ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ዓፋርን ዘጋጠመ ጉድኣት ብምሕካም ንቕድሚት ንምስጓም ዘኽእል ሓበራዊ መደብ ሒዝካ ምስራሕ ከምዘድሊ ተገሊፁ። ዚ ዝተገለፀ ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ንምጥንኻር ኣብ ከተማ መቐለ ብቕድሚ ትማሊ ኣብዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ ‘ዩ።
ነቲ መድረኽ ዘተ ዝኸፈቱ ፕሮፌሰር ምትኩ ሃይለ፣ኣብ ሰመራ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ክልላት ዝተበፅሐ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ናብ መሬት ዝወርድ ዘተ ምክያድ ከምዝግባእ ኣመላኺቶም። ፕሮፌሰር ምትኩ፣ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ‘ውን ነዚ ተጀሚሩ ዘሎ መንገዲ ሰላም ኣብ ምድጋፍ ግደኤን ክፍፅማ ከም ዝግባእ ኣመላኪቶም።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብዙሕነትን ርክብ ህዝብታትን ትግራይ ኣይተ ካልኣዩ ኣሰፋ ብወገኖም ከምዝገለፅዎ፣ ክልቲኦም ህዝብታት ናይ ደገ ወረርቲ ሓይልታት ምስ ካልኦት ህዝቢታት ኢትዮጵያ ኮይኖም ኣብ ምምካት ሓበራዊ ታሪኽ ዘለዎም ህዝብታት ‘ዮም፡፡ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ርክቦም ‘ውን ስጡም ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ካልኣዮ ኣሰፋ፣ ክልቲኦም ህዝብታት ንሰላም ዘለዎም ድሌት ፅኑዕ ምዃኑ ብምግላፅ፣ ዘተኣሳስርዎም ክብርታት ዘለዎም ህዝብታት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ዘጋጠመ ጉድኣት ብምሕካም ንቅድሚት ንምስጓም ዘኽእል ሓበራዊ መደብ ሒዝካ ምስራሕ ከም ዘድሊ ዝገለፁ ኣይተ ካልኣዩ፤ ቁስልና ከይሓኸኽና ዝበፅሐና ጉድኣት ብምሕካም ንቅድሚት ክንስጉም ይግባእ ኢሎም። ክልቲኡ ህዝብታት ዝፀንሐን ስጡምን ርክብ ከምዘለዎ ዝገለፁ ኣመሓዳሪ ዞባ ክልተ ክልል ዓፋር ኣይተ
መሓመድ ዓሊ፣ ንሰላም ክንሰርሕ፣ ፀገማትና ብሰላም ክንፈትሕ፣ ዝተመዛበለ ክምለስን ዝዓነው ትካላት ክህነፁን መደብ ሒዝና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም። ኣመሓደሪ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣይተ ሃፍቱ ኪሮስ፤ መሰረት ሰላም ህዝብታት ‘ዮም ብምባል፣ ብብርኪ መሪሕነት ዝተጀመረ ርክብ ናብ መሬት ብምውራድ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ኣመላኺቶም።
ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ብወገኖም ክልቲኦም ህዝብታት ቅድሚ ኲናት ከም ሓደ ስድራ ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝብታት ምዃኖም ብምሕባር፤ ዝነበረ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ እቶም ዝካየዱ ዘለው መድረኻት ናብ መሬት ክወርዱን ዘላቒ ሰላም ንምንጋስ ዝተጀመረ ስራሕ ክጠናኸርን ኣመላኺቶም።
ክልቲኡ ህዝብታት ዘራኽቡ ዘይተኸፈቱ መንገድታት ክኽፈቱ፣ዝተመዛበሉ ወገናት ክምለሱን ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ሓፂር ግዘ ክጅመርን ከምዝግባእ ‘ውን ገሊፆም።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም