ኣዲስ ኣበባ፡– ኣብ ክልል ትግራይ ብልዕሊ 1 ቢልየን ብር ካፒታል ዝተሃነፀ ፈላማይ መፍረዪ ቴራናይት ዝኾነ ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ምህርቲ ምምራት ምጅማሩ ተገሊፁ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ስነ ዝተመረቐ ፍብሪካ ‹‹ቴራናይት ሰላም›› ኣብ ትግራይ ፈላማይ ምፍረዪ ቴራናይት ከምዝኾነ ተሓቢሩ። እቲ ፋብሪካ ቴራናይት ኣካል ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ትግራይ ንምዃን ዓሊሙ ናብ ምህርቲ ምፍራይ ከምዝኣተወ ተገሊፁ። ከምኡ ‘ውን ተስፋ ዝፈጠር ክኸውን ‘ዩ ተባሂሉ።
ብበዓል ሃፍቲ ኣይተ ገብረመድህን ገብረ ማርያም ዝትሃነፀ ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ዕቤትን ልምዓትን ትግራይ ኢሉ ‘ውን ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ግዲኡ ከምዘበርክት ቃል ኣትዮም። ንሕብረተሰብ ዓብይ ናይ ዋጋ ለውጢ ከምዘለዎን ንብርክት ዝበሉ ወገናት ናይ ሰራሕ ዕድል ከምዝፈጠረ ገሊፆም። እቲ ፋብሪካ ኣብ ትግራይ ንዝግበር ዳግመ ሕውየትን ህንፀትን ድማ ኣስተዋፃኦ ከበርክት ከምዝኾነ ድማ ኣገንዚቦም።
ኣይተ ቴድሮስ ኣብርሃ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፍብሪካ ቴራናይት ሰላም ብወገኖም እቲ ፋብሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓቕሙ ፣ ብዘፍርዮ ምህርቲ ፈላማይ ከምዝኾነ ብምሕባር ዶሎማት፣ ፀፀር፣ ግራናይትን ስሚንቶን ከምዝጥቀም ኣብሪሆም። እቲ ፋብሪካ ቴራናይት ዘምርተሉ ከይዲ ካብ ምንኽኻእ ሰብ ናፃ ኮይኑ ብኮምፕዩተር ሲስትም ተሓጊዙ ምህርቱ ከም ዘፍርይ ኣይተ ቴድሮስ ኣብርሃ ገሊፆም።
ካብቲ ፋብሪካ ዝወፅእ ተረፈ ምህርቲ ነቲ ኸባቢ ክይብክል ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ናይ ተረፈ ምህርቲ መፃረይ ማሽን ከምዘለዎ ወሲኾም ሓቢሮም። ፋብሪካ ቴራናይት ሰላም ሕዚ ብዝሰርሖ ዘሎ ሓደ ፈረቓ ኣብ መዓልቲ ካብ 533 ሜትር ካሬ ክሳብ 600 ሜትር ካሬ፣ኣብ ወርሒ ድማ 16 ሽሕ ሜትር ካሬ ከምዘምርት ተገሊፁ።
ሕዚ እቲ ፋብሪካ ዛጊድ ን250 ወገናት ስራሕ ዕድል ከምዝፈጠረ ዝሓበሩ ምክትል ስራሕ ፈፃሚ እቲ ፋብሪካ ኣይተ ካሰተ ገ/መድህን ብስለስተ ፈረቓ ምስራሕ እንትጅምር ድማ ን600 ወገናት ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥር ገሊፆም።
ብጋዜጣ ሪፖርተር
ወጋሕታ 3 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም