝተርኣዩ ብሉፅ 5 ኣፈፃፅማ እቲ ሓደ ‘ዩ›› ከምዝበሉ ኣትሌቲክስ ዊክሊ ኣብ ድሕረ ገፁ ኣንቢቡ ‘ዩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን ዱባይ ንኽልቲኡ ፆታ እናተዓወቱ ዝርከቡ ኣትሌታት ኢትዮጵያ ‘ዮም። ን22 ዓመታት ኣብ ዝተገበሩ ውድድራት ብደቂ ተባዕትዮ ን16 ከምኡ ድማ ብደቂ ኣንስትዮ ን17 ግዜ ኢትዮጵያውያን ተዓወቲ ብምዃን ዛዚሞም ‘ዮም።
ሻለቃ ሃይለ ገብረስላሴ ድማ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2008-2010 ኣብ ዘለዉ ተኻታታሊ ዓመታት ተዓዋቲ ብምዃን ስሙ ኣብ ታሪኽ ዘስፈረ ‘ዩ። ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣሰለፈች መርግያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2011 ፣2012 ን 2015 ተዓዋቲት ዝኾነት ብልፀቲ ኣትሌት ‘ያ። ትረፌ ፀጋየን ወርቅነሽ ደገፋን ድማ ክልተ ክልተ ግዜ ብቀዳምነት ውድድረን ዛዚመን ‘የን።
ናይቲ ውድደር ክብረወሰን ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ጌታነህ ሞላ ዝተድሓዘ ‘ዩ። እቲ ኣትሌት 2፡03፡34 ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ናይቲ ቦታ ክብረወሰን ምምሕያሽ ዝኻኣለ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ 2019 ‘ዩ ነይሩ።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም