በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዕ መስከረም 25ን 26ን ክኸበር ‘ዩ

ኣዲስኣበባ፡- ናይ 2017 ዓ.ም በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዕ መስከረም 25 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆራ ፊንፊኔ፣ መስከረም 26 ድማ ኣብ ቢሽፍቱ ሆራ ሃርሰዴ ከምዝኽበር ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮምያ ኣፍሊጡ።

ናይ መጫ ኣባገዳን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣባገዳታት ኦሮምያን ኣባገዳ ወርቅነህ ተሬሳ ንትፕኢ ከምዝገፅዎ፤ ህዝቢ ኦሮሞ ካብ ዘኽብሮም በዓላት ዕርቕን ሰላምን በዓል ኢሬቻ ሓደ ‘ዩ። እቲ በዓል ሎሚ ዓመት ‘ውን መስከረም 25 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆራ ፊንፊኔ፣ መስከረም 26 ድማ ኣብ ቢሽፍቱ ሆራ ሃርሰዴ ክኽበር ‘ዩ።

ኣብዚ በዓል ንምስታፍ ዝርከቡ ክፋላት ሕብረተሰብ ናይ ባህሊ ከዳውንቶም ብምኽዳን እቲ በዓል ብፍቅሪ፣ ብሓድነትን ሰላምን ከኽብሮ ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ናይ ሎሚ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔን ሆራ ሃርሰዴን ብፍሉይ ደሚቁ ንክኽበር ብዙሓት ምድላዋት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ካብዚ ምድላዋት ድማ ናይቲ በዓል መተሓባርቲ ንመናእሰይ ከምይ ክሰማረዩ ከምዘለዎም ኣንፈት ዝሃቡ እንትኾኑ፤ ከምኡ ‘ውን ምስ ኣበጋዳታት ብምትሕብባር ብዛዕባ እንታይነትን ክብርታትን እቲ በዓል ግንዛበ ምሃብ ይርከቦም። ምስ ኣባገዳታት፣ ሃደስንቄታት፣ መንግስትን መዳርግቲ ኣካላትን ብምዃን እቲ በዓል ብሰላም፣ ብፍቕሪን ታሕጓስን ንክኽበር ንምግባር ዘተ ከምዘተኻየደ ብምሕባር፤ እቲ በዓል ምሰ ካልኦት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታን ምስ ህዘቢ ኦሮሞ ብምዃን ንከኽብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም ‘ዮም።

ካብዚ ብዝሓለፈ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እቲ በዓል ንከኽብሩ ፃውዒት ከምዝቀርበ ዝገለፁ ኣባጋዳ ወርቅነህ፤ ኣብ ብሺፍቱን ኣዲስ ኣበባን ካብ ዝኽበር ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ክፋል እታ ሃገር ከም ዝኽበር ‘ውን ተዛሪቦም።

ቄሮዎች፣ ቀሬዎችን ፎሌዎችን ናይቲ በዓል ሰብ ዋና ምዃኖም ብምግላፅ፤ በዓል ኢሬቻ ባህላዊ ክብሩ ሓልዩ ንክኽበር ምኽኣል ከምዝግባእ ኣረዲኦም። ሆረ ፊንፊኔን ሆረ ሃርሰዴ ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ክፋላት እታ ሃገር ዝኽበር በዓል ኢሬቻ ልዕሊ 12 ሚሊዮን ክሳተፉ ‘ዮም ተባሂሎም ትፅቢት ከምዝግበር ገሊፆም።

ሃደስንቄ ቱለማ ዘውዲቱ ብወገነን፤ በዓል ኢሬቻ ናይ ሰላም በዓል ብምዃኑ ናይ ኦሮሞን ባህልን ስርዓትን ብዝተኸተለ መልክዕ ክኽበር ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ እቲ በዓል ባህሉን ክብርታቱን ተኸቲሉ ንክኽበር ኩሉ ብፅሒቱ ክዋፃእ ይግባእ ኢለን።

ናይሎሚ በዓል ኢሬቻ ክብርታት ስርዓት ገዳ ብዝሓለወ መለክዕ ንምኽባር ምድላዋት እናተወገነ ምዃኑ እተን ሃደስንቄ ዝገለፃ ኮይነን፤ እቲ በዓል ብዘይዝኾነ ፀገም ኩሉ ብሓባር ደው ክብል ኣለዎ ኢለን። ብፍላይ መናእሰይ ግደኡ ብግቡእ ክዋፃእ ኣለዎ ክብላ ገሊፀን። ካብዚ ውሽጢ ሓደ እቲ በዓል ዝኽበረሉ ቦታ ምጉብናይን ፅሩይ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠቃሲ ምዃኑ ተዛሪበን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 16 መስከረም 2017 ዓ.ም

Recommended For You