ቅድሚ ኽልተ መዓልቲ ዝተዛዘመ ዓመት ፈረንጂ 2024 ኣብ ዝተኻየደ ዓለምለኸ ኣትሌቲክስ ውድድራት ብፓሪስ ኣዳላውነት ዝተኻየደ ኦሎምፒክ ብቀዳምነት ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ኦሎምፒክ ብዙሓት ስፖርትታት ውድድር ዝካየደሉን ተወዳዳሪቲ ‘ውን ብፅቡቕ ብቅዓት ዝፎኻኸርሉ ንውልቀኦም ዘዳልዉሉ ብምዃኑ ዓብይ ትኹረት ዝዋሃቦ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተርኣዩ ኮኾብ ኣትሌታት ድማ እቲ ሓደ ዝኾነ ኣትሌት ማራቶን ታምራት ቶላ ‘ዩ፡፡
ካብ ስፖርት ውድድራት ቀዳማይ ኾይኑ ዝቕመጥ ማራቶን ጎያይ ታምራት ቶላ ናይ ኦሎምፒክ ወርቂ ሜዳልያ እንትስዕር ኣብ ኢትዮጵያ ታሪኽ ኦሎምፒክ መበል ሓምሻይ ኣትሌት ክኾን ክኢሉ ‘ዩ፡፡ እዚ ናይቲ ኣትሌት ብቅዓት ዝተመልከተ ኣትሌቲክስ ዓለም እቲ ዓመት ብዝተፈላለየ ርሕቐት ኸፋፊሉ እንትዝክር ብማራቶን ንታምራት ተሳትፎን ብቅዓት ሰፊሕ ሽፋን ሂብዎ ‘ዩ፡፡ ናይ 33 ዓመት መንእሰይ ዓወት ፍሉይ ዝገብሮ ኣብቲ ጉጅለ ተጠባባቂ ተዳሒዙ ናብ ፈረንሳይ ምስተጉዓዘ ብኣትሌት ሲሳይ ለማ ጉድኣት ተተኪኡ ብምጉያይ ተዐዋታይ ምዃኑ ‘ዩ፡፡
ታምራት ናብ ጎዳና ጉያ ገፁ ካብ ምዛሩ ኣቐዲሙ ብ10ሽሕ ሜትሮ ሃገሩ ወኪሉ ኣብ ዝተፈላለየ ውድድራት ታዓዋታይ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ከም ኣቆፀፅራ ኣውሮፓ 2016 ኦሎምፒክ ሪዮ ብ10ሽሕ ሜትሮ ሜዳልያ ነሓስ ምርካቡ ዝዝከር ‘ዩ፡፡ ኣብ ፓሪስ ድማ ካልኣይ ሜዳልያ ኦሎምፒክ ከሳኻዕ ክኢሉ ‘ዩ፡፡
ኣብቲ እዋን ኩነታት ካብ ዓለም ኣትሌቲክስ ድረገፅ ፃንሒት ኣብ ዝገበረሉ እዋን ኣዘኪሩ ‘ዩ፡፡ ‹‹ኣብ ፓሪስ ብጣዕሚ ከቢድ ውድድር እንተኾነ ‘ውን ብኣእምሮይ ክሽነፍ ከምዘይብለይ እናሓሰብኹ ‘የ ነይረ፡፡ ምኽንያቱ ሃገረይ ብመም ውድድር ሓደ ሜዳልያ ወርቂ ምስኻዕ ኣይከኣለትን፡፡ ማራቶን ድማ ናይ መወዳእታ ዕድልና ስለዝነበረ ዘለኒ ኹሉ ንምውፃእ ፃዕሪ ገይረ ‘የ ›› ክብል መሊሱ ‘ዩ፡፡
ኣብቲ ውድድር ካብ 27 ክሳብ 30 ኪሎ ሜትሮ ዘሎ ርሕቐት ዓቐብ ብምዃኑ ፈታኒ እንተኾነ ‘ውን ታምራት ግና ሰዓቱ እናሓሰበ ብምጉያይ እቲ ክብረወሰን ከምዘማሓየሸ ከምዘኽረዖ ተዛሪቡ ‘ዩ፡፡ ‹‹ ኣብ ኣትሌቲክስ ፈተኒ ኩነታት ኣካል ስፖርት ‘ዮም ፣ ስለዝኾነ ድማ ኹሉግዜ ንሃገርና ውፅኢት ንምምፃእ ክንፅዕር ኢና፤ ኣብ ሪዮ ኦሎምፒክ 10ሽሕ ሜትሮ ነሓስ ምስ ኣስመዝገቡ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ቻምፒዮና ለንደን ዓለም ብማራቶን ተሳቲፈ ሜዳልያ ብሩር ነይሩ ዝረኸብኩ፡፡ ኣብ ዪጂን ድማ ወርቂ ሜዳልያ ብምስዓር ብቅዓተይ ከመስክር ክኢለ ‘የ፡፡
በዚ ድማ ብጣዕሚ ሕጉስ ነይረ፡፡ ምኽንያቱ ድማ ድሕሪ ነዊሕ ጉድኣት ‘ዩ ንሃገረይ ተዓዋተይ ዝኾንኩ ›› ክብል ምኽንያት ብርተዐ ዝኾኖ ተዛሪቡ ‘ዩ፡፡ ውድድር ፓሪስ ካብ ምክያዱ ኣቐዲሙ ምስ ጉጅለ ኣባላት ንሰለስተ ኣዋርሕ እናተለማማደ ዝፀንሐ ታምራት ተጠባባቒ ኾይኑ እቲ ውድድር ኽልተ ሰሙን እንትቐረዮ ግና ተወዳዳሪ ከምዝኾን እንትንገሮ ‹‹ ሕጉስ ነይረ ፤ ኾይኑ ግና ሲሳይ ሃገሩ ዝውክለሉ ውድድር ብምዃኑ እቲ ስምዒት ቀሊል እንተይኾነ ‘ውን ተጎዲኡ ካብ ምጉያይ ኣነ ንክሳተፍ ‘ዩ ነይሩ ዝተነገረኒ፡፡
ናይቲ ውድድር እንትጓዓዝ እውን እናሃሰብኹ ዝነበረ ኬንያውያን ካልኦትን ከመይ ገይረ ክስዕር ከምዝግባእ እዩ ነይሩ፡፡ ጠንካራ ውድድር ምግባራይ ከምኡ ‘ውን ኣብ መወዳእታ ርሕቐት ናብ ቕድሚት ምውፀአይ ምዕዋት ከምዝኽእል ኣረጋጊፅለይ፡ ፡ ኣትሌት ገዛሀኝ ኣበራ ማራቶን ምስ ተዓወተ ንዝሓለፉ ዒስራን ኣርባዕተን ዓመታት ኢትዮጵያ ኣብ ኦሎምፒክ ወርቂ ኣየመዝገበትን፡፡ ብምዃኑ ድሕሪ ነዊሕ እዋን ተሳኺዕለይ ምስ ኣበበ ቢቂላ ፣ማሞ ወልዴ ከምኡ ‘ውን ገዛሀኝ ኣበራ ንምፅዋዕ ብምብቐዐይ ሕጉስ ‘የ፡፡ ኣብ ኦሎምፒክ ብሕታዊ ሜዳልያ ንሃገረይ ብምምዝጋብ ንህዝቢ ምኽንያት ሓጎስ ኾይነ ‘የ›› ክብል እቲ ኩነታት ኣብሪሁ ‘ዩ፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 24 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም