ሓድግታት ምስ ባህሊ፣ ታሪኽን መንነትን ሓደ ህዝቢ ወይ ሃገር ዝተኣሳሰረ ‘ዩ። ኣብዛ ሃገር ብፍላይ ከዓ ኣብ ትግራይ ዘለው ብዙሓት መግለፂ ባህሊ፣ ታሪኽን መንነትን ዝኾኑ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮን ሓድግታት ከምዘለው ዝፍለጥ ‘ዩ። እዞም ሓድግታት መግለፂ መንነት እቲ ሕበረተሰብ ካብ ምዃኖም ብተወሳኺ መስሕብ ቱሪዝም፣ ሰፊሕ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ፍልፍል ቁጠባዊ እቶትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ህነፀት ፅቡቅ ምስሊ እቲ ሕብረሰብን ሃገርን ዓብይ ግደ ምዃኖም ሙሁራት እቲ ዓውዲ ይገልፁ።
ብሓፈሻ ሃገርና ብፍላይ ከዓ ትግራይ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓድግታት ሃፍታም ‘ያ ዝትብሃል እንተኾነት ‘ውን፤ እቶም ዘለው ሓድግታት ካብ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓደጋታት ብምዕቃብን ብምልላይን ካብቶም ሓድግታት ክርከብ ዝግባእ ረብሓታት ንክኽእሉ እኹል ትኹረት ተዋሂብዎ ኣብ ምስራሕ ብዙሕ ዝተርፍ ስራሕ ከምዘለዎ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ብዙሓት ሰብሞያ ይሕብሩ ‘ዮም።
ብፍላይ ብዘይሕጋዊ ዝግበር ዝውውርን ስርቅን ሓድግታት ከም ካልኦት ስርቆት ዝትክኡ ንብረታት ኣቅሊልካ ዝረኣይ ጉዳይ ኣይኮነን። ዝግበር ዘይሕጋዊ ዝውውርን ስርቅን ኣብቶም ሓድግታት ጥራሕ ደው ዝብል ዘይኮነስ፤ እቶም ሓድግታት ዝመፅእሉ ኣከባቢ ባህልን መንነትን ታሪኸን ምጥፋእ ዘኽትሉ ወንጀል ከምዝኾነ ‘ውን መበል ሓምሻይ መዓልቲ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሓድግታት ተሓሲቡ ዝውዕለሉ ምኽንያት ብምግባር በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊ ድሕረ ገፁ ገሊፁ ‘ዩ።
ከም ሓበሬታ በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ፤ ዓለም ለኸ ትካል ባህልን ትምህርትን ዩኔስኮ በቢዓመቱ ኖቬምበር 14 ወይ (ሕዳር 5) መዓልቲ ምክልኻል ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝግበሩ ዝውውር ሓድግታት ገይሩ ምኽባር ካብ ዝጀምር ሓሙሽተ ዓመት ኣቑፂሩ ‘ዩ።
ትካል ዩኔስኮ ነዚ ዘይሕጋዊ ተግባር ንክልኻል ብ2019 ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ዘካየዶ መበል 40 ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኖቬምበር 14 (ሕዳር 5) ዘይሕጋዊ ዝውውር ሓድግታት ንምክልኻል ዓለምለኸ መዓልቲ ገይሩ መሪፁ ‘ዩ። ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ሓድግታት “ ሓድግታትና መግለፂ መንነትና ብምዃኖም ንዘይሕጋዊ ዝውውር ሓድግታት ከይጋለፁ ንሓልዎም “ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተሓሲቡ ውዒሉ ‘ዩ፡፡
ዘይሕጋዊ ዝውውር ማለት፤ ሓድግታት ብስርቆት ብዕድጊት ወይ ሕጊ ካብ ዝእዝዞ ወፃኢ ብዝተፈላለዩ ብልሓታት ወይ ምትላላት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካሊእ ቦታ ወይ ካብ ሓደ ሃገር ናብ ካሊእ ሃገር ዝግበር ተግባር ምዝውዋር ‘ዩ። ዘይሕጋዊ ዝውውር ሓድግታት ስርቂ ዝሓቆፈ ኣቀባልን ተቀባልን ዘለዎን ብብኪ ሃገርን ዓለምለኸን ብዝተዘርግሐ መረብ ውሽጢ ዝሓልፍ ተግባር ጉጅለ ‘ዩ።
ብብረኪ ዓለምለኸ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሓድግታት ዘፍፀሙሎም ብዙሓት ምኽንያታት እንትህልው ፤ ሓደ ዘይምፍላጥ ወይ ዘይምርዳእ ኮይኑ ካሊእ ድማ ብኣተኻኸብቲ ጥንታዊ ሓድግታት ደላላታት ዝፍፀም ኮይኑ እዚ ድማ ብኢንተርኔትን ሓዊሱ ብጨረታ ዝሸየጠሉ ተግባር ‘ዩ፡፡
ሓድግታት ብዝተፈላለዩ መንገድታት ንስርቅን ንዘይሕጋዊ ዝውውርን ክጋለፁ ይኽእሉ ‘ዮም። ሓደ ኣብ እዋን ኵናት፣ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ተሰሪቆም ናብ ካሊእ ሃገር ክውሰዱ ይኽእሉ። ካልኣይ ኣብ እዋን ሰላም ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ብስርቅን ብምትላልን ካብ ሃገር ብምውፃእ ናብ ዓለም ለኸ ዕዳጋ ክቀርቡ ይኽእሉ።
ኣብ ተግባር ዘይሕጋዊ ዝውውርን ስርቅን ሓድግታት ጥራሕ ዘይኮኑስ እቲ ዝመፅእሉ ከባቢ ባህሊ፣ መንነትን ታሪኽን ምጥፋእ ዘኸትል ገበን ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ሓድግታት ምስ ሓደ ህዝቢ ባህሊ፣ ታሪኽን መንነትን ዝተተሓሓዙ ‘ዮም። ብፍላይ ተንቀሳቃስቲ ዝኾኑ ሓድግታት ነዚ ጥፍኣት ተጋለፅቲ ኾይኖም ‘ዮም ዝርኣዩ።
ብሓፈሻ እዞም መግለፂ መንነት፣ ታሪኽን ባህልን ዝኾኑ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣውን ሓድግታት ተዓቂቦም ናብ ትውልዲ ንክሰጋገሩ ናይ ሓደ ክልተ ትካላት ጥራሕ ዝሕደግ ስለዘይኮነ ኩሎ ዜጋ ኣብዚ ግድኡ ብግቡእ ክዋፃእ ይግባእ። ብፍላይ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሓድግታት ንምክልኻል ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ‘ዩ።
ኣብ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ዝውውር ብዙሓት ኣካላት ተሳትፎ ክገብሩ ዝገባእ ኩይኑ ብፍላይ እቲ ጉዳይ ብቅርበት ዝምለከቶም ኣካላት ብዝተዋደደ መልከዕ ተግባር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ክገብሩ ይግባእ። ካብዚኦም ውሽጢ በዓለ ዋና እቶም ሓድግታት፣ ኣካላት ሕጊ፣ ኮሚሽን ጉምሩክ ፣ ሚዲያታት፣ ትካላት ትምህርት ካብ ዝጥቀሱ ‘ዮም፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም