ጥምየት ንምውጋእ ሓባራዊ ምላሽ ከምዝሓትትን፤ ነዚ ‘ውን ንውሕስነት ምግቢ ዝኸውን ቐረብ ዓለም ለኸ ድጋፍ፣ ዶብ ዝዘለለ ልምምድ ምክፋል ፍልጠት፣ ንፍትሓዊ ተበፃሕነት ዝሕግዝ ምንባብ ፖሊሲ ኢሉ ‘ውን ንደቂ ኣንስትዮ ጠመተ ዝህብ ስራሕቲ ድጋፍን ኣድላዪ ከምዝኾነ ዝንፀባርቁን ካልኦትን መልኽታት ዘተመሓለለፈሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ጉባኤ ”ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም” አብ ዝኸሪ ዓወት ዓድዋ እንትዛዘም፤ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሓዊሱ ፕረዝዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ፣ ፕሬዝዳንት ሴራሊዮን ጁሌስ ማዳባዬ፣ቀዳማይ ሚኒስትር ጊኒ አማዱ ኡሪ ባህ፣ሚኒስትር ድኤታ ጉዳያት አፍሪካ ዓረብ ኤምሬትስ ሸኸ ሻክቦት ቢን አልናህያን ኣብቲ ጉባኤ ዝተሳተፉ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራትን ዓለምለኸ ትካላትን አብ ዝተረኸብሉ ዘሕለፍዎ መልእኽታት ብውስን መልክዕ ከምዚ ዝስዕብ ይቀርብ።
ኣብቲ መዛዘሚ ጉባኤ ዝተረኸቡ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፤ምኽንያት ኣርብዓ ቢሊዮን ፈልስታት ብዝተተኸሉሉ መፍረያይነት ብዘዕብዩ ስራሕቲ ለውጢ፣ ብልምዓት ድርቂ ዝፃወሩ ኣዝርእቲ፣ ብስራሕቲ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ከምኡ ‘ውን ብዘላቒ ስራሕቲ ግብርና ዝተርኣየ ስጉምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ ”ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም” ከምዝቀረበን ብኢትዮጵያ ተፍርይ፣ ብጥሙር ስራሕቲ ፈጠራ ስራሕ ፓርክታት ኣግሮ ኢንዱስትሪ፣ ብዕብየት ኣታውን ፅንዓትን ዝተርኣዩ ኢንቨስትመንትታት ኣብ ዘፈር ግብርና ዓለም ግደ ኢትዮጵያ ምጥንኻሮም ብምገላፅ፤ኣብቲ ጉባኤ ኣዝዮም ዝረብሑ ዘተታት ነክዕወቱ ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ተሳተፍቲ ‘ውን ካብ ልቢ ከምዘመስግኑ፤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም መልእኽቲ ኣሕሊፎም ‘ዮም።
ጥሜት ንምውጋድ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ከምዘድሊ ዝገለፁ ናይቲ ጉባኤ ተሳታፊ ዝኾኑ ፕሬዚዳንት ኬንያ ዊሊያም ሩቶ ድማ፤ ምጉዳል ማዕርነት፣ ሰፊሕ ድኽነት፣ ጎንፅን ምዝባዕ ኩነታት ፀባይ ኣየር፣ ጥሜትን ዛጊድ ፍታሕ ዘይተረኸበሎም ምኳኖምን ብፍላይ ብጎንፅን ሓደጋ ተፈጥሮን ንእትሕመስ ዘላ ዓለም ጥሜት ምጥፋእ ህፁፅ ምላሽ ዝሓትት ጉዳይ ምዃኑ ብምምልካት፤ ካብዚ ዘሕዝን ዕንወት እንወፀሉ ብሕታዊ መንገዲ ሓበራዊ ምትሕብባር እንትህሉ ጥራይ ምዃኑ እቶም ፕረዝዳንት አስሚሮምሉ ‘ዮም።
ምርግጋፅ ውሕስነት ምግቢ ሓላፊነት መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ዓለም ለኸ ትካላት፣ ናይ ሲቪል ማሕበራት፣ ምሁራንና ናይ ውለቀ ዘፈራት ወሳኒ ግደ ከምዘለዎም ዝገልፁ ፕሬዚዳንት ሪፐብሊክ ሴራሊዮን ጁሊየስ ማዳ ባዮ ብወገኖም፤ኣብ ኣፍሪካ ዝስትውዐሉ ፀገማት ምግቢ ንምፍታሕ ናይ ሓባር ፃዕሪ ኣድላይ ‘ዩ ብምባል፤ ብቴክኖሎጂን ብፖሊሲን ዘተሓገዘ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ምገባር እንተተኻኢሉ ምርግጋፅ ውሕስና ምግቢ ከቢድ ኣይኮንን ይብሉ።
ካብ ጥምየት ነፃ ዓለም ንምፍፃር ከምዝክኣል ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ስንዳይ ዘርአየትሉ ውፅኢት ኣብነት ከምዝኸውንን ብምምስካር ኣብ ሴራሊዮን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅ፤ መንግስቲ እቲ ግብርና ብፋይናንስን ቴክኖሎጂን ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ብምኽታል ስራሕቲ መፍረያይነት ምዕባይ እናተሰርሐ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኣፍሪካ ካብ ጥምየት ነፃ ንምውፃእ ኣብ ዝትገብሮ ፃዕሪ ሴራሊዮን ዓብይ ግደ እናተፃወተት ከምእትርከብ ገሊፆም ‘ዮም።
ካብ ጥሜት ናፃ ዓለም ንምፍጣር ኣብ ኢንቨስትመንትን ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምድሃብ ይግባእ ዝበሉ ድማ ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒዶ) ገርድ ሙለር፤ “ኢንቨስትመንት ምስፍሕፋሕ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻካየደ ካብ ጥሜት ናፃ ዓለም ኮንፈረንስ ኣብ ዝተሳተፉሉን መደረ ኣብ ዝገበረሉን ‘ዩ፡፡
እዚ ኣብ ዝተገለፀሉ መድረኽ ሚኒስትር ኢንዱስትሪ መላኩ ኣለበል ድማ፤ ጥሜት ኢትዮጵያ ንኸብቅዕ ንሓረስቶትን ኢንተርፕራይዛትን ብምሕጋዝ ዕድል ስራሕ እናፈጠረት ከምዝትረከብ ብምግላፅ፤ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምምፃእን ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ብትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነ የብርሁ፡፡
ጉባኤ “ካብ ጥሜት ናፃ ዓለም” ብኢትዮጵያ፣ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ልምዓት ኢንዲስትሪ (ዩኒዶ)ን ብምትሕብባር ዝተሰናደአ ‘ዩ።ተሳተፍቲ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ሃገሮም ኣብ ዝተመስሉ፤ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተረኺበን ነቶም አጋይሽ ምፍናው ብምግባር ምዝዛሙ ‘ውን ካብ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ የመላኽት፡፡
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 5 ሕዳር 2017 ዓ.ም