
ካብ ታሪኽ ምጅማር ምስረታ ህወሓት ጀሚሩ ዓብይ ምንቅስቃስ ፖለቲካ ኣለዎም፡፡ “የህዝባዊ ወያኔ ሓርነት ትግራይ ፖለቲካዊ ታሪክ ከ1967 እስከ 1983 ዓ.ም” ዝብል መፅሓፍ ንኣንባብቲ ኣቅሪቦም ‘ዮም፡ ፡ ነበር ተጋዳላይ ህወሓትን ናይ ሐዚ ዋና ዳይሬክተር መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ግድብ ህዳሰ (ዶ/ር) ኣረጋዊ በርሀ ፤ ኣቦ ወንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኮይኖም ‘ውን ኣብ ውሽጢ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ምንቅስቃስ ገይሮም ‘ዮም፡፡
ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ሐዚ ምስ ዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ብምትሕሓዝ ምስ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ዝነበሮም ፃንሒት፡፡ ብዋናነት ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እናኸደቶ ዘሎ መንገዲ ዲፕሎማሲ ኣብ ዝምልከት፤ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዝገበረቶ ስምምዕነትን ህንፀት ግድብ ህዳሰ ዝበፅሖ ብርኪ ብዝምልከትን ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዚ ዝስዕብ ኣቕሪብናዩ ኣለና፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ሓደ ሓደ ኣካባቢታት ብረት ሒዞም ናብ ኲናት ዝኣተዉ ጉጅለ ብዝምልከትን ኣብ ብሄራዊ ምኽክር ትኹረት ብምግባርን ኣብ መወዳእታ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፖለቲካ ኣመልኪቱ ዘለዎም ሓሳብ ንክገልፁልና ጠይቅና ዝረኸብናዮ ምላሽ ከምዝስዕብ ኣቅሪብናልኩም ኣለና፡ ሰናይ ንባብ፡-
ኢፕድ ፡- መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዘለዎ ሓሳብ ድሕሪ ምግላፅ ብዙሓት ሃገራት ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ዘድልያ ምዃኑ ኣቋዋመን እናገለፃ ይርከባ::እዚ ለውጢ ከመይ ክመፅእ ክኢሉ?
ኣረጋዊ (ዶ/ር) ፡– እዚ ዲፕሎማሲ ሓደ መርኣያ ዓወታትና ‘ዩ:: ብመጀመሪያ እታ ሃገር ምስ ባሕራ ሽማ ኢትዮጵያ ዝበሃል ነይሩ:: ኣብ ኸይዲ ታሪኽ ባዕዳውያን ወረርቲ በፍላይ ጣሊያንን ተሓባበርታን ንኤርትራ ብባዕዳዊ ግዝኣት ከምዝፈጠሩ ይፍለጥ:: ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዝሰኣነትን ክርክር ምፍጣር ዝጀመረቶን ድሕሪ እዚ እዋን ‘ዩ::
እዚ ድማ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ዝተፈጠረ ኩነታት ናይ ቀረባ እዋን ጉዳይ ‘ዩ:: ስለዝኾነ ናብ ካሊእ ከይኸድና፤ ኢትዮጵያ ብተፈጥሮ ዝተዓደለትኣፍደገ ባሕሪ ነይርዋ:: በቲ ኣፍደገ ባሕሪ ‘ውን ንዘመናት እናተጠቀመትሉ ነይራ ‘ያ:: ሐዚ ይኹን ንቐፃሊ ናይ ባዕላ ኣፍደገ ባሕሪ ክህልዋ ይግባእ ዝብል መትከል ኣብ ብዙሓት ኣሎ ‘ዩ::
ናብ ሕግን ታሪኽን እንተተኣትዩ ‘ውን ኢትዮጵያ ወናኒት ኣፍደገ ባሕሪ ምዃኗ ዘረጋግፁ ብዙሓት መረዳእታት ምቕራብ ይክኣል ‘ዩ:: ወደብ ዝነበራ ዓባይ ሃገር፤ ብሚእቲ ሚሊዮን ዝቁፀር ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ብዘይ ወደብን ኣፍደገ ባሕሪን ክትነብር ከምዘይብላ ዓለምለኸ ስምምዕነታትን ሕግታትን ይሕብሩ::
ብኻሊእ ወገን ኣፍደገ ባሕሪ የድልየና ክንብል ከለና ከም ደለይቲ ኲናትን ብሓይሊ ምርካብ ከምእንደሊ ገይሮም ዝሓስቡ ኣለዉ:: እዚ ጌጋ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ነቲ ሕቶ ተልዕሎ ዘላ ይኹን ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ ዝትደሊ ብሰላም፤ ብሕጊ፤ ብስምምዕነትን ‘ዩ:: ሐዚ ሓደ ሓደ ዝተረድኦም መራሕቲ ንኣብነት መራሒ ፈረንሳይ ይኹን መራሒ ቱርኪ ፀገማት ብሰላም ንክፍትሑን ኢትዮጵያ ሕቶን ድሌትን ኣፍደገ ባሕሪ መሰላ ምዃኑ እናደገፉ ‘ዮም::
ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ምሕታታ ፀሓታሪት ፅልኢ ስለዝኾነት ኣይኮነትን:: እናኸበረቶ ዘላ ይኩን ኣናሓተተቶ ዘላ መሰላ ‘ዩ:: ዝኾነ ይኹን ህዝቢ መሰሉ ንምኽባር ይኽእል ‘ዩ:: እዚ ድማ ግቡእ ‘ዩ:: እዚ ኲናት ናፋቂ ወይ ዓመፅ ደላይ ኣምሲሎም ዘቕርቡ ሓደ ሓደ ሃገራት ዝተሰሓሓቱ ምዃኖም ተዝሪኡ ይምረፅ::
ኢፕድ፡- ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ እናካየደቶ ዘላ መንገዲ ዲፕሎማሲ ከመይ ይሪእዎ ?
ኣረጋዊ (ዶ/ር) ፡– ክሳብ ሐዚ ኢትዮጵያ ብሰላማዊን ብመንገዲ ዲፕሎማሲያዊን ‘ያ ትኸድ ዘላ:: ዝኾነ ዓይነት ፀሓሪነት ፅልኢን ደላይነት ኲናት ኣይተረኣያን:: ብኹሉ መንገዲ ዲፕሎማሲ፣ ብስምምዕነትን ብምርድዳእን እናተኻየደ ‘ዩ:: ብወገን ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝርኣይ ፀገማት ብመንገዲ ሰላም ናይ ምፍታሕ ባህሊ ‘ዩ፡፡ እዚ ኹሉ ግዜ መግለፂ ኢትዮጵያውያን ኮይኑ ዝነበረ ‘ዩ::
ኣፍደገ ባሕሪ ብዝምልከት ዝትኸደሉ መንገዲ ሰላማዊ ከምዝኸውን ግልፂ ገይራ ‘ያ፤ ኾነይመነይ ሓደ ሓደ መራሕቲ ጎረቤት ሃገራት ዘይፈተውዎ እዚ ‘ዩ ዝኸውን:: ሰላም ዘይምቸዎም ሃገራት ኣብ ዙርያና ከምዘለው ዝፍለጥ ‘ዩ:: እዚ ፀገምና ብሰላም ናይ ምፍታሕ መተከል ድማ ብሓደ ወገን ጥራሕ ዝሳኻዕ ኣይኮነን:: ኢትዮጵያ ምስ ግብፂ ዘለዋ ጎነፂ ብሰላም ንክትፈታሕ ፃዕሪ ገይራ ‘ያ::
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለው ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኣተው ሰባት ናብ ሰላም ንክመፅኡ እናሓተተት ‘ያ:: ስለዝኾነ እዚ ኹሉ ነገር ብሰላም ንክፍታሕ ፃዕሪ እናገበረት ዘላትሉ መንገዲ መትከል እታ ሃገር ‘ዩ:: ኢትዮጵያ ፀገማት ብሰላም ንክፍትሑ ፃዕሪ ምግባራ ከመስግና ‘ዩ ዝግባእ:: እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ‘ውን ብዙይ ክምስገኑ ‘ዩ ዝግባእ::
ኢፕድ፡- ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዝገበረቶ ስምምዕነትን ምስ ኣፍደገ ባሕሪ ተተሓሒዙ እናኸደትሉ ዘላ መንገዲን ብዝምልከት እንታይ ይብሉ?
ኣረጋዊ (ዶ/ር) ፡- ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለፅክዎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ዘመናት ሕቶ ኢትዮጵያውያን ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር እቲ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ነዚ ሕቶ ብግቡእ ንምምላስ ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ:: ፀገማት ቀፃልነት ብዘለዎ መልክዕ ብዲፕሎማሲያውን ብመንገዲ ሰላም ንምፍታሕ እናሞከረ ‘ዩ::
ኣብ ሓደ እዋን ሶማሊያታት ብኣራኻቢነት ግብፂ ናብ ኤርትራ ኸይዶም፤ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ምልዕዓል ነይሩ:: እዚ ድማ ዝተሰሓሓተ ኣከያይዳ ‘ዩ ነይሩ:: ሐዚ ምስ ሶማሊያ ናብ ዘተ እንትእተው፤ ዝኾነ ዘፅልእ ነገር ከም ዘየለን ፀገማት እንተሃልዮም ‘ውን ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ ከምዝክኣል ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ‘ዩ::
ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መንገዲ ዝቐረበ ምዃኑ፤ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ እናተረድኦ እንትመፅእ ብሰላም ምፍታሕ ከምዝክኣል ኣሚኖም ንምስምማዕ ፈቃደኛ ኮይኖም ‘ዮም::እዚ ድማ ዓብዪ ስጉምቲ ‘ዩ:: ኢትዮጵያ እናተኸተለቶ ዘላ ፀገማት ብዲፕሎማሲያዊ መንገዲ ናይ ምፍታሕ መንገዲ ትኽክለኛን ውፅኢታማን ከምዝኾነ ዘርኢ ‘ዩ::
ኢፕድ፡- ግድብ ህዳሰ ኣብ ምንታይ ብርኪ በፂሑ?
ኣረጋዊ (ዶ/ር) ፡– ንኢትዮጵያውያን ሓደን ዓብይን ዓወት ኢልና እንተልዒልና እቲ ዋና ግድብ ህዳሰ ‘ዩ:: እቲ ግድብ 97 ነጥቢ 6 ሚእታዊ ስራሕቱ ተዛዚሞም ‘ዮም:: እዚ እንትብሃል ብፍላይ ስራሕቲ ህንፀት ሲቪል ኢንጂነሪንግ እቲ ግድብ ተዛዚሙ ‘ዩ ምባል ይክኣል:: ሐዚ ዝተረፈ ናይ ኤሌክትሮኒክን መካኒካልን ዝብሃሉ ዝገጣጠሙ ስራሕቲ ‘ዮም:: እዞም ስራሕቲ ቀሊል ኣይኮኑን፤ እኳደኣስ በጣዕሚ ከበድቲ ‘ዮም::
ካብ 13 ተርባይናት እቶም 4 ኣብ ስራሕ ‘ዮም ዝርከቡ:: ገና 9 ተርባይናት ከዓ ክግጠጣሙ ኣለዎም:: እቶም ኣቁሑት ከበድትን ክባራትን ‘ዮም:: ብዓበይቲ ሓደ ሚእቲ ጎማ ዘለዎም ናይ ፅዕነት መኪና ወይ ትራካት ዝፅዓኑ ብምዃኖም እዚ ኹሉ ንምስራሕ እቲ ህዝቢ ክንቀሳቀስ ትፅቢት ይግበረሉ:: ኮይኑ ግና ብሓፈሻ እንትርኣይ 97 ነጥቢ 6 ሚእታዊ ምብፅሑን እቶም 4 ተርባይናት ድማ ስራሕ ጀሚሮም ነቲ ሕብረተሰብን ንጎረቤት ሃገራትን ዝምንጭው ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንክከፋፈል ምግባር ዓብይ ዓወት ‘ዩ::
ብርግፅ ብዙሕ ዕንቅፋታት ነይሮም ‘ዮም:: ግብፃውያን ይኹኑ ተሓባበርቲ ፀላእቲ ወፃኢ ፈተነ ምትዕንቃፍ ገይሮም ነይሮም:: ኮይኑ ግና መንግስቲ ምስ ህዝቡ ብምትሕብባር እቶም ፈተናታት ንክኸሽፉ ብምግባር፤ ህንፀት እቲ ግድብ ብዝተተለመሉ መንገዲ ንክኸይድን ዝድለይ ውፅኢት ንክመፅእ ብሙሉእ ዓቅሙ ተሓባቢሩ ኣብ መፈፀምታ ክበፅሕ ከምዘለዎ ንምትሕስሳብ ይፈትው::
ኢፕድ፡- ምዝዛም ህዳሰ ግድብን ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናበይ ክወስዳ ይኽእል?
ኣረጋዊ(ዶ/ር)፡- እዚኦም ዓበይቲ ዓወታት ‘ዮም:: ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ እንተተሳኺዕልና፤ ብሰላማዊን ዲፕሎማሲያዊን ስለዝኸይድ ‘ውን ክሳኻዕ ‘ዩ:: ኩሉ ህዝቢ ዓለም መሰሉ የኽብር ‘ዩ:: ኣንሕና ‘ውን መሰልና ክነኽብር ኢና:: እዚ እንተተሳኺዑ ስራሕቲ ንግድ ወፃኢ ብዝተቀላጠፈ ኹነታት ምክያድ የኽእል ‘ዩ::
ኣፍደገ ባሕሪ እንተተኸፊቱ ኢትዮጵያ ንግዳ ብምቕልጣፍ ንድሕሪት ዝተረፈትሉ ኩነታት ተሳጊራ፤ ምስ ካልኦት ዝዓበዩ ሃገራት ተርታ ብምብፃሕ ክትኽእል ‘ያ:: ሐዚ ‘ውን 80 ሚእታዊ ዘሎ ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝባ ወፂኡ ናብ ኢንዱስትሪ ክኣትው ኣለዎ:: ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብስፍሓት ምህላው ድማ ኣብ ገጠር ከቢድን ቀሊልን ኢንደስትሪታት የስፋሕፍሕ:: ስለዝኾነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብብዝሓት ምፍልፋልን ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብን ዝተተሓሓዘ ውፅኢት ‘ዩ ዘምፅእ::
ምዝዛም እቲ ግድብ ተኸቲሉ 5ሽሕን 500ን ሜጋዋት ምፍልፋል ይክኣል:: እዚ ሓይሊ ሐዚ ኢትዮጵያ ኣብዘላቶ ብርኪ ኢኮኖሚ ልዕሊ እኹል ስለዝኸውን፤ ንጎረቤት ሃገራት ‘ውን ዝተርፍ ‘ዩ:: ምስ ሃገራት ጎረቤት ምርኻቡ ድማ ካሊእ ዘርክቦ ረብሓ ኣሎ:: ካብ ምርካብ ሸርፊ ወፃኢ ሓሊፉ፤ ተሓባቢርካን ተሓጋጊዝካን ንምስራሕ ኣፍደገ ዝኸፍት ‘ዩ ዝኸውን::
እዚ ምትሕብባር እነተተላዒሉ ኢትዮጵያ ናብ ዓሰርተ ሓደ ዝበፅሑ ደንበር ተሻገረቲ ሩባታት ኣለውዋ:: በዞም ሩባታት ድማ ብዙሕ ስራሕቲ ልምዓት ምስራሕ ይክኣል ‘ዩ:: ሃገር ከምግቡ ዝኽእሉ ሰፋሕቲ ሕርሻታት ምስራሕ ይክኣል:: ስለዝኾነ ናይቲ ግድብ ምስኻዕ ንኢትዮጵያ ረብሓ ካብ ምርካቡ ብተወሳኺ ሃገራት ጎረቤት ‘ውን ንክርብሑ፤ ሓቢርና ንክንሰርሕን ከንዓብን ዝገብር ‘ዩ:: ፈጠራ ስራሕ ብምብርትታዕ ዓብይ ዕብየት ኢኮኖሚ ዘምፅእ ይኸውን::
ኢፕድ፡- ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ክልላት ብረት ሒዞም ናብ ኵናት ውሽጢ ዝኣተው ጉጅለታት ብዝምልከት እንታይ ይብሉ?
ኣረጋዊ ዶ/ር ፡- እዚ ከቢድ ጉዳይ ‘ዩ:: ፀገማት ብብረት ክፈትሕ’ የ ኢልካ ምልዓል ዝኾነ ረብሓ ኣይሃበናን:: ክሳብ ሐዚ ብዙሕ ብረት ተላዒሉ ‘ዩ ፡፡ ብዙሕ ኵናት ተኻይዱ ‘ዩ:: ብዙሕ ህዝቢ ሃሊቁ ‘ዩ:: ብዙሕ ሃፍቲ ዓንዩ ‘ዩ:: ኣብ ልምዓት ክውዕል ዝነበረ ብዙሕ ሃፍቲ ተቃፂሉ በኒኑ ተሪፉ ‘ዩ::ኮይኑ ግና ዝኾነ ውፅኢት ኣየምፅአን:: እዚ ዝዛረብ ዘለኹ ካብ ልምዲ ‘ዩ::
ብረት ሒዝካ ምውጋእ ናይ ቀረባ ይኹኑ ናይ ርሑቅ ታሪኽና ከምዘርእዮ ብዘይ ህልቂት ዝመፅአ ዝኾነ ነገር የለን፡ ፡ ኵናት ምቕታል ወይ ሙማት ‘ዩ:: እዚ ናብ መረፃ ክቀርብ የብሉን:: ንሙማት ይኹን ንምቕታል ካብ ምምራፅ ሰላም ምድላይ ይሓይሽ::
ካልኦት ሃገራት ፀገም የብሎምን ማለት ኣይኮነን:: እናዓበዩ ዘለው ፀገማታቶም ብሰላማዊ መንገዲ እናፈትሑ ‘ዩ:: ስለዝኾነ ሐዚ ኵናት ዘልዕሉ ሓይልታት ናብ ምድላይ ሰላማዊ መፍትሒ እንተኣተው ንባዕሎም እንተኾነ ‘ውን ንወገኖም ብሓፈሻ ንሃገርና ረብሓ ብምዃኑ ሰላም ክመርፁ ኣለዎም::
ኢፕድ፡- መንግስቲ ሰላም ንምስፋን እናገበሮ ዘሎ ፃዕሪ ብዝምልከት እንታይ ይብሉ ?
ኣረጋዊ (ዶ/ር )፡- መንግስቲ ንህዝቢ ሰላም ንምምፃእ ሕገመንግስታዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ክንፈልጥ ኣለና:: ምኽባር ሰላም ናይ ዝኾነ ይኹን መንግስቲ ግቡእ ‘ዩ:: ካብዚ ምላሽ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ንሰላም ዘይተቆጠበ ፃዕሪ ኣብ ምግባር ይርከብ:: ካብ ሰሜን፣ ኣምሓራ፣ ካብ ትግራዩ ይኹን ኦሮሚያ ብዙሕ ትንኮሳታት እንተሃለው ‘ውን ፀገማትና ብሰላም ንፍታሕ ብምባል ካብ ዝግባእ ብላዕሊ እናተንቀሳቀሰ ‘ዩ::
እዚ ምንቕስቃስ ሰላም ዝበለፀ ትርጉም ከምፅእ ብዝኽእል መልክዑ ተጠናኺሩ ክቐፅል ኣለዎ:: ኮይኑ ግና ብሓደ ኢድ ምጥቓዕ ስለዘይክኣል ብረት ዝተሓንገጡ ወገናት ንህዝብን ንሃገርን እንተይሎም ኣማራፂ ሰላም ክጥቀሙሉ ይግባእ:: መንግስት ፃውዒት ሰላም እንትገብር ንምድርዳር ፈቃደኛ ኮይኖም ብሰላማዊ መንገዲ ነቲ መንግስቲ ፈቲኖም ናብ መፍትሒ ከመፅኡ ኣለዎም::
መንገዲ ድርድሮም ንህዝቢ ገሊፆም ብሰላማዊ መንገዲ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅዕንቶ ምፍጣር ይኽእሉ:: ካብዚ ወፃኢ ብሰላማዊ መንገዲ መፍትሒ ንምምፃእ ዝግበር ምንቕስቃስ ልቢ ኢሎም ሪኦም ህዝባዊ መትከል እንተሃልይዎም ብሰላም እናረድኡ እንተተንቀሳቂሶም ደላይ ሰላም ኹሉ ክድግፎም ‘ዩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ:: መንግስቲ ‘ውን ኣብዚ ኣጠናኺሩ ተዝደፍኣሉ፡፡ ኣብዚ ድማ ኹሉ ተዝተሓባበር ዓብይ ድምፂ ክፈጥርን መፍትሒ ክረክብ ይኽእል ኢለ ‘የ ዝኣምን::
ኢፕድ፡- ብሄራዊ ምኽክር ብዝምልከት እንታይ ይብሉ?
ኣረጋዊ (ዶ/ር) ፡- ብብሄራዊ ምኽክር ወገን ዓበይ ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ:: ብርግፅ ናይ ምዱንጓይ ኩነታት ይረኣዩ ‘ዮም:: ምናልባትም እዚ እንብል ዘለና ብቕልጡፍ መፍትሒ ንክመፅእ ብምድላይና ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል:: ኮይኑ ግና እቶም ኮሚሽነራት እናሰርሑ ከምዘለው ንፈልጥ ኢና:: ጅማሮታት እንተሃለው ‘ውን እቲ ህዝቢ ናብ መጀመርታ ትኹረት እናገበረ፤ እቲ ዘሎ ናብ ኵናት ዝመስል ነገር ከዝሕሎ ይኽእል ይኸውን ‘ዩ ዝብል ኣረኣእያ ኣለኒ::
ሃገራዊ ምኽክር ምግባሩ በጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ:: ብዙሕ ምኸክር ዘይተገበረሎም ጉዳያት ኣለዉ:: ብወገን ህዝቢ ሙሉእ ንሙሉእ ስምምዕነት ምፍጣር እኳ እንተዘይተኽኣለ ምርድዳእ ግና ይክኣል ‘ዩ:: ናይ መተከል ኣፈላላይ እንተሃለወ ‘ውን ብሰላም ንምንባር ዘኽእል ኣሰራርሓ ሒዙ ምቕፃል ይክኣል::
በዚ ወገን ሃገራዊ ምኽክሩ ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። እዚ ናብ ዓብይ ኣረኣእያ ክበፅሕን እቲ ህዝቢ እንታይ እናገበረ ከምዘሎ ብግልፂ ምርዳእ ኣለዎ:: ነቲ ህዝቢ ዝተወሰነ ኣጀንዳታት ተዋሂቦምዎ፤ ኣብ ልዕሊ እዚ ትኹረት ገይሩ ናብ ዘተታት ንክንኸይድ ዝገብር ኩነታት ክውስኽ ኣለዎ::
ብሓፈሻ ግና ሃገራዊ ዘተታት ብጣዕሚ ኣድለይቲን ወሰንትን ‘ዮም:: ዘረዳድኡ ትርኽታት ኣለው:: ዘረዳድኡ ኣየኖት ‘ዮም? ትኽክለኛ ኣየኖት ‘ዮም? ናይ ሓሶት ትርኽቲ ኣየኖት ‘ዮም? ዝብሉ ዝፍልዩልና ኣብ መድረኽ ምኽክር መፂኦም ዘተታት እንትግበረሎም ‘ዩ:: እዚ ዘለውና ኣፈላላያት ክፈትሐልና ዝኽእል ኣከያይዳን ኣሰራርሓን ብምዃኑ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብዚ ብንፁር ናብ ህዝቢ ከቅርቦምን በቲ ህዝቢ ንክጋውሑ የድሊ::
ኢፕድ፡- ኣብ ትግራይ ብዘሎ ኩነታት ፖለቲካ ብዝምልከት እንታይ ይብሉ?
ኣረጋዊ (ዶ/ር )፡– ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ዓብይ ኣፀጋሚ ኩነታት እናፈጠረ ዘሎ ኣብዚ ኣካባቢ ብዘሎ ፀገም ‘ዩ:: ናይቲ ፀገም ሰብ ዋናታት ድማ ህዝቢ ትግራይን ብሓፈሻ ህወሓት ከይኮነስ እቶም ኣመራርሓታት ‘ዮም:: እዚ ዝበልኩሉ ምኽንያት ኣለኒ:: ህዝቢ ትግራይን ህወሓት ዝተፈላላዩ ‘ዮም:: ብሓፈሻ ህወሓትን ኣመራርሓ ህወሓት ዝተፈላላዩ ‘ዮም:: ንሶም ግና ህዝቢ ትግራይ፣ ውድብ ህወሓትን ኣመራርሓ ህወሓት ኣብ ሓደ ጨፍሊቆም እናተዛረቡ መፂኦም ‘ዮም::
ሕቶ ብዝተልዓለ ቁፅሪ ነቲ ኣመራርሓ ዘይምጥን እንተኾይኑ ፀረ ህወሓትን ፀረ ህዝብን እናበሉ ኣብዚ ኣብ ምድንጋር ውሽጢ ኣእትዮሞ ነይሮም ‘ዮም: ሐዚ ግና እቲ ፅቡቕ ነገር እቲ ህዝቢ ካብዚ ምድንጋር እናወፅአ ‘ዩ:: እቲ ህዝቢ ‹‹ሕቶ ህዝብን ውድብን ዝተፈላላየ ‘ዩ:: ሕቶ ውድብን ሕቶ ኣመራርሓን ባዕሉ ዝተፈላላየ ‘ዩ:: ስለዝኾነ ከም ናይ ቀደም ኣይተታልሉናን:: ከም ናይ ቀደም ደቅና ኺዱ ተዋግኡ ኢልና ኣይንልእኽን›› እናበሎም ‘ዩ ዘሎ::
‹‹ክሳብ ሓደ ሚሊዮን መንእሰይ ኣብ ቀረባ ክሳብ ደብረሲና ከይድኹም ኣወዲእኹም፤ ኵናት ዋጋ የብሉን:: ክሳብ ሐዚ ኵናት ዝኾነ ዋጋ ኣየምፀአን፤ ሓዊ ከምዝበልዖ ሓሰር ኮይኑ ‘ዩ:: ስለዝኾነ ድሕሪ ሐዚ በዚህ መልክዕ ኣይንኸድን:: ክሳብ ሐዚ ዝፈጠርኩምልና ፀገም ‘ምበር መፍትሒ ኣየምፃእኹምን:: ን27 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ኮይንኹም፤ ሐዚ ንሽዱሽተ ዓመታት ድማ ኣብ ልዕሊ ስልጣን ትግራይ ኮይንኹም ኣብ ልዕሊ እቲ ህዝቢ ፀገም ኣብ ልዕሊ ፀገም ብምምፃእ ስራሕ ኣፈታሕኹምን:: ስለዝኾነ ንዓና ኣይትውክሉን::›› ምባል ጀሚሩ ‘ዩ::
ብኻሊእ ወገን ብህወሓት ወገን ኮይኖም ካልኦት ውድባት ኣለው:: በተፃራሪ ድማ ዝተሰለፈ ዝነቅሐ መንእሰይ ድማ ኣሎ:: ‹‹ ድሕሪ ሐዚ ኣይንታለልን:: ኢትዮጵያዊነትና ኣኽቢርና ምስ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ብሰላም ክንነብር ኢና፤ ክሳብ ሐዚ አመራርሓ ህወሓት ዘቕርቦ ናይ ምንፃል ሕቶ ኣይጠቅመናን:: ›› ዝብል ካሊእ ወገን እናተፈጠረ ‘ዩ:: እዚ ናብ ዝሐሸ መፍትሒ ከብፅሐና ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ::
ሐዚ ኩነታት ትግራይ ኣብ ሞነጎ ድንግርግር ‘ዩ ዘሎ:: እቲ ህዝቢ ካብ ምድንጋር ዝወፅአሉ ኣንፈት እናሓዘ ‘ዩ:: መንግስቲ ፌዴራል ኣብዚ ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ ዘሎ:: እናዛተየን መፍትሒ ንምድላይ እናፀዓረ ‘ዩ:: በርግፀኝነት ፃዕሩ ክሳብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ በፂሑ ረኢናዮ ኢና::
ኣተገባብርኡ ግና ጎዶሎነት ኣለዎ ‘ዩ:: ንኣብነት ኣብ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ዓንቀፅ 10 ኣካታቲ ዝኾነ ጊዚያዊ ምምሕዳር ይመስረት ይብል:: እቲ ዝተመስረተ ግና ኣካታቲ ዘይኮነ ጊዚያዊ ምምሕዳር ‘ዩ:: እዚ መንግስት ሰላም ንምዕሳል ካብዘለዎ ቁርፀኝነት ዝተልዓለ ውክልናኡ ‘ውን ኩሉ ኣሕሊፉ ሂቡ ‘ዩ:: እዚ ድማ ከመስግኖ ‘ዩ ዝግባእ::
ይኹን ‘ምበር ኣብ ቀፃላይ መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ አካታቲ ውድባት ፖለቲካ ዘሳትፈሉ ጊዚያዊ ምምሕዳር ንክምስርት ድፍኢት ምግባር ትፅቢት ይግበር:: እዚ ድማ ኩነታት ምድምማፅ እንተተፈጢሩን ሐዚ ዘሎ ኣንፈት ለውጢ እንተተሓጊዙ ኣብ ትግራይ ውሽጢ ሰላም ክወርድ ይኽእል ‘ዩ::
ኢፕድ ፡– ስለዝበረና ፃንሒት ብስም እቲ ዝግጅት ክፍሊ ብጣዕሚ የመስግን::
ኣረጋዊ (ዶ/ር) ፡- ኣነ ‘ውን ም ብጣዕሚ የመስግን::
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 1 ጥሪ 2017 ዓ.ም