
ዘፈር ባንኪ ንወፃኢ ኢንቨስትመንት ክፍቲ ኾይኑ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ዘለዎም ባንክታት ናብ ውሽጢ ሃገር ንክኣትው ዘኽእል ረቂቅ ኣዋጅ ቤት ምኽሪ ፣ ኣዋጅ ቁፅሪ 1360/2017 ኾይኑ ብሰለስተ ተቃውሞን ብኣብዝሓ ድምፂ ከምዝፅደቐ ይዝከር። እቲ ኣዋጅ፤ ምስ ብሄራዊ ባንኪ በቢእዋኑ ካብ ዝስትውዓሉ ለውጥታት ባዕሉ ንከጠዓዕም፤ ተልእኾ ምርግጋዕ ማክሮ ኢኮኖሚ ብግቡእ ንክዋፃእ፣ ኣፍራይነት ንከዕብን፣ ዕብየት ኢኮኖሚ ንክመሓየሽ፣ ሃገር ቦቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ንክቕፅል፤ ኩሎም ተዋሳእቲ ልምዓት ዘሳተፈ ንክኸውን ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ።
እቲ ኣዋጅ ዘቅመጦ ባንከታት ወፃኢ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝሰርሕሉ ኣሰራርሓን፤ ኣካያይድኦም ዝድንግግ ‘ዩ። ነዚ ተኸቲሉ ዝርዝር መምርሒታት ኣብ ኸይዲ ከምዝህልው ብምምልካት፤ እቲ አዋጅ ንኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዘድልዩ ጠንካራ ባንክታት ንክህልውን እዚኦም ድማ ብግቡእ ንምምራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ኣብቲ ኣዋጅ ይገልፅ። ባንክታት ወፃኢ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ዝደልዮ ልቓሕን ሸርፊ ወፃኢን ንምርካብ ዕድል ብምስፋሕ ነቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘረጋግዑ ከምዝኾኑ ፤ንባንክታት ኢትዮጵያ ዝበለፀ ዘጠናኽር፣ ዘጎልብትን ዓቕሚ ምፍፃም ከምዝኾነ ተገሊፁ ‘ዩ።
ንምዃኑ እዞም ባንክታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታዎም ረብሓን ፈተነታቶምን እንታይ ይመስል ? ብምባል ምስ ባዓል ሞያ ባንኪ ዝኾኑ መካየዲ ስራሕ ኦሮምያ ባንክ ጨንፈር ዓዲ ሓቂ መቐለ ኣይተ ጎይቶኦም ደሳለኝ ቃለ መሕተት ገይርና ነይርና።
ኣይተ ጎይቶኦም ከምዝበልዎ፤ እዞም ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም ናይ ባዕሎም ረብሓታትን ፈተናታትን ኣለዎም። እቶም ረብሓታቶም ብምድሓዝ እቶም ፈተናታቶም ከመይ ኢና ክንዋፀኦም እንኽእል ዝብል ትኹረት ክግበረሉ ኣለዎ ይብሉ። እዚ ንምቕራፍ እተን ባንክታት ‘ውን እንታይ ክገብራ ኣለዎን ካፒታለን ማዕረ(ማች) ገይረን ዝሓሸ ቴክኖሎጂ ዝሓሸ ሓይሊ ሰብ ኣፍርየን እዚ ናይ ምቅላስ ስራሕ ክሰርሓ ዓብይ ዕዮ ገዛ ኣለዎን ክብሉ ይገልፁ። ሙሉ ትሕዝቶ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!
ወጋሕታ፡- ኣብ ዘፈር ፋይናንስ ዘሎ ሓፈሻዊ ምንቅስቃስ ብናቶም ሪኢቶ እንታይ ይመስል?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- ምቅስቓስ ፋይናንስ ከም ኢትዮጵያ ኢሉ ‘ውን ከም ትግራይ ብርኪ ኣብ ምዕባይ ‘ዩ ዝርከብ። እዚ መግለፅታት ኣለዉዎ ። እቲ ሓደ በዝሒ ጨንፈራት ብፍላይ ኣብ ውልቀ ባንክታት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ከም ሃገር እናወሰኸ እናኸደ ‘ዩ። ኣብ ከተማ መቐለ ‘ውን እንተሪእና ናብ ሚኢትን ሓምሳን ዝግመት ጨንፈራት ባንኪ ኣብ መቐለ ጥራሕ ግልጋሎት እናሃባ ይርከባ።
ብኻሊእ መግለፂ ናይቲ ምንቅስቃስ ዋና ማእኸል ገንዘብ ‘ዩ። ምናልባት ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ ትሪልየን ዓመታዊ ምቅስቓስ ብብርኪ ኢትዮጵያ ምቅስቓስ ተገይሩ ኣሎ። ካብ ኖርማል ዝባሃል ኣሰራርሓ ወፃኢን ናብ ዲጂታላይዜሽን እቲ ዓለም ዝጠልቦ ናይ ባንኪንግ ቴክኖሎጂ ተሓጊዙ ስራሕ ንምስራሕ ዓብይ እምርታን ኢሉ ‘ውን ብጣዕሚ ብዙሕ ሰብ ዝንቀሳቀሰሉ ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ፋይናንስ ሴክተር ኣብ ፅቡቕ ምንቅስቃስ ከምዘሎ ምግላፅ ይካኣል።
ኣብ ክልል ትግራይ እንተርኢና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝነበረ ዘይተረጋገዐ ኩነታት ባንኪታት ስራሐን ተቋሪፁ ዉሑዳት ጥራሕ ንክንቀሳቐሳ ዝተገደዳሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ። እዚ ጥራሕ እንተይኾነ ሕፅረት ገንዘብ ዘጋጠሞ ማሕበረሰብ ካብ ባንኪ ምግልጋል ወፂኡ ናብ ካልኦት መማረፅታት ዝኣተወሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።
ምስ እዚ ተደሓሒዙ ድማ እቲ ባንኪ ኣሚኑ ገንዘቡ ዓቒቡ ዝነበረ ማሕበረሰብ ኣብ ባንኪ ዝነበሮ እምነት ስኢኑ ፀኒሑ ‘ዩ። ብሓፈሻ ዘሕደሮ ፅዕንቶ ቀሊል ዝባሃል ኣይኮነን። ሙሉእ ብሙሉእ ህይወቶምን ንብረቶምን ዝሳኣኑኑ ዓማዊል ‘ውን ኣለዉ። እዚ ኹሉ ኩነታት ሓሊፉ ኸዚ ፅቡቕ ዝባሃል ምርግጋዕ ፋይናንስ እናተፈጠረ ‘ዩ።
ወጋሕታ፡- ወሰኽ ሸርፊ ዶላር ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዎ ረብሓን ጉድኣትን ከመይ ይሪእዎ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- እዚ ውሳነ ብዙሕ ግዜ ክውሰኽ ‘ዩ እናተብሃለ ፀኒሑ ‘ዩ። ካብቲ ረብሓ ክንላዓል ከለና ከም ረብሓ ተባሂሉ ክስወሰድ ዝኽእል ናይ ዓለምለኸ ንግዲ ባላንስ ክሕሉ ምግባር ጥራሕ ‘ዩ። ካብዚ ወፃኢ ዝተፈለየ ረብሓ ክህልዎ ኣይኽእልን።
እዚ ማለት ኢትዮጵያ ኤክስፖርትን ኢንፖርትን እትገብሮ እትረኽቦ ዶላርን እትልእኾ ዶላርን ስለዘይመጣጠን ናይ ምግዛእ ዓቕሚ ተዳኽም ከለኻ እቶም ምዕራብውያን ወይም እቶም ወፃእተኛታት ብንእሽተን ዶላር ብዙሕ ነገር ስለዝወስዱ ኤክስፖርት ንክዓቢ ይገብር እሞ ኣታዊ ዶላር ኣብ መንጎ ኤክስፖርትን ኢንፖርትን ክፍተት ንግዲ ክፀብብ ዝገብሮ ‘ዩ።
ጉደኣቱ እንድሕር ርኢና ብጣዕሚ ሰፊሕ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ቀውስ ከምፅእ ዝኽእል ‘ዩ። ብዙሓት ዓድታት ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዝነበራ ሃገራት ብዙሕ ግዜ ኣብዚ ውሳነ ዝህባ ‹‹ፌር ካፒታል ኢንካም›› ምዕባዩ ምስ ኣረጋገፃ ጥራሕ እየን ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ዝኣትዋ። እዚ ማለት ሓደ ሰብ ዓመታዊ ኣታዊኡ ልዕል ክብል ከሎ ‘ዩ ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳነ ዝኣትዋ።
እዚ ማለት ዝተደላደለ ኢኮኖሚ ምስ ሓዛ እየን ናብ ከምዚ ዝበለ ውሳነ ዝውስና። ንሕና ግና ብጣዕሚ ኣብ ትሑት ብርኪ እናሃለና ከምዚ ምውሳና እቲ ማሕበረሰብ ኣታዊኡ ከይወሰኸ እቲ ወፃኢ ምውሳኽ ማለት ‘ዩ። ስለዚ ጉድኣቱ ኣብ ኢኮኖሚ ብጣዕሚ ሰፊሕ፤ ናይ ሃፍታምን ድኻን ኣፈላላይ ብጣዕሚ ዘስፍሕ ንምንባር ‘ውን ኣፀጋሚ ኩነታት ዝፈጥር ‘ዩ ኢልካ ምግላፅ ይካኣል ።
ወጋሕታ፡- ባንክታት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ሒዝዎም ዝመፅእ ፈተናን ፀጋታትን እንታይ ይመስል?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- እዚኦም ባንክታት ኣብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ናይ ባዕሉ ፀጋታት ኣለዉ ናይ ባዕሉ ድማ ኽብድ ዝበለ ፈተና ኣብ ነዊሕ እዋን ክፈጥር ‘ዩ ተባሂሉ ዝሕሰብ። ብፅቡቕ ነገር ክንጅምር እሞ እቶም ፀጋታት እንታይ ‘ዮም? እቲ ሓደ ኣብ መንጎ ባንክታት ንሕንሕ ክፈጥር ምግባር ‘ዩ።
ንሕንሕ ክዓቢ ብምግባር ህዝቢ ወይም እቲ ተረባሒ ናይ ባንኪ ዝሓሸ ግልጋሎት ንክረክብ ዝገብር ‘ዩ። እቲ ካልኣይ ኣክሰሰ ዕዳጋ ዓለም ቀሊል ዝገብር ‘ዩ። እዘን ካብ ደገ ዝመፃ ባንክታት ብደገ ዓበይቲ ዓማዊል ኣለዎን ስለዚ ናትና ነጋዶ ምስ እዚኦም ናይ ምርኻብ ዕድል ቀሊል ዝገብረሎም ‘ዩ። ኣብ ናይ ዓለም ዕዳጋ ናይ ምቕራብ ዕድላት ኣለና ማለት ‘ዩ።
ሳልሳይ ረብሓ ብዙሓት ኢንቨስተራት ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ባንኪ ቢሮክራሲ ስለዘይምችው ኢንቨስት ናይ ምግባር ምቅስቓሶም ትሑት ‘ዩ ነይሩ።ስለዚ ናይ ባዕሎም ኣሰራርሓ ቴክኖሎጂ ሒዞም ዝመፁ እንተሃልዮም ኣብዚ መፂኦም ኢንቨስት ናይ ምግባር ድልየቶም ዘስፍሕ ‘ዩ።
ካልእ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብዝምልከት ‘ዩ ፤ንኣብነት ብሚልየናት ዝልቃሕ ሓደ ትካል እንድሕር ሃልዩ እተን ናይ ውሽጢ ዓዲ ባንክታት ምስ ስግኣት ይኹን ካልኦት ምኽንያት እናደሓሓዛ ድልየትን ዓቕምን ምልቃሕ ብዙሕ ኣይነበረንን። እዚ ዝግበር ዝነበረ ኽልተ ባንኪ ተሓባቢረን ንሓደ ትካል ናይ ምልቃሕ ስራሕ ይሰርሓ ነይረን። እዚ ኸዚ ክተርፍ ዝኽእል ‘ዩ።
እዚኦም ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብቀሊሉ ካብ ወፃኢ ብዝመፁ ዝሓሸ ቴክኖሎጂ ዝሓሸ ካፒታል ስለዘለዎም ናይ ምልቃሕ ድልየት ብጣዕሚ ዘስፍሕ ‘ዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ምናልባት ‘ውን ከም ረብሓ ክንሪኦ እንኽእል ቴክኖሎጂ ትራንስፈር ናይ ምግባር ‘ዩ። ብመጠኑ ‘ውን እንተኾነ ስእነት ስራሕ ክቀርፋ ‘የን ኢለ ይሓስብ ።
ዝተወሰነ ሰብ ክቆፅራ እየን ብዝቖፀራ ልክዕ ድማ ሰእነት ስራሕ ናይ ምቕራፍ ናይ ባዕለን ዝኾነ ተሳትፎ ክገብራ እየን። ንሳቶም ንሜጋ ፕሮጀክት ዘለቅሕዎ ፋይናንስ ድማ ብዙሕ ስራሕ ዕድል ክፍጠር ስለዝኽእል ኣብቲ ስራሕ ዕድል ስእነት ዝተወሰነ ክቀርፋ ‘ዩ። እዘን ባንክታት ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሰርሓ ድማ ትረፊ ክረኽባ እየን ፤እንድሕር ትሪፊ ረኺበን ድማ ግብሪ ክኸፍላ እየን እዚ ድማ ከም ሃገር እንርበሐሉ ኣጋጣሚ ‘ዩ ክንብል ንኽእል ።
እቶም ክመፁ ዝኽእሉ ፈተናታት ‘ዮም ኢልና እንገልፆም ድማ እቲ ናይ መጀመርያ ብጣዕሚ ሓደጋ ኢልና እንወስዶ ካፒታል ‹‹ፍላይት›› ‘ዩ፤ እዚ ማለት እቶም ናይ ወፃኢ ባንክታት ኣብዚ ዝረኽብዎ ትርፊ ተመሊሶም ኣብዚ ኢንቨስት ኣይገብርዎይ። ብዙሕ ግዜ ናብ ዓዶም ‘ዮም ዝወስድዎ። ኢንቨስት ተገይሩ ክፍጠር ዝኽእል ዓቕሚ ስራሕን ፋይናንስን ብምድኻም ዝረኸብዎ ትርፊ ንዓዶም ብመልክዕ ዶላር እናሰደዱ ኣብዚ ካፒታል ናይ ምዕባይ ሓደጋ ሰፊሕ ‘ዩ ዝኾን።
ካልኣይ ልዕል ኢለ ከምዝገለፅኽዎ እተን ናይ ውሽጢ ዓዲ ባንክታት ኣብ ንሕንሕ ምእታወን ከም ረብሓ ገሊፀዮ ነይረ ፤ብጉድኣት መልክዑ ‘ውን ይመፅእ ‘ዩ። እተን ካብ ደገ ዝመፃ ባንክታት ዝለዓለ ቴክኖሎጂ እየን ዝጥቀማ ፣እቶም ዝለዓለ ቴክኖሎጂ እንብሎም ዓብይ ልምድን ዘለዎም ማነጅመንት ሒዘን እየን ዝመፃ ፤ማንም ባንኪ ዘይብሉ ካፒታል እየን ሒዘን ዝመፃ ስለዚ ምስተን ናይ ሃገር ውሽጢ ባንኪ ክነሓናሓ ክሙክራ እየን ፤ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ልቃሕ ወለድና ዒስራ ኸባቢ ‘ዩ ዓሚል ዝኸፍሎ፤ ንሶም ዘኽፍልዎ ፍርቂ ናይዚ ክኾን ይኽእል ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ፍትሓዊ ዘይኾነ ንሕንሕ ‘ዩ ዘምፅእ።
ናይቲ ውሽጢ ዓዲ ባንክታት ክዳኸማ ዝገብር ‘ዩ ። እዚ ድማ ነጋዶ ማሕበረሰብ ቢሮክራሲ ዘይብሉ ፣ወለዱ ዝቐነሰ ፣ ኣብ ሓፂር እዋን ‘ዩ እቲ ፋይናስ ዝደሊ ፤ ስለዚ እዘን ባንኪ ናይዚ ኹሉ ዘትርፋሉ ኩነታት ሒዘን ስለዝመፃ ነተን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘለዋ ባንክታት ከም ፈተና ገይርካ ምርኣይ ይኽእል ‘ዩ።
ካልእ ኣፀጋሚ ዝባሃል ቅድሚ ኸዚ ‘ውን እናተኸልከላሉ ዝፀንሓ ምኽንያት ንቑፅፅር ኣፀጋሚ(ስፖርቪዢን ዲፍካልት) ምዃኑ ‘ዩ። ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ መንግስቲ ዘይብሉ ምዃኑ ‘ዩ። ብሄራዊ ባንኪ ናይዛ ዓዲ ተቆፃፃሪ ኣካል ተባሂሉ ዝሕሰብ ንሳተን ብዝዘመነኦ ብርኪ ዝዘመነ ኣይኮነን። እቲ ስፖርቫይዝ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኸቢድ ‘ዩ ዝኾን። እዚ ንምቁፅፃር ኣፀገሚ ‘ዩ ዝገብሮ እዚ ድማ እቲ ሓደ ፈተና ‘ዩ።
እዘን ባንክታት ትኹረት ዝገብርዎ ድማ ኣብ ልዑል ብርኪ ንዘሎ እንበር እቲ ታሕተዋይን ማእኸላይን ትኹረት ገይረን ኣይሰርሓን። ስለዚ እዚ ‘ውን ከም ሓደ ፈተና ተገይሩ ዝውሰድ ‘ዩ፤ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝበዝሐ ማሕበረሰብ ታሕትን ኣብ ማእኸላይን ናብራ ዝነብር ‘ዩ። ስለዚ እዚኦም ናይ ወፃኢ ባንክታት ትኹረቶም ኣብቲ ሃፍታም ዝኾነ ‘ዩ ዝኾን።
እዚ ድማ ናይ ሃፍታምን ድኻን ማሕበረሰብ ፍልልይ እናሰፍሐ ንክኸይድ ስለዝገብሮ ‘ዩ። እዚኦም ባንክታት ትኹረቶም ኣብ ከተማታት ‘ዮም። እንትመፁ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምውፀኦም ፀቢብ ‘ዩ፤ ቀፂሉ ድማ ናብ ከተማታት ‘ዮም ክወርዱ ዝኽእሉ ። ካብዚ ንታሕቲ ንምውራድ ድልየት ኣይህልዎምን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፈተናታተት ሒዞም ክመፁ ይኽእሉ ‘ዮም።
ወጋሕታ፡-ምስ እዚ ተደሓሒዙ ከሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንተሃልዩ?
ኣይተ ጎይቶኦም፡- እዞም ባንክታት ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም ናይ ባዕሎም ረብሓታትን ፈተናታትን ኣለዎም። እቶም ረብሓታቶም ብምድሓዝ እቶም ፈተናታቶም ከመይ ኢና ክንዋፀኦም እንኽእል ዝብል ከም መንግስቲ ክስረሐሎም ዝግባእ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፖሊስታት ብምምሕያሽ ክስራሕ ኣለዎ።
እዚ ምኽባር ናብራ ‘ውን ምስ እዚ ተደሓሒዙ ብሰፊሑ ናይ ምምፃእ ዕድሉ ከጋጥም ‘ዩ። ስለዚ እዚ ንምቕራፍ እተን ባንክታት ‘ውን እንታይ ክገብራ ኣለዎን ካፒታለን ማዕረ(ማች) ገይረን ዝሓሸ ቴክኖሎጂ ዝሓሸ ሓይሊ ሰብ ኣፍርየን እዚ ናይ ምቅላስ ስራሕ ክሰርሓ ኣለዎን። ከም መንግስቲ ድማ እዚ ንምክልኻል ምህርቲ ኣብ ምዕባይ ስራሕቲ ብሰፊሑ ክሰርሕ ይግበኦ።
እዚ ማለት ዝሓሸ ምህርቲ ብልምረተ ቑፅሪ ናብራ ምርግጋዕ ክፍጠር ስለዝኽል ‘ዩ። ኹሉሻዕ ዋጋ ዝትመን ኣብ መንጎ ኣቐርቦትን ጠለብን ዘሎ መሰረት ገይሩ ስለዝኾነ እዚ ክፍተት ከፅብብ ዝኽእል ስራሕቲ ውሽጢ ዓዲ ክስርሑ ኣለዎም። እዚኦም ንምስራሕ ሰላምን ሓይሊ ሰብን ይደሊ ‘ዩ። ሰላም ብምፍጣር ዘሎ ሓይሊ ሰብ ናብ ልምዓት ብምውፋር ምርግጋዕ ኢኮኖሚ ሃገር ምፍጣር ይካኣል ዩ።
ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።
ኣይተ ጎይቶኦም፡- ኣነ ‘ውን የመስግን።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም