ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝኣተዉ ከባቢታት ንዝርከቡ ሓረስቶትን ደቂ ሓረስቶትን ቦታ መንበሪ ገዛ ክወሃቡ ‘ዮም

ኣዲስ ኣበባ፡- ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝኣተዉ ከባቢታት ንዝርከቡ ሓረስቶትን ደቂ ሓረስቶትን ጥራሕ ቦታ መንበሪ ገዛ ንምሃብ ዘኽእል መምርሒ ወፂኡ ተግባራዊ ከም ዝግበር ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ኣፍሊጡ።

ብምትሕብባር ምምሕዳር ከተማ መቐለን ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ምስ ነበርቲ ከተማ መቐለ ኣብ ውሳነ ተጠቃምነት ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ሓረስቶትን ደቂ ሓረስቶትን ዝምልከት ትማሊ ዘተ ኣብዘካየደሉ ገሊፁ። ኣብ ቢሮ መሬትን መዓድንን ትግራይ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ምምሕዳር መሬት ኣይተ ገብረሂወት ተኽለመድህን፣ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 22 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ብዝሃቦ ውሳነ መሰረት ካብ ገጠር ናብ ከተማ ኣብ ዝኣተዋ ጣብያታትን ቁሸታትን ዝነብሩ ሓረስቶትን ደቂ ሓረስቶትን መጠሻ ክረኽቡ ተወሲኑ ‘ዩ ኢሎም።

በዙይ መሰረት ኣብ ኵለን ከተማታት ትግራይ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ፕላን ከተማ፣ ናብ ከተማ ተኸሊሎም ዝሓደሩ ኮይኑ ግን፣ ኣብ ዘይተማሓደሩ ትሕዝቶታት ሓረስቶትን ደቂ ሓረስቶትን ብመሰረት ውሳነ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ 30 ማያዝያ 2017 ዓ.ም ተግባራዊ ከም ዝኸውን ገሊፆም። በቲ ውሳነ መሰረት ሓረስቶት፣ ደቂ ሓረስቶት ዝኾኑን እኹል መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉን፣ ትሑት መሃያ ዘለዎም ኣብ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ብቐዋሚነት ዝሰርሑ መሃያኦም 3333/6485 ብር ዝኾነ ተጠቀምቲ ይኾኑ፤ ካብዙይ ንላዕሊ ደሞዝ ንዘለዎም ግን ተቐባልነት የብሉን ኢሎም።

ብተወሳኺ ኣብ እዋን ርኽክብ ትሕቲ ዕድመ ዝነበሩ ሕዚ 18ን ልዕሊኡን ዝኾኑ ደቂ ሓረስቶት ብዝነኣሰ ስፍሓት ቦታ መንበሪ ገዛ ስታንዳርድ ይተኣናገዱ። ኣብ መንበሪ ብመሰረት ሽንሻኖ ፕላን ከተማ ዝነኣሰ 140 ዝዓበየ 500 ካሬ ሜትር ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብ እዋን ርኽክብ ተረሲዕና ወይ ተዘሊልና ዝብል ሕቶን ቅሬታን ዘለዎ ድማ እኹል መረዳእታ ሒዙ እንትቐርብን ብዝምልከቶም ኣካላት ተፃርዩ ውሳነ ተዋሂቡ ተጠቃሚ ከም ዝኸውን ተዛሪቦም።

ካብ ገጠር ናብ ከተማ ዝኣተዉ ሓረስቶት መንበሪ ትሕዝቶኦም ስርዓት ብምትሓዝ ናይ ምጥቃም፣ ምዝዋር ወይ ናብ ሳልሳይ ወገን ምትሕልላፍ ብባንኪ ኣትሒዝካ ብካፒታል ኣስተዋፅኦ ምጥቃም መሰሎም ዝተሓለወ ምዃኑ ድማ ኣረዲኦም።

ብጋዜጣ ሪፖርተር

ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም

Recommended For You