ኣዲስ ኣበባ፡- ከምሃገር ብኹሉ ነገር ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕ ትፅቢት እንተዘይተገበረልና ‘ውም ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ኣብ ምርድዳእ ምብፃሕን ብሄራዊ ረብሓታትና ፈሊኻ ምፍላጥን ግና ንዘላቒ ሰላምናን ሓድነትናን መሰረት ‘ዩ ክብል ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ፌስ ቡክ ገፁ ኣብዝዘርገሖ መልእኽቲ ኣፍሊጡ።
ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ሃገራዊ ሓባራዊ መንነታት፣ ረብሓታትን እሴታትን ምርድዳእ ንዘላቒ ሰላምን ልምዓትን መሰረት ምዃኑ ብምርዳእ ዝተፈላለዩ ንጥፈታት እናሰርሐ ይርከብ።
ከም ገለፃ እቲ ትካል፣ ብሄራዊ ረብሓታትና ብመንፅር ታሪኽና፣ ሕገ-መንግስቲ፣ ርክብ ወፃኢ ጉዳይ ሰነዳት፣ ሰነዳት ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ፖሊሲታት፣ ኣብ ሃገርና ኣብዚ ሕዚ እናተርኣየ ካብ ዝርከብ ህልዊ ኩነታትን ተመኩሮ ኻልኦት ሃገራትን ኣንፃር ብምልዓል “ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ” ዝስዕቡ ሓሳባት ዝሓዘ ‘ዩ፡፡
ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ዘይብሉ ብዛዕባ ዘላቒ ልምዓት ምሕሳብ ኣይከኣልን። ሰብኣውን ቁሳውን ልምዓት ሓሲብካ ዝሳኻዕ ኣብ ውሽጢ ዓውዲ ሰላም ጥራሕ ‘ዩ። ስለዚ ልዕልነት ሕግን ፀጥታን ብምርግጋፅ ዘተኣማምን ሰላም ምዕሳል ንዕውትነት ኹሎም ነገራት መሰረት ብምዃኑ ኣካል ብሄራዊ ረብሓና ‘ዩ ክብል ኣብሪሁ።
እዛ ሃገር ብዙሕ ተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕን ፈተናታት ከምዘለዉዋ ብምግላፅ፣ ኹለመዳያዊ ብልፅግና ከምዘድልን ነቶም ፈተናታት ንምሕላፍን ድልየት ንምስኻዕን ሚዛን ብዝሃነትን ሓድነትን ብምሕላው ዝፍጠሩ ሕብረ-ብሄራዊ ሓድነት ብምዃኑ ቐንዲ ኣካል ብሄራዊ ረብሓ እዛ ሃገር ብምግባር ምስራሕ የድሊ።
ኣብ መትከልን እሴትን ዝተመስረቱ ትካላት ምህናፅ ናይ ሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ፅባሕ ወለዶ ረብሓ ምኽባር ‘ዩ። ስለዚ ትካላት ናይ ምህናፅ ስራሕቲ ኣካል ስራሕቲ ብሄራዊ ረብሓ ምኽባር ‘ዮም። ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ለውጥን ዘይምርግጋእን ኣብ ትርከብ ሃገር ውሽጢ ዝግበር ስራሕቲ ህንፀት ሃገር ቐዳምነት ዝወሃቦ ህንፀት ትካል ‘ዩ። እዚ ‘ውን ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ቐጥታዊ ኣበርክቶ ስለዘለዎ ኣካል ብሄራዊ ረብሓ ‘ዩ ኢሉ።
ከምሃገር ኹለመዳያዊ ድልየት ንምስኻዕ ዝከኣል ብናፅነት ምውሳን እንትከኣል ጥራሕ ‘ዩ። ሉኣላዊነት ዘይብሉ ህዝቢ ንድልየት ኻልኦት ኣካላት ዝግዛእ ስለዝኸውን ሉኣላዊነትና ምርግጋፅ ወይ ምሕላው ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ረብሓ ምሕላው ‘ዩ ክብል ገሊፁ።
ግብርና ብዝምልከት፣ ዝምግበካ ይቆፃፀረካ ዝበሃል ብሂል ኣሎ። ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል እቲ ሓደ ዓምዲ ናፅነት ‘ዩ። ብኻልኦት ሃገራት ትሕገዝ ሃገር ብኻልኦት ኽብሪ ክህልዎ ኣይኽእልን። ስለዚ ግብርና ‘ውን ቑልፊ ጉዳይ ረብሓ ሃገር ‘ዩ።
ሓምለዋይ ኣሰር እንተወሲድና ድማ ለውጢ ነባሪ ኣየር ዓለም ለኻዊ ስግኣት ‘ዩ። ብመንፅር ኢትዮጵያ እንትረኣይ ድማ ሓደግኡ ኣዝዩ ይገድድ ህዝብና ብድርቅን ውሕጅን ብተደጋጋሚ ዝጥቃዕ ብምዃኑ ኣእዋም ምትካልን ምክንኻንን ቑልፊ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ‘ዩ ክብሉ ኣብሪሁ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 30 መስከረም 2017 ዓ.ም