ኣዲስ ኣበባ:- መብዛሕቲኦም ፖለቲካዊ ፓርትታት ምስ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ብምትሕብባር እናሰርሑ ከምዝርከቡ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። እቲ ኮሚሽን ሕዚ ‘ውን ነቶም ዝተረፉ ዝተወሰኑ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ዕጥቃዊ ቓልሲ ዝገብሩ ኣካላትን ኹሎም ፃውዒት ኣቕሪቡ።
ምክትል ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሂሩት ገብረስላሴ ንትፕኢ ከምዝገለፅኦ፤ መብዛሕቲኦም ፖለቲካዊ ፓርትታት ምስቲ ኮሚሽን ብምትሕብባር እናሰርሑ ከምዝርከቡን ውሑዳት ግና ናብቲ ኮሚሽን ክቐርቡ ከምዘይደለዩን ገሊፀን።
እቲ ኮሚሽን ስራሕ ኣብ ዝጀመረሉ ቕነ ፃውዒቱ ተቐቢሎም ብሓባር ንምስራሕ ድልየት ዘርአዩ ፖለቲካዊ ፓርትታት ንኡሽተይ ምንባሮም ዝገለፃ እተን ኮሚሽነር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን መብዛሕቲኦም ፖለቲካዊ ፓርትታት ምስቲ ኮሚሽን ብምትሕብባር እናሰርሑ ምዃኖም ሓቢረን።
እቶም ፖለቲካዊ ፓርትታት ተሳትፎ ክገብሩ ዝኸኣሉ እቲ ኮሚሽን ገለልተኛን ሓቛፋይን ምዃኑ እናተረድኡ ብምምፅኦም ምዃኑ ዝገለፃ እተን ኮሚሽነር፤ ዓርሶም ዘግለሉ ውሑዳት ፖለቲካዊ ፓርትታት ቕርብ ኢሎም ነቲ ኸይዲ እንተዝምልከቱ፣ ኣካይድኡ እንተዝፍትሹን ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ እንተዝበፅሑን ከምዝሓይሽ መኺረን።
ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምግባር ዕላምኡ ገይሩ ንዝተጣየሸ ፖለቲካዊ ፓርቲ መድረኽ ሃገራዊ ምኽክር ፅቡቕ ኣጋጣሚ እዩ ዝበላ ኮሚሽነር ሂሩት፤ ነቲ ዕድል ዘይምጥቃም ንዓርሱ ከምዘፀፅት ብምሕባር እቲ ኮሚሽን ነቶም ፖለቲካዊ ፓርትታት ብተደጋጋሚ ግዜ ፃውዒት እናቕረበ ምንባሩን ብኣካል ‘ውን ከምዘዘራረቦም ገሊፀን ሕዚ ‘ውን ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ክሳተፉ ንዝደልዩ ኹሎም እቲ ኮሚሽን በሩ ኽፍቲ ገይሩ እናተፀበዮም ምዃኑ ተዛሪበን።
ተወከልቲ ናብ ውሽጢ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኣተዉ ኣካላት ‘ውን ዝኾነ ዓይነት ናይ ስግኣትን ድሕንነትን ጥርጣረ ከይሓደሮም መፂኦም ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ንኽሳተፉ እቲ ኮሚሽን ፃውዒት ከምዘቕረበ ገሊፀን፤ ናይ ድሕንነት ስግኣት ንኸይሓድሮም ውሕስነት ዝህቡን ነቲ ኩነታት ዘመቻችዉን ዓለም ለኻዊ ትካላት ምህላዎምን መንግስቲ ‘ውን ኣብቲ ጉዳይ ፍቓደኛ ምዃኑን ሓቢረን።
“ዘይምርድዳእ ብኵናት ኣይፍታሕን፤ ንፀገማት ብምይይጥ ምፍታሕ እናኸኣልና ብዙሓት ምሁራንን መናእሰይን ዝሰኣንናሎም ሕማቓት ኣጋጣሚታት ክፅፅቱና ይግባእ” ዝበላ ኮሚሽነር ሂሩት፤ ብልዑል ልፍዓትን ድኻምን ተማሂሮም ናብ ፅቡቕ ውፅኢት ዝበቕዑ ብርቂ ዜጋታት ተዘራሪብናን ምፍታሕ እናኸኣልና ናብ ውሽጢ ጎንፂ ምእታው ንሃገር ‘ውን ዝኸፍአ ጉድኣት ከምዘስዕብ ገሊፀን።
ከምገለፃ እተን ምክትል ኮሚሽነር፤ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣእቲዮምና፤ ንኸይንረዳዳእ ገይሮምና ዝበሃሉ ጉዳያት እንተሃልዮም ኮፍ ኢልካ ብምምኽኻር ክፍትሕሉ ዘይኽእሉ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት የለን ክብላ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያውያን እቲ ዓብዪ ፀገምና እቲ ሓደ ኣካል እንትሰርሕ ካልኦትና ተመልከትቲ፣ ተዓዘብትን ወቐስትን ምዃንና ‘ዩ ብምባል እዚ ኣተሓሳስባና ናብ ፀገም እናእተወና ምዃኑ ክንርዳእ ኣይኸኣልናን። ሓቂ ምድላይ፣ ናይ ኻልእ ክፋል ማሕበረሰብ ወይ ዜጋ ሃገርና ቑስሊ ምድማፅ የድሊ ኢለን።
ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ሲቪክ ማሕበራትን ‘ውን ብርሑቕ ተመልካታይ ካብ ምዃን ቕርብ ኢሎም ትፅቢት ዝግበረሎም ንክሰርሑ ዘተሓሳሰባ እተን ኮሚሽነር፤ ኹሉ ብፅሒቱ እንተተዋፂኡ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ውፅኢታዊ ዘይኾነሉ ዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ኣይህሉን ክብላ ገሊፀን።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 19 ሕዳር 2017 ዓ.ም